Wednesday , May 8 2024

መንግስቲ ሽወደን ኣንጻር ግብረሽበራ ሓድሽ ስትራተጂ ኣቕሪቡ።

መንግስቲ ሽወደን ኣብ መወዳእታ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ዓመታዊ ዋዕላ ጸጥታ ፎልክ ኦች ፎርስቫር ኣንጻር ግብረሽበራን ጥሩፋት ጒጅለታትን ሓድሽ ስትራተጂ ኣቕሪቡ። ኣብ ልዕሊ ሽወደን ዝፍጸም ዘሎ ጸጥታዊ ስግኣታት እናዓበየ ይኸይድ ከምዘሎ፡ ንምክልኻል ሽወደን ሓላፍነት ዝተዋህቦም ሰበስልጣን መንግስቲ ሓቢሮም ኣለዉ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተላዕለ ህሉው ደረጃ ስግኣት ግብረሽበራ፡ ንዝተወሰነ እዋን ከም ዘይተቐየረ ክጸንሕ ተኽእሎታት ምህላዉ ሓላፊ ኣገልግሎት ስለያ ሽወደን ሳፖ ሓቢሩ’ሎ።

Read More »

ሽቕለት ኣልቦነትን እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 72,500 ሰባት ስራሕ ክስእኑ ከምዝኽእሉ ምልክታ ተዋሂብዎም ምንባሩ እዚ ድማ ነተን ዓመታት ለበዳ ኣውጺእካ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመታት እተራእየ ዝለዓለ ቁጽሪ ምዃኑ ተሓቢሩ። እቲ እናነከየ ዝኸይድ ዘሎ ቁጠባ ብፍላይ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝተወልዱ ባእታታት ክሃሲ ከም ዝኽእል ኣገልግሎት ህዝባዊ ስራሕ ኣተሓሳሲቡ’ሎ።

Read More »

ልዕሊ 30 ትካላት ሕክምና ኣስናን ካብ ሃገራዊ ድጎማ ስኒ ተኣጊዶም

ልዕሊ 30 ኩባንያታት ክንክን ስኒ ካብ 2019 ጀሚረን ካብቲ ንድጎማ ክንክን ስኒ ተባሂሉ እተሰርዐ መደብ ከይሳተፋ ተኣጊደን ኣለዋ። ኣብ ቀረባ እዋን ብመንግስቲ ዝተገብረ መርመራ፡ ምትላል ከይፍጸም፡ ነቲ ኣብቲ ውጥን ዘሎ ምቁጽጻር ከኣ ክተርር ሓሳብ ኣቕሪቡ’ሎ። “እዚ ገንዘብ ካብ ግብሪ ዜጋታት ዝተረኽበ እዩ፣ ናብቲ ዝግብኦ ሰብ ድማ ክኸይድ ኣለዎ” ክብል ኣብ ትካል ማሕበራዊ መድሕን ጆኣኪም ራደስቶም ኣተሓሳሲቡ’ሎ።

Read More »

ሽወደናዊ ኣብ ዒራቕ ብጥይት ተቐቲሉ

ትማሊ ሰኑይ ኣብ ባቕዳድ ሓደ ሽወደናዊ ዜጋ ብጥይት ከምዝተቐትለ ሓያሎ ማዕከናት ዜና ዒራቕ ኣብ ውሽጢ ኣገልግሎት ጸጥታ ንዝርከቡ ምንጭታት ብምጥቃስ ሓቢረን። ምስዚ ቅትለት ብዝተኣሳሰር ሓደ ጥርጡር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወ ተፈሊጡ’ሎ። እቲ ጥርጡር ንባዕሉ ሽወደናዊ ዜጋ ኮይኑ፥ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ኣፍልጦ ከምዘይብሉ ገሊጹ’ሎ።

Read More »

ወንጌላዊ ቲቢ ጆሹዋ ኣብ ልዕሊ ምእመናን ጾታዊ ዓመጽ ይፍጽም ምንባሩ ቢቢሲ ኣቃሊዓ

መስራቲ ሓንቲ ካብ ዓበይቲ ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስቲያናት ዓለም ምዃኑ ዝንገረሉ ናይጀርያዊ ቲቢ ጆሹዋ ሰፊሕ ምግሃስ መሰልን ጾታዊ ምድፋርን ይፍጽም ምንባሩ ቢቢሲ ኣቃሊዓ። ሓሙሽተ እንግሊዛውያን ዝርከበአን ዓሰርተታት ኣባላት ናይቲ “ሲናጎግ ቸርች ኦፍ ኦል ኔሽንስ” ተባህለ ቤተክርስትያን ነፍስሄር ቲቢ ጆሹዋ ጾታዊ ዓመጽ ከም ፈጸመለን ከምኡ’ውን ግዱድ ምንጻል ጥንሲን ሓዊሱ ብርክት ዝበለ ግፍዒታት ከም ዝተፈጸመን ከሲሰን ኣለዋ። እዚ ብ ቲቢ ጆሹዋ ኣብ ሊጎስ …

Read More »

ክኢላ ለበዳ “መጠን Covid-19 እናነከየ ይኸይድ ኣሎ”

