Friday , May 3 2024

ጥዕና

ልዕሊ 30 ትካላት ሕክምና ኣስናን ካብ ሃገራዊ ድጎማ ስኒ ተኣጊዶም

ልዕሊ 30 ኩባንያታት ክንክን ስኒ ካብ 2019 ጀሚረን ካብቲ ንድጎማ ክንክን ስኒ ተባሂሉ እተሰርዐ መደብ ከይሳተፋ ተኣጊደን ኣለዋ። ኣብ ቀረባ እዋን ብመንግስቲ ዝተገብረ መርመራ፡ ምትላል ከይፍጸም፡ ነቲ ኣብቲ ውጥን ዘሎ ምቁጽጻር ከኣ ክተርር ሓሳብ ኣቕሪቡ’ሎ። “እዚ ገንዘብ ካብ ግብሪ ዜጋታት ዝተረኽበ እዩ፣ ናብቲ ዝግብኦ ሰብ ድማ ክኸይድ ኣለዎ” ክብል ኣብ ትካል ማሕበራዊ መድሕን ጆኣኪም ራደስቶም ኣተሓሳሲቡ’ሎ።

Read More »

ብPFAS ዝተበከለ ማይ ቧንቧ ዝሰተዩ ሰባት መሰል ዕንወት ይዕወቱ

ኣብ ካሊንገ፡ ብሌኪንገ ካውንቲ ኣብ ዝተበከለ ማይ ቧንቧ ንኬሚካላት PFAS ዝተቓልዑ ሰባት፡ ካሕሳ ክኽፈሉ መሰል ኣለዎም። ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሽወደን ነዚ ውሳነ ትማሊ ሰሉስ ኣፍሊጡ። ሕጂ መጠን ዕንወት ንምውሳን ተወሳኺ መስርሕ ይጽበ ኣሎ።

Read More »

ቊጽሪ መልከፍቲ ኤችኣይቪ ኣጸቢቑ ይንኪ

ኣብ ሽወደን ቁጽሪ ሓደስቲ መልከፍቲ ኤችኣይቪ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ነክዩ። ሓደ ምኽንያት ድማ እቲ ብዝፍለጥ መከላኸሊ መድሃኒት ምዃኑ ሰደቓ ሳይንስ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺቡ። ኣብ ሓደ ናይ ስቶክሆልም ክሊኒክ ጾታዊ ጥዕና፡ ቁጽሪ ሓደስቲ መልከፍቲ ዓመታዊ ካብ 50 ናብ ትሕቲ 15 ምውራዱ ኣብ ሆስፒታል ስቶክሆልም ግብረሰዶማዊ ጾታዊ ርክብ ንዝፍጽሙ ሰባት ዘማኽር ዶክተር ፊን ፍሊያን ብምጥቃስ ሬድዮ ሽወደን ኣተሓሒዛ ገሊጻ’ላ። ኣብ ሽወደን 8 …

Read More »

ኖርወይ፥ ብ ሓድሽ ጅር ኮቪድ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሕሙማት ን ማእከላት ክታበት ይመልኡወን

ጸጸኒሖም ዝቕልቀሉ ዘለዉ ጅራት ቫይረስ ኮቪድ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኖርወጃውያን ምልካፎም፡ በዚ ድማ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ቀውዒ ህድእ ኢለን ዝነበራ ማእከላት ክታበት ምምልአን ተገሊጹ። ዋላ’ኳ ገለ ሰብመዚ ጥዕና ሕጂ መርመራ ኣድላዪ ከምዘይኮነ ይገልጹ እንተሃለዉ፥ ኣብያተ መድሃኒት ኖርወይ ባዕልኻ እትምርምረሉ ናውቲ ብብዝሒ ከም ዝሸጣ ሓቢረን ኣለዋ። ኣብ ሰሜን ኖርወይ ሃድሰል ዋና ሓላፊ ሕክምና ዶክተር ኢንገብዮርን ብላይድቪን ትማሊ ረቡዕ ንመንግስታዊ …

Read More »

ሽወደናውያን ሕዱር ቃንዛ ይስምዖም

ልዕሊ ሱሳ ሚእታዊት ካብቶም ልዕሊ 16 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት ኣብ ኣካላቶም ብገለ ዓይነት ቃንዛ ከምዝስምዖ ይዛረቡ ክብል ጸብጻብ ስታቲስቲክስ ሽወደን (SCB) ኣመልኪቱ። ብዕድመ ዝደፍኡ ሰባት ብፍላይ በዚ ዝያዳ ይጥቅዑ እዮም ዝበለ እቲ ጸብጻብ ብዙሓት መንእሰያት ከይተረፉ ተመሳሳሊ ጸገማት የጋጥሞም ኣሎ ክብል ወሲኹ ሓቢሩ። ስሩዕ ምንቅስቓስ ኣካላት ምግባር ነቲ ጸገም ንሓዋሩ ንምፍታሕ ተመካሪ ኣገባብ እዩ ተባሂሉ’ሎ።

Read More »

