Sunday , May 19 2024

ሓደጋ

ሞራል መንግስቲን በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕናን ሰማይ ይዓርግ።

ብመሰረት ኣብ ዘካየዶ ዳህሳስ ሞራል መንግስቲን በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕናን ሰማይ ከም ዝዓረገ ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ጠቒሳ። ኣብ ወርሓ መጋቢት ዝነበረ 51 % ርእሰ ተኣማንነት ሕጂ ናብ 71% ክብ ኢሉ ምህላዉ ድማ ተመልኪቱ’ሎ። መንግስቲ ብወገኑ ሞራሉ ካብ 32% ሚእታዊት ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ 53 % ክብ ምባሉ ድማ ተጠቒሱ። በዓልመዚ ህዝባዊ ጥዕና ክኽተሎ ብዝጸንሐ መስመር ብፍላይ ድማ ብጒጅለ መጽናዕቲታቱ ክውቀስ እዩ ወሪሑ። …

Read More »

ላዕለዋይ ተጸዋዒ ለበዳታት ቲግኔል ብሸለልትነት ሰባት ምጒሃዩ ገሊጹ።፡

ብዛዕባ ቫይረስ ኮሮና ዘሎ መጠንቀቕታ ዕሽሽ ብምባል ሰባት ኣብ ማእከላይ ስቶክሆልም ይንቀሳቐሱ ምህላዎም ከም ዘጒሃዮ ክኢላ ተላባዕቲ ሕማማት ቲግኔል ገሊጹ። ካብ ቲልያ ክሮው ዝተረኽቡ ጸብጻባት ከም ዘመልክትዎ ምስ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ብምውድዳር ኣብዚ ግዜ ኣብ ማእከላይ ስቶክሆልም ዓሰርተታት ኣሽሓት ዝግመቱ ሰባት ካብ ቤት ወጻኢ ይንቀሳቐሱ ኣለዉ ክብል SVD ጽሒፉ። ኣብዚ ሰሙን ውዕይ ዝበለ ኲነታት ኣየር ክሰፍን እዩ ዝብል ትጽቢት ምህላዉን …

Read More »

ሽወደን፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ልዕሊ 82 ሽሕ ሰባት ብዘይ ስራሕ ተሪፎም።

ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ልዕሊ ዕዳጋታት ስራሕ ዓቢ ጽልዋ ከምዝፈጠረ ርዱእ እዩ። ከምሳዕቤኑ ድማ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ንዝነበረ ቁጽሪ ናይቶም ስራሕ ንኸቛርጹ ዝሕበሮም ሰባት ካብ 3000 ናብ 36800 ከምዝዓረገ ቤት ጽሕፈት ዕዮ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ። ቁጽሪ ናይቶም ስራሕ ንኽደልዩ ዝተመዝገቡ ሰባት ድማ ብኡ መንጽር ክዛይድ ከምዝኽእል ርዱእ እዩ። ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይዚ ዓመት’ዚ እቲ ዝበዝሐ ቁጽሪ …

Read More »

ስቶክሆሎም፡ ክልተ ሰባት ኣብ ምልውዋጥ ቶኽሲ ተቐቲሎም።

ኣብ ምዕራብ ስቶክሆሎም ከባቢ ቬሊንግቢ ሎሚ ሰሉስ ከባቢ ሰዓት 2 ናይ ምሸት ኣብ ዘጋጠመ ምልውዋጥ ናይ ቶኽሲ፡ ክልተ ሰባት ሂወቶም ከም ዝሳኣኑ ጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ሓቢራ። ብዛዕባ እቲ ኣጋጣሚ ኣመልኪታ መርበብ ሓበሬታ ሽወደን TT ኣብ ዘመሓላለፈቶ ዜና፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ናይ ቶኽሲ ምልውዋጥ ክልተ ሰባት ህወቶም ከምዝሰኣኑ ሓቢራ። ፖሊስ’ቲ ከባቢ ካብ ዝተፈላለዩ ሰባት ንምልውዋጥ ቶኽሲ ኣመልኪቶም ከም ዝደወሉን እቲ ኣጋጣሚ ኣብ ቤት …

Read More »

ሃልምስታድ፡ ሓንቲ መባእታ ቤት ትምህርቲ ብሓዊ ተሃሚኻ… ፖሊስ ምጽራይ የካይድ።

ትማሊ ሰኑይ ንግሆ ኣብ ቫላሰን፡ ሃልምስታድ፡ እትርከብ ሓንቲ ናይ መባእታ ቤት ትምህርቲ ሓደጋ ባርዕ ከምዘጋጠመን ክሳብ ሕጂ ናይ ዝወረድ ክሳራ ጸብጻብ ከምዘየለ ተሓቢሩ። እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ናብ ምሉእ ቤት ትምህርቲ ከም ዝተላበዐን ገበናዊ ፍጻመ ክኸውን ከምዝኽእል ፖሊስ ይጥርጥር። ፖሊስን ኣሃዱ መጥፋእቲ ሓዊን ተሓቢሮም ክሳብ ናብቲ ቦታ ዝመጹ እቲ ባርዕ ናብ ምሉእ ቤት ትምህርቲ ተላቢዑ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኮይኑ ጸኒሑ። …

Read More »

