Thursday , May 16 2024

ሓደጋ

ከባቢታት ስቶክሆሎም ዝለዓለ መጠን ለበዳ ቫይረስ ኮሮና የመዝግባ።

ኣብ ምምሕዳር ስቶክሆሎም ዝርከባ ከባቢታት ሪንክቢ (ሺሽታ) ን ስፖንጋ (ቴንስታ) እተን ዝለዓለ መጠን ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ዘመዝገባ ምዃነን ተሓቢሩ። ካብ ነፍሲ ወከፍ 10 ሽሕ ሰብ፡ ኣብ ከባቢ ሪንክቢ 47 ሰባት ኣብ ከባቢ ስፖንጋ ድማ 37 ሰባት ብቫይረስ ክሮና ከምዝተለኽፉ ካብ ቤት ጽሕፈት ምቁጽጻር ለበዳ ዝወጹ ጸብጻባት ሓቢሮም። ኣብ ስቶክሆሎም ጥራይ 3143 ሰባት ብቫይረስ ክሮና ከምተለክፉን እዚ ድማ ብገምጋም፡ ኣብ ነፍሲ …

Read More »

ሽወደን፡ ልዕሊ 50 ሰባት ምትእኽኻብ ትኽልክል።

ናይ ውልቂ ይኹን ማሕበራዊ ጽምብላት ኣብ ዝግበሩ ኣጋጣሚታት ልዕሊ 50 ሰባት ክእከቡ ፍቑድ ከምዘይኮነ መንግስቲ ሽወደን ሎሚ ኣብ ጋዜጥዊ መግለጺ መምርሒ ኣመሓላሊፉ። እዚ መምርሒ ካብ ሰንበት ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸውን እዩ። ነዚ መምርሒ ዝጥሕሱ ሰባት ክሳብ ናይ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ማእሰርቲ ክውሰነሎም ምዃኑ ብተወሳኺ ሓቢሩ። እዚ መንግስታዊ ውሳኔ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ መግለጺ ብመንገዲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ስተፋን ሎቪን፡ ተመሓላሊፉ። ቀዳማይ ሚኒስተር፡ …

Read More »

ኣብ ሽወደን 95 ናይ ክዳን ዱኳናት (ትካላት) ተዓጽየን።

ኣብ ሽወደን ዝርከባ 95 ዝብዝሐን ትካላት ናይ “ሎንድ ፋሽን፡ ፍላሽን ዲያ ኣልኪንሶን” ብሰንኪ ቫይረስ ክሮና ዘስዓቦ ምጥፋሽ ትካላተን ክዓጽዋ ከምዝተገደዳ ሓቢረን። ብተወሳኺ ድማ ኣብ ሉንድ ደኒማርክ ዝርከባ 3 ትካላት ከምዝተዓጸዋ ተፈሊጡ። ኣብዘን ዝተዓጽዋ ትካላት ዝሰርሑ ዝነበሩ 500 ሰራሕተኛታት ብሃንደበት ብዘይ ስራሕ ተሪፎም። ብክሮና ቫይረስ ዝተኸስተ ኩነታት ዝበዛሓ ናይ ንግዲ ትካላት መጠን መሸጠአን እንዳ ኣንቆልቀለ መጠን ወጻኢታተን ግን ከምቀደሙ ይቕጽል ብምህላዉ …

Read More »