ካብቶም ዝናኽሱ ኣኽላባት ናይ ባህሪ መርመራ ዝግበረሎም ዝወሓዱ እዮም ተባሂሉ

ኣብ ሽወደን ንሰባት ወይ እንስሳታት ዝናኸሱ ኣኽላባት ኣመልኪቱ ዝግበር ገምጋማት ባህሪ እዞም እንስሳ ዘቤት ኣዝዩ ውሑድ ምዃኑ ተፈሊጡ። ብዘይካዚ ፖሊስ ከምዚኦም ኦኣይነት ኣኽላባት ክሰኑ ዝህብዎ ለበዋታት ከም ዘይትግበር ተሓቢሩ። ”ተናኸስቲ ኣኽላባት” ኣብ ዝብል ተኸታታሊ መደባት ሬድዮ ሽወደን ፒ 1 ዝተሳተፉ ክኢላታት ነዚ ርእይቶ ኣጣሊሎም ኣለዉ። ብሰንኪ ስእነት ግቡእ ክንክን ናብ ቤተ ክንክን ዝኣትዉን ሰብ ወይ እንስሳ ዝነኽሱ ኣኽላባት ብፖሊስ ናይ …

Read More »

ሽወደን፥ ግዳያት ወቕዒ ብቚጽሪ ይንክዩ

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቁጽሪ ናይቶም ብወቕዒ ዝሳቐዩ ሰባት ከምዝነከየ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ 78% ሕደጋ ወቕዒ ዘጋጠሞም ካብ ሞት ምድሓኖም ተገሊጹ። እዚ ምንካይ ብኸፊል ሳላ ዝሓሸ ናይ ምክልኻል ኣገባባት ምዃኑ ኣብ ሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ድሕነትን ክኢላ ወቕዒታት ኣናስታስያ ሲሚ ገሊጻ። ከም ምጒዳል ልዑል ጸቕጢ ደምን ስብሒ ሻንብቆ ደምን ነዚ ውጽኢት ምኽንያታት እዮም ብመሰረት መግለጺ ሲሚ። ዝሓለፈ ዓመት 25100 ሰባት ሕማም ወቕዒ ከም …

Read More »

ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ሽወደን ልዑል መጠን ኮቪድ-19 ይረአ

ኣብ ፈሳሲ ጎሓፍ ብዝተገብረ መርመራ ኣብ ሓያሎ ከተማታት ሽወደን ልዑል መጠን ኮቪድ-19 ከምዝተረኽበ ን ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ሕርሻ ሳይንስ ሽወደን ብምጥቃስ ጋዜጣ ዳገንስ ኒሄተር ሓቢራ። እቲ ወሰኽ ዳርጋ ኣብ መላእ ሃገር ይቕጽል እኳ እንተሎ፡ ዋና ክኢላ ለበዳ ሽወደን ማግኑስ ጊስለን ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሓደጋ ከቢድ ሕማምን ሞትን ኣዝዩ ውሑድ ብምዃኑ ሰባት ክጭነቑ የብሎምን ኢሉ’ሎ። “ሕጂ ኣብ ህዝቢ ዘሎ ናይ …

Read More »

ትካል ጥዕናን ድሕነትን ፊንላንድ ክታበት ደንጉዩ ምጅማሩ ተኣሚኑ

ዋና ክኢላ ትካል ጥዕናን ድሕነትን ፊንላንድ (THL) ሚያ ኮንትዮ ፡ ብዛዕባ ምድንጓይ መሐየሊ ክታበት ኮሮና ኣመልኪቱ ዝንቐረበላ ነቐፌታ ምላሽ ሂባ። ንሳ፡ ስርዓተ ክንክን ጥዕና ፊናልንድ፥ ክታበት ዓባይ ሰዓልን ኮሮና ቫይረስን በበይኑ ክውድበሉ ዘኽእል ጸጋታት የብሉን ኢላ። “ክልተ ዓበይቲ ዙርያታት [ክታበት] ንምክያድ ዘኽእል ጸጋታት የብልናን” ክትብል ብሰሉስ ንYLE ገሊጻ። ገለ ኣገልግሎት ሰብኣዊ ድሕነት ኣውራጃታት፥ ኣብ መንጎ ጥርዚ እዞም ለበዳታት ናይ ኣዋርሕ …

Read More »

መንግስቲ ኣብ ጒዳይ ክታበት ህጻናት ሓሳቡ ይቕይር

ወለዲ ንደቆም ጸረ Covid-19 ሕጂ ከኽትቡ ከም ዝኽእሉ ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያትን ህዝባዊ ጥዕናን ጃኮብ ፎርስሜድ ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ገሊጹ፡፡ ዓሚ ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ን 12-17 ዝዕድሚኦም ህጻናት ክታበት ኮቪድ ኣይድልዮምን እዩ ክብል ውሳነ ኣሕሊፉ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ማለት ህጻናት ዕድሜኦም ብዘየገድስ ፍሉይ ሕክምናዊ ምኽንያታት እንትዘይብሎም ክኽተቡ ይምከሩ ኣይነበሩን። ሕጂ መንግስቲ ካልእ ገምጋም ብምግባር ንህጻናት ክታበት Covid ክወሃብ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com