Wednesday , April 24 2024

ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ክሮና

ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ጅር (ዓሌት) ቫይረስ ኮሮና፡ ናብ ዚምባብወ ልሒሙ

እቲ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ጅር ቫይረስ ኮሮና፡ ኣብ ጎረቤት ሃገር ዚምባብወ ብምስፍሕፋሕ፡ ንልዕሊ 60% ሕሙማት ኮሮና እታ ሃገር፡ ጠንቂ ምዃኑ ንሰብ መዚ እታ ሃገር ብምጥቃስ ቢቢሲ ሓቢሩ። ዚምባብወ፡ ዛጊት እዚ 501.YV2 ዝበሃል ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተላብዐ ጅር ዝኣተወላ ካልኣይቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ምዃና ዝሓበረ እቲ ጸብጻብ፡ ሃገራት ቦትስዋና፥ ዛምቢያ፥ ጋናን ጋምቢያን እውን ኣዝዩ ውሑድ ይዂንምበር እዚ ቫይረስ ከም ተራእዩወን ተፈሊጡ ኣሎ። …

Read More »

ኣብ ምምሕዳር ቬስትማንላንድ፡ ብደቡብ ኣፍሪቃዊ ዓሌት ኮሮና ቫይረስ፡ 20 ሰባት ተለኺፎም

ኣብ ምምሕዳር ቬስትማንላንድ፡ ብደቡብ ኣፍሪቃዊ ዓሌት ዝፍለጥ ኮሮና ቫይረስ፡ 20 ሰባት ከምዝተለኽፉን ናይ መገሻ ታሪኽ ከምዘይብሎምን ምምሕዳር ቬስትማንላንድ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። እቲ መልከፍቲ፡ ኣብ መንጎ ጥቡቕ ርክብ ዘለዎም ሰባት ከምዘጋጠመ ተፈሊጡ ኣሎ። እቲ ቁጽሪ ክውስኽ ከምዝኽእል ግን ገምጋማት ይሕብሩ። ደቡብ ኣፍሪቃዊ ዓሌት ኮሮና ቫይረስ፡ ብ B.1.351፡ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ናይ ለበዳ ተኽእልኡ፡ ዝለዓለ ምዃኑ ይንገር። እዚ ዓሌት ቫይረስ፡ ካብቲ …

Read More »

ኣብ ምምሕዳር ስቶክሆሎም፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና እናወሰኸ ምምጽኡ ተሓቢሩ

ኣብ መንጎ ቀዳማይን ካልኣይን ሳምንታት ናይ ወርሒ የካቲት፡ መጠን ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ብ24.1% ከምዝወሰኸ ዳይሬክተር ጥዕና’ቲ ምምሕዳር ብዮሬን ኤሪክሰን ሓቢሩ። እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት፡ ብጣዕሚ ኣሻቓሊ እናኾነ ምምጽኡ፡ ነበርቲ ስቶክሆሎም፡ ነቲ ብበዓል መዚ ጥዕና ዝወጽእ መምርሒታትን ምኽርታትን  ኣከምዘይክተልዎ ዘርኢ ስእሊ እዩ ክብል፡ ኤሪክሰን፡ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ ገሊጹ። ነበርቲ ስቶክሆሎም፡ ብፍላይ ድማ ቅድሚ ክረምታዊ ዕረፍቲ፡ ምስ ሓደስትን ዘይፈልጥዎምን ሰባት ካብ …

Read More »

ቬስትራ ጎትላንድ፡ ሓድሽ መምርሒ ንምክልኻል ኮሮና ቫይረስ የተኣታቱ

ኣብ ቬስትራ ጎትላንድ ለበዳ ሕማም ክሮና ቫይረስ እንዳ ወሰኸ ይመጸ ከምዘሎ ሓኪም ተመሓላለፍቲ ሕማማት እቲ ምምሕዳር ቶማስ ቫልበርይ ተዛሪቡ። እዚ ዝወጸ መምርሒ፡ ንለበዳ ሕማም ክሮና ቫይረስ ንምንካይ ኮይኑ፡ ከምዚ ዝስዕብ ይመስል፡ ኣብ ኣገልግሎት መጓዓዝያታት፡ ኣብ ዱካናት ትኣትወሉ ግዜ፡ ኣብ ኩሉ እዋናት ቡዙሕ ሰብ ኣብ ትራኸበሉ ግዜ፡ ኣፍካ ኣብ ውሱን እዋናት ጥራይ ዘይኮነ፡ ብቐጻሊ ምሽፋን ዝብል ኮይኑ፡ ከምኡውን ተቀማጦ ምንቕስቓሶም ከውሕዱ …

Read More »

ኤውሮፓዊ ሕብረት (EU)፡ 200 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ካብ ኩባንያ መፍረ ክታበት ፋይዘር ክቕበል እዩ

ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ 200 ሚልዮን ዝኸውን ብልቃጥ ክታበት covid-19 ካብ ኩባንያ መፍረ ክታበት ፋይዘርን ቢዮንቴክን ክረክብ ምዃኑ ቢዮንቴክ፡ ሎሚ ረቡዕ፡ ኣብ ዘመሓላለፎ ጸብጻብ ገሊጹ። እዚ 200 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት፥ ብጀካ እቲ ን300 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት፡ ኤውሮፓዊ ሕብረት፡ ዝኣተዎ ስምምዕ እዩ። በዚ ሓድሽ ስምምዕ መሰረት፡ ኣብ ዓመተ 2021፡ ኤውፓዊ ሕብረት፡ ካብ ኩባንያ ፋይዘር፡ ብጠቕላላ 500 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ክርከብ እዩ። ኣብ ዝቕጽል …

