Friday , May 17 2024

ዜና

ኣብ ሓደ ቤት መግቢ ማልሞ ብዘጋጠመ ምፍንጃር ፖሊስ ክልተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮም።

እዚ ምፍንጃር ቅድሚ ትማል ምሸት ኣብ ከባቢ ቤትብልዒ Lilla Torg እዩ ኣጋጢሙ። ኣብ ሰብ ዘውረዶ ጒድኣት የለን እንተኾነ ግና እቲ ቤትመግቢ ዕንወት ከም ዝበጽሖ ተፈሊጡ። ኣፈኛ ፖሊስ ከም ዝገለጸቶ ፖሊስ ከባቢ 1፥49 እዮም ብዛዕባቲ ምፍንጃር ሓበሬታ መጺእዎም። ጒጅለ ሃንደሳ ፖሊስ ከኣ ነቲ ቦታ ብምዕጻውን ምኽርዳንን ምርምሮም ኣብ ምክያድ ይርከቡ ኣለዉ ተባሂሉ። እቲ ምፍንጃር ኣብቲ ቤትመግብን ኣዋሰንቲ ከባቢታትን ጒድኣት እኳ እንተውረደ …

Read More »

ኣብ Rinkeby ኣብ ምርጫ ባይቶ ኣውሮጳ ዝህሉ ተሳታፍነት ንምዕዛዝ ፈተነ ተጌሩ ።

ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ስቶክሆልም ከባቢ Rinkeby ተሳትፎ ምርጫ ኣውሮጳዊ ሕብረት ክዛይድ ብውድባት ሲቪካዊ ማሕበራት ጻዕሪ ይካየድ ምህላዉ ተፈሊጡ። እዞም ምርጫታት ካብ 23 ክሳብ 26 ግንቦት ዝካየዱ ኮይኖም 400 ሚልዮን ዜጋታት ክሳተፍዎም እዮም ዝብል ትጽቢታት ምህላዉ ተፈሊጡ’ሎ። ውድባት ማሕበረሰብ ሶማል ንተቐማጦኡ ኣብ ዝገበሮ ጐስጓስ ሰሚናራት ክልተ ሕጹያት ምርጫ ክከታተሉ ምዕዳሙ ይዝከር። ኣብ 2014 ኣብ ዝተገብረ ምርጫ Rinkby ዝወሓደ መራጺ ከም እተራእየላ …

Read More »

ናህሪ ዋጋ ነዳዲ ንምዕጋት ፍቓድ ንዝሓተቱ ፖሊስ ፍቓድ ምሃብ ኣብዩ።

እዞም ናህሪ ዋጋ ነዳዲ ንምዕጋት ኣብ ከተማታት ሽወደን ሰልፊ ክገብሩ ፍቓድ ንዝሓተቱ ጒጅለ ዓርቢ ከካይዶ መዲብዎ ዝነበረ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ፖሊስ ፍቓድ ስለዝኸልእዎ ክፍጽሞ ዘይምኽኣሉ ገሊጹ’ሎ። ናህሪ ዋጋ ነዳዲ ኣብ ሽወደን Bensinupproret 2.0 ዝበሃል ናይ ተቓውሞ ጒጅለ ምፍጣሩ ይፍለጥ። እዚኣቶም ከምቶም ሰብ ብጫ ጃኬት ተባሂሎም ዝጽውዑን ኣብ ፈረንሳይ 20 ሽሕ ሰብ ኣብ ጐደና ዘሰለፉን ጒጅለ ምዃኑ ይዝረበሉ። መስራቲ ናይዚ ምንቅስቓስ …

Read More »

ኣብ መስጊድ ዮተበሪ ቅትለት ንምፍጻም ወጢንካ ተባሂሉ እተጠርጠረ ሰብ ብናጻ ተለቒቑ።

ፖሊስ ሽወደን ትማል ምሸት ነዚ ቅትለት ንምፍጻም ወጢንካ ተባሂሉ እተጠርጠረ ሰብ ብናጻ ለቒቑ’ሎ። እቲ ጥርጡር ነበር ገዝኡ ብፖሊስ ከም እተፈተሸን ኣብ ገዝኡ ኣውቶማቲክ ክላሺን ትህሉ እያ ዝብል ጥርጣረ ከም ዝነበረን ዛጊት ግና ምንም ከም ዘይረኸቡን እዮም ገሊጾም። እቲ ሰብኣይ ኣብ እስልምናን ኣመንቱን ጽልኢ ከም ዝነበሮ ብተደጋጋሚ ዝገለጸ ኮይኑ ኣቐዲሙ ናብቲ መስጊድ Bellevue ብምኻድ ኣበየናይ ሰዓት እዮም ምእመናን ብብዝሒ ዝእከቡ ኢሉ …

Read More »

4 ሰባት ኣብ መንደቕ ባይቶ ሽወደን ጽሑፍ ብምልጣፎም ተቀይዶም።

ኣርባዕተ ሰባት ኣብ መንደቕ ህንጻ ባይቶ ሽወደን “ኣይትፍርሁ” ዝብል ጽሑፍ ብምልጣፎም ፖሊስ ሽወደን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዮሞም። እዞም ኣርባዕተ ሰባት ትማል ምሸት ቅድሚ ምግባእ ባይቶ እዮም ነቲ “ኣይትፍርሁ” ዝብል ኣዝዩ ምርኡይን ፍሩይን ጽሑፍ ኣብ መንደቕ ህንጻ ባይቶ ሽወደን ዝለጠፍዎ። እቶም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ ሰባት ኣብ ዝተፈላለየ ክሊ ዕድመ ዝርከቡ ኮይኖም ገሊኣቶም ኣብ 90ታት ዝተወልዱ እዮም ክብሉ ፖሊስ ገሊጾም ኣለዉ። …