ኣብ ሽወደን ናህሪ ቁጽሪ ምዉታት ኮቪድ – 19 ብተዛማዲ ይጎድል ኣሎ።

ኣብ ሽወደን ብኮቪድ-19 ዝሞቱ ዘሎዉ ሰባት ብተዛማዲ ይጎድል ምህላዉን ቅድሚ ቁሩብ ደቓይቕ ባዓል መዚ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣ ብመሰረት እቲ መግለጺ ካብ ትማሊ ሰንበት ስጋብ ሕጂ ጥራይ ኣብ ህጹጽ መዉሃቢ ረድኤት ካብ ዝጸንሑ ሰባት 20 ሰባት ሞይቶም ከምዘሎዉን ብጠቕላላ ቁጽሪ ምዉታን ናብ 919 ክብ ከምዚበለ ተሓቢሩ፣ እዚ ምስቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝነበረ ኣሃዝ ብልዕሊ ፍርቂ ከምዝጎደለ የመልክት። ዛጊት …

Read More »

ዮቶቦሪ፡ ዓርሞሸሻዊ ሓደጋ ባርዕ ኣጋጢሙ።

ትማሊ ሰዓት 5 ናይ ምሸት ኣብ ልዕሊ ሓደ ኣብ ሂሰንገን፡ ዮቶቦሪ፡ ዝርከብ መኻዚኖን ኣብቲ ከባቢ ዝነበራ ናይ ጽዕነት መካይንን ዓርሞሸሽ ሓዊ ምስ ጽዑቕ ትኪ ከም ዘጋጠመን ክሳብ ሕጂ ዝወረደ ዝኾነ ዓይነት ክሳራታት ከምዘየለ ተሓቢሩ። ኣብቲ ናይ ሓደጋ ከባቢ ፖሊስን ኣሃዱ ህጹጽ ረዲኤትን ከምዝርከቡ ጋዜጣ ዮቶቦሪ ፖስት ሓቢሩ። እተን ናይ ጽዕነት መካይን ኣብ ጎድኒ እቲ መኻዚኖ ደው ኢለን ከምዝነበራ ኣሃዱ ህጹጽ …

Read More »

ሓይልታት ምኽልኻል ሽወደን ኣብ ምጉዕዓዝ ሕሙማን ኮቪድ-19 ክነጥፍ እዩ።

ሃገራዊ ምኽልኻል ሽወደን ንሕሙማን ኮቪድ 19 ንምጉዕዓዝ ካብን ናብን ዝግበር ጉዕዞ ዘገልግላ ብሕክምናዊ ናዉቲ ዝተዓጠቕቃ ሄልኮፕተራትን ነፈርትን ከዋፍር ምዃኑ ተሓቢሩ። ንከተማታት ፡ ካሊንጊን ነይሾፒን ዘጋጥመን ጻዕቂ ሕሙማት ኮቪድ-19 ንምቅላል ኣብቲ ከባቢ ዝርከባ ዋንነት ሓይልታት ምክልኻል ሽወደን ዝኾና ሄሊኮፕተራት ተዳልየን ከምዘለዋ መዕከን ሓበሬታ ሽወደን TT ሓቢሩ። እዘን ሄሊኮፕተራት ሓካይምን ናውቲ ሕክምና ዝዓጠቓን ኮይነን፡ ኣብ ግዜ ጉዕዞ ሓደጋ ለበዳ ቫይረስ ንምንካይ እቲ …

Read More »

ቤት ጽሕፈት ኣታዊ ግብሪ ሃገር Skatteverket ኩሉ ሰብ ካብ ሰርሰርትን መደናገርትን ክጥንቀቑ ይሕብር።

ቤት ጽሕፈት ኣታዊ ግብሪ ሃገር፣ ማለት Skatteverket ብምኽንያት ግብሪ ንዝምለሰሎም ሰባት ምኽፋል ምጅማሩ ተኣሳሲሩ ካብ ሰርሰርትን መደናገርትን ብመገዲ sms ከምኡ እዉን email ናብ ዉልቀሰባት ዝላኣኽ ኤክትሮኒካዊ፣ ሰባት መልሲ ካብ ምሃብ ክቑጠቡን እንተተኻኢሉ ነቲ ዝመጽእ መልእኽትታት ምድምሳሱን ምጉሓፉን ተመራጺ ከምዝኾነ ኣጠንቂቑ። ኩሎም ብመገዲ ዲጂታላዊ መገዲ ዓመታዊ መደቓቀሲ ግብሪ ማለት deklaration ዝላኣኹ ሰባት ካብ ትማሊ ሰሉስ ጀሚሩ ስጋብ ጽባሕ ሓሙስ ገንዘብ ንዝምለሰሎም …

Read More »

መንእሰያት ሓደገኛ ምልክታት ሕማም ኮቪድ-19 የርእዩ።

ቁጽሪ ናይቶም ሕሙማት ንሓካይም ኣገሪሙ ቁጽሪ ናይቶም ሓደገኛ ምልክታት ሕማም ኮቪድ-19 ዘርእዩ ዘለዉ መንእሰያት ካብ ትጽቢት ሓካይም ንላዕሊ ብምዃኑ ኣስደሚምዎም ከምዘሎ ኣብ ሆስፒታል Sodersjukhuset ስቶክሆልም ኣባል ኣሃዱ ጽዑቕ ምክትታል ዝኾነት ካሪን ሄልድብራንድ ሓቢራ። ለበዳ ቫይረስ ክሮና ካብ ዝጅምር እቲ ሕማም ኣብ ልዕሊ ምሉእ ጥዕና ዘለዎም መንእሰያት ኣየድምዕን እዩ ክብሉ ብዙሓት ሓካይም እምነት ከምዝነበሮም ይፍለጥ። ኣብ ሽወደን ግን ብዙሓት መንእሰያት ኣብ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com