Sunday , May 5 2024

ባህሊ

ትምህርቲ ቛንቛ ሽወደን ቀዳማይ ክፋል SFI NYBÖRJAR hem inbjudan vecka 1

Read More »

ሓቐኛ ዛንታ ካልኣይን መወዳእታን ክፋል፣መቐረት ሽወደን

ብጸጋብርሃን ጎይትኦም “ከምቲ ዝበልኲኻ መዓት ሃደንቲ ደቒ ተባዕትዮ ስለ ዝነበሩ፡ ሻማ ሻማ ኢሎም’ዮም ተቀቢለሙኒ፡ ኣብቲ ፈለማ ከምንግስቲ’የ ከቢረ፡ ንመልክዐይን ፍቕረይን ዝደልዩ ደቒ ተባዕትዮ ክውሕዙኒ ብምጅማሮም፡ ተስፋይ በሪዂ ምስቲ ሓደ ተዘናጊዐ፡ ናብቲ ሓደ ክሰግር ምንም ግዜ ኣይነበረንን፡ ብላዕ ስተ’ዩ ነይሩ፡ ከይተረድኣኒ ብዘይሓደ ቑም ነገር ዳርጋ ክልተ ዓመት ኣቑጺረ፡ ክዳውንቲ ቀያይርካ ናብትን ናብትን ምባል ኮይኑ ስርሐይ፡ ከምቲ ኣቀዲመ ዘዕለልኲኻ፡ ጓል ዕስራን ክልተን …

Read More »

ሓንቲ ዓለም፣ ህይወት ትርጉም ኣለዎዶ?

ኣማኑኤል ሳህለ ህይወት ወይ ፍጥረት፡ ትርጉም ወይ ዕላማ ኣለዎዶ? ኢልካ ምስ እትሓትት፡ መብዛሕትኡ ሰብ እወ ብምባል እዩ ዚምልሽ። ቀጺሉ ድማ ከምዚ ይብል፥ ህይወት ትርጉም እንተ ዘይህልዎ ደኣ ምንባር እንታይ እዩ ዕላማኡ? ንምንታይከ ተፈጢርና? ግንከ ህይወት ወይ ፍጥረት ትርጉም ከም ዘይብሉ እንተ ዚረጋገጽ ነይሩ ምንባር ምገደፍናዮዶ? ብምባል ከም ብሓድሽ ክትሓቶ ትግደድ። ኣይምገደፍናዮን፡ ከመይሲ፡ ሓንሳእ ኣብ ህይወት ምስ ኣቶኻ፡ ክትመውት ወይ ክትጠፍእ …

Read More »

ኣነ ከም ፕረሲደንት፣ ኣሰልጣንን ተጻዋታይ እየ ዝሰርሕ ዘለኹ ደሞዘይ ግን ናይ ተጻዋታይ ይኽፈል። ዛላታን

ኣነ ካብ ምጅማር እዚ ወቕቲ ኣብዛ ጋንታ ኤሲሚላን ተዝህሉ ነይረ ነዛ ጋንታ ቀዳመይቲ ምገበርክዋ ብምባል ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ግጥም ን ክለብ ጁቨንቱስ ሓንቲ ሸቶ ብምምዝጋብ 4 ብ 2 ኣብ ዝሰዕርሉ ዝበሎ ተረካቢ ዘረባ።

Read More »

ንናይ ቤት ትምህርታት ሓካይም ኣብ ሓደጋ ዘውደቐ መለለይ

እቲ ኣብ ቬስታማላድ ዝሰርሕ ናይ ቤት ትምህርቲ ሓኪም፡ ናይ ሕክምና ምስክር ወረቐቱ ክምንጠል ይግባእ ኢሉ ተቖጻጻሪ ኣካል ጥዕናን ሓለዋን (Ivo) ከምዝኣምን SVT News Västmanland ሓቢሩ። Ivo፡ ንኣገባብ ኣፈዋውሳ ናይቲ ሓኪም ኣመልኪቱ ኣብ ዝገበሮ መርመራ፡  ኣብ ልዕሊ 17 ቆልዑ ዝፈጸሞ ኣገባብ ኣፈዋውሳ ንስነፍልጠታውን ሕሉፍ ተሞክሮታት ሕክምናን ብዝጥሕስ ኣገባብ ከምዝተጠቀመ ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ። ንገለ ካብቶም ተመሃሮ፡ ኣብ ሂወት ዘለዎም ሓፈሻዊ ኣጠማምታ ንኽሰፍሕ …

Read More »

