Friday , May 17 2024

ዜና

ምምንጫው በካሊ ትኪ ሽወደን ወሲኹ።

ምምንጫው በካሊ ትኪ ሽወደን ኣብ ክንዲ ዝንኪ ብኣንጻሩ ወሰኽ ምርኣዩ ብኤጀንሲ ምዕቃብ ከባቢ ሽወደን ዝተፈነዉ ኣፈናዊ ኣሃዛት የረጋግጹ። በዚ መሰረት ፈነወ በካሊ ጋዝ ሽወደን 0.9 በጺሑ’ሎ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ብማእከል ሰርዓተ ሙቐት እታ ሃገር ዝዝውተር ናይ ከሰል ነዳዲ እዩ ተባሂሉ። ባይቶ ሽወደን ዘውጽኦ ሸቶ ከባቢ ንምምላእ ገና ነዚ ኣሃዝ ብ 5 ወይ 8 ሚእታዊት ምጒዳል ከም ዝሓትት ይግለጽ።

Read More »

ብሰንኪ ዋሕዲ መረጽቲ ፈረንሳ ናብ ሽወደን ተቋምት።

ኤምባሲ ፈረንሳይ ኣብ ስቶክሆልም ነቶም ልዕሊ 6 ሽሕ ዝኾኑ ዜጋታቱ ኣብቲ ኣብ ግንቦት 26 ኣብ ሽወደን ዝካየድ ምርጫ ኣውሮጳዊ ሕብረት ድምጾም ንኽህቡ የተባብዕ ኣሎ ክትብል ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ኣብ 2014 ኣዝዩ ውሑድ መራጺ ብምኽሳቱ እዩ ክትብል እታ ማዕከን ሓበሬት ወሲኻ ገሊጻ’ላ።

Read More »

ኣብ Västerås ገዚፍ ወፈራ ፖሊስን ሄሊኮፕተራትን ተራእዩ።

ከተማ Västerås ከባቢኣን ብሄሊኮፕተራት እተሰነዩ ብዝሒ ዘለዎም ሓለዋ ፖሊስ ተዋፊሮም ከም ዘለዉ ተገሊጹ። ብመሰረት ተሌቪዥን ሽወደን ፖሊስ ነዚ ሓበሬታ ልክዕ ምዃኑ እኳ እንተረጋገጹ እንታይ ዘለ መስርሕ ይካየድ ምህላዉ ግና ናብ ዝርዝር ክኣትዉ ፍቓደኛታት ኣይኮኑን። “ሓደ ሸቶ ዘለዎ ዓብዪ ስርሒት መርመራ ዝካየድ ዘሎ’ዩ ዝመስል” ድሕሪ ምባል ፖሊስ ስርሖም ድሕሪ ምውዳኦም ምሉእ ሓበሬታ ክህቡ ምዃኖም ገሊጹ’ሎ። ድሒሩ ዝመጸና ዜና ከምዝሕብሮ ፖሊስ ከባቢ …

Read More »

ገበነኛታት ንፖሊስ ብድሮናት ይስልዩ።

ገበነኛታት ፖሊስ ንምስላይ ድሮናት ይጥቀሙ ምህላዎም ኣባል ሓለዋ Mikale ይገልጽ። ንሱ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዮተበሪ ኣብ ሓለዋ ጸጥታ ዝተዋፈረ ኮይኑ ኣብ ዮተበሪ ስቶክሆልምን ማልምን እዚ ተርእዮ እናገነነ ምምጽኡ ይዛረብ።

Read More »

Swedish News on Tigrigna ዜናታት ሽወደን ብትግርኛ 13 ግንቦት 2019

Read More »

ቤት ጽሕፈት ዕዮ arbetsförmedlingen ሽወደን መጻኢ ዕማማቱ ተንቲኑ ንዉሳነ ከቕርብ እዩ።

ቤት ጽሕፈት ዕዮ arbetsförmedlingen ከም ባዓል መዚ መንግስቲ መጻኢ መደብ ስርሑ ንዕማማቱን ከመይ ክመስል ከምዘሎዎ፣ ዝዉስን መጽናዕታዊ ትንተና ብምግባር ንዉሳነ ንመንግስቲ ከቕርብ ተኣዚዙ። ብመሰረት ፖለቲካዊ ስምምዕ ወርሒ ጥሪ ባጀት ተቓወምቲ ንዕምማትን ንጥፈታትን ቤት ጽሕፈት ዕዮ ዳግመ ስርርዕ ክግበረሉን መብዛሕቱ ዕማማቱ ብኻልኦት ብሕታዊ ትካላት ክዕመም፣ ዝብል ፖለቲካዊ ዉሳነ ከምዝተገብረ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ብኡ መጠን ብመሰረት ተቓወምቲ ዘጽደቕዎ ምደባ ባጀት እቲ ቤት ጽሕፈት ዘድልዮ …

