Saturday , May 18 2024

“ክሳብ ሽዑ ቆልዑን ወለዲን ምጥርናፍ ኣገዳሲ እዩ። እወ ኣብዚ ጒዳይ ሓሳበይ ቀዪረ እየ። እዚ ምሉእ ብምሉእ ጒዳይ ሰብኣውነት እዩ” stefan löfven መራሒ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትስ

ምጥርናፍ ስድራቤት ናይ ሰብኣዊ መሰል ረቓሒ እዩ ተባሂሉ፡፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን Stefan Löfven ምስ ተሌቪዥን Aktuellt ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ ስምምዕ መማረጺ ዳግመ ምቛም መንግስቲ ኣብ ደገፍ ሰልፊ ሲቨርየ ዲሞክራተርና SD ምውዳቕ ማለት እዩ ክብል ገሊጻ። ኣብቲ ቃለመሕትት Löfven ብዛዕባ ኢሚግሬሽንን ጒዳይ ምጥርናፍ ስድራቤታት ተሓቲቱ ነይሩ። ሎሚ ዓመት ክውዳእ ዝግብኦ ግዜያዊ ሕጊ ኢሚግሬሽን ንክልተ ዓመታት ክናዋሕ፥ በዚ ድማ ስደተኛታት ጥራይ ዘይኮነ …

Read More »

ጥሪን ለካቲትን ቈረርቲ ኣዋርሕ ክኾና እየን ተባሂሉ።

ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ምስ ዛሕሊ ዝተኣሳሰረ ምድልሃጽ ተሽከርከርቲ ክህሉ ከም ዝኽእል’ውን ተገሚቱ’ሎ። ትካል ሜትሮሎጂ ዴንማርክ ዲኤም ኣይ ኣብ መጋቢት ጸሓይ ክትወጽእ ምዃና ብዘተኣማምን ደረጃ ግና ሚያዝያ ክትክሰት ምዃና ገሊጹ’ሎ። መፋርቕ ወርሓ ጥሪ ኣብ መላእ ሽወደን ትሕቲ ባዶ ክልተ ዲግሪ ሴልሴስ ኣስሓይታ ክረአ ምዃኑ ኣብ ወጋሕታን ምሽትን ዛሕሉ ክረአ ምዃኑ ተሓቢሩ። ካብዚ ወጻኢ ዝተፈልየ ኲነታት ኣየር ኣይክህሉን እዩ ይብል ጸብጻብ ዲኤምኣይ። …

Read More »

ተስፋ ቀርኒ ኣፍሪቃ–ሓዳስ ኢትዮጵያ።

ረድዮ ሽወደን konflikt ኣብ ዝብል ኣብ P4 ዝፍኖ መደቡ እዚ ትሕዝቶ ኣስፊሩ ይርከብ ከተንብቡ ንዕድም። ኣብ ዓባይ ኢትዮጵያ ብዛዕባ እተኻየደ ሰላማዊ ምቕያር መንግስቲ እንታይ ትፈልጡ? ምምጻእ ኣቢይ ኣሕመድ ንኢትዮጵያ ኤርትራን ሶማልን ዘለዎ ትርጉም እንታይ እዩ? እዚ ኣብ መንጐ ኤረትራን ኢትዮጵያን እተበዝሐ ውዕል ሰላም ንብዙሓት ወተሃደራት ካብ ዘይውዳእ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተፋንዮም ናብ ስድሮኦም ክምለሱ ዓበዪ ተስፋ ኣሕዲርሎም ኣሎ። ኤርትራውያን ሽወደናውያን መራሒ …

Read More »

ፍልስፍናን ሕብረተሰብን ብናስሮቪች ቀዳማይ ክፋል

ኣልፍሬድ ኖርዝ ዋይትሄድ ዝተባህለ ሊቕ “ፍልስፍና ትጅምር ብምግራም እያ” ይብል፡፡ ከም ኣባህላኡ እንተኾይኑ እዚ ምግራም ብዓይኒ ፍልስፍና ዝያዳ ምግራም ዝፈጥር እዩ፡፡ እዚ ምግራም ድሕሪ ምምርማርካን ምሕሳብካን እውን ዝቕጽልን ዝበለጸ ዕምቆት ዝሕዝን እዩ፡፡ ስለዚ ፍልስፍና ብነገራትን ኵነታትን ምድንናቕ ማለት ኮይኑ ብጎደና ፍልስፍና ምጕዓዝ ማለት ድማ ካብ ምግራም ናብ ካልእ ምግራም፤ ካብ ሓደ ብራኸ ናብ ካልእ ብራኸ እናዘለልካ ዝያዳ ሚስጥር ተፈጥሮ እናተኻፈልካ …

Read More »

ሽወደናውያን ብዓይኒ ኣማኑኤል ሳህለ ካልኣይ ክፋል

ታሪኽ ሽወደን እዚ ክብድ ዝብለ ኣርእስቲ እዩ፡፡ ተመሃራይ ዩኒቨርሲቲ እናሃሎኹ ንኡስ ምህሮይ ታሪኽ እዩ ኔሩ፤ ስለዚ ድማ በቲ በውልቀይ ዝፈለጥክዎ ክጅምር፡፡. ከም ኤርትራዊ ንታሪኽ ሽወደን ብኸመይ እየ ዝጥምቶ? ፈለማ ሓደ ብሩህ ክገብሮ ዝደሊ ነጥቢ ኣሎ፤ ንሱ ኸኣ ኣብዚ ኣርእስቲ ምሁር ዘይምዃነይ እዩ፡፡ እሞ በቶም ብናጻ ናብ ኣእምሮይ ዝውሕዙ ጠውቂታትን ገለ ዘይተረጋገጹ ብህሎታትንዶ ክጅምር?   ሽወደናውያን ንዝሓለፋ ክልተ ሚእቲ ዓመታት ኵናት …