ሓቐኛ ዛንታ፣ መቐረት ሽወደን

ብጸጋብርሃን ጎይትኦም ቐዳማይ ክፋል “ንነብሰይ ከም መማቕርቲ ሽወደን’የ ዝቖጽራ፡ ኣብ ስቶኮሎም ከማይ ትጽብቅ ሓበሻ ዘላ ኮይኑ ኣይስምዓንን! እንታይ እሞ—” ጌና ዕላላ ከይጀመረትለይ ከላ ብንብዓት ተነኽነኸት። ብመንገዲ ተንቓሳቓሲ ቴለፎን እያ ተላልያትኒ፡ ኣብ ሃገረ ሽወደን ጋሻ ብምዃነይ፡ ቁጽሪ ተንቃሳቃሲ ቴሌፎነይ ብመንገዲ ጋዜጠኛ ናይ ዩቲብ ቻነል ራሄና ቲቪ ያሲን ዑመር(ቕጫ)፡ ብምሕታት እያ ክትረኽበኒ ክኢላ። መልክዓ’ኳ እንተዘይፈለጥክዎ፡ ብኣዛራርብኣ ግና ብርግጽ ምልክዕቲ ክትከውን ኣለዋ በልኲ። …

Read More »

ድሕሪ ጽምብል መመረቕታ ተማሃሮ፡ ቁጽሪ ናይቶም ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኽፉ መንእሰያት ወሲኹ ተባሂሉ

ኣብ ቀዳሞት ክልተ ስሙን ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ፡ ቁጽሪ ናይቶም ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኽፉ፡ ኣብ ዓመተ 2001 ዝተወልዱ፡ መንእሰያት ብተዓጻጻፊ ከምዝወሰኸ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። ኣብ ምጅማር ወርሒ ሰነ ዝነበረ ናይ ተማሃሮ መመረቕታ ጽምብላት ኣብ ምውሳኽ ናይቲ ለበዳ ዓቢ ተራ ተጻዊቶም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ጋዜጣ GP ገሊጹ። ምዝያድ ቁጽሪ መልከፍቲ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ከባቢታት ስካራቦሪን ዮቶቦሪን ጎሊሑ ከምተራእየን እቶም ግዳያት ድማ ፎርኮስቲ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም፣ምህዞታትን ርኽበታትን ሳዕቤኑን (inventions and discoveries)

ኣማኑኤል ሳህለ ዝበዝሕ ግዜ፡ ሓደ ሰብ ሓደ ነገር ምሂዙ ኪብሃል ንሰምዕ። ግን ዝኾነ ምህዞ ካብ ባዶ ተላዒሉ ኣይክስተን እዩ። ብብዙሓት ኣእዳው ተመራመርቲ ዝሓለፈ መስርሕ እዩ እንተ ተባህለ ይምረጽ። እቲ ምሂዙ ዚብሃል ሰብ፡ እቲ ነቲ ኪምሃዝ ዝነበሮ ነገር ወይ ሓሳብ ወይ ፍልስፍና ጥራይ ኢዩ ኣብ ዕላማኡ ወይ ኣብ ጥርዙ ከብጽሖ ዝኸኣለ። ንኣብነት ራድዮ ብጉልየልሞ ማርኮኒ ተማሂዛ ንብል። ግን ቅድሚ ራድዮ ምምሃዛ፡ …

Read More »

ኣብ ግጥማት ኣልስቫንስካን ሽወደን ዝደምቅ ዘሎ ናሆም ግርማይ።

ኣብዚ ዓመት ፈላማይ ናይ ላዕለዎት ዲቪዝዮን ምስ ጋንታ ሲሩስ ዘካይድ ዘሎ ናሆም ግርማይ ትማሊ ኣብ ልዕሊ ክለብ ፋልከንበርይ ሸቶ ብምምዝጋብ ን ጋንትኡ ምስ ላዕለዎት ሰለስተ ክትስራዕ ኣኽኢልዋ። ኖሆም ግርማይ ኣብ ከተማ ከተማ ክሪስታንስታድ ብ 1994 ዝተወልደ ኮይኑ ፈላሚ ጸወትኡ ገና ብንእስነቱ ኣብ 2012-13 ምስ ትሕቲ 19 ዓመት ክለብ ክሪስታንስታድ ብምጅማር ኣብ 2018 ናብ ዓባይ ክለብ ቫርበርይ ብምስግጋር ኣብ ይዕይንቲ ዓበይቲ …

Read More »

ሓቐኛ ዛንታ: ራብዓይን መወዳእታን ክፋል መዘዘኛ ዕለት።

ብጸጋብርሃን ጎይትኦም “እዚ ዓይነት ባህሪ ዘለዎ ሰብ ኣብ ሎሚ ክትረክብ ናይ ብሓቒ ዕድለኛ’የ፡ ነዚ ዕድል ድማ’የ ክጥቀመሉ ዘይክኣልኩ፡ እቲ ናብ ዘርጊ ዘእተወኒ ድማ ጽጋብ’ዩ። ኣውሪደ ኣደይበ ምስ ሓሰብኩ፡ ምስ መሓሪ ክራኸብ ይውስን፡ ካብትን ካብትን ኢለ ዘጠራቐምክዎ ገንዘን ሒዘ ድማ ብቖጸራ ይረኽቦ፡ በቓ ክሕግዞ ይውስን። ኣብ’ቲ ፈለማ ድማ ክሳብ ዓሰርተ ሽሕ ዝኣክል ገንዘብ ሂበዮ፡ ዝለገሰለይ ምስጋና ክሳብ ሕጂ ዝርስዖ ኣይኮንኩን፡ ግና …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com