Friday , May 17 2024

ኣህጉራዊ ዜና

ቀረብ ጸዓትን ዋጋ ኤለትሪክን ኣብ ክትዕ መራሕቲ ሰልፊታት ባይቶ ዓብላሊ ምንባሩ ተገሊጹ።

ፈላማይ ክትዕ መራሕቲ ሰልፊታት ባይቶ እዚ ዓመት፡ ሎም ንግሆ ኣብ ህንጻ ባይቶ ሽወደን ተኻዪዱ። ቀረብ ጸዓትን ዋጋ ኤለትሪክን፡ ቀንዲ ዛዕባታት እዚ ክትዕ እዮም ኔሮም። ብዘይካዚ፡ መሪሕነት ሰልፊ ማእከላይ ብፍቓዳ ንዝገደፈት ኣኒ ሉፍ ኣብቲ ክትዓት ምስታፋን፡ በቲ ኣጋጣሚ ስንብት ከም እተገብረላን ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።

Read More »

ስቶክሆልም፡ ትማል ረቡዕ ለይቲ ሓድሽ ምፍንጃር ተኸሲቱ።

ኣብ ኪስታ (ሰሜናዊ ምዕራብ ስቶክሆልም) ዝርከብ ህንጻ ኲባንያ፡ ትማል ረቡዕ ለይቲ ብእተኸስተ ሓድሽ ምፍንጃር ከም ዝዓነወ ተገሊጹ። ከምዚኦም ዝመሰሉ መርመራታት ምፍንጃር፡ ናብ ምትሓዝ ፈጸምቱ ከም ዘይበጽሑ ስታቲስቲክስ የመልክት። ክልተ ሲሲ ካብዞም መርመራታት፡ መወዳእትኡ ብፍሽለት እዮም ዝዕጸዉ። እዚ ንኸይከውን፡ ፖሊስ መርትዖታት ቅድሚ ምጥፍኡ ናብ ቦታ ፍጻመ ከርክቡ ከም ዝግባእ ኣኽባር ሕጊ ገሊጹ’ሎ።

Read More »

ፖሊስን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ምስ ወለዲ ዝገብርዎ ውዕል ክፍትንዎ እዮም።

ናብ ገበን ክዋፈሩ ይኽእሉ እዮም ተባሂሎም ዘስግኡ ቖልዑ ኣመልኪቶም፡ ፖሊስን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ምስ ወለዲ ዝገብርዎ  ውዕል ክፍትንዎ ምዃኖም ይግለጽ ኣሎ። እዚ ሞዴል ኣብ ሃገረ ጀርመን ኣብ ጠቕሚ ዝወዓለ ኮይኑ ሕጂ ድማ ኣብ ሊንሾፒን፡ ሶደርታልየን ሰሜናዊ ዮተበሪን ክፍተን እዩ ተባሂሉ’ሎ። ኣተኲሮ እዚ ፈተነ ዕድሜኦም 13ን ትሕቲኡን ዝኾኑ ቆልዑ እዮም።

Read More »

መንግስቲ ን ቋንቋ ኣደ ብዝምልከት ገምጋም ክገብር እዩ።

ሰለስቲአን ሰልፊታት መንግስቲ፡ ን ቋንቋ ኣደ ብዝምልከት ገምጋም ክግበር ምስ ሰልፊ ዴሞክራሲ ሽወደን ኣብ ስምምዕ በጺሐን። ተመሃሮ ብዝተፈላየ ኣህጒራዊ ቋንቋታት ዝቐስምዎ ፍልጠት፡ ኣብ ምዕባለ ቋንቋ ሽወደን ኣሉታዊ ጽልዋ ከይህልዎዎ ገምጋም ክግበር እዩ። ህሉው ኣገባብ ኣማህራ፡ ኣብ ምዕባለ ቋንቋ ሽወደን ኣሉታዊ ሳዕቤን ዘለዎ ምዃኑ ዘረጋግጽ ሳየንሳዊ ጭብጢ የለን፡ እቲ ሓቂ ብኣንጻሩ እዩ ዝብሉ ምጒታት ቀሪቦም ኣለዉ። “ትምህርቲ ሙዚቃ ይዂን ዘመናዊ ቋንቋታት …

Read More »

ስቶክሆልም፡ ኣብ ኣፍደገ ሓደ ቤት መግቢ ሓያል ምፍንጃር ተኸሲቱ።

ፖሊስ ነቲ ሎሚ ለይቲ ኣብ ስቶክሆልም ዘጋጠመ ምፍንጃር ይምርመሩ ኣለዉ። በዚ ኣብ ሰዓታት ለይቲ፡ ኣብ ከባቢ ሶደርማልም ኣብ ኣፍደገ ሓደ ቤት መግቢ ብዘጋጠመ ምፍንጃር፡ ዝኾነ ዝተጎድአ ሰብ የለን። እንተኾነ ግና፡ በሪ እቲ ቤት መግቢ ከም ዝዓነወ፡ ብርክት ዝበለ መሳዂቲ መንበሪ ኣባይቲ ኸኣ በቲ ነውጺ ከም እተሰባበረ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ። ዕላማ እዚ መጥቃዕቲ እቲ ቤት መግቢ ምንባሩ ፖሊስ ገሊጾም ኣለዉ።

Read More »