ኣብ መወዳእታ ሰሙን 2023 ቊጽሪ ናይቶም ብኮቪድ-19 ዝተታሑ ሰባት ከምዝነከዩ ካብ ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ዝተረኸበ ስታቲስቲክስ ኣመልኪቱ። “ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ብተዛማዲ ገና ኣብ ዝለዓለ ደረጃ እኳ እንተሃለወ፥ እናነከየ ዝኸይድ ዘሎ ይመስል” ክብል ክኢላ ለበዳን ተጸዋዒ መንግስቲን ማግኑስ ጊስሊየን ይገልጽ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ዝያዳ ሰባት ብሕማም ጉንፋዕ ከይተሓዙ ዓቢ ስግኣት ከም ዘሎ ማግኑስ ወሲኹ ኣተሓሳሲቡ’ሎ።

Read More »

ኣብ ሽወደን ኣብ እዋን ክረምቲ መኪናኻ ክትውር እንታይ ምድላው የድልየካ?

ኣብ ዞባ ኖርዲክ ንኻልኣይ መዓልቲ ብተኸታታሊ ዛሕሊ ትሕቲ 40ºC ብምውራዱ፡ ኣብ ሽወደን ኣብዚ ወርሒ ን 25 ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ መጠን ዛሕሊ ተባሂሉ ክብረወሰን ሒዙ፡፡ ኣብ ላፕላንድ ሽወደን ኣብ እትርከብ ክቪክጆክ-ኣረንጃርካ፡ ዛሕሊ ነጋቲቭ 43.6 ºC ወሪዱ’ሎ። እዚ ድማ ድሕሪ 1999 ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብታ ሃገር ተራእየ ዝዘሓለ ኣሃዝ ምዃኑ ማዕከን ዜና ቲቲ ሽወደን ሓቢራ። ብኻልእ መዳይ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ሰሜናዊ ሽወደን …

Read More »

ወለዲ ሰኣን ሓበሬታ ንደቆም ናብ ትምህርቲ ቅድመ ምድላው ይልእኩ አይምህላዎም ኣተሓሳሲቦም

ኩለን ምምሕዳራት ከተማ ሽወደን ካብ ሓጋይ 2023 ጀሚረን ህጻናት ናብ ቅድመ ትምህርቲ ንምምዝጋብ ብንጥፈት ክሰርሓ ሕጋዊ ግዴታ እኳ እንተለወን፥ ንገለ ወለዲ ምብጻሕ ከም ዘይተኻእለ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ። ኣብ ስቶክሆልም፡ ካብቶም ኣብ ዮተቦሪን ማልሞን ዝሰፈሩ ስድራቤታት ውሉዶም ናብ ቅድመ ትምህርቲ ኣመዝጊቦም አለዉ እቶም 15% ጥራይ እዮም። ገለ ወለዲ–ብፍላይ ድማ እቶም ናብ ሽወደን ካብ ዝመጹ ገና ብዙሕ ዘይገበሩ–እንታይ ክገብሩ ከም …

Read More »

ኣብ ከተማ ዮንሾፒንግ ፖሊስ ብኸቢድ ቆሲሉ።

ትማሊ ሰንበት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ደቡባዊ ሽወደን ከተማ ዮንሾፒንግ ሓደ ፖሊስ ብዝወረዶ መጥቃዕቲ ብኸቢድ ቆሲሉ። እቲ በዓልመዚ ፖሊስ ንሓደ ጥርጡር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ እናእተወ እዩ በቲ ሰብ ናይ ስሕለት መጥቃዕቲ ወሪድዎ። እቲ በዓልመዚ ዝወረዶ መጥቃዕቲ ናብ ሞት ከቃልዕ ዝኽእል ምዃኑን ናብ ሆስፒታል ከም እተወስደን ተሓቢሩ’ሎ። እቲ ጥርጡር ብድሕሪኡ ንኻልእ ኣባል ፖሊስ ከጥቅዕ እናፈተነ ብጥይት ተሃሪሙ ብኸቢድ ከም ዝቖሰለን ኣብ ሆስፒታል …

Read More »

ኣብ መንጎ ፊንላንድን ኣመሪካን ዝጸንሐ ንግዳዊ ርክብ ይድልድል

ኣብ መንጎ ፊንላንድን ኣመሪካን ዘሎ ንግዳዊ ሽርክነት እናዓበየ ይኸይድ ምህላዉ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብጉምሩክ ፊንላንድ ዝተገብረ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። በዚ ድማ ኣመሪካ ሳልሰይቲ ዝዓበየት መባጽሒት ሰደድ ፊንላንድ ምዃና ደጊማ ኣረጋጊጻ’ላ። ኣብ መንጎ ጥሪን መስከረምን 2023 ድማ ሓሙሻይቲ ዝዓበየት ምንጪ እታወት ፊንላንድ ኮይና ኣላ። እዚ ንግዳዊ ዝምድና ንፊንላንድ ርኡይ መኽሰብ ዘለዎ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፥ ኣመሪካ ከም ንግዳዊት መሻርኽቲ ኣገዳስነታ እናወሰኸ ይኸይድ ምህላዉ …

Read More »
Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com