Saturday , May 18 2024

ባህሊ

ሓንቲ ዓለም:ገለ ሓሳባትን ርእይቶን ብዛዕባ ፖለቲካ (Reflexions On Politics)

ኣማኑኤል ሳህለ ቀዳማይ ክፋል ፖለቲካ ካብቲ ኣብ ምቍጽጻር ህዝቢ-ከተማ ወይ ኣብ ከተማ (polites, polis) ዚዝውተር ዝነበረ ዓይነት መንግስታዊ ምምሕዳር ዝመንጨወ ቃል እዩ። መብዛሕትኦም ካብቶም ቀዳሞት ተሳተፍቱ ድማ፡ ሓፋሽ ናይ ከተማ ህዝብን (ባሮትን ናጻ ዝኾኑን) ከም ተገዛእቲ፣ መራሕቲ ውግእን፡ ካህናትን፡ ሰብ ሃብትን ድማ ከም ገዛእቲ እዮም ነይሮም። ወድሰብ ብዘመናዊ መገዲ ኪመሓደር ዝጀመረ፡ ሕርሻ ምስ ኣተኣታተወን፡ ከተማታት ኪሃንጽን ኣብኡ ኪቕመጥ ምስ ከኣለን …

Read More »

ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር ከተማ ስቶክሆልም፡ ገንዘባዊ ምትላል ተፈጺሙ

ኣብ መዓላ ፈስቲቫል መንእሰያት ንክውዕል፡ ብምምሕዳር ሻርሆልመን፡ ተመዲቡ ዝነበረ ልዕሊ 1 ሚልዮን ክሮን፡ ኣብ ወጻኢታት መገሻን ሆቴላትን ብምውዓል ናይ ምትላል ፍጻሜ ከምተኻየደ ኣፍቶንብላደት ኣቃሊሑ። ምምሕዳር’ቲ ከባቢ፡ ኣብ ዓመተ 2018 ን 2019፡ ኣስታት 3 ሚልዮን ክሮን ንኣወሃሃዲት “ፈስቲቫል 127” ዝተባህለ ናይ መንእሰያት ፈስቲቫል ዘዳለወት ማሕበር ሂቡ ከምዝነበረ ይዝከር። ብመሰረት ጸብጻብ መርመራታት ፖሊስ፡ ካብቲ ዝተዋህበ ገንዘብ፡ 1 ሚልዮን ክሮን ዝኸውን ኣብ ውልቃዊ …

Read More »

ቤት ጽሕፈት ኣሃዱ ግብሪ፡ ቆጸራ ህዝቢ ክጅምር ምዃኑ ሓቢሩ

ቤት ጽሕፈት ኣሃዱ ግብሪ፡ ብማሕበራውን ቁጠባውን ዓቕመን ድኹማት ኣብ ዝበሃላ ከባቢታት፡ ቆጸራ ህዝቢ ከካይድ ምዃኑ፡ መንግስቲ ሽወደን፡ ሓቢሩ። እዘን ከባቢታት፡ ብብዝሒ ህዝቢ ዘዕለቕለቓ ኮይነን መብዛሕትኦም ነበርተን፡ ወጻእተኛታት እዮም። መሰረታዊ ዕላማ ናይዚ መስርሕ፡ ኣብዘን ዝተጥቕሳ ከባቢታ፡ ቆጸራ ህዝቢ ንምክያድ እዩ ክብል ኣብ ሊበራላዊ ሰልፊ ወሃብ ቃል ጉዳያት ነባርነት ዝኾነ ሮበርት ሃና ን TT ሓቢሩ። ነዚ መደብ ተባሂሉ፡ ብመንግስቲ፡ ናይ 43 ሚልዮን …

Read More »

ፖሊስ፡ ንሰለስተ ረሻሽ ዝሓዙ መንእሰያት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ የእትዩ