Read More »

ኣብ ትሕቲ ዓራትካ ደቂሱ ዝሕርንኽ ሰብ ምስ ዝጸንሓካ እንታይ ትገብር።

ኣብ Ronneby ንብሕቱ ዝቕመጥ ሰብኣይ ዘይልሙድ ድምጺ ምሕርናኽ ሰሚዑ ይበራበር። ትሕቲ ዓራቱ ግንጽል ምስ ኣበለ ሓደ ዘይፈልጦ ሰብ ደቂሱ ከም ዝረኸበ ጋዜጣ Bleking County ጸብጺባ። እቲ በዓልቤት ነቲ ጠሓሲ ኣየበራበሮን። ድቃሱ እናቐጸለ እናሃለወ ፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከእትውዎ ጌሩ’ሎ። “መን እዩ ኣይፈለጥናን፡ ተሓቲቱ’ውን መልሲ ክህበና ፍቓደኛ ኣይኮነን” ይብል ኣብ መደበር ፖሊስ Bleking ቀንዲ መርማሪ ፖሊስ Magnus Hansson. ኣዚ ኲነታት ምስ …

Read More »

ተዛረብቲ ቋንቋ እንግሊዝኛ ብዘይ ጸገም ደም ክልግሱ እዮም ተባሂሉ።

ሰለስተ ሚእታዊት እኹላት ዕድመ ህዝቢ ሽወደን ዓመታዊ ደም ከም ዝልግሱ ይፍለጥ። ብኣንጻሩ ክሳብ ዝሓለፈ ረቡዕ ግና ትሑት ኣፍልጦ ቋንቋ ሽወደን ዘለዎም እንግሊዝኛ ተዛረብቲ ስደተኛታት ብምኽንያት ውሕስነት ደም ንምልጋስ ብቑዓት ኣይኰኑን ይበሃሉ ከም ዝነበሩ ይፍለጥ። እዚ ክቕየር እዩ ይበሃል ኣሎ። Dave Russell/Radio Sweden Ekot ሓደ ካብቶም ቀንዲ ማእከላት ደም ሽወደን ዝኾነ ትካል ረቡዕ ረቡዕ ናይ ተዛረብቲ እንግሊዝኛ ለገስቲ ደም ክምዝግብ ምዃኑ …

Read More »

“መንግስቲ ብዙሕ ነቀፊታ ካባና ክመጾ እዩ” ተቓወምቲ ሰልፊታት

ተቓወምቲ ሰልፊታት ኣብ ዝቕጽላ ኣዋርሕ ነቲ ብልፍንቲ ሶሻል ዲሞክራትስ ሓምላይ (ሚልዮ) ሰልፊታትን ዝቘመ መንግስቲ ብነቐፌታ ኮፍ ምባል ከም ዝኸልእዎ ብዓርቢ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ኣፍሊጦም። ማእከላይን ሊበራላዊን ሰልፊታት ኣብቲ መራሒ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትስ Stefan Löfven እተመርጸሉ መድረኽ ክርስትያን ዴሞክራስያዊ ሰልፊ ከምኡውን ሰልፊ ሞደራት እዚ ሓድሽ መንግስቲ ንምምራጹ ምሕዛኖም ገሊጾም ኣለዉ። ዴሞክራትስ ሽወደን ምስ ካሎኦት ሰልፊታት ብምዃን ሓደ ቀጽሪ ብምቛም ኣንጻር መንግስቲ …

Read More »

ዝሓለፈ ዓመት ናይ ምጓዓዝያ ባቡራት ብዙሕ ምግንጓይ ምርኣየን ተገሊጹ።

ዓሰርተክልተ ሚእታዊት ወይ ብሓርፋፍ ግምት 100 ሽሕ ዝኾና ባቡራት ልዕሊ ሓሙሽተ ደቓይቕ ደንጒየን ወይ ጒዕዞአን ሰሪዘን ምንባረን እዩ ዝግለጽ ዘሎ። እዚ ካብቲ ቅድሚ ዓሚ ዝነበረ ዝገደደ ምድንጓይ ዝተራእየሉ ምንባሩ ዝተመልከተ ኮይኑ ማሕበር ትራንስፖርት ሽወደን እዚ ኣብ ዓመተ 2019 ንኸይረአ ኩሉ ዝከኣሎ ክገብር ምዃኑ ቃል ኣትዩ’ሎ። “በዚ ዘሎ ኣሃዛት ሕጒሳት ኣይኮንናን ብርግጽ። ካብቲ ኣቐሚጥናዮ ዘሎና ሽቶ ኣዝዩ ዝተሓተ እዩ። ኣብ 2020 …

Read More »

ናይ ቀብሪ ዘውዲ ንጉስ ካርል መበል ታሽዓይ ተሰሪቑ ::

ወዲ 22 ዓመት መንእሰይ ኣዕናቚ ናይ 17 ክፍለ ዘመን ናይ ቀብሪ ዘውዲ ንጉስ ካርል መበል ታሽዓይ ካብ ካቴድራል Strängnäs ሰሪቑ። ኣኽባሪት ሕጊ Isabelle Bjursten ንተሌቪዥን ሽወደን ኣብ ዝሃበቶ ቃል ቅድሚ ሕጂ ብጠርጠራ እዚ ስርቂ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ዝነበረ ሰብ ከም እተለቀ ገሊጻ። እዚ ናይ ስርቂ ልብሲ፥ ክልተ ዘውዲን ሓደ ትሕዞ ንጒስን ዘጣቕልል ናውቲ ስርዓተ ቀብሪ ዋጉኡ 65 ሚልዮን ክሮነር …

Read More »
Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com