Read More »

ክሮነር ሽወደን ምንቊልቋ ኣርእዩ።

ክሮነር ሽወደን ምስ ዶላርን ዩሮን ብምውድዳር ምንቊልቋ ኣርእዩ’ሎ ተባሂሉ። እዚ ተርእዮ ሎሚ ኣብ ዝተሓተ ደረጃኡ በጺሑ’ሎ ተባሂሉ። ሸርፊ ሓንቲ ዩሮ 10.79 ክሮነር ምብጽሑን እዚ ምስቲ ዝጸንሖ ናይ 9.65 እንክነጻጸር ዓቢ ምንቊልቋል ምዃኑን እዩ ዝግለጽ ዘሎ። ንዓሰርተ ዓመታት ዝኣክል ዋጋ ዩሮ ምስ ክሮነር እንክወዳደር ከንቈልቊል እዩ ጸኒሑ። ካብ ምጅማር ዓመተ 2019 ንደሓር ክሮነር ሽወደን ብመንጽር ዩሮ 6 ሚእታዊት ብመንጽር ዶላር ከኣ …

Read More »

ክለባት ኢንግሊዝ ንውድድር ዋንጫ ኤውሮጳ ይብሕትኦ!! ሎሚ ምሸት ውድድር ኤውሮጳ ሊግ ቀጺሉ ኣምዘምሰየሉ ኢንግሊዛውያ ክለባት ኣርሰናል ቸልስን ንመጋጥምተ ብምስዓር ነቲ ኣብ ሃገረ ኣዘርባጃን ዝካየድ ናይ ፍጻሜ ውድድር ብምሕላፍ ዓብላልነት ኢንግሊዛውያን ክለባት ኣብ ኩሉ ውድድራት ኤውሮጳ ክብ ኣብሌንኦ። በዚ መሰረት ኩዕሶ እግሪ ናብ መበቆል ሃገሩ ተመሊሱ ክብላ ማእከናት ዜና እካ እንተገለጻ ኩለን ክለባት ኣሰልጠንተን  ወጻእተኛ ብሙኻኖም ግን ሓቅነተ የብሉን ክብሉ ይገልጽዎ …

Read More »

ዋንጫ ቻምፒዮን ሊግ ኢንግሊዝ ከይዳ!!

ኣያክስ ኣምስተር ዳም ሓንቲ ካብተን ሓያላት ሰማንያትትን መጀመራያ ተስዓታትን ናይ ሎሚ ብመንእስያት ጋንታ ዝተሃንጸት ኣብ ቀዳማይ እግሪ ጸወታ ቻምፒዮን ብዘእምን ውጺኢት ናይ 1ብ0 ኣብ ልዕሊ ቶተንሃም ዝተዓወተት ኣካል ጽሉል ምሸት ግጥም ርብዒ ፍጻሜ ቻምፒዮን ኮይና ኣምስያ። ኣብ ናይ ቅድሚ ዕረፍቲ ጸወታ ን ሜዳ ብምቁጽጻር ብ ማትያ ዲለይ ኣብ 5ይ ደቂቅ ከምእውን ኣብ መበል 36 ደቂቅ ብ ሃኪም ዛይች ሸቶ ብምምዝጋብ …

Read More »

ኣስያ ቢቢ ዕቚባ ንምንዳይ ካብ ፓኪስታን ሃዲማ ተባሂሉ።

እታ ንእምነት እስልምና ብምንሻው ብሞት ተፈሪዳ ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሐት ኣማኒት ክርስትና ዝኾነት ኣስያ ቢቢ ካብ ፓኪስታን ሃዲማ ተባሂሉ። ንሳ ምስ ጐረባብታ ኣብ ዝወዓለቶ ቈይቂ ንነብዪ መሓመድ ጸሪፍኪ ተባሂላ እያ ብ 2010 ተኸሲሳ ኔራ። ንሳ ከምዚ ዝበለ ዘረባ ካብ ኣፋ ከም ዘይወጸ ብምክርኻር ንጽህናኣ ክፍለጠላ ክትጣበቕ ጸኒሓ እያ። ሰብመዚ ፓኪስታን ቢቢ ናበይ ተሰዊራ ንዝብል ሕቶ መልሲ ክህብሉ ኣይደለዩን። ጠበቓኣ ሰይፍ ኣል …

Read More »

ኮኾብ ናይ ተሌቪዥን ጋዜጠኛ ካብ ክሲ ጾታዊ ዓመጽ ናጻ ኢኻ ተባሂሉ።

ኮኾብ ናይ ተሌቪዥን ጋዜጠኛን ኣቕራቢን ማርቲን ቲመል ኣብ ቤትፍርዲ ናይ ይግባይ ሕቶኡ ክረአ ድሕሪ ምሕታቱ ናጻ ከም ዝተባህለ ተገሊጹ። እቲ ክሲ ካብ ዝቐርብ ዓሰርተ ዓመታት ከም ዝሓለፎን ኣርባዕቲኦም ዝቐረቡ መሰኻኽር ንሓድሕዱ ዘይሰማማዕ ቃል ብምሃቦም እዩ እቲ ተኸሳሲ ብናጻ ክሰናበት ተጌሩ ክብል ዳኛ እቲ ቤትፍርዲ ገሊጹ’ሎ። ማርቲን ብወገኑ ነቲ ከሳሲኡ ብጽላም ስም ክኸሶ ምዃኑ ቃል ሂቡ’ሎ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com