Monday , May 6 2024

ሓደጋ

ብምኽንያት ተላባዒ ሕማም ኮሮና ገለ ስራሓት ኣብ ሽወደን ይጠፍእ ምህላዉ ተገሊጹ።

ፕረሲደንት ንግዳዊ ቻምበር ስቶክሆልም ኣንድርያስ ሃትዚገርጊዩ ብዛዕባ ምስፍሕፋሕ ቫይረስ ኮሮናን ኣብ ዕቤት ዕዳጋ ሽቕለትን ቊጠባን ኣሉታዊ ጽልዋ ከስፍን ተኽእሎ ከም ዘለዎን ኣጠንቂቑ። ንሱ ምስ ተሌቪዥን ሽወደን ኣብ ዝገብሮ ቃለመሕትት ምስፍሕፋሕ እዚ ቫይረስ ብዙሕ ስራሕ ንኽዕጾ ምኽንያት ይኸውን ምህላዉ ገሊጹ’ሎ። ሽወደን እንተስ ብጽቡቕ ወይ ብሕማቕ ብግሎባላዊ ምዕባለታት ተጸላዊት ሃገር እያ ድማ ኢሉ። ብዙሓት ኣህጒራዊ ንጥፈት ዘካይዱን ኣብ ሽወደን ጨናፍሮም፡ዝኸፈቱን ትካላት ድሮ …

Read More »

ቆንስላት ሕጊ ኣብ ልዕሊ ገበነኛታት ትሕቲ ዕድመ ኰተቴ ብዛዕባ ክውሰድ ዝግብኦ መቕጻዕቲ ዛዕባ ንዝገበረ እማመ ተዛትዮምሉ።

መንግስቲ ሽወደን ነቲ ገበነኛታት ኰተቴ ብሕጊ ተቐጻዕቲ ዝዀኑሉ እማመኡ ሎሚ ን ቆንስላ ሕጊ ምቕራቡ ተፈሊጡ። እቲ እማመ እዞም ገበን ዝፍጽሙ ኰተቴ ኣራሚ ናይ ሕጊ መቕጻዕቲ ንኽወሃቦም ዝደፍእ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ገለ ካብዞም መቕጻዕቲታት ናብ ገለ ቦታታት ንኸይከዱ፥ ኣብ ትሕቲ መርመራ ንኽጸንሑን ኣብ ቀዳመ ሰንበት ክሕየሩን ዝገብር ውሳነታት ምሕላፍ ከም ዘጠቓልል ሚኒስተር ፍትሒ ሽወደን ሞርጋን ጆንሰን ገሊጹ። እዚ ኣገባብ መቕጻሕቲ ገበን ንዝፍጽሙ …

Read More »

ኤጀንሲ ውሕስነት ሓደጋ፣ ኣብ ግዜ ስራሕ ዝበጽሕ ሓደጋ ንፍላጥ ኣብ ጽላት መጓዓዝያ ንምምርማር ተዳልዩ።

ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያታት ዝሰርሑ ዘወርቲ ኣውቶቡሳትን ተቘጻጸርቲ ቲኬትን ናይ ሓድሽ ኣገባብ ምቊጽጻር መርመራ ኣብ ልዕሊኦም ክውዕል ምዃኑ ድማ ተፈሊጡ። ናይ ጥዕናን ውሕስነትን ኤጀንሲ ብሃገር ደረጃ 300 ዝዀኑ መካናት ስራሕ ብምምርማር ብፍላይ ኣብ ዘወርቲ መካይንን ባቡርን ምፍርራህን ጎነጽን ኣዘውቲሩ ከም ዝበጽሖም ሓበሬታ ከም ዘለዎ ኣመልኪቱ’ሎ። መራሒት ናይዚ ፕሮጀክት ኤቫ ካርስተን ኣብ መካነ ስራሕ ዝህሉ ጎነጽ ንምንካይ ሰራሕተኛታት ጥዕና ዘለዎ ናይ ስራሕ …

Read More »

