Saturday , May 4 2024

Khaled Abdu

ቊጽሪ ናይቶም ኣብ ኲናት ዩክሬን ዝሞቱ ወተሃደራት ሩስያ ካብ 50 ሽሕ ይሓልፍ

ኣብ ኲናት ዩክሬን ዝሞቱ ወተሃደራዊ ሩስያ ቊጽሮም 50 ሽሕ ምሕላፉ ቢቢሲ መርትዖታት ምርካባ ገሊጻ። ብፍላይ ድማ ዓሚ ሞስኮ እተኸተለቶ ወተህደራዊ ስትራቴጂ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ብኣስታት 25% ዝለዓለ ዝለዓለ ዋጋ ከም ዘኽፈላ እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ’ሎ። ቢቢሲ ሩስያ፣ ናጻ ጉጅለ ሚድያ ሚድያዞናን ወለንተኛታትን ካብ ለካቲት 2022 ጀሚሮም ቊጽሪ ምዉታት ወተሃደራት ሩስያ ኣብ ምቚጻር ክነጥፉ ምጽንሖም ድማ ኣመልኪቱ። ኣብ መካነ መቓብር ዝተረኽበ ሓበሬታ …

Read More »

ኣብ ልዕሊ ኮኾብ ሲነማ ህንዲ ሳልማን ኻን ፈተነ ቕትለት ተኻዪዱ

ፖሊስ ህንዲ፡ ን መንበሪ ኮኾብ ተዋሳኣይ ቦሊዉድ ሳልማን ካን ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ብረት ፈጺሞም ዝበልዎም ክልተ ኣባላት ገበነኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣእትዩ። ኣብ ልዕሊ 100 ፊልምታት ዝተዋስአን ቅድሚ 20 ዓመታት ክልተ ኣናብስ ብምቕታል ን ዕሉል ጕጅለ ቢሽኖይ ከምዘቖጥዖ ፖሊስ ገሊጾም ኣለዉ። ቢሽኖይ ንኣንበሳ ከም ቅዱስ ዝቖጽር ሃይማኖታዊ ጒጅለ እዩ። ሳልማን ኻን በቲ መጥቃዕቲ ዝኾነ ጉድኣት ኣይበጽሖን፡፡ እቲ ተዋሳኣይ ኣብ ዝሓለፈ …

Read More »

ፊንላንድ፥ መጠን ሽቕለት ኣረጋውያን ምውሳኽ የርኢ

ኣብ ስራሕ ዝዋፈሩ ኣረጋውያን ፊንላንድ ምስ ካልኦት ሃገራት ኖርዲክ ብምውድዳር ዝወሓዱ ምምባሮም፡ እንተኾነ ግና ኣብ ቀረባ እዋን ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣብዚ መዳይ ርኡይ ምዕባለ ከምዘሎ ሓቢሩ። ብፍላይ ኣብ 50-59 ዝዕድሚአን ኣብ ስራሕ ዝዋፈራ ደቂ ኣንስትዮ፡ፊንላንድ ኣብዚ ሕጂ ምስ ሽወደን ኣብቲ ዞባ መራሒት ኮይና’ላ። እዚ ካብ ላዕለወይቲ ተመራማሪት ማእከል ስታቲስቲክስ ብሎግ ሃና ሱቴላ ሓቢራ’ላ ። ፊንላንድ ምስ ካልኦት ሃገራት ኖርዲክ ብምንጽጻር ዕድመ …

Read More »

ዓለምና ዓሚ 117 ጊጋዋት ሓድሽ ጸዓት ንፋስ ተኺላ

ዓለምና ኣብ 2023 117 ጊጋዋት ሓድሽ ዓቕሚ ሓይሊ ንፋስ ምትካላ፡ እዚ ድማ ቅድሚኡ ምስ ዝነበረ ዓመታት እንክወዳደር ብ50% ዝዛይድ ምዃኑ ተሓቢሩ። እዛ ዓመት ኣብ መዝገብ ንሓደስቲ ፕሮጀክትታት ንፋስ ዝበለጸት ከምዝኾነት ብማሕበር ንግዲ እቲ ኢንዱስትሪ ዝወጸ ሓድሽ ጸብጻብ ኣመልኪቱ’ሎ። እቲ ብሰሉስ ብዓለማዊ ቤት ምኽሪ ጸዓት ንፋስ ዝተሓትመ ጸብጻብ ዓለማዊ ንፋስ፡ ኢንዱስትሪ ንፋስን ኣብ ምስፍ ፋሑ ዘጋጥሞ ዘሎ ብድሆታትን ንድህሳስ ዓሊሙ ዝተኻየደ …

Read More »