ቀ/ሚ ኡልፍ ክሪስተርሰን ምስ ሰልፊ ዴሞክራስያዊ ሽወደን ይሰርሕ ብምህላዉ ተነቒፉ።

ቀ/ሚ ኡልፍ ክሪስተርሰን፡ ፕረሲደንትነት ሽወደን ኣብ “ኣውሮጳዊ ቆንስል” ኣመልኪቱ መደረ ንምስማዕ ኣብ ስትራስበርግ ኣብ ዝርከብ ባይቶ ኣውሮጳ ከም እተረኽበ ተገሊጹ። እዚ መደረ ባይቶ፡ ብኽትዕ እተሰነየ ምንባሩ ተፈሊጡ’ሎ። ምስ ሰልፊ ዴሞክራስያዊ ሽወደን ብጥምረት ይሰርሕ ምህላዉ፡ ገለ ካብቲ ን ቀ/ሚ ክሪስተርሰን ዝቐረበሉ ነቐፌታ እዩ ኔሩ። ንሱ ኣብ መልሱ፡ ኣብ ሽወደን ዘሎ ኣሰራርሓ መንግስቲ ዘይንቡር ከም ዘይኮነ፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኖርዲክ ተመሳሳሊ ኣገባብ …

Read More »

ቊጽሪ ህዝቢ ቻይና ምጒዳል የርኢ’ሎ።

ቊጽሪ ህዝቢ ቻይና ኣብ ዝሓለፋ 60 ዓመታት ንፈለማ ግዜ ምንቊልቋል ከም ዘርኣየ ተገሊጹ። ካብ 1000 ደቀንስትዮ 6.77 ጥራይ ምውላደን እዚ ኸኣ ዝለዓለ ምጒዳል ምዃኑ ተመልኪቱ’ሎ። ቊጽሪ ህዝቢ ቻይና ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 1.4118 ቢልዮን እዩ ኔሩ። ምስ 2021 ብምውድዳር ከኣ ብ 850,000 ምጒዳል ኣርእዩ’ሎ። ቻይና ነቲ “ሓደ ቆልዓ ጥራይ ምውላድ” ዝብል ፖሊሲኣ ካብ እትስርዞ ሾብዓተ ዓመታት እኳ እንተገበረት፡ ኣብ ዝሓለፋ ዓመታት …

Read More »

መንግስቲ ሽወደን ኣብ ገሊኡ መግቢን መስተን ልዑል ቀረጽ ክገብር ጻውዒት ቀሪቡ።

ብምኽንያት ሕማቕ ልማድ ብልዒን መስተን ዝኽሰት ጒድለት ጥዕና እናወሰኸ ምምጽኡ ን ኤጀንሲ መግቢ ሽወደን ብምጥቃስ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። ሰባት ዝያዳ ጥዕና ዝህብ ኣበላልዓ ኽስዕቡ መታን መንግስቲ ኢዱ ከእቱ ኣለዎ ዝብል እምነት ከም ዘለዎ እቲ ኤጀንሲ ገሊጹ’ሎ። መንግስቲ ሽወደን ኣብ ገሊኡ መግቢን መስተን ልዑል ቀረጽ ክገብር ድማ ለበዋኡ ኣቐሚጡ’ሎ። ብርክት ዝበላ ሃገራት እዚ ኣገባብ ከም ዝኽተላ ዝፍለጥ እዩ። “ኲሉ ሓላፍነት ኣብ …

Read More »

ኣብ ሰራዊት ሽወደን ክቕጽሉ ዝደልዩ ኣባላት ወተሃደራዊ ኣገልግሎት እናነከዩ መጺኦም።

ብምኽንያት ልዑል ረቛሒታት ኣብ ሰራዊት ሽወደን ምስራሕ ክቕጽሉ ዝደልዩ ኣባላት ወተሃደራዊ ኣገልግሎት እናነከዩ ምምጽኦም ተገሊጹ። ኣብ ክንዲዚ ብዙሓት ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዝወድኡ ሰባት ተጣዪሶም ዶክተራትን ሲቪላዊ መሃንድሳትን ክኾኑ ከም ዝመርጹ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። “ኣብ ዝተናውሐ ብዙሓት ኣባላት ሰራዊት ክኾኑ ዝደልዩ ከነትርፍ ከድልየና እዩ” ክብል ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ሽወደን ሚካኤል ባይደን ገሊጹ’ሎ።

Read More »

ሓገዝ ኣታዊ እናተገብረሎም ዝናበሩ ብቚጽሪ እናጎደሉ መጺኦም።

ክብሪ መነባብሮ እኳ እንተተኸስተ፡ ናይ ኣታዊ ሓገዝ እናተገብረሎም ዝናበሩ ሰባት ግና ብቚጽሪ እናጎደሉ ምምጽኦም ተገሊጹ። እዚ ቊጽሪ፡ ብፍላይ ኣብ ዝሓላፋ 18 ኣዋርሕ ምስ ዝነበረ ኣሃዝ እንክወዳዳር፡ ገዚፍ ምጒዳል ኣርእዩ’ሎ—ብመሰረት ቦርድ ጥዕናን ሰብኣዊ ድሕነትን ሽወደን። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ኣብ 2015 ንሽወደን ዝኣተዉ ስደተኛታት፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ርእሶም ክኢሎም ምህላዎም እዩ ክብል፡ ፕሮፌሰር ማሕበራዊ ጒዳያት (ሶሻል ወርክስ) ቶፒዮ ሳሎነን ይገልጽ። ይዂንምበር ሽቕለት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com