Read More »

ሽወደን ናይ መጀመሪያ ኣብ ትሕቲ ዳዕሽ ካብ ዝነበሩ ሕጻናት ብወግዒ ክትቅበል ጀሚራ።

እቶም ምስ ሽወደን ምትእስሳር ካብዘሎዎም ወለዲ ዝተወልዱን ኣብ ትሕቲ ፈጣሪ ራዕዲ ጉጅለ ዳዕሽ ካብ ዝጸንሑን፣ ቆልዑ ናብ ሽወደን ክመጹ ወግዓዊ መስርሕ ከምዝተጀመረ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣፍሊጡ። ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ከም ቀንዲ ወዳቢ ናይቲ ፈጣሪ ራዕዲ ኣብ ሃገራት ስካንዲናቪያ ምዃኑ ዝተነግረሉ፣ምካኢል ስክራሞ ዝወለዶም ብጠቕላላ ሾዉዓተ ቆልዑ ናብ ሽወደን ክመጹ ኣብ ጉዕዞ ከምዘሎዉን፣ወከልቲ መንግስቲ ሽወደን ኣብ ዒራቕን ጉዳይ እቶም ቆልዑ ተቕቢሎም ይሰርሕሉ …

Read More »

ተፈታውን ማራክን ግጥም ፕሪመርሊግ ብ ዓወት ኣፍሪቃውያን ተዛዚሙ!!

ልቢ ኩሉ ኣፍቓሪ ኩዕሶ እግሪ ስጋብ መዛዘሚ ዘንጠልጠለ ግጥም ፕርመር ሊግ ኢንግሊዝ ብዓወት ማንቸስተር ሲቲ ተዛዚሙ። ኣብ`ዚ ሎሚ ዝተዛዘመ ግጥም ፕሪመር ሊግ ተሸለምቲ ወርቂ ጫማ ኮይኖም  ዝዛዘሙ ሰለስተ ኣፍሪቃውያን ማለት ኣቡሞያንግ ካብ ኣርሰናል፣ ሳነን ሳልሕን ድማ ካብ ሊቨርፑል ነፍሲ ወከፎም 22 ሸቶታት ብምምዝጋብ ኩርዓት ኣፍሪቃ ኮይኖም ደሚቖም። ኣብ`ዚ ብ ዓብላልነት ሊቨርፑልን ማንቸስተር ሲቲ ክቕለስ ዝጸንሔ ውድድር ኣብ መዛዘሚ ውድድር ካብ …

Read More »

ሰልፊታት ባይቶ ሽወደን ኣብ ባጀት ምክልኻል ብገዚፍ ተፈላልየን።

ዓቃባዊ ማእከላይ ሊበራላዊን ደሞክራስያዊ ክርስትያን ሰልፊን ብምኽንያት ኣብ ባጀት ምክልኻል እተራእየ ናይ ሓሳባት ምፍልላይ ካብ ባይቶኣዊ ሽማግለ ምክልኻል ነብሰን ምግላለን ይግለጽ ኣሎ። ዓርቢ መዓልቲ ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዝወዓለ ጋዜጣዊ ዋዕላ እዘን ሰልፊታት እዩ እዚ ፍልልያት ከም እተጋህደ ክፍለጥ ተኻኢሉ። እተን ሰልፊታት ካብ ዓመተ 2020 ክሳብ 2025 ኣብ ዘሎ ዓመታት 84 ቢልዮን ክሮነር ንምክልኻል ክስላዕ ክእምማ እንከለዋ ሚኒስተር ምክልኻል ግና መንግስቲ …

Read More »

ቤትጽሕፈት ማሕበራዊ ጒዳያት Härnösand ብምኽንያት ምፍርራህ ተዓጽዩ።

ፖሊስ Härnösand ቤትጽሕፈት ማሕበራዊ ጒዳያት ዓርቢ መዓልቲ መጥቃዕቲ ክወርዶም ምዃኑ ብኢሜይል ድሕሪ ዝበጽሖም ምፍርራህ ከም ዝገዓዙ ገሊጹ። እቲ ምፍርራህ ናብ ጋዜጣን እቲ ቤትጽሕፈትን ከም እተላእከን እቲ ቤትጽሕፈት ከኣ ብዘይ ምድንጓይ ጥርዓን ምቕራቦምን ተፈሊጡ። ፖሊስ ነቲ ምፍርራህ ብዕቱብ ከም ዝሕዝዎ ሓቢሮም ኣለዉ። በዚ ድማ’ዮም ነቶን 60 ሰራሕተኛታት ዓርቢ መዓልቲ ኣብ ቤቶም ክውዕሉ ዝገበሩ። በዚ ድማ ሎሚ ኲሉ ርክባት ተዓጽዩ እዩ ውዒሉ። …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com