በዓል መዚ ጥዕና፡ ንተቐማጦ ሽሽታ ን ስፖንጋን ካብ ዝያዳ ምልባዕ ቫይረስ የጠንቅቅ።

ተቐማጦ ናይቶም ኣብ ስቶክሆሎም ዝርከባ ከባቢታት Kista ን Spånga ካብ ዝያዳ ምልባዕ ናይ ቫይረስ ክጥንቀቁ ከምዘለዎም በዓል መዚ ጥዕና ኣዘኻኺሩ። ኣብዘን ዝተጠቕሳ ከባቢታት ዝነብሩ ሰባት ንምልባዕ ቫይረስ ንምግታእ ብፍሉይ ዘድሊ ጥንቃቀ ክገብሩ ከምዘለዎምን ኣእዳዎም ብግቡእ ክሓጽቡ ከምዘለዎም፡ ኣእዳዎም ዓጺፎም ክህንጥሱ ከምዘለዎምን መባእታዊ ምልክታት ሕማም ከም ረስኒ፡ ደረቕ ሰዓልን ጸገማት ምስትንፋስን እንተተራእዩ ነብሶም ባዕሎም ክውሽብ ከምዘለዎምን እንተ ገዲዱ ድማ ንዝምልከቶም ናይ …

Read More »

ለበዳ ኮሮና ኣብ ክረምቲ ኣብቂዑ ዳግማይ ኣብ ጽድያ ክኽሰት ክርምዝኽእል ኪኢላታት የጠንቕቁ።

ለበዳ ኮሮና ኣብ ክረምቲ ኣብቂዑ ዳግማይ ኣብ ጽድያ ክነትጒ ይኽእል እዩ ክብል ፕሮፌሰር ቪሮሎጂ ፍሬድሪክ ኤል ንጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ሓቢሩ’ሎ።፡ እዚ ሕማም ብዓለም ደረጃ ይላባዕ ምህላዉን ዛጊት ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት በዚ ምልካፎን ክስራታ ድም ኣብ ሽወደን ኣብ ምቕዛፍ ከምዘሎ ዝፍለጥ እዩ። ንሱ ዓለምለኻዊ ለበዳ ኣብ ሰሰለስተ ወርሒ ናይ ምቅልቓል ባህሪ ከም ዘለዎ ብምጥቃስ ኣብ ክራማት ኣብቂዑ ኣብ ጽድያ ደጊሙ ክውለድ ይኽእል …

Read More »

ፓርላማ ሽወደን ትጽቢት ዝተገብረሉ ሕጊ ይሰማማዓሉ፣ መንግስቲ ታሕተዎት ኣብያተ ትምህርታት ንኽዓጹ የፍቅድ ይቃድ ይረክብ።

መንግስቲ ሽወደን ኣድላይ ኮይኑ እንተድኣረኺብዎ ካብ ሰኑይ ጀሚሩ ቤት ትምህርታት ንኽዓጹ ካብ ትማሊ ሓሙስ ዝተጋብኤ ፓርላማ ሽወደን ፍቓድ ከምዝተዋህቦ ተፈሊጡ። እዚ ሓድሽ ሕጊ ነቶም ኣብ ሰላማዊ እዋናት ዘጋጥሙ ፍሉያት ተርእዩታት ተባሂሉ ዝሕገግ ምዃኑ ውን ተፈሊጡ ኣሎ። መንግስቲ ንቤት ትምህርታት እንተድኣ ክዓጹ ኮይኑ፡ ነቶም ወለዶም ኣብ ኣገደስቲ ማሕበራዊ ቦታታት ዝሰርሑ ቆልዑ መውዓልን መዘናግዕን መእለይን ቦታታት ከዳልውሎም፡ ከምኡ ውን ነቶም ፍሉይ ኣተሓሕዛ …

Read More »

ሽወደን ፡ኮረና ቫይረስ ካብ መልከፍቲ ናብ ምሕላፍ ሂወት ወዲ ሰብ ይሰጋገር።

ሓደ ናይ ዕድሜ በዓል ጸጋ ዝኾነ ድሕሪ ብ ኮሮና ቫይረስ ምልካፉ ህይወቱ ብምሕላፋ ናይ መጀመርያ ሰብ በዚ ቫይረስ ተለኺፉ ሂወቱ ዝሃልፈ ሰብ ኣብ ሽወደን ብሙኻን ስም ሽወደን ኣብ ስም ዝርዝራት በዚ ቫይረስ ዝመትወን ሃገራት ትኣቱ። እዚ ኣብ ሆስፒታል ካሮንሊስካ ሂወቱ ዝሓለፈት ሰብ ቅድሚ ሕጂ እውን ብ ሕዱር ናይ ክሮኒክ ወይ ዘይሓዊ ሕማም ዝሳቐ ዝነበረ ሙኻኑ ሓኻይም እዚ ሆስፒታል ይገልጹ። በዚ …

