Sunday , May 5 2024

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት ብሪጣንያ ሳጂድ ዣቬድ “ጸረ ስደተኛ መደረ”ሂቡ።

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት ብሪጣንያ ሳጂድ ዣቬድ ኣብ ቀረባ እዋን ዝሃቦ ርእይቶ ካብ ስደተኛታት ብዙሕ ነቐፌታ ይመጾ ምህላዉ፥ አረ’ውን “ጸረ ስደተኛ መደረ” ብምባል ምውጋዙን ተገሊጹ። ዣቬድ ነቶም ብጀላቡ ፕላስቲክ ባሕሪ ክሰግሩ ዝፍትኑ ሰባት “ሓቀኛታት ሓተትቲ ዑቕባ ኣይኰኑን” ድሕሪ ምባል ብስቱር ዝካየድ ዋሕዚ ስደት ክቃለስ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 539 ስደተኛታት ብናእሽቱ ጀላቡ ንካናል ብሪጣንያ ክሰግሩ ምፍታኖም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኸኣ …

Read More »

ደሃይ ምስግጋር ተጻወቲ!

ማንቸስተር ዩናይትድ ን ብራዚላዊ ኮቲንዮ ናብ መሳርዓ ንክትጽንብሮ ምስ ክለብ ባርሰሎና ዝርርብ ከምዝጀመረት ይውረ ኣሎ። ማንቸስተር ነዚ ብራዚላዊ ናብ ኦልትራፎልድ ንምስግጋር 100 ሚልዮን ፓውንድ ሰሊዓ እያ ናብ ባርሰሎና ኣመሪሓ ዘላ። Sky sport እስጳኛዊት ክለብ ቪላርያል ካብ ክለብ ሌስተር ሲቲ ን ተጻዋታይ ቪንሰን ኢቮራ ሲጋብ 2023 ዘጽንሕ ኣፈሪማቶ። Villarial.Fc ማንቸስተር ዩናይትድ ን ግሪኻው ተኸላኸላይ ክለብ ሮማ ኮስታስ ሚላኖስ ንምፍራም ምንቅስቃ ጀሚራ። …

Read More »

ምእንጋድ ውድድር ዋንጫ ኣፍሪቃ 2019 ንግብጺ ተዋሂቡ!

ምእንጋድ ውድድር ዋንጫ ኣፍሪቃ 2019  ካሜሮን ንኸተእንግድ ዕድል ተዋሂብዋ እንተነበረ ኮንፈደረሽ ኩዑሶ ኣግሪ ኣፍሪቃ(ካፍ) እኹል ምድልዋት ኣይገብረት ብምባል ሎሚ ኣብ ዝገብሮ ዋዕላ ን ሃገረ ግብጺ ንኸተዳልው ዕድል ሂቢዋ። ግብጺ ነዚ ዕድል ዝረኽበት ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፈሪቃ  ሎሚ ኣብ ሰኔጋል ኣብ ዝገብሮ ዋዕላ ን ደቡብ ኣፍሪቃን ብድምጺ ብልጫ ብምስዓር እያ ተዓዋቲት ክትከውን ዝኸኣለት። እዚ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሰኔ ዝካየድ ውድድር ን …

Read More »

ፖሊስ ኣብ ደቡብ ሽወደን ነተጒቲ ይረኽቡ።

ዝሓለፈ ዓመት ሕዳር 15 ፍተሻ ድሕሪ ምክያዱ ፖሊስ ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ኣብ ልዕሊ 280 ከባቢታት ነተጒቲ ከም ዝረኸቡ ገሊጾም። ዞባዊ ዳይረክተር ስንቂ ፖሊስ ፒንግ ሹስተር ኣባላት ሓለዋ ጸጥታ ናብ ደቡባዊ ሽወደን ናብ ዝርከባ 280 ከባቢታት ከም እተላእካ ገሊጹ። እቲ ነተጒቲ መብዛሕትኡ ዲናማይት ፊንገርስ ዝበሃል ዓይነት ኮይኑ ቡምባ ኢድ ግና ኣይተረኽበን። እቲ ወፍሪ ዞባታት ሳኩና ባልከኒግ ክሮንበሪን ካልማርን ዘጠቓልል እዩ። እቶም …

Read More »

መብርሂ ደረጃታት መጠንቀቕታ ካብ ሜትሮሎጂ ስዊድን

መጠንቀቕታ ደረጃ ሓደ….. ብጫ መጠንቀቕታ ሕማቕ ኲነታት ኣየር። ዝምዕብል ዘሎ ኲነታት ኣየር ኣብ ህዝቢን ገለ ማሕበራዊ ንጥፈታይን ስግኣት ክህልዎ እዩ ተባሂሉ ትጽቢት ይግበረሉ። መጠንቀቕታ ደረጃ ክልተ….ኣራንሾኒ መጠንቀቕታ ሕማቕ ኲነታት ኣየር እዚ ምዕባለ ኣብ ህዝቢ ሓደጋ ከብጽሕ ዕብይ ዝበለ ንዋታዊ ዕንወትን ምትእጒጓል ኣገዳሲ ማሕበራዊ ንጥፈትን ከኽስት ይኽእል እዩ። ህዝቢ ሓድሽ ሓበሬታ ካብ ኢንተርነት ሬድዮን ቴሌቪዥንን ክረክብ ይዕደም። መጠንቀቕታ ደረጃ ሰለስተ….ቀይሕ መጠንቀቕታ …

Read More »

ውድድር ኤፍ ኤ ካብ ን ሊቨርፑል የሰናብት ኣርሰናልን ማንቸስተር ዩናይትድን የራኽብ!

