Wednesday , May 1 2024

ባህሊ

ሓንቲ ዓለም፣ሓላፍነታውን ሓባራውን ጕዕዞ (A Space Odyssey)

ኣማኑኤል ሳህለ ነቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ብሑጻ ዝመልአ መሬት ቀው ኢልካ ጠሚትካዮ ትፈልጥፍዶ? ነቲ ሑጻ ብኢድካ ዓሚዅካ ኣብ ግናዕ ኢድካ ጌርካ ተመልኪትካዮ ትፈልጥዶ? ሓንቲ ፍረ ሑጻ ፈሊኻ ንኽትርእያ ኣዚዩ ኣሸጋሪ ኢዩ። ኣዚያ ደቃቕ ስለ ዝኾነት። እቲ ኣብ ኢድካ ዓሚዅካዮ ዘሎኻ ሑጻ፡ ሚልዮናት ጸጸር ዝሓዘ ብምዃኑ ንምቝጻሩ ኣሸጋሪ ኢዩ። ነቲ ኣብ ገምገም ባሕሪ ዘሎ ሑጻ ከምቶም ኣብ ህዋ ዘለዉ ከዋኽብትን ፕላነታትን ጋላክሲታትን ጌርካ …

Read More »

ካልኣይን መወዳእታን ክፋል ሓቐኛ ዛንታ: ዓባይ በጊዕ

ብጸጋብርሃን ጎይትኦም  “ነቲ ሕማቕ ስዒበዮ!” ብስንባደ ነቲ ናታ ቃል ደገምክዎ። “እወ!… ክገርመካ ‘ዓባይ በጊዕ ዕያውታ ሒዛ ትጠፍእ’ዩ’ ነገሩ። ኣነ ታሽዓይ ክፍሊ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡  እዛ ሓፍተይ ምስ ክልተ ደቃ ኣብ ዓሰብ ንእሽተይ ዱኳን ትኸፍት። ንማለቱ ድኣ’ያ ዱኳን ከፊታ እንበር፡ ንሳስ ነቲ ናይ ደገ ደገ ወልፋ ተሃና ከተውጽእ’ያ ደልያ እየ ዝብል። ብዝኾነ ንዓይ ክትሕግዘንን ቘልዑ’ውን ክትሕዘለይ፡ ብኡ ገይርኪ ድማ ጉዳይ ትምህርትኺ ትገብሪ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም: ሓሳባትን ሳዕቤናቶምን (The Power of Ideas)

ኣማኑኤል ሳህለብተመክሮታትን ተምሳላትን ምስልታትን፡ ብምግንዛብን ምዝማድን ምንጽጻርን፡ ከምኡውን ብእተጠላለፈ ህዋሳዊ ፈትልታት ሓንጎል ወድሰብ፡ ካብ ምሕሳብ ኣየዕርፍን። ሰብ፡ ምሕሳብ ደው ምስ ዘብል፡ ምንባሩውን ኣይፈልጥን። በዚምኽንያትዚ ኸኣዩ ደካርት እተባህለ ፈረንሳዊ ፈላስፋ፡ እሓስብ፡ ስለዚ ኣለኹ፡ (cogito ergo sum) ዝበለ። ሓሳባት ወድሰብ፡ ሓድሓደ ግዜ ህድኣትን እምነትን ዘሕድረልና፡ ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ብጭንቀትን ስግኣትን ዝመልኣና ኤለክትሮ- ማግነታውን ከሚካላውን ዋሕዚ እዩ። እንስሳታት ከም ሰብ ኣገናዚቦምን ኣዚሮምን ኣስፊሖምን …

Read More »

