Monday , April 29 2024

ሓደጋ

ኣጻብዕታ ዝሰኣነት ሰራሕተኛ ንምኽሓስ ፍርቂ ሚልዮን ክሮና ተበይኑ።

ቤትፍርዲ ሽወደን ንኲባንያ ሊንኮፒን ገዚፍ ካሕሳ ክኸፍል ከም ዝበየነሉ ይግለጽ ኣሎ። እዚ ዝተበየነ ሓንቲ ሰራሕተኛ ኣብ ማሽን እናሰርሐት ኣጻብዓ ብምስኣና እዩ። እቲ ቤትፍርዲ እዚ ኲባንያ ብምኽንያት ምግሃስ ኲነታት ስራሕ 450 ሽሕ ክሮና ክኸፍል በይንሉ ኣሎ። እቲ ኣኽባር ሕጊ እዚ ናይ ስራሕ ኲነታት ክመሓየሽን ሓደጋ ክውገድ ምተኻእለ ኔሩ ብምባል እዩ ነዚ ካሕሳ ዝብይን ዘሎ።

Read More »

ኣብ ሽወደን 800 ደቂ ኣንስትዮ ናይ ሞት ምፍርራህ ከም ዝገጠመን ተገሊጹ።

800 ዝኾና ደቂኣነስትዮ ካብ መጻምደን ነበር ናይ ሞት ምፍርራህ ከም ዝመጸንን ተሓቢአን ክነበራ ምግዳደንን ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ሓቢራ። ብሰንኪ ጎነጻዊ ምፍርራህ ህይወተን ኣብ ሓደጋ ዝርከብ ደቀንስትዮ ካብ ዝነበራሉ ከተማ ውጽእ ኢለን ብምርሓቕ ክነበራ ምጅማረን እውን እታ ጋዜጣ ኣብሪሃ’ላ። እታ ጋዜጣ እዘን ደቀንስትዮ ዘሕልፋኦ ዝበለቶ ስቓይ ዘርዚራ’ላ። ሓንቲ ሉዊዛ ዝስማ ካብዘን ግዳያት” ከይቅተል ብምባል ተሓቢአ እየ ዝነብር። ሰባት ምስ መትና ብዜና እዮም …

Read More »

ኣብዚ ዓመትዚ ቊጽሪ ምፍንጃር ብናህሪ ምውሳኹ ሓድሽ ስታቲስቲክስ ኣመልኪቱ።

ክሳብ መወዳእታ 2019 ዝተፈላለያ ዞባታት እታ ሃገር 236 ምፍንጃራት ከም ዝረኣየን እዚ ድማ ምስቲ ዓሚ ዘጋጠመ 162 ምፍንጃራት እንክረአአ ገዚፍ ምውሳኽ ምርኣዩ BRA ኣብ ዘውጽኦ ኣሃዛት ኣመልኪቱ። ኣብዚ ዓመትዚ ዝተራእየ ምፍንጃራት ከምቲ ናይ ዓሚ ብብዝሒ ብዘቤታዊ ስርሓት ቦንባታት ዘጋጠመ ምዃኑ’ውን ተመልኪቱ’ሎ። “እዞም ናውቲ ጉጀለታት ገበን ዝጠቀሙሎም ኣዝዮም ሓደገኛታት መሳርሒታት እናኾኑ እዮም ዝመጹ ዘለዉ” ክብል ኣብ NOA ሃገራዊ ፖሊስ ዳይረክተር እቲ …

Read More »

ኣብ 2019 ቊጽሪ ግዳያት መጥቃዕቲ ብረት ዮተበሪ ምጒዳሉ ተገሊጹ።

ብመሰረት ጸብጻብ ሬድዮ ኤኮት ኣብ ዮተበሪ ዝኽሰት ዝነበረ ናህ ብረት መጥቃዕቲ ኣብ 2019 ምስ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ብምንጽጻር ኣብ ዝተሓተ ደረጅኡ ይርከብ ኣሎ ተባሂሉ። ኣብ ዓመተ 2019 ሓደ ሰብ ብብረታዊ መጥቃዕቲ ክመውት እንከሎ ኣብ መፋርቕ ታሕሳስ 12 ምቑሳሎም ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብ 2018 ግና 11 ሰባት እዮም ብጥይት ተወቒዖም ምንባሮም ይዝከር እዩ። ኣብ ርእሰ ከተማ ሽወደን ስቶክሆልም ካብ ዝተኸስቱ 80 ብብረት …

Read More »

ኣብ ደቡባዊ ሄልሲንኪ ብርቱዕ ነትጒ ኣጋጢሙ።

ትማሊ ወጋሕታ ብርቱዕ ነትጒ ኣብ ከባቢ ራምሎሳ ደቡብ ሄልሲንኪ ምኽሳቱን ኣርባዕተ ኣባይቲ ምዕናዉን ተገሊጹ። ፖሊስ ብዛዕባዚ ጒዳይ ኣብ ከባቢ ሰዓት 3፡25 ምስምዖምን ክኢላታት ቦምባ ናብቲ ቦታ ክለኣኹ ከም እተገብረን ድማ ተሓቢሩ። ኣብተን ዝዓነዋ ኣባይቲ ሰባት ደቂሶም ከምዝነብሩን ፥ ዛጊት ዝተጐድአ ሰብ ከምዝየለ በዓልመዚ ፖሊስ ኒልስ ኤሪክ ስቨንሰን ሓቢሩ። ብመሰረት ዝተገብረ ኣፈናዊ መርመራ እቶም ተኰስቲ ዕላምኦም ብምስሓት ናብዚ ኣባይቲ ሃስያ ምውራዶም …

Read More »