ሊቨርፑል ካብ ውድድር ኤፍ ኤ ካብ ተኣልያ። ትማሊ ምስ ክለብ ዎልቭስ ኣብ ዝገብረቶ ጸወታ ዝበዝሑ ቆወምቲ ተሰልፍቲ እዛ ጋንታ ብምዕራፋ 2 ብ 1 ብዝኾነ ውጺኢት ኣብ ናይ ሳልሳይ ዙር ተሳናቢታ። ክለብ ሊቨርፑል ብዘይ ተኸላኻላይ ቫን ዳይክ ንሳልሳይ ግዜ ዝገብረቶ ጸወታ ስዕረት ኣጋጢምዋ። ካልእ ከምዚሉ ከሎ ራብዓይ ዙር ዕጫ ውድድር ኤፍ ኤ ካብ ን ዓበይቲ ጋንታታት ኣርሰናልን ማንቸስተር ዩናይትድን ኣራኺቡ። ዓወት …

Read More »

መጠንቀቕታ ካብ ማእከል ሜትሮሎጂ ስዊድን

ብመሰረት ሓበሬታ ማእከል ሜትሮሎጂ ማዕበል ውርጪ ኣብ ስቶክሆልምን ካልኦት ዓበይቲ ከተማታትን ክወድቕ ምዃኑ ተፈሊጡ። ኣብ ዝቕጽላ ሰዓታት 25 ሴንቲሜትር ዝርጒዱ ውርጪ ኣብ ዞባታት ኣፕሳላ ስቶክሆልምን ያቭለቦሪ ክኽሰት ከም ዝኽእል ካኣ ካልኣይ ደረጃ መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ’ሎ። እቲ ማእከል ኣቐዲሙ ኣብ ዳላርና ኦሬቦን ፋርምላንድን ውርጪ ክኽሰት ከም ዝኽእል ቀዳማይ ክላስ መጠንቀቕታ ድሮ ኣመሓላሊፉ እዩ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ቅድሚ ቊሩብ መዓልታት ማዕበል ኣልቨንዳ ብምኽሳታ …

Read More »

ዴንማርክ ትሽዓተ ኣርቲፊሻል ደሴታት ክትሃንጽ ትደሊ’ላ ተባሂሉ።

መንግስቲ ዴንማርክ ካብ ከተማ ኮፐንሃገን ብሸነኽ ደቡብ 12 ሽሕ ቢዝነሳት ክሕዛ ዝኽእላ ትሽዓተ ኣርቲፊሻል ደሴታት ክሃንጽ ድሌት ከም ዘለዎ ተገሊጹ። ብመሰረት ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጒዳያት ዕዮ እዚ ውጥን ምስ ምምሕዳር ከተማታት ብምትሕብባር ብደገፍ መንግስቲ ዴንማርክ ኣብ 2040 ክዛዘም እዩ ተባሂሉ ተስፋ ተነቢርሉ’ሎ። እንተኾነ ግና ፈሰስ ፋይናንስ ናይዚ ከምዚ ዝበለ ገዚፍ ፕሮጀክት ካበይ ምዃኑ ክሳብ ሕጂ ንጹር ኣይኮነን። ዴንማርክ ከምቲ ሽወደን ዝገበረቶ …

Read More »

ክፍሊ ውሽጣዊ ጸጥታ ኣሜሪካ ኣብ እተገሽሉ መዓልቲ ቪዛ ምሕታት ምትራፉ ገሊጹ።

ምዕራባውያን ሰብ ፓስፖርት (እንተላይ ሽወደን ) ኦንላይን ቪዛ ካብ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብታ ዝገሹላ መዓልቲ ክሓቱ ይኽእሉ ኔሮም እዮም። ንተኾነ ግና እዚ ተሪፉ ቅድሚ ምጒዓዞም እንተወሓደ ሰለስተ መዓልታት እቐድም ኣቢሎም ክሓቱ ዝድንግግ ሕጊ ወጺኡ’ሎ። ክፍሊ ውሽጣዊ ጸጥታ ኣብ ዌብሳይቱ ኣብ ዘስፈሮ ሓበሬታ ኣብ እተገሽሉ መዓልቲ ቪዛ ምሕታት ምትራፉን ገያሾ ብውሕዱ 72 ሰዓታት ኣቐዲሞም ቪዛ ክሓቱን ከም ዝህግባእ ኣፍሊጡ’ሎ። ብዘይካዚ ተጓዓዝቲ ተወሳኺ …

Read More »

ስቶክሆልም : ማስኬራ ዝወደዩ ሰባት ናብ ልቓሕ ባንካ ብምእታው ራስያ ፈጺሞም።

ብረት ዝዓጠቐ ዝርከቦም ብዙሓት ገጾም ማስኬራ ዝወደዩ ሰባት ሎሚ ንግሆ ኣብ ከባቢ ቡትሺርካ ስቶክሆልም ዕዳጋ ሃሉንዳ ዝርከብ ናይ ልቓሕ ባንካ ብሓይሊ ብምእታው ዘረፋ ፈጺሞም። ሓደ ናይ ዓይኒ ምስክር ከም ዝገለጾ እቶም ማስኬራ ዝወደዩ ሰባት ሰኑይ ሰዓት 10 ንግሆ መኪና ተሳፊሮም ናብቲ ባንክ ድሕሪ ምእታዉ ብቕልጡፍ ካብቲ ቦታ ተኸዊሎም። ብመሰረት ፖሊስ እቶም ዛጊት መን ምዃኖም ዘይተገልጹ ማስኬራ ዝወደዩ ሰባት ብሓንቲ ጻዕዳ …

Read More »
Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com