Friday , May 17 2024

ዜና

ኮኾብ ናይ ተሌቪዥን ጋዜጠኛ ካብ ክሲ ጾታዊ ዓመጽ ናጻ ኢኻ ተባሂሉ።

ኮኾብ ናይ ተሌቪዥን ጋዜጠኛን ኣቕራቢን ማርቲን ቲመል ኣብ ቤትፍርዲ ናይ ይግባይ ሕቶኡ ክረአ ድሕሪ ምሕታቱ ናጻ ከም ዝተባህለ ተገሊጹ። እቲ ክሲ ካብ ዝቐርብ ዓሰርተ ዓመታት ከም ዝሓለፎን ኣርባዕቲኦም ዝቐረቡ መሰኻኽር ንሓድሕዱ ዘይሰማማዕ ቃል ብምሃቦም እዩ እቲ ተኸሳሲ ብናጻ ክሰናበት ተጌሩ ክብል ዳኛ እቲ ቤትፍርዲ ገሊጹ’ሎ። ማርቲን ብወገኑ ነቲ ከሳሲኡ ብጽላም ስም ክኸሶ ምዃኑ ቃል ሂቡ’ሎ።

Read More »

ተኣምር ሊቨርፑላውያን ሕሊሚ ባርሰሎና ኣብኒኑ!!

ሊቨርፑል ናይ 3 ብ 0 ስዕረት ብ 4ብ0 ብምቕልባስ ከምወትሩ ታርኽ ትስርሕ። እዚ ዝኾነሉ ኣብ ናይ ትማሊ 2ይ እግሪ ጸወታ ቻምፕዮን ሊግ ግጥም ርብዒ ፍጻሜ ኣብ ሚዳ ካምፕ ኑ ብሰንኪ መስበርቲ ንወሰንቲ ተጻወታ ፈርሚኖ፣ ሳላሕን ከይታን ዝኸሰረት ሊቨርፑል። ተንተንቲ ኩዑሲ እግሪ መራከቢ ብዙሃን ባርሰሎና ን ፍጻሜ ካምዝሓለፈት ሕጊ ከተማልእ እምበር ብ ሊቨርፑል ዝመጽእ የለን ዝበሉሉ ጸወታ። ልዊስ ስዋሬዝ ከይተረፈ ጎል …

Read More »

Swedish News on Tigrigna ዜናታት ሽወደን ብትግርኛ 6 ግንቦት 2019

ገለ ካብ ትሕዝቶ ናይ ሎሚ ዜናታት፣- ኣርእስተ ዜናታት  ድሕሪ ምቛም መንግስቲ ሽወደን ኣብ ወርሒ ጥሪ ፈላማይ ክትዕ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ተኻይዱ  ባዓል መዚ ኢመግራሽን ንዜጋታት ኤርትራ ዝርእይ ፍሉይ ፍታሕ ከምዝገበረ ተፈሊጡ።  ኣብ ብዙሕ ዞባታት ሽወደን ዝርከቡ ባንክታት ደም ሕጽረት ከምዘጋጠመ ተፈሊጡ። መደባትናን ብሰፊሕ ሓበሬታን ብዛዕባ ኩነታት ሽወደን ብትግርኛ ኣብ መርበብ ሓበሬታና www.alkompis.se/ti ተወከሱ ::

Read More »

ሕጽረት ለገስቲ ደም ኣጋጢሙ ተባሂሉ።

ባንክ ደም ሽወደን A ወይ O ዓይነት ደም ዘለዎም ለገስቲ ደም ነበርቲ Skåne Upsalla ዮተበሪን ስቶክሆልምን ኣብ ቀረባኦም ናብ ዝርከብ ክሊኒክ ክውከሱ ጻውዒት ጌሩ’ሎ። ኣብ ደቡባዊ ሽወደን Skåne ዋሕዲ ዓይነት ደም B ከም ዘሎ’ውን ተገሊጹ’ሎ። “እዚ ሕጽረት እተኸስተሉ ምኽንያት ብምብዛሕ በዓላት ክንዲቲ ዝድለ ንሰርሕ ብዘይምህላውና እዩ ዝኸውን” ወይ’ውን” ለገስቲ ደም ናባና ክመጹ ብዘይምኽኣሎም እዩ” ትብል ኣዋሃሃዲት ደም Ge Blod Enisa …

Read More »

ጻውዒት ንሰላማዊ ሰልፊ ካብ ኮሜቴ ምጥርናፍ ስድራ ቤት

ከምዝፍለጥ ኣብ ሃገረ ሽወደን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተኻየዱ ምቅይያር ሕግታት ብዙሓት ስድራቤታት ንኽበታተኑ ጠንቂ ከምዝኾነ ዝፍለጥ እዩ። ኮሜቴ ምጥርናፍ ስድራቤት ምስ ኣባላት ፓርላማ ስዊድን ክገብሮ ድሕሪ ዝጸንሐ ርክባት ንዕለት28 ግንቦት 2019 ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ካብ ሰዓት12:00 ክሳብ ሰዓት 15:00  ሰላማዊ ሰልፊ ንኽግበር መደብ ወጽዩ ስለዘሎ: ኩላትኩም በዚ ጉዳይ ትግደሱ ሰባትን ደገፍትን ኣብቲ ተመዲቡ ዘሎ ሰዓትን ዕለትን መጺኹም ድምጽኹም ከተስምዑ ጻዊዕትና ነቅርብ። …

Read More »

