Sunday , May 5 2024

ባህሊ

ከቢድ ክሳራታት ዘውረደ ሓደጋ ባርዕ

ትማሊ ረቡዕ ለይቲ፡ ኣብ ከባቢ ማዮና (Majorna)፡ ዮቶቦሪ፡ ከቢድ ክሳራታት ዘውረደ፡ ኮነ ኢልካ ዝተሳወረ ተባሂሉ ዝንገረሉ ሓደጋ ባርዕ ኣጋጢሙ ክብል TT ሓቢሩ። እቲ ሓደጋ ባርዕ፡ ኣብ ሓደ ህንጻ ምስ ጀምረ ስዒቡ ድማ ናብተን ኣብቲ ከባቢ ዓሺገን ዝነበራ መካይን ልሒሙ፡ ኣብ ልዕሊ 15 መካይን ከቢድ ክሳራታት ከም ዘውረደን ገሊአን ድማ ምሉእ ብምሉእ ከምዝዓነዋን ወሃብ ቃል ፖሊስ’ቲ ከባቢ ሓቢሩ። ነበርቲ ናይ ዓሰርተ …

Read More »

ዳህሳስ፦ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ኣብ ጉዳይ ክርክር ሞግዚትነት፡ ንህጻናት ሸለል ይብል ተባሂሉ

ኣብ መንጐ ወለዲ፡ ብጉዳይ ሞግዚትነት ክርክር ኣብ ዝለዓለሉ እዋን፡ ህጻናት ካብ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዝወሓደ ሓገዝ ከም ዝረኽቡ ኤኮት ዘዳለዎ ሓዲሽ ዳህሳስ ገሊጹ። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ ከምዚ ዝበሉ ጉዳያት ኢዱ ካብ ምእታው ስለ ዝቑጠብ እዩ። እዚ ይኹን እምበር፡ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንጉዳይ ህጻናት ሸለል ከይበለ ኣቓልቦ ክህብ ከም ዝግባእ ዝተፈላለዩ ወገናት ይሕብሩ።   ኣብ እዋን ክርክር ሞግዚትነት፡ …

Read More »

ተማሃሮን ስራሕተኛታትን፡ ዩኒቨርስቲ ኦምዮ፡ መርመራ ኮሮና ከካይዱ እዮም

ኣስታት 20 ሽሕ ዝኾኑ ተማሃሮን ሰራሕተኛታትን፡ ዮኒቨርስቲ ኦምዮ፡ ንምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ኣብ እዋን ስሩዕ ትምህርቲ ንምግምጋም ዘኽእል መጽናዕቲ ተባሂሉ፡ ካብ ሎሚ ሰኑይ፡ መርመራ ኮሮና ክጅምር ምዃኑ ምስ SVT ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ኣንድሽ ዮሃንሰን፡ ገሊጹ። ብኮሮና ቫይረስ ናይ ዝተለኽፉ ሰባት ብዝሒ ንምፍላጥ ሎሚ ሰኑይ መርመራ ከነካይድ ኢና፡ ድሕሪ ክልተ ሰሙን፡ኩሎም ተማሃሮ ምስ ተራኸቡ፡ ዳግማይ መርመራ ከነካይድ ኢና ክብል ዮሃንሰን ሓቢሩ። እዚ …

Read More »

ምምሕዳር ማልመ፡ ኣብ ማልመ ዝተላዕለ ናዕቢ፡ ሃይማኖታዊ ድርኺት ከምዘይነበሮ ሓቢሩ

ዝሓለፈ ዓርቢ፡ ኣኽረርቲ የማናውያን፡ “ቁርኣን” እናኣንደዱ እንከለዉ ዘርኢ፡ ብማሕበራዊ መራኺቢታት ዘመሓላለፍዎ ቪድዮ ድሕሪ ምዝርግሑ፡ ኣብ ከተማ ማልመ፡ ዓቢ ናዕቢ ከምዝተላዕለ ፖሊስ ሓቢሩ። ብመሰረት ክኢላ ጸጥታዊ ጉዳያትን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ስትራተጂ ከተማ ማልመ፡ ፒር ኤሪክ ኢፒስቶል፡ እቲ ፍጻሜ ናዕቢ፡ ሃይማኖታዊ ድፊኢት ዘይብሉ እዩ ክብል ከምዝገለጾን ምምሕዳር ከተማ ድማ ንገለ ካብቶም ኣብ ናዕቢ ዝተስተፉ ሰባት ከምዘለለዮምን ዝኾነ ዓይነት ሃይማኖታዊ ዝምባለ ዘለዎም ሰባት …

Read More »

ናይ ሶሻል ዲሞክራትና ተፈታውነት የንቆልቁል . . . . ተፈታውነት ሰልፍታት ዓቃባውን SDን ድማ ይውስኽ

ሰልፊ ሶሻል ዴሞክራትና ንኻልኣይ ግዜ ኣብ ብዝሒ ደረጃ መረጽቲ ንታሕቲ ምውራዱ ተገሊጹ። ብመሰረት ሓድሽ ዳህሳስ ተሌቪዥን ሽወደን እዚ ሰልፊ ናይ 28.3% መረጽቲ ድጋፍ ከም ዘለዎን እዚ ድማ ምስቲ ኣብ 2018 ዝነበሮ ዝመዓራረ እዩ ተባሂሉ። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣውሮጳ እንተላይ ሽወደን ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ህዝቢ ምስ መሪሕነቱ ዘለዎ ዝምድና ክጠብቕ ክኢሉ እዩ። ኣብ ወርሒ ግንቦት ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና ዝነበሮ ድጋፍ 31.5% …

Read More »