ኣብ ጎደናታት ሰሜን ስቶክሆልም፡ ከባቢ ሶለንቱና፡ K-pisten ዝዓይነቱ ረሻሽ ዝሓዙ ሰለስተ መንእሰያት ክንቀሳቐሱ ዝረኣዩ ሰባት፡ ንፖሊስ ምሕባሮም ተፈሊጡ። እዞም ገበን ክፍጽሙ መደብ ዝነበሮም መንእሰያት፡ እቶም ክልተ ደቂ 18 ዓመት ክኾኑ እንከለዉ እቲ ሓደ ድማ ወዲ 19 ዓመት ምዃኑ ተገሊጹ። ፖሊስ፡ ብፍሉይ ወተሃደራዊ ታዕሊም ዝቐሰመ ኣሃዱ ተሓጊዙ፡ ነቶም መንእሰያት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘእተዎምን፡ ሕብረተሰብ፡ ካብ ከጋጥም ተኽእሎታት ዝነበሮ ሓደገኛ ፍጻሜ ከምዝተናገፈን …

Read More »

ኣብ መስርሕ ምዝገባ ህዝቢ፡ ንዘጋጥሙ ምትላላት ዘቃልዕ ዝማዕበለ ዲጂታላዊ ስርዓት ተማሂዙ ተባሂሉ

ቤት ጽሕፈት ኣሃዱ ግብሪ ሽወደን (Skatteverket)፡ ኣብ መስርሕ፡ ናይ ህዝቢ ምዝገባ (Befolkningsregisterering)፡ ከጋጥሙ ንዝኽእሉ ጌጋታትን ምትላልን ተቐላጢፉ ከቃልዕ ዝኽእልን ካልኦት ትካላት መንግስቲ ክጥቀማሉ ዝኽእላን ዝተመሓየሸ ሓድሽ ዲጂታላዊ ስርዓት ከምዘማዕበለ ገሊጹ። ነዚ ሓድሽ ዲጂታላዊ ስርዓት፡ ኣሃዱ ሳንዱቕ ማሕበራዊ ውሕስነትን (Socialförsäkringsfonden) በዓል መዚ ምእካብ ዕዳታትን (Inkassobyrå) ኣብ ቀረባ እዋን ክጥቀምሉ ክጅምሩ ምዃኖም ተሓቢሩ። ኣብ ውሽጢ 8 ኣዋርሕ ናይዚ ዓመት፡ ኣብ ናይ ህዝቢ …

Read More »

ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና፡ መጠን ብዝሒ ሕቶታት ፍትሕ፡ ከምዝወሰኸ ተሓቢሩ

ኣብ እዋን ቅልውላው ኮሮና፡ መጠን ንኽፋትሑ ዝሓተቱ ሰብ ሓደር፡ ምስቲ ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ናይ ዝሓለፈ ዓመታት ክነጻጻር እንከሎ፡ ከምዝወሰኸ ኣሃዛዊ ጸብጻባት ሃገራውያን ቤት ፍርድታት ሽወደን ሓቢረን። ጠንቂ ናይዚ ተኸሲቱ ዘሎ ኩነት፡ ቅልውላው ለበዳ ኮሮና፡ ክኸውን ከምዝኽእልን ብሰንኪ’ዚ ድማ እቶም ሰብ ሓዳር ብሓንሳብ ዘሕልፍዎ ግዜ ካብቲ ንቡር ዝነውሐ ምንባሩን  ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ናብ ፍትሕ ዘምርሐ ብዙሕ ግጭት ከምዘጋጠመ ኣብ ዩኒቨርስቲ ስቶክሆልም፡ …

Read More »