ICA ዘፍርዮ ዓይነት ብላሽ መግቢ ክንኪ እየ ይብል።

ዋና ኣካያዲ ስራሕ ሰንሰለት ICA ዝኾነ Per Strömberg ኣብ 2025 ዘፍርዮ መጠን ገፈጥ-መፈጥ መግቢ ብፍርቂ ከጒድለ ምዃኑ ሓቢሩ’ሎ ክብል ን ጋዜጣ dagens ሓቢሩ’ሎ። ፍርያት ገፈጥ መፈጥ ኣብ ከባብያዊ ብከላ ኣስተዋጽኦ ከም ዘለዎም ዝፍለጥ እዩ። ምዕሩይ ምዕባለ መታን ክህሉ መራሕቲ ቢዝነስ ህዝቢ ዝሓሸ ጥዕናዊ ትሕዝቶ ዘለዎ መግቢ ክወስድ ከተባብዑን ክመርሑን ሓላፍነት ከም ዘለዎም’ውን ተሰሚርሉ’ሎ።

Read More »

ጒጅለታት ጒሒላታት ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት 500 ቢልዮን ክሮነር ይረኽቡ ተባሂሉ።

ሽወደን እተሳተፈቶ ሓደ ኣውሮጳዊ መጽናዕቲ ጒጅለታት ጒሒላታት ንሰብመዚ ቀረጽ ብምፍርራህን ስርዓት ቫት ብምኽታርን ቢልዮናት ክሮነራት ዝግመት ማል ከም ዝረኽቡ ኣመልኪቱ። 35 ማዕከናት ዜና ኣውሮጳ እንተላይ ናይ ሽወደን Ekot ራድዮ ኣብቲ መጽናዕቲ ተሳቲፈን። እዞም ጒጅለታት ጒሒላታት ኣብ ኣዝዩ ሕልኽልኽ ዝበለ ንግድ ዝዋፈሩ ኮይኖም ኣብ ዶባት ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት እዮም እቲ ናይ ቫትን ምጥፍፋእ ቀረጽን ከም ዝፍጸም ዝገብሩ ዘለዉ ይብል እቲ ዳህሳስ። …

Read More »

ሓድሽ ንጉስ ታይላንድ ዘውዲ ደፊኡ።

ሓድሽ ንጉስ ታይላንድ ቫጂራሎንኮርን ብክብ ዝበለ ጽንብል ዘውዲ ደፊኡ። ናይ ሰለስተ መዓልታት ናይ ንግስነት ጽንብል ብምሕላፍ ድሕሪ ሰብዓ ዓመታት ሓድሽ ንጉስ ታይላንድ ዘውዲ ምርካባ ተፈሊጡ። እቲ ጽንብል ናይ ቡድሃነትን ሂንዱነትን ትውፊታት ብተዛነቕ ዝቐርበሉ ኮይኑ ኣማኢት ዓመታት ዝገበረ ልምዲ ምዃኑ ይፍለጥ። ዘውዲ ንጉስ ቫጂራሎንጎርን 7.3 ኪሎ ዝምዘን ኮይኑ ብምስሊ መንበሪ ጣኦት ኢንዲራ ዝተሰርሐ እዩ ይበሃል።

Read More »

ኣርሰናልን ማንቸስተር ዩናይትድን ዕድል ምስታፍ ናይ ቻምፕዮንን ሊግ ይቕህም!!

ኣርሰናል ኣብ መበል 17 ደርጃ ትርከብ ክለብ ብርንጊቶን ኣልቤን ኣብ ገዛእ ሜዳኣን ኣብ ቅድሚ ደገፍታን  ዝገብረቶ ጸወታ ነቲ ኣቀዲማ ዝረከብቶ ዕድል ናይ 1 ብ 0 ብዘይምዕቃባ ምስ ቡሉጻት ኣርባዕተ ኮይና ውድድራ ናይ ምዝዛም ተክእሎ ቅሂሙ። ኣርሰናል ተጻዋታያ እዛ ጋንታ ግራንት ዛካ ብዝገብሮ ጌጋ እያ ብናይ 1 ብ 1 ውጺኢት ክትፈላለ ተገዲዳ።  ብቁጽራዊ ሓቂ ኣርሰናል ናይ ራብዓይ ደረጃ ቦታ ከተውሕስ ኣብ …

Read More »

Jimmie Åkesson ምስ Jan Björklund, ርሱን ክትዓት ከካይዱ እዮም ተባሂሉ ትጽቢት ተጌሩ’ሎ።

ኣዝዮም ጽርዳዊ ርክብ ዘለዎም መራሕቲ ዴሞክራሲያዊ ሰልፊ Jimmie Åkesson ከምኡ’ውን ሊበራላዊ ሰልፊ Jan Björklund, ቅድሚ ምርጫ ኣውሮጳዊ ሕብረት ርሱን ክትዓት ከካይዱ እዮም ተባሂሉ ትጽቢት ተጌሩ’ሎ። እዞም ክልተ መራሕቲ ሰልፊ ብዓርቢ ጥሙር ጋዜጣዊ ዋዕላ ክነካየድ ኢና ድሕሪ ምባሎም ኣብ ፖለቲካ ሽወደን ሓደ ሰብ ዘይተጸበዮ ክስተት ምዃኑ ይዝረበሉ ኣሎ። እዞም መራሕቲን ሰልፎምን ኣብ ፖለቲካዊ ጣውላ እታ ሃገር ኣብ ክልተ ጫፋት ዝርከቡ ኮይኖም …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com