ኤጀንሲ መጓዓዝያ ድሕሪ ኣብ ተሳፈርቲ ዘጋጠመ ባርዕ ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ዝያዳ ውሕስነትን ድሕነትን ክህሉ ጻውዒት ጌሩ።

እቲ ብመርመራ መንግስቲ ዝተኻየደ ጸብጻብ ብጋዝ ዝንቀሳቐሳ መካይን ከቢድ ሓደጋ ከስዕባ ከም ዝኽእላ ኣመልኪቱ’ሎ። ኣብ ቀረባ እዋን ተመሳሳሊ ሓደጋታት ምንባሮም ዝሓበረ እቲ ጸብጻብ ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይዚ ዓመት ኣብ ማእክል ከተማ ስቶኮልም ኣብ ውሽጢ ኣውቶቡስ ናይ ጋዝ ምትኳስ ምግጣሙን ተሳፈሪ ብዘይምንባሮም ኣብ መራሒ መኪና ንእሽቶ ጉድኣት ምውራዱ ገሊጹ፡ እቲ ጸብጻብ መራሕቲ መካይን ከምዚ ዓይነት ሽግራት ንምግጣም ዘኽእሎም ኣገባብ ክዓጥቁን ኣብ …

Read More »

መጠነ ሞት ብሰንኪ ሓደጋ ኣብ ሽወደን ሎሚ ዓመት ከምዝጎደለ ተሓቢሩ።

ኣብዚ ዓመት ምስ ዝሓልፈ ዓመት ብምንጽጻር መጠን ሞት ሰብ መካይንን ብሽክለታን ምጒዳሉ ተሓቢሩ። እዚ ምስ ናይዝሓልፈ ዓመት ክርኤ ከሎ መጠን ሞት ስባት ብሰንኪ ሓደጋ መኪና ኮነ ሞተር ሳይክል ኣዝይ ከምዝጎደል እዩ ተገሊጹ። እዚ ሰሐጒስ ዜና እንታይ ዝበለ ጥንቃቐታት ዘምጽኦ እዩ ዝብል ዛጊት ብንጹር ኣይተገልጸን። እንተስ ብምኽንያት ጽሩይ ክሊማ ድዩ ወይስ ወዝቢ ገና ኣይተነጸረን። ኣብ ኤጀንሲ ትራንስፖርት ዝሰርሕ ኻባት ኣሚን እዚ …

Read More »

ኣውሮጳውያን ካብ መጥቃዕቲ ግብረ-ሽበራውያን ንላዕሊ ምልዋጥ ክሊማ ከም ዘስግኦም ተገሊጹ።

ልዕሊ ፍርቂ ኣውሮጳውያን ካብ ካብ መጥቃዕቲ ግብረ-ሽበራውያንን ስእነት ስራሕን ንላዕሊ ምልዋጥ ክሊማ ከም ዘስግኦም ተገሊጹ። ብሓሙስ ኣብ ዝተገብረ መጽናዕቲ ባንክ ወፍሪ ኣውሮጳ ሓገግቲ ኣካላት ኣውሮጳዊ ሕብረት “ክሊማዊ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ” ክድንግግ ከም ዝኽእል ተፈሊጡሎ። እዚ ንዝመጽእ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ከም ምልክት ከገልግል እዩ ተባሂሉ’ሎ። እቲ ባንክ ካብ 30 ሃገራት( እንተላይ ቻይናን ኣመሪካን) ናይ ዝመጹ 30 ሽሕ ሰባት ኣብ ዝገበሮ …

Read More »

ዓሰርተ ሚእታዊት ካብ ምምሕዳራት ከተማ ሽወደን ንዝመጽእ ምቅይያር ክሊማ ዝኸውን እኹል ምቅርራብ ዘይምግባረን ተገሊጹ።

ብመሰረት እቲ ብ ስቨንክት ቫተን ዝተኻየደ ጸብጻብ ሓደ ዕሽሪት ዝኾና ምምሕዳራት ከተማ ሽወደን ንዝመጽእ ምቅይያር ክሊማ፥ ብርቱዕ ዝናብን ውሕጅን ዝኸውን ዛጊት እኹል ምቅርራብ ኣይገበራን ዘለዋ። ስቫንክት ቫተን ኣብ ጒዳይ ምቕርሐ ማይ ምምሕዳራት ከተማ ዝርኢ ኲባንያ እዩ። ካልኦት ኣርባዕተ ዝኾና ኸኣ ገና ነዚ ውጥን ኣብ ትግባረ ኣየውዓሎኦን ተባሂሉ’ሎ። 60 ሚእታዊት ዝኾና ምምሕዳራት ከተማ ነዚ ዳህሳስ ዝኸውን ግብረ መልሲ ምሃበን ተመልኪቱ’ሎ። እዚ …

Read More »

ኣብ ኖርሸፒንግ ክልተ ሰባት ተቀቲሎም።

ናብ ሎሚ ለይቲ ኣብ ዘውግሔ ኣብ ከተማ ኖርሾፒንግ ኣብ ጎደና ስሎትስ ጋታን ብዘጋጥመ ቶክሲ ክልተ ሰባት ከምዝሞቱ ፖሊስ እታ ከተማ ሓቢሩ። ብመሰረት ሓበሬታ ፖሊስ እዛ ከተማ እዚ ኩነታት  ከባቢ ሰዓት 20፡01 ዘጋጠመ ኮይኑ ግዳያት ድማ ደቂ 40 ን 45 ዝዕድሚኦም መንእሰያት ሙኻኖም ካብ ፖሊስ ዝተዋህበ ሓበሬታ ይሕብር።  ኣብቲ ካባቢ ቡዙሓት ፖሊስ እካ ተዋፊሮም እንተሃለዉ ዛጊድ ግን ዝኾነ ጡርጡር ከምዘሓዙ ከምዘይረኸቡ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com