Read More »

ኣብያተ መጻሕፍቲ ሽወደን እንዳ ጎደለ ብምምጽኡ ደርስቲ ተቓዉሞኦም የስምዑ።

ኣብያተ መጻሕፍቲ ሽወደን ኣብ ዝቕጽል 25 ዓመታት ነበረ ክኾኑ እዮም ተባሂሉ። ዛጊት ርብዒ ካብ ኣብያተ መጻሕፍቲ ሽወደን ከም ዝተዓጽዉን እቶም ዘለዉ’ውን ብዝወሓደ ማል ከም፡ዝንቀሳቐሱን ተገሊጹ። ጸሓፍቲ ሽወደን ነዚ ዘለዎም ተቓውሞ የስምዑ ምህላዎምን ኣብያተ መጻሕፍቲ ምልክት ዴሞክራሲ እዮም ብምባል ንቀጻሊ ህላዌኦም ይጣበቑ ምህላዎም ድማ ተገሊጹ’ሎ።፡ መጻሕፍትን ጋዜጣታትን ሕድሕድና ንኽንከባበር ኣገደስቲ እዮም። ፖለቲከኛታት እውን ነዚ ብግቡእ ክርድኡን ኣገዳሲ ፋይናንሳዊ ሓገዛት ክገብሩን ይግባእ …

Read More »

ኣብ ሽወደን ናይ መጀመርያ ግዳይ ኮሮና ቫይረስ ዝኮነት ጋል 20 ዓመት ነጻ ትበሃል።

ድሕሪ ካብ ቻይና ምምላሳ ግዳይ እዚ ተላባዒ ኮሮና ቫይረስ ዝኾነት ጋል 20 ዓመት ተቐማጢት ዮንሽፒን ድሕሪ እቲ ዝረኸበቶ ክንክን ካብ ምልኽታት እቲ ቫይረስ ነጻ ሙዃና ተረጋጊጹ ክትብል ኣብ ከተማ ዮተበሪ እቲ ሕተም ዮተበሪ ፖስት ገሊጻ። ብመስረት ሓበሬትስ ዮተበሪ ፖስት እዚ ጛል 20 ዓመት ግዳይ ድህሪ መልኽታት ቫይረስ ኣብ ነብሳ ምርኻቡ ኣብ ተፈልያ ኣብ ማእከል መወሸቢ ብምጽናሕ ኩነታት ጥዕናኣ በብቑሩብ ናብ …

Read More »

ካብ ዓሰርተ ኲባንያታት እተን ሾብዓተ ብሕጽረት ቦታ ስራሕ ይስቐያ ኣለዋ ተባሂሉ።፡

ኣብ ዝሓለፋ ክልተ ሳምንታት ሸሞንተ ሰብመዚ መንግስቲ 150 ዝተፈላለያ ከምኒ ኲባንያታት ህንጻ፥ ስነጽባቐን፡ መግቢን ጽገና ኣቕሑን ዝተሃንጻሉ ቦታን ድሕሪ ምምርማሮም እዮም ኣብ ከምዚ ዝበለ መደመደምታ በጺሖም ዘለዉ። ብመሰረት እቲ እዚ በዓልመዚ ኣከባቢ ዘውጽኦ መደምደምታ ሓደ ካብቲ ጠንቂ እዚ ኲነታት ግቡእ ውሕስነት ዘይህባ ማሺናት፥ ካብ ከይትወድቕ ውሕስነት ዘይህብ ብርኽ ዝበለ ስራሕን ካልእን ይርከብዎም። “ብሰንኪ ስራሕ ኣብ ሕደጋ ዝወድቕ ሰብ ክህሉ ፍጹም …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com