Wednesday , May 8 2024

በረድን መሸንባቦን ኣብ ትራፊክ ጸገም ዘስዕብ

ብርቱዕ በረድን ብርቱዕ ንፋስን ኣብ ገለ ከባቢታት ማእከላይን ደቡብን ሽወደን ምዝንባዕ ትራፊክ የስዕብ ኣሎ። ሃገራዊ ማእከል ሜትሮሎጂ (SMHI) ኣብ ዮትላንድ ዝተራእየ ብርቱዕ በረድን መሸንቦባን ዝምልከት ሓያሎ መጠንቀቕታታት ኩነታት ኣየር ኣውጺኡ’ሎ። ካብን ናብን ደሴታት ባልቲክ ዝብገሳ ጀላቡ ንዝተረፈ ሰዓታት እዛ መዓልቲ ተሰሪዘን ኣለዋ።

Read More »

ኣዛዚ ሰራዊት ሽወደን ድሕሪ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ሸመታ ምድጃ ይውስኽ

ኣብ ሽወደን ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣትሒዙ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት እታ ሃገር መሸጣ መብሰሊ መግቢ፡ ተንቀሳቓሲ ምድጃ፡ ኢመርጀንሲ ሬድዮን መጽረዪ ማይን ዝኣመሰሉ ነገራት ዋጋ ክውስኽ ተእርዩ’ሎ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ካብ ሚኒስተራት መንግስትን ዋና ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገርን፡ ሽወደናውያን ኣብ መጻኢ ክኽሰት ዝኽእል ኲናት ኣብ ግምት ብምእታዉ ስነኣእምሮኣዊ ምድላው ክገብሩ ዝብል መግለጺታት ድሕሪ ምቕራቡ እዩ። በዚ ድማ ሸሓኒታት መብሰሊን ራቪዮሊን እውን ብብዝሒ …

Read More »

ፊንላንድ፡ ደቂተባዕትዮ ካብ ደቀንስትዮ ብዝለዓለ ክወልዱ ይደልዩ

ኣብ ፊንላንድ ትሕቲ 35 ዓመት ዝዕድሚአ ውላድ ክህልወን ዘይደልያ ደቂ ኣንስትዮ ብቚጽሪ እናወሰኻ ምምጽአን ብ “ትካል ጥዕናን ድሕነትን ፊንላንድ (THL)” ዝተኻየደ መጽናዕቲ ኣቃሊዑ። 73% ካብ 20–34 ዝዕድሚአን ደቂ ኣንስትዮ ከምዘይወለዳን እቲ ትካል ጥዕና ኣብ ዘካየዶ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። እዚ ድማ ካብ 2017 ጀሚሩ ብሸሞንተ ሚእታዊት ወሰኽ ኣርእዩ’ሎ። ብኣንጻሩ ቊጽሪ ናይተን ልዕሊ 35 ዓመት ዝዕድሚአን ናብ ሕርሲ ዝመጻ ደቀንስትዮ፥ ምስ ዝሓለፈ ሽዱሽተ …

Read More »

ንኡስ ኮንትራክተር ቴስላ ኣድማ ክካየድ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ

ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካዊ ትካል ኤሌክትሪክ መኪና ተስላ ዝተወስደ ኢንዱስትርያዊ ስጉምቲ ምኽንያት ብምግባር፡ ሽወደናዊ ንኡስ ኮንትራክተር ካብ 600 ሰራሕተኛታ ን 20 ፍሉይ ሓበሬታ ክህብ ምዃኑ ሃለፈ ከምዘሎ ሎሚ ኣፍሊጡ። ሃይድሮ ኤክስትሩዥን ንባዕሉ ብ ሕውነታዊ ናይ ኣድማ ስጒምቲ ሃስያ ከም ዝወረዶ፡ ንመካይን ዝኸውን ኣሉሚንየማዊ ኣካላት ከኣ ደው ምባሉ ተሓቢሩ። ቴስላ ናይ ሓባር ልዝብ ምፍራም ብምእባዩ ኣብ ሽወደንን ገለ ካልኦት ሃገራት ኖርዲክን ዝርከብ …

Read More »

ሽወደን “ካብ ኣርባዕተ ሽወደናውያን እቲ ሓደ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ቻነላት ቲቪ ከም ይርኢ”

ኣስታት 25% ሽወደናውያን ብዘይሕጋዊ መንገዲ ፊልምታትን ተለቪዥንን ከም ዝርእዩ “ሚድያቪዥን” ኣብ ቀረባ እዋን ዘካየዶ ሓደ ዳህሳስ ሓቢሩ። እዚ ኣሃዝ ቅድሚ ዓሚ ካብ ዝነበሮ 20% እዩ ናብ 25% ወሰኽ ኣርእዩ ዘሎ። ብፍላይ ድማ ኣስታት 50% ካብ መናእሰይ ሽወደን ብዘይ ግቡእ ክፍሊት ፊልምን ፕሮግራማት ቲቪን ይርእዩ ኣለዉ። እዚ ዘይሕጋዊ ኣገባብ ንኢንዱስትሪ ተሌቪዥንን ምዝንጋዕን ብዙሕ ክሳራ ዘስዕብ እዩ ትብል ተንታኒት ሚድያቪዥን ናታልያ ቦረሊየስ።

