Sunday , May 19 2024

ኤርዶጋን ንሰነድ ሕቶ ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ከቲሙ

ቱርክ፥ ዝሓለፈ ሓሙስ ንሕቶ ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ብወግዒ ከምዘጽደቐቶ፥ ፕረዚደንት እታ ሃገር ረሲፕ ጠይብ ዔርዶጋን ከኣ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ነቲ ናይ ደገፍ ሰነድ ምኽታሙ፥ ማዕከን ዜና ሮይተርስ ሓቢራ። በዚ ድማ፥ ሕጂ ሃንጋሪ ንምጽንባር ሽወደን ናብ ኔቶ ዘየረጋገጸት እንኮ ኣባል እቲ ውድብ ኮይና ትቕጽል ኣላ። ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሾን፡ ቱርክ ነቲ ሕቶ ኣባልነት ምጽዳቓ ብሓጎስ ብምቕባል፡ ኣብ ማሕበራዊ …

Read More »

ናይጀርያ፥ ርእሰ ከተማ ካብ ኣቡጃ ናብ ሌጎስ ንምግዓዝ ዝኾነ መደብ ከም ዘይብላ ትገልጽ

ፕረዚደንት ናይጀርያ ቦላ ቲኑቡ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ካብ ኣቡጃ ናብ ሌጎስ ንምግዓዝ ዝኾነ መደብ ከምዘይብሉ ሓቢሩ። እቲ ፕረዚደንትነት ንኸምዚ ዝኣመሰለ ወረታት ዘጋውሑ ዘለዉ ፖለቲካዊ ተቓወምቲ ድሕሪ ምውቃስ፡ ሓቅነት የብሉን ኢሉ። እቲ ወረ ኣመሓዳሪ ሌጎስ ነበር ቲኑቡ ዝሓለፈ ግንቦት ስልጣን ቅድሚ ምሓዙ እዩ ጀሚሩ። ትካል መዓርፎ ነፈርትን ክፍሊ ማእከላይ ባንክን ናብ ሌጎስ ይግዕዙ ከምዘለዉ ድሕሪ ምግላጹ ከኣ እቲ ጒዳይ ኣዘራራቢ …

Read More »

ፊንላንድ፡ ሽዱሽተ ሕጹያት ፕረዚደንት እንግሊዝኛ እናጎልሐ ምምጽኡ ይቃወሙ።

ሽዱሽተ ሕጹያት ፕረዚደንት ፊንላንድ ነቲ ኣብ ሕብረተሰብ ፊንላንድ ርኡይ እናኾነ ዝመጽእ ዘሎ ቀጻሊ ዝንባለ እንግሊዝኛ ብሙሉእ ድምጺ ተቓውሞኦም ምስምዖም ኣብዚ ቀረባ እዋን ብ Oma kieli ry ኣብ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። እቶም ሕጹያት ሚካ ኣልቶላ፡ ሳሪ ኤሳያ፡ ፔካ ሃቪስቶ፡ ጁሲ ሃላ-ኣሆ፡ ሃሪ ሃርኪሞን ኦሊ ረንን፡ ብዛዕባ ተራ እንግሊዝኛ ኣብ ሕብረተሰብ ፊንላንድ፡ ብፍላይ ኣብ ትምህርቲ መንግስታውን ውልቃውን ኣገልግሎታት ንዝቐረበሎም ተኸታተልቲ ሕቶታት መልሲ …

Read More »

ንጉሳዊ ቤተሰብ ሽወደን፡ ን ቸኮሌት ማራቡ ካብ ዝርዝር ቀረባት ንጉሳዊ ቤተ መንግስቲ ሰርዝዎ።

ንጉሳዊ ቤተሰብ ሽወደን፡ ን ኣፍራዪ ቸኮሌት ማራቡ ካብ ዝርዝር ቀረባት ንጉሳዊ ቤተ መንግስቲ ሰርዝዎ። ወናኒ እቲ ትካል ሞንዴለዝ ብሰንኪ ኣብ ሩስያ ጌርዎ ዝበሃል ስራሕ ብ “ሃገራዊ ትካል ምክልኻል ብልሽውና ዩክሬን” ኣብ ጸሊም ዝርዝር ኣትዩ ጸኒሑ’ሎ። በዚ ድማ ካብ መወዳእታ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ እቲ ፍርያት ካብ ቀረብ ጉሳዊ ቤተሰብ ሽወደን ክስረ ከም እተወሰነ ክፍሊ ፕረስ እቲ ንጒሳዊ ቤተሰብ ንማዕከን ዜና ቲቲ …

Read More »

ጠለብ ቀይሕ መስቀል ይውስኽ ኣሎ።

ንገዛእ ርእሶም ንምዕንጋልን ክኽደኑን ካብ ሲቪላዊ ማሕበራት ሓገዝ ዝሓቱ ሽወደናውያን ቁጽሮም እናወሰኸ ምምጽኡ ቀይሕ መስቀል ሽወደን ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ብመሰረት እቲ ትካል ገባሪ ሰናይ፡ ዝበዝሑ ሰባት ኣብ ከም መግብን ክዳውንትን ዝኣመሰሉ ኣዝዮም መሰረታውያን ነገራት ሓገዝ ዘድልዮም እኳ እንተኾኑ፡ ኣብ ናይ መዓልታዊ ህይወት ምንቅስቓሶም ምኽርን ደገፍን ዝሓቱ ሓደስቲ ጉጅለታት እናበርከቱ መጺኦም ኣለዉ። “ዘሎና ውሱንነት ማል ንነፍሲ ወከፍ ወጻኢ ሳንቲም ብዕቱብ ክንከታተል …