ንድሕነት መምህራን፡ ካብ መንግስትን ሕብረተሰብን ዝግባእ ደገፍን ሓገዝን ኣይተረኽበን ተባሂሉ

መምህራን፡ ብዛዕባ ዲሞክራስን ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ናጽነትን (Yttrandefrihet) ዝኣመሰሉ ኣርእስታት ኣብ ዝምህርሉ እዋናት፡ ውሕስነት ንኽስመዖም፡ ካብ መንግስትን ሕብረተሰብን ዝግባእ ደገፍን ሓገዝን ስለዘይረኽቡ ዘለዉ፡ ዝሓሸ ሕጋዊ ውሕስነት ክግበረሎም፡ ማሕበር መምህራን ሽወደን፡ ጸዊዑ። ሓደ ካብ ሓላፍነት ናይ መምህራን፡ ንዲሞክራስን ናይ ማዕርነት ክብርታትን ምጥባቕ እዩ። ነዚ ሓላፍነት ንምትግባር ንሓደጋ ኣብ ዝቃልዕሉ እዋናት፡ ግቡእ ዝኾነ ውሕስነት ክረኽቡ ዘይምኽኣሎም፡ ብቐሊሉ ክትቅበሎ ዘይትኽእል ምኽንያት እዩ ክትብል …

Read More »

ኣብ ስፖርታውን ባህላውን ንጥፈታት፡ ክሳብ 300 ሰባት ክእከቡ መንግስቲ ኣፍቂዱ

ኣብ ስፖርታውን ባህላውን ጽምብላት ተፈቒዱ ዝነበረ ናይ 50 ሰባት ምትእኽኻብ፡ ናብ 300 ሰባት ክእከቡ ዘፍቅድ መምርሒ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ስቴፋን ሎቪን፡ ሰብ መዚ ህዝባዊ ጥዕናን ሚኒስተራትን ዝተረኽብሉ ጋዜጣዊ ዋዕላ  ከምዝተመሓላለፈ፡ መርበብ ሓበሬታ ተተ (TT) ሓቢሩ። እቲ ዝተፈቕደ ምትእኽኻብ፡ ስፖርታዊ ንጥፈታት፡ ኮፍ ኢልካ ትዕዘቦ ባህላዊ ምርኢታት፡ ሙዚቃዊ ትያትራትን ሲነማታትን ዘጠቓልል ኮይኑ መምርሒታት ማሕበራዊ ምርሕሓቕ ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን እዩ። እዞም ኣካየድቲ ናይዞም …

Read More »

ንኣረጋውያን ዝምልከት ምኽርታት ኮሮና፡ ጠንቂ ምንቁልቋል ጥዕነኦም ክኸውን ከምዝኸኣለ ጸብጻባት ይሕብሩ

ንልዕሊ 70 ዓመት ዝኾኑ ኣረጋውያን ዝምልከት ምኽርታት ኮሮና፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሓለዋ ጥዕና ክፍጠር ተኽእሎታት ዝነበሮ ተወሳኺ ጸቕጢ እኳ እንተ ቀነሰ፡ ንጥዕና ናይዞም ኣረጋውያን፡ ኣብ ምንቁልቋል ተራ ከምዝነበሮ ካብ በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ዝወጹ ሓደስቲ ጸብጻባት ገሊጾም ክብል SVT ኣመሓላሊፉ። በዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና፡ እቲ ንኣረጋውያንን ተነቀፍቲ ክፋል ሕብረተሰብ ተባሂሉ ወጺኡ ዝነበረ መምርሒታት ኮሮና ከምዘልዓሎ፡ ሎሚ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ሓቢሩ …

Read More »

ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን፡ ብዘይተደልየ ምኽንያት ናብ 4 ኤውሮፓውያን ሃገራት ንኸይግየሽ ይመክር

ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን፡ ናብ ኢስቶንያ፡ ላትቪያ፡ ሊትወንያን ኣየርላንድን ብዘይተደልየ ምኽንያት ክሳብ 4 ሕዳር ዘሎ ግዜ ንኸይግየሽ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። እዘን ሃገራት እዚኣተን፡ ንሽወደናውያን ገያሾ ዝምልከት ናይ ውሸባ መስርሕ ብዘይ ምቕያረን እዚ ውሳኔ ከም ተወስደ፡ ሓላፊት ጋዜጣዊ ኣገልግሎት ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት፡ ሳራ ብሪኒዳል፡ ገሊጻ። ናብ ዝኾነ ሃገር ክትገይሽ እንተድኣ ደሊኻ፡ ብዛዕባ ናይታ ሃገር ናይ መገሻ ቀይድታትን ቅጥዕታትን ክትፈልጥ …

Read More »

ኣብ ምምሕዳር ስኮነ (Skåne) ፡ መጠን መልከፍቲ ኮሮና ብዘሻቕል ኩነታት ይውስኽ

ኣብ ደቡብ ሽወደን ፡ ምምሕዳር ስኮነ፡ ግዳያት ሕማም ኮቪድ-19፡ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናወሰኹ ይኸዱ ምህላዎም ጸብጻባት በዓል መዚ ጥዕና ስኮነ ሓቢሩ። ብመሰረት እቲ ጸብጻብ፡ ማእከላይ ገምጋም ናይ መዓልታዊ  ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተለኽፉ፡ ካብ 55 ክሳብ 89 ሰባት ምዃኑ ገሊጹ። ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ምምሕዳር ስኮነ፡ ኣብ ኩሎም ክሊ ዕድመታት ይረአ ምህላዉን፡ እንተኾነ እቶም ኣብ ክሊ ዕድመ 20-29 ዘለዉ መንእሰያት …

Read More »

ክሳራታት ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ SL ዓቢ ክኸውን ከምዝኽእል ገምጋማት ይሕብሩ

ብሰንኪ ኣብዚ ዓመት ዝፍጸን ዘሎ መስርሕ ትኬት ከየቑረጽካ ኣገልግሎት ምርካብ (ምትላል)፡ በዓል መዚ ኣገልግሎት ህዝባዊ መጓዓዝያ ስቶክሆልም፡ ክሳብ 1.5 ቢልዮን ክሮን ክሳራታት ክወርዶ ከምዝኽእል ጸብጻባት’ቲ ቤት ጽሕፈት ይሕብሩ። ኣብ ንቡር ኩነታት፡ መጠን ምትላል ክሳብ 3% ክኸውን እንከሎ፡ ብ270 ሚልዮን ክሮነር እዩ ዝግመት። ኣብዚ ዓመት’ዚ ግን፡ እቲ መጠን፡ 15% ብምብጽሑ፡ ዝተመዝገበ ክሳብ ድማ 1.35 ቢልዮን ክሮነር ኮይኑ ኣሎ ክብሉ እቶም ጸብጻባት …

Read More »

ሓቐኛ ዛንታ፣ዓባይ በጊዕ—

ቐዳማይ ክፋል ብጸጋብርሃን ጎይትኦም  ኣብ ከባቢ ዕስራታት እትርከብ ጎርዞ እያ። ዕላላ ህዱእን ቁም-ነገር ዝዓብለሎን ብምዃኑ፡ ካብ’ቲ ተመሲጥካ ንኽትሰምዖ ዝድርኽ መዐቀኒታት ሓደ’ዩ። ኣብ ጉዕዞ ህይወትካ፡ ኣመዛዚንካ ናይ ዘይምኻድ ባህርያት ከም ዘለዋ ግን፡ ካብ ዛንታኣ ክግምት ኣይተጸገምኩን።  ብቖጸራ ኣብ ሓደ ካፊተርያ ምስ ተራኸብና፡ ነቲ ብግርህነት ዝኣተወቶ’ሞ ሕጂ እትጥዓሰሉ ዘላ ግዜ ንእስነታ፡ ኣብ ምዝንታው’ያ ብቕጽበት ተሸሚማ። ኣነ እውን ንእትብለኒ ክሰምዕ ተዳለኹ፡ ንእስነት ዝመንቀሊኡ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com