Read More »

ብ AI ዝስራሕ ናይ ሓሶት ቪድዮታት ኣብ ጎስጓስ ምርጫ ጸገም ይፈጥር

ብመሳርሒ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ዝመሃዙ ናይ ሓሶት ቪድዮታት ኣብ እዋን ጎስጓስ ምርጫ እናተጋደደ ዝመጸ ጸገም ክፈጥሩ እዮም ብል ስግኣት ምህላዉ ተሓቢሩ። ኣብ “ኤጀንሲ ምክልኻል ስነ-ልቦና” ሽወደን ላዕለዋይ ተንታኒ ኣንድርያስ ኤደቫልድ “ሓደ ፖለቲከኛ ዝበሎ ብምጥምዛዝ ወይ ምሉእ ብምሉእ ኣምሲልካ ዘይተባህለ ሓበሬታ ብምርጋሕ፡ ህዝቢ ኣብ ሓደ ፖለቲከኛ ወይ ዝውክሎ ሰልፊ ዝጸንሖ እምነት ንኸንቈልቊል፥ በዚ ድማ ውጽኢት ምርጫ ንምቕጽልባስ ክጥቀሙሉ ይኽእሉ እዮም” ይብል። ድሮ …

Read More »

ዕለታዊ ዜና ካብ ሃርሞኒ መዲያ 15 ጥሪ 2024

Read More »

ኣብ መላእ ኤውሮጳ ዝርከቡ ኣማኢት ብሪጣንያውያን ክወጹ ትእዛዝ ተዋሂብዎም

ኣብ መላእ ኤውሮጳ ዝርከባ ሃገራት፥ ኣብ 2023 ልዕሊ 1000 ብሪጣንያውያን ካብ ግዝኣቶም ክወጹ ትኣዝ ምትሕልላፈን ኣብ ቀረባ እዋን ካብ “ትካል ስታቲስቲክስ ሕብረት ኤውሮጳ” ዝተረኽበ መረዳእታ ሓቢሩ። ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ እንተላይ ኖርወይን ስዊዘርላንድን ሓዊሱ ሃገራት ሸንገን ኣብ ቀዳሞት ትሽዓተ ኣዋርሕ ናይ 2023 ጥራይ ብጠቕላላ 1040 ዜጋታት እንግሊዝ ካብ ግዝኣቶም ክወጹ ትእዛዝ ምትሕልላፎም ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ ብቤት ጽሕፈት ስታቲስቲክስ ሕብረት ኤውሮጳ …

Read More »

ብምኽንያት ምስጒጒ ስድራቤታት ካብ ኣባይቲ ቆልዑ ሃስያ ይወርዶም ኣሎ

ስድርኦም ካብ ቤቶም ይስጐጒ ብምህላዎም ቆልዑ ተሰከምቲ ኣሉታዊ ጽልዋ ይኾኑ ከምዘለዉ ህዝባዊ ኣገልግሎት ተለቪዥን ሽወደን SVT ሓቢሩ። ዓሚ ኣብ ወርሓት ጥሪ ክሳብ ሕዳር 610 ህጻናት በዚ ኲነታት ከምዝተሃስዩን እዚ ድማ ምስቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ ኣዝዩ ወሰኽ ከምዘርኣየ እታ ተሌቪዥን ጸብጺባ’ላ። ብመሰረት ሃገራዊ ትካል ምኽፋል ዕዳ “ክሮኖፎግደን” ድሕሪ ፋይናንሳዊ ቅልውላው 2008 ካብ ዝነበሩ ዓመታት ጀሚሩ፡ ክንድዚ ዝኣክል ብምስጓጒ ስድራቤት …

Read More »

ሽወደናውያን ንኲናት አድሊ ስነኣእምሮኣዊ ምቅርራብ ክገበሩ ጻውዒት ቀሪቡ

ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ሽወደን፡ ኩሉ ኣብታ ሃገር ዘሎ ሰብ ንኲናት ስነኣእምሮኣዊ ድሉውነት ክህልዎ ከም ግባእ ገሊጹ። ኩነታት ጸጥታ ኣውሮጳ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም ከምዚ ሕጂ ዘለዎ ጌሩ ከቢዱ ከም ዘይፈልጥ እቲ ላዕለዋይ ኣዛዚ ወሲኹ ኣመልኪቱ። ሩስያ ንሽወደን ድሮ ስግኣት ኮይና ኣላ ዝኸፍአ ጸጥታዊ ስግኣት እውን ክስዕብ ይኽእል እዩ ይብል ላዕለዋይ ኣዛዚ ሚካኤል ባይደን።

Read More »
Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com