Read More »

መንግስቲ ሽወደን፡ ከፊላዊ ምዕጻው (delvis låsning) ክገብር ምዃኑ ኣፍሊጡ

መንግስቲ ሽወደን፡ ሳልሳይ ማዕበል ለበዳ ኮሮና፡ ከየጋጥም ስግኣት ከምዘለዎ ገሊጹ። ነዚ ስግኣት ምርኩስ ብምግባር፡ ከፊላዊ ምዕጻው ከተግብር ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ። እዚ ከፊላዊ ናይ ምዕጻው መስርሕ፡ ንንግዳውያን መደበራት፡ ቤት ምግብታት፡ ኣደራሻትን ናይ ስፖርት ቦታታት ዝምልከት እዩ ክትብል፡ ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት ሽወደን፡ ሊና ሃሊንግሪን፡ ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢራ። ገለ ክፋል ሽወደን ምዕጻው ውን ኣገዳሲ ክኸውን እዩ ክትብል እታ ሚኒስተር ወሲኻ …

Read More »

8.5 ቢልዮን ክሮነር ንምምሕዳራትን ምምሕዳር ከተማታትን

ምምሕዳራትን ምምሕዳር ከተማታትን ሽወደን፡ ጸረ ለበዳ ኮሮና ተባሂሉ ዘውጽአኦ ወጻኢታት ንምሕዋይ፡ ብውሕስነት መንግስቲ፡ ካብ በዓል መዚ ሃገራዊ ቦርድ ጥዕና ሽወደን፡ ናይ 8.5 ቢልዮን ክሮነር ሓገዝ ክረኽባ ምዃነን ተገሊጹ። እዚ ማለት ድማ፡ ኩለን ምምሕዳራትን ምምሕዳራት ከተማታት ሽወደን፡ ንኹሉ ዘጽደቐኦ ወጻኢታተን፡ ምሉእ ብምሉእ ከምዘሕወያ ኣብ ሃገራዊ ቦርድ ጥዕና ሽወደን፡ ተመራማሪት ዝኾነት ሊንዳ ኤልድስትራንድ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ በዓል መዚ ገሊጻ። ብመሰረት መግለጺ …

Read More »

ጆንሶን. . . . ታዓጽዩ ዘሎ ንጥፈታት ሃገር ንምኽፋት፡ ብዘገምታ ክስራሕ ምዃኑ ይመባጻዕ

ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ፡ ቦሪስ ጆንሶን፡ ነቲ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና፡ ንነዊሕ እዋን ተዓጽዮ ዝጸንሐ ጥፈታት ሃገሩ ንምኽፋት ዘኽእል ሓድሽ መደብ፡ ኣብ ዕለት 22/02/2021፡ ከቕርብ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። እቲ ናይ ምኽፋት መደብ፡ ጥንቃቐ ዝመልኦን ቀጻልነት ዘለዎን ክኸውን ምዃኑ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ተመባጺዑ ኣሎ። ክሳብ እዚ ዝተጠቕሰ ዕለት፡ መጠን ናይቶም ዝልከፉ ሰባት፡ ከም እንደገና ክውስኽ እንተድኣ ተራእዩ፡ እቲ ናይ ምኽፋት መደብ ክሰጋገር ከምዝኽእል ብተወሳኺ …

Read More »

መንግስቲ ዴኒማርክ፡ ዝተረረ ቀይድታት ኮሮና የተኣታቱ

መንግስቲ ዴኒማርክ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ናብቲ ሃገር እናተመላለሱ ዝሰርሑ ውልቀሰባት፡ ዝተረረ ቀይድታት ኮሮና ኣጽኒዑ። እዞም ካብ ካልእ ሃገር ናብ ዴኒማርክ እናተመላለሱ ዝሰርሑ ውልቀሰባት፡ ንሓደ ሰሙን ተገልግል፡ ኣሉታዊ ውጽኢት ኮሮና ዝሓዘት ምስክር ወረቐት ሒዞም ይመላለሱ ከምዝነበሩ ይፍለጥ። ካብ ረቡዕ ዕለት 17/02/2021 ጀሚሩ ግን፡ ዕድመ ናይታ ምስክር ወረቐት፡ ንሰለስተ መዓልታት ጥራይ ዘገልግል ክኸውን ምዃኑ፡ መንግስቲ ዴኒማርክ፡ ሓቢሩ ኣሎ። እዚ ሓድሽ መምርሒ፡ ነቶም …

Read More »

ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ሽማግለታት፡ ቆጸራ ክታበት ኮሮና፡ ብቴሌፎን ክሕዙ ከምዝኽእሉ ክግበር እዩ ተባሂሉ

ነቶም ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ሽማግለታት፡ ክታበት ኮሮና ምውጋእ ኣብ ዝጅምረሉ እዋን፡ ብመንገዲ ቴሌፎን ኣቢሎም ቆጸራ ክሕዙ ከምዝኽእሉ ክግበር፡ ኩለን ምምሕዳራት ሽወደን ተሰማሚዐናሉ ከምዘለዋ መደበር ሬድዮ ኢኮት ገሊጹ። ካልኣይ መድረኽ ክታበት፡ ነቶም ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ሽማግለታት ዝወሃብ ኮይኑ፡ ኣቐዲሞም፡ ምስቶም ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ይኹን ኣብ ገዝኦም ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዝረኽቡ ሽማግለታት፡ ኣብ ቀዳማይ መድረኽ ክታበት ኮሮና ዘይተወግኡ እዮም። እዞም …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com