Monday , May 13 2024

ዜና

ሽወደንን ኣሜሪካን ታሪኻዊ ስምምዕ ምክልኻል ተፈራሪመን

ሽወደንን ኣሜሪካን ታሪኻዊ ስምምዕ ምትሕብባር ምክልኻል ተፈራሪመን። ብመሰረት እቲ ስምምዕ፡ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ መላእ ሃገር ናብ ዝርከባ 17 ወተሃደራዊ መዓስከራት ክኣቱ ይኽእል። ሚኒስተር ምክልኻል ፓል ጆንሰን፡ እዚ ስምምዕ ምክልኻል፡ ሽወደን ኲናት ኣብ ዝፍጸመሉ እዋን ካብ ኣመሪካ ወተሃደራዊ ሓገዝ ክትረክብ ዝዓበየ ዕድል ዝህብ እዩ ይብል።

Read More »

ፊንላንድ፥ ቋንቋ እንግሊዝ እግሪ ይተክል ምህላዉ ንብዙሓት የሻቕሎም

ብዙሓት ፊንላንዳውያን፡ እንግሊዝኛ ብዋጋ ቋንቋ ፊንላንድን ሽወደንን ዝሰፍሐ ቦታ ክረክብ እዩ ዝብል ፋዕራ ከም ዘይብሎም ብኦማ ኪየሊ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ይሕብር። ኣስታት 85% ሚእታዊት ካብቶም ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ሰባት፡ ኩባንያታት ብቐንዱ ብቋንቋ ፊንላንድ ወይ ሽወደን ንተጠቀምቲ ከገልግላ ኣለወን ዝብል መግለጺ ምሉእ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ከምዝሰማምዑ ገሊጾም። ካብቶም መልሲ ዝሃቡ ሰባት ኣስታት 10% ጥራይ እዮም ምስቲ መግለጺ ዘይተሰማምዑ። እንግሊዝኛ እንኮ ቋንቋ ኣገልግሎታት …

Read More »

ንሰልፊ ደሞክራሲ ሽወደን ዝወሃብ ደገፍ ይውስኽ

ኣስታት ሓደ ካብ መረጽቲ ናይተን ሰለስተ መንግስታዊ ሰልፍታት (ሞደራላውያን፡ ሊበራላውያንን ክርስትያን ዲሞክራስያውያንን) ሰልፊ ዲሞክራሲ ሽወደን ኣካል ናይቲ መንግስቲ ክኾኑ ከም ዝደልዩ ተፈሊጡ። ነዚ ዝገለጸ ብ ሬድዮ ሽወደን ዝተገብረ ዳህሳስ እዩ። መረጽቲ ሰልፊ ክርስትያናዊ ዲሞክራሲ ብፍላይ ሰፊ ደሞክራትስ ኣብ ካቢነ ሚኒስተራት ምህላዎም ብኣዎንታ ከም ዝርእይዎ ገሊጾም ኣለዉ።

Read More »

ስፖቲፋይ ወጻኢታት ንምንካይ 1500 ስራሕ ምቑራጹ

ኣገልግሎት ስትሪሚንግ ስፖቲፋይ ቊጽሪ ሰራሕተኛታቱ ብ 17% ይቕንስ ከምዘሎን እዚ ድማ ልዕሊ ሽሕ ሰባት ስራሕ ክስእኑ ክገብር ከም ከምዝኽእልን ተገሊጹ። መስራትን ዋና ኣካያዲ ስራሕን ናይቲ ሽወደናዊ ኩባንያ ዳኒኤል ኤክ ንሰራሕተኛታት ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ነቲ ስጉምቲ “ዓብዪ ለውጢ” ክብል ገሊጽዎ’ሎ። “ሓቂ ንምዝራብ፡ ብዙሓት በላሕቲ፡ ንፉዓትን ጻዕራማትን ሰባት ክወጹና እዮም” ክብል ኤክ ኣብቲ ደብዳበኡ ገሊጹ።

Read More »

ኣባይቲ ሽወደን ካልእ ልዑል ዋጋ ጸዓት ዝረኣየሉ ክረምቲ ከጋጥመን ዶ ይኸውን?

ዝሓለፈ ክረምቲ፡ መንግስቲ ነቶም ኣዝዮም ዝተሃስዩ ደገፍ ጸዓት ንምሃብ ኢዱ ብምእታዉ፡ ብዙሓት ስድራቤታት ሽወደን ኣዝዩ ልዑል ዝተባህሀሉ መጠን ክፍሊት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከም ዘጋጠመን ተሓቢሩ። ክረምቲ 2024 ከመይ ክኸውን እዩ? ከምኡ’ውን ንዝለዓለ ሕሳብ ምውዓይ ነዳዲ ዝድርኹ ረቛሒታት እንታይ እዮም? መልሲ ናይቶም ሕቶታትን ካልእን ንምርካብ፡ ሬድዮ ሽወደን ምስ ካጅ ፎርስበርግ ዝተባህለ ተንታኒ ዕዳጋ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኤጀንሲ ጸዓት ሽወደን ኣዘራሪባ’ላ። ንሱ ኣብ መልሱ …

Read More »

መደብ ምክልኻል ነብሰ ቅትለት ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ኮተቴ ክፉታት ኮይኖም ከዕልሉ የተባብዑ