Read More »

ፓስዎርድ ሽወደናውያን ብሃከራት ተቓሊዑ

ብዙሓት ሽወደናውያን ኣብ ኣገልግሎታት ኔትፍሊክስ፣ ስፖቲፋይን ፔይፓልን ዝጥቀሙሉ ኣስማትን ፓስዎርድን ብኢንተርነት ምዝራቚ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ። ቅድሚ ክልተ ሳምታት ኣብ ሕቡእ መርበብ ሓበሬታ ብምኽንያት ዝተፈጸመ ሰፊሕ ምዝራቚ ፓስዎርድ ኣስታት 70 ሚልዮን ሕሳባትን ፓስዎርዶምን ቃልዕ ከም እተገብሩ ብብሕቱ ዝዓዪ ክኢላ ድሕነት ቴክኖሎጂ ሓበሬታ (ኣይቲ) ዴቪድ ያኮቢ ገሊጹ’ሎ። “ገበነኛታት ሳይበር ነዞም ሕሳባት ክረኽቡ ምኽኣሎም፡ ንገበናዊ ንጥፈታቶም ዓብዪ ምንጪ ኣታዊ እዩ ዝኸውን …

Read More »

ኣብ ሆርቢ ዕልቕልቕ ተኸሲቱ

ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ስካን ኣብ እትርከብ ቁሸት ሆርቢ፡ ኣብ ዝሓለፈ 50 ዓመታት እቲ ዝኸፍአ ዝተባህለሉ ዕልቕልቕ ዝናብ ተኸሲቱ። ሃገራዊ ቤት ጽሕፈት ኩነታት ኣየር ሽወደን SMHI ንልዑል መጠን ማይ ብምልከት ዝወጸ ኣራንሾኒ ዝሕብሩ መጠንቀቕታ ንዝተረፈ መዓልቲ ኣብ ቦትኡ ክጸንሕ ምዃኑ ገሊጹ’ሎ። ኣብቲ ብዕልቕልቕ ዝተሃስየ ከባቢ ጽባሕ ዓርቢ ተወሳኺ ዝናብ ክዘንብ ትጽቢት ምህላዉ፥ በዚ ድማ ሃገራዊ ቤት ጽሕፈት ኩነታት ኣየር ሽወደን ዝለዓለ …

Read More »

ዕለታዊ ዜና ካብ ሃርሞኒ መዲያ 25 ጥሪ 2024

Read More »

ጀርመናዊ መስራቲ ባንድ ቦኒ ኤም ፍራንክ ፋርያን ዓሪፉ።

ጀርመናዊ ኣፍራዪ ሙዚቃ ከምኡ’ውን መስራቲ ዲስኮ ባንድ ቦኒ ኤም ፍራንክ ፋርያን ፥ ኣብ መበል 82 ዓመቱ ከምዝዓረፈ ስድርኡ ገሊጾም። ስድራኡ ትማሊ ሰሉስ ፋርያን ኣብ ሚያሚ ኣብ ዝርከብ ገዝኡ ከምዝዓረፈ ዝገልጽ መግለጺ ኣውጺኦም ነይሮም። ኣብ 1976 ዝተመስረተት ቦኒ ኤም፡ ዳዲ ኩል፡ ራስፑቲንን ሪቨርስ ኦፍ ባቢሎንን ዝሓቖፈት ተኸታታሊ ብሉጻት ንጽል ደርፍታት ዘፍረየ እዩ። ፋርያን ቀጺሉ ን ሚሊ ቫኒሊ እውን መስሪቱ እዩ። ፋርያን …

Read More »

ኖርወይ፥ መሸንቦባን ውሕጅን ሓደጋታት ኣኸቲሉ

መሸንቦባ፥ ሃንደበታዊ ምውሳኽ ሙቐትን ብርቱዕ ዝናብን ብቕድሚ ትማል ሰኑይ ኣብ መላእ ደቡባዊ ኖርወይ ተወሳኺ ሽግር ኣለዓዒሉ፡፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ሓደ ታባ ሀምስዳል 38 ሰባት ጽዒና ትጓዓዝ ዝነበረት ኣውቶቡስ ካብ መንገዳ ኣንደልሂጻ ምግልባጣ፡ እንተኾነ ግና ብኸቢድ ዝቖሰለ ሰብ ከም ዘየለ ተፈሊጡ። ሰራሕተኛታት ህጹጽ ረድኤት፥ ኹሎም ተሳፈርቲ ነጻ ንምውጻእ ብኡኡ ኣቢሎም ድማ ሌርዳል ኣብ ዝርከብ እንዳ መግቢ ኣጽኒሕዕም ናብ ውሑስ ቦታ ንምጉዕዓዝ …

Read More »
Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com