ጉምሩክ ሽወደን፥ ዘይሕጋዊ መደንዘዚ ሸጓጒጥ ኣብ ትሕቲ ቚጽጽር የእቱ

ልዕሊ 80 ዘይሕጋዊ መደንዘዚ ጠበናጁ ዝሓዘ ሓደ ጽዕነት ብጉምሩክ ሽወደን ተታሒዙ። እቲ ኣጽዋር ናብ ከተማታት መላእ ሽወደን ክበጽሕ ዝተላእከ ኮይኑ፡ ብማእከላይ ገምጋም ዕድሚኦም 69 ናብ ዝኾኑ ዓማዊል ዝጠለብዎ ምንባሩ ተፈሊጡ’ሎ። “ነዚ ገበን ዝፈጸሙ፥ ቅድሚ ሕጂ ገበን ምፍጻሞም ኣብ ፖሊስ መዝገብ ዘይብሎም ተራ ሰባት እዮም” ይብል ማርሴል ጋባራ ዝተባህለ መርማሪ ጉምሩክ ሽወደን፡፡ ብዙሓት ካብዞም ሰባት ነቲ ኣጽዋር ኣብ መወዓውዒ ማሕበራዊ መራኸቢታት …

Read More »

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ኮኒኑ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ቶብያስ ቢልስትሮም ኣብዚ ቀዳመ ሰንበት ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ብትሪ ኮኒኑ። “ነዚ መጥቃዕቲ ኣዝዩ ብዕቱብ ክንርእዮ ኣለና” ክብል ንኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ተዛሪቡ። እቲ ሚኒስተር፡ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ሽወደናውያን፡ ካብ ምምሕዳራት እቲ ከባቢ ዝመጽእ ለበዋታት ክኽተሉ ከምዘለዎም ኣተሓሳሲቡ’ሎ። እዚ እናኾነ እስራኤል ብዝመረጸቶ ኣገባብን ኣብ ዝመረጸቶ ግዜን ንመጥቃዕቲ ኢራን ግብረ መልሲ ክትህብ ምዃና ገሊጻ’ላ። ድሕሪ …

Read More »

ማሕበር መሃንድሳት– “ብርሕቀት ዝዓዩ ሰራሕተኛታት ይብርክቱ ኣለዉ”

ኣብ ሽወደን ዝርከቡ መሃንድሳት ካብቲ ቅድሚ ለበዳ covid-19 ዝነበርዎ ንላዕሊ ካብ ዝሰርሕሉ ቦታ ርሒቖም ይነብሩ ከምዘለዉ ሓድሽ ጸብጻብ ማሕበር መሃንድሳት ሽወደን ኣመልኪቱ። እዚ ካብ ቦታ ስርሖም ምርሓቖም ውጽኢት ናይቲ ዝበዝሑ ሰባት ካብ ገዝኦም ኮይኖም ክሰርሑ ዝኽእሉሉ ኲነታት ምህላዉ፡ ከምኡ’ውን ካብ ርሑቕ ክሰርሑ ዝኽእሉ ሓደስቲ ሰራሕተኛታት ብብዝሒ ይቚጸሩ ብምህላዎም እዩ። “ዋጋ መነባብሮ ዝሓሰረ እዩ። ሰፊሕን ዋጋኡ ኸኣ ተመጣጣኒን ቤት ክህልወኒ ይኽእል …

Read More »

መጠን ዝቕባበ ሽወደን ናብ 2.2% ወሪዱ

ኣብ ሽወደን መጠን ዝቕባበ ኣብ ወርሒ መጋቢት ናብ 2.2% ከምዝወረደ ን ወለድ ሞጊጅ ዘይሓወሰ መዐቀኒ ዋጋታት ሃለኽቲ ኣጣሊሉ። እዚ ኣሃዝ ዝቕባበ ዋጋ ናብቲ ማእከላይ ባንክ ሽወደን ዘውጽኦ ናይ 2% ሸቶ ዝቐረበ እዩ። ሪክስባንክ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ብዛዕባ ዋና ወለዱ ውሳነ ክህብ እዩ ዝብል ትጽቢት ተጌሩ’ሎ።

Read More »

ኣብ ኻርሆልመን ብዝተፈጸመ ተዂሲ ወዲ 39 ዓመት መንእሰይ ተቐቲሉ

ኣብ ትሕተ ምድራዊ መንገዲ ስቶክሆልም፥ ንሓደ ጉጅለ መንእሰያት እናተኸላኸለ ኣብ ርእሱ ብጥይት ተሃሪሙ ዝሞተ ወዲ 39 ዓመት መንእሰይ፥ ብፖሊስ ይምርምር ምህላዉ ተፈሊጡ። ነበርቲ ከባቢ ስካርሆልመን፡ እቲ ዝተገበረ ተዂሲ ምርባሽን ፍርሕን ከም ዝፈጠረሎም ገሊጾም ኣለዉ። “እዚ ጒዳይ መፍትሒ ክግበረሉ ኣለዎ፥ ምኽንያቱ በብእዋኑ እናተጋደደ እዩ ዝኸይድ ኣሎ” ክብል ሓደ ሬድዮ ሽወደን ዘዘራረበቶ ተቐማጢ እቲ ከባቢ ኣመልኪቱ’ሎ። እዚ እናኾነ ፖለቲከኛታት ነቲ ዝሓለፈ ረቡዕ …

Read More »

ዕለታዊ ዜና ካብ ሃርሞኒ መዲያ 15 ሚያዝያ 2024

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com