ኣብዚ ሎሚ እዋን ኣብ ሽወደን ካብ 15-24 ን ዝዕድሚኦም ሰባት ቀንዲ ጠንቂ ሞት ነብሰ ቅትለት ምዃኑ ተገሊጹ። ኣብ ሽወደን ኣብ ዘለዋ 60 ዝተፈላለያ ምምሕዳራት ከተማ፡ ኣብያተ ትምህርቲ ንኣስታት 14 ዓመት ዝዕድሚኦም ተማሃሮ ኣብቲ YAM ወይ ‘ንቕሓት መንእሰያት ኣብ ጥዕና ኣእምሮ’ ዝብል መደብ ክሳተፉ ዕድል ይህባ’ለዋ። እቲ መደብ፥ ተማሃሮ ኣብ በዳሂ ኲነታት ንጡፍ ተራ ክጻወቱ ዝኽእሉሉ መዳያት ዘጠቓልል እዩ። ማሪ ዌስተርበርግ …

Read More »

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፊንላንድ ጌጋ ከም ዝፈጸመ ተኣሚኑ

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ማሪ ራንታነን (ፒኤስ) ኣብ ሩስያ 10 ሚልዮን ሕጋዊ ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ከምዘለዉ ዝሃበቶ ሓበሬታ ጌጋ ምዃኑ ተኣሚና። “ናይዚ ጌጋ ምሉእ ሓላፍነት ዝወስድ ኣነ እየ። ሩስያ ኣስታት ሸውዓተ ሚልዮን ወጻእተኛታት ኣለዋ፥ ካብዚኦም እቶም ክሳብ ክልተ ሚልዮን ዝግመቱ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣብታ ሃገር ዝቕመጡ እዮም” ክብል እየ ደልየ ነይረ ክትብል ዝሓለፈ ረቡዕ ምስ YLE ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት ኣነጺራ። ራንታነን …

Read More »

ፖሊስ ን ገበን ተቓላዕቲ ከባቢታት ኣመልኪቱ ዘውጽኦ ዝርዝር የመሓይሽ

ፖሊስ፡ ኣብ ሽወደን ትሑት ማሕበረ-ቁጠባዊ ደረጃ ዘለዎም በዚ ድማ ንገበን ተቓላዕቲ ዝበሃሉ ከምኡ’ውን ንጡፍ ገበናዊ ምንቅስቓስ ዘለዎም ከባቢታት ኣመልኪቱ ዘውጽኦ ዝርዝር ኣመሓይሹዎም። ኣብቲ ዝርዝር ኣርባዕተ ሓደስቲ መዳያት ተወሰኹ፡ ካልኦት ሽዱሽተ ግን ኣብቲ ክልተ ዓመት ዝካየድ ምድላው ተኣልዮም ኣለዉ። ኣስታት 5% ካብ ህዝቢ ሽወደን ኣብዚ ንገበን ተቓላዒ ዝተባህለ ምዱብ ከባቢታት ከም ዝነብር እቲ ዝርዝር ኣመልኪቱ’ሎ። ብተመሳሳሊ ዜና፡ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ኣብ …

Read More »

ስድራቤታት ብምንቊልቋል ቚጠባ ይህሰዩ

ቁጠባ ሽወደን ሕጂ ብወግዒ ኣብ ምንቁልቋል ስለዝርከብ፡ ብዙሓት ስድራቤታት እዚ ኲነታት ክስምዖም ጀሚሩ’ሎ። ሽመታ ኣባይቲ ምንቊልቋል ካብ ዝጅምር ልዕሊ ሓደ ዓመት ኮይኑ ኣሎ። ሬድዮ ሽወደን እዚ ኲነታት ብልክዕ ከመይ ዝበለ ጽልዋ ኣብ ዜጋታት የሕድር ምህላዉ ንምፍላጥ ን ገለ ሰባት ተወኪሳ ኔራ። ሓደ ካብዚኦም ዝኾነ ኣቦ እዚ ኲነታት ጽልዋ ከም ዘሕደረሉ፡ ናይ ምጒዓዝ መደባቱ ዳግመ ግምት ክገብረሉ፥ ኣብ ኣወጻጽኣ ገንዘቡ ኸኣ …

Read More »

ሽወደን ዝነውሓ መካይን ናብ ጎደና ክኣትዋ ትፈቅድ።

ሽወደን ኣብ ጽርግያታታ ዝፍቀድ ዝለዓለ ንውሓት መካይን መጓዓዝያ ካብቲ ሕጂ ዘሎ 25.25 ሜትሮ ናብ 34.5 ሜትሮ ክውስኽ ጌራ። ሽወደን ነዚ ብምፍቃዳ በዚ መዳይ ነታ ኣብ ኤውሮጳ ዝነውሓ ተሽከርከርቲ ዘለዋ ፊንላንድ ተጸንቢራታ’ላ ። ምምሕዳር መጓዓዝያ ሽወደን (ትራፊክ ቨርከት)፡ እዘን ሓድሽ 34.5 ሜትር ቁመት ዘለወን ሱፐር ትራክስ፡ ንኢንዱስትሪ መጓዓዝያ ሽወደን ጥራይ ዘይኮነ ንሽወደን ብሓፈሻ ከም ዝጠቕማ ይገልጽ። “ኣብ ሽወደን ተወዳዳሪ ኢንዳስትሪ ክህልወና …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com