ምምሕዳር ስቶክሆልም፡ ኣንቢርዎ ዝጸንሐ ኣዋጅ እዋን ህጹጽ ሓደጋ ከም ዘልዓሎ ሓቢሩ

በዓል መዚ ኣሃዱ ጥዕና ስቶክሆልም፡ ኣንቢርዎ ዝጸንሐ ኣዋጅ እዋን ህጹጽ ሓደጋ (Stabsläge) ከምዘልዓሎን ስራሓት ድማ ናብ ንቡር ኩነታቶም ከምተመልሱ ሓቢሩ ክብል SVT ኣመሓላሊፉ። ኣብ ምምሕዳር ስቶክሆልም፡ መጠን መልከፍቲ ኮሮና ብምንካዩ፡ ኣብ መላእ ሆስፒታላት ናይታ ምምሕዳር ኣስታት 30 ሰባት ጥራይ ብሕማም ኮቪድ-19 ዝተጠቕዑ ምህላዎም፡ እቲ ዝጸንሐ ኣዋጅ እዋን ህጹጽ ሓደጋ (Stabsläge) ከም ዘብቅዐ ሓላፊ ኣሃዱ ጥዕና ስቶክሆልም፡ ቢዮሪን ኤሪክሰን ሓቢሩ። እቲ …

Read More »

ኣብ ኖርወይ፡ መጠን ዝርገሐ መልከፍቲ ኮሮና ወሲኹ ተባሂሉ

መጠን ዝርገሐ መልከፍቲ ኮሮና ኣብ ኖርወይ ይውስኽ ምህላዉ ኣብ ኖርወር ዝሕተም ጋዜጣ NRK ሓቢራ። ዝሓለፈ ሰሙን፡ ንፈለማ ግዜ ካብ ወርሒ ሚያዝያ፡ መጠን መልከፍቲ ኮሮና ኣብ ኖርወይ፡ ልዕሊ እቲ ኣብ ሽወደን ዝተመዝገበ ኮይኑ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፉ ሽውዓተ መዓልታት፡ መጠን መልከፍቲ ኮሮና ኣብ ኖርወይ፡ 14 ካብ 100 ሽሕ ሰብ፡ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ሽወደን ግን 11 ካብ 100 ሽሕ ሰብ፡ ምምዝጋቡ ጋዜጣ NRK …

Read More »

ናይ ጓሓፍ መካይን ዝስከመኦ ዘለዋ ክብደት፡ ልዕሊ ዓቕመን ይኸውን ኣሎ ተባሂሉ

ካብ ኣትክልቲ ናብ መሬት ዝወደቑ ፍረታት፡ ኣኪብካ ኣብ እንዳ ጓሓፍ ምእታው ተመራጺ ኣይኮነን። ናይ ጓሓፍ መኪና፡ ንተወሳኺ ክብደት ጽሟቕ ናይ ፍረታት ክትጻወር ኣይትኽእልን እያ ክብል ካብ ቫስትማንላንድ ዝፍነው ሬድዮ ሽወደን P4 ሓቢሩ። ብጽሟቕ ናይ ፍረታት ዝፍጠር ተወሳኺ ሚዛን ሒዝና ክንዝውር ብጣዕሚ የሸግረና እዩ። እታ መኪና ንኸምዚ ዓይነት ጸቕጢ ክትጻወር ኣይትኽእልን እያ። ኣብ መጨረሽታ ድማ፡ ኣብ ጎደናታት ጥብጥብ እናበለ ይኸይድ ኣሎ …

Read More »

ሓቐኛ ዛንታ ዕድል ድዩ?

ሓምሻይ ክፋልብጸጋብርሃን ጎይትኦም “ቅድም ንብሕቱ ከይዱ ተመርሚሩ መጺኡ፡ እዚ’ኳ ጌጋ እንተኾነ ደላዪት ብምዃነይ ኣይጸላእኩዎን ሽዑ ንዓይ ረኺቡ በይኑ ከም እተመርመረን ነጻ ከም እተባህለን ሓቢሩኒ። ብሓንሳብ ምኻድ ትርጒም ከም ዘይብሉ’ውን ነጊሩኒ። ኣነ ግና ኣይተቐበልኩዎን፡ ምስ’ቲ ዘቕርቦ ዝነበረ ምኽንያት ኣተኣሳሲረ ክምርመር ኣይደለየን’ዩ ዝብል ጥርጣረ’ዩ ሒዙኒ። ብሓንሳብ ከይድና ክንምርመር ኣለና ኢለ ድማ ኣብ መትከለይ ደሪቐ። ዓመታት ብፍቕሪ ተጓዒዘ ንዳዊት ወኒነ ምልእቲ ሰብ ክኸውን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com