ምሕሳው

”ሓሶት ኣብ ናብራና ኣገዳሲ ተራ ምሓዙ ዘርእዮ ነገር እንተሎ ኣገባብ ህይወትና ኣዝዩ ሓሚቑ ምህላዉ እዩ“   ፍሬድሪች ኒቸ ኣብ ዓውዲታት ፖለቲካን ምሕደራን ሓቂ ተቘንጥራ እያ ትዕደል። ብፍላይ ኣብ ዘመንና ክልቲኡ ብዘይ ምሕሳው ክሳኻዕ ዝኽእል ክሳብ ዘይመስል ሓቂ ተጀሊሓ ኢና ንረኽባ። ኣብ ማሕበራዊ መስተጋብርና እውን ገለ ነገራት ደይ መደይ ተባሂሉ ከይግለጽ ፡ ክሽምረር ወይ ውን ብውጹእ ሓሶት ካብ ዕዳጋ ዕላል ከም …

Read More »

ሓቐኛ ዛንታ:ዕድል ድዩ?

ራብዓይ ክፋል ብጸጋብርሃን ጎይትኦም “ከም’ቲ ዝበልኩኻ’ዩ። ምስ ዳዊት ንሕጸ ምስ ተቛጸርና፡ ክዳን ክንዕቀን ምስ ሓፍቱ እናኸድና ከለና ኢና ጉድ ዳዊት ዝኽሻሕ ዘሎ፡” ነዊሕ ኣስተንፊሳ ዝን በለት። “ሓፍቱ ሃንደበት ብገርሃ’ያ ነጊራትኒ። ድቦላ’ዩ ነይሩ፡ ዳዊት በዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ቆልዑን ምዃኑ ሃንደበት ኣርዲኣትኒ።” “እንታይ ደኣ በልኪ?” ዝፈጥረላ ስንባደ ካብ ኣጠማምታኣ ክርዳኣ ግዜ ኣይወሰደለይን። ካልእ ጸገም ኣብ ርእሲ’ውን ተደረበ፡ ሓደ ካልእ ዓቢ ጸገም …

Read More »

ሓንቲ ዓለም፣ቋንቋን ዘረባን (language and speech)

ኣማኑኤል ሳህለ ቋንቋ ኪብሃል ከሎ ሓፈሻዊ ናይ ሓበሬታ ምትሕልላፍ ሜላ እዩ። እዚ ድማ ብምንቅስቓስ ኢድን ካልእ ክፍሊ ኣካላትን፡ ብመልክዕ ስእልን፡ ብሽታን፡ ብሓጸርቲ ድምጽታትን፡ ካብ ኣፍ ካብ ዚወጽእን ኣገባብ እተኸተለን ድምጺ (ዘረባ) ወዘተ ይትግበር። ዘረባ (speech) ኪብሃል ከሎ ግን ናይ ቋንቋ ዝለዓለ ደረጃ ኾይኑ ኣብ ወድሰብ ጥራይ ዚርከብ ብናውቲ ኣፍን በቲ ዚቆጻጸሮክፍሊ ሓንጎልን ዚኽሰት ድምጻዊ ተርእዮ እዩ። ወዲሰብ በቲ ካብ ጎረሮ …

Read More »

ፖሊስ፡ ነቲ ብኣሃዱ ጥዕና ዝቐረበ እማመ ከምዝቃወሞ ገሊጹ

ፖሊስ ሽወደን፡ ንገደብ ብዝሒ ተሳተፍቲ ምትእኽኻብ ናብ 500 ክብ ንምባል ብኣሃዱ ጥዕና ዝቐረበ እማመ ከምዝቋወም ሓቢሩ ክብል TT ገሊጹ። ንተግባራውነት ናይዚ ቀሪቡ ዘሎ እማመ ንምክትታል ዘኽእል ዓቕሚ ከምዘይብሉ፡ ፖሊስ፡ ሓቢሩ ኣሎ። እዚ እማመ፡ ነተን ሙዚቃዊ ምርኢታት ዘካይዳ ቤት ምግብታት ፍቓድ ዝህብ ኮይኑ ኣብ ሓደ እዋን ድማ ናይ ምርሕሓቕ መምርሒታት ከተግብሩ ክግደዱ እዮም። ንውሱን ናይ ምትእኽኻብ ኣጋጣሚታት ዝኸውን ሕጊ ምውጻእ፡ ንኣሰራርሓ …

Read More »

ኣብ ትሕቲ ናይ ክሽነ መሕጸቢ (ላቫንዲኖ) ክተቐምጦም ዘይብልካ ነገራት

ጽበት ክሽነ ዘምጽኦ ሳዕቤን፡ ገለ ሰባት፡ መሳርሒ ኣቕሑ ኣብ ትሕቲ ላቫንዲኖ ክሓድጉ ትርእይ። እንተኾነ፡ እዞም ተግባራት’ዚኣቶም ጠንቂ  ናይ ጥዕና ጸገም ክኾኑ ከም ዝኽእል ተፈሊጡ ኣሎ።  ጀርመናዊት መጽሔት፡ ፍሬውንደን፡ ኣብ ትሕቲ ላቫንዲኖ ክቕመጡ ዘይግብኦም ዝበለቶም ናውቲ ዘርዚራ’ላ። ናውቲ ጽሬት ብዙሕ ከሚካል ዘለዎም ናውቲ ጽሬት፡ ካብ ትሕቲ ላቫንዲኖ ክእለዩ ይግባእ። ትሕቲ ላቫንዲኖ፡ ብቐጻሊ ዝኽፈት ክፋል ናይ ክሽነ ብምዃኑ፡ እቲ ናውቲ ጽሬት ዝኾነ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com