ናይ ፖሊስ ተኣፈፍቲ ኤሌክትሮኒካዊ ደብዳቤታት ብጌጋ ናብ ኢድ ውልቀሰባት ኣትዩ።

ኣብ መንጎ ሓለፍቲ ፖሊስ ዝግበር ውሽጣዊ ምጽሕሓፍ ኤሌክትሮኒካዊ ደብዳቤታት ይኹን ምስ ካልኦት ሰራሕተኛታት መንግስታውያን ትካላት ዝግበር ዝነበረ ተኣፋፍን ሚስጢራውን ጽሑፋት ኣብ ናይ ውልቀ ሰባት ኤሌክትሮኒካዊ ሕሳብ ከምዝበጽሐ ተሌቭዥን ሽወደን ኣቃሊዑ። ከምዚ ዓይነት ፍጻመ ምግጣሙ ዘሕዝንን ሳዕቤኑ ከቢድ ክኸውን ከምዝኽእልን ብፍላይ ድማ ኣብ ኢድ ዘይተደልዩ ሰባት ምስ ዝወድቕ ድማ ሓደገኝነቱ ዝኸበደ ይኸውን ክብል ሓላፊ ሓለዋ ሓበሬታታት ፖሊስ፡ ማትያስ ራቢ፡ ሓቢሩ። እቲ …

Read More »

ሽወደን ጠገለ ዘይብሉ ምግፋፍ ዓሳ ሽሪምፕ ደረት ክትገብረሉ ከም ዝወሰነት ተገሊጹ።

ሽወደን ጠገለ ዘይብሉ ምግፋፍ ዓሳ ሽሪምፕ ደረት ክትገብረሉ ከም ዝወሰነት፡ እንተኾነ ግና ኢንዱስትሪ ዓሳ በዚ ከም ዘይተሓጐሰ ይግለጽ ኣሎ። ሚኒስተር ክሊማን ኣከባቢን ኢሳቤላ ሉፊን ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ኣብ መዓሙቕ ውቅያኖሳት ዝግበር ምግፋፍ ዓሳ ነቲ ኣብኡ ዝርከብ ብዝሓ ህይወት ብኣሉታ ይጸልዎ ምህላዉ ብምጥቃስ ኣብዚ ጒዳይ ብምልኣት መርመራ ክግበር ሓቲታ’ላ። እዚ ውሳነ ብኣቦመንበር ውድብ ኣፍረይቲ ዓሳ ሽወደን ፒተር ሮኔሎቭ ብርቱዕ ነቐፌታ ከም …

Read More »

ካብቶም ዘጋጠሙ ዘለዉ ብዝሒ ነትጉታ ሽወዓተ ጥራይ እዩም ገበነኛታት ብምርኻቦም ኣተሓሳሰቢ ምዃኑ ይገለጽ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ 250 ነትጒ ኣጋጢሙ ነይሩ፡ እቶም ገበነኛታት ግን 7 ጥራይ ነይሮም ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ 2019 ኣብ ሽወደን ዝተኻየደ ህዝቢ ናይ ምጥፋእ ስርሒታት (ነትጒ) ከም ዝወሰኸ ይዝከር። ይኹን እምበር ብኸምዚ ዓይነት ንጥፈታት ገበነኛታት ኮይኖም ዝተረኽቡ 7 ሰባት ጥራይ ከምዝነበሩ ሬድዮ Ekot ሓቢሩ። ብመሰርት ቤት ጽሕፈት ምክልኻል ገበናት ዘቅረቦ ጸብጻብ፡ ኣብ ዓመተ 2019 ቁጽሪ ናይ ምፍንጃር ፍጻሜታት 257 ከምዝነበረን …

Read More »

ሎሚ ለይቲ ክልተ ምፍንጃራት ኣብ ሰሜን ስቶኮልም ኣጋጢሙ።

ኣብ ከባቢ ሁስቢን (Husby) ሽሽታ (Kista) ስቶኮልም ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ኣብ ናይ ደቓይቕ ፍልልይ ዘጋጠመ ክልተ ምፍንጃራት ሓደ ሰብ ብምቑሳል ከባቢ 50 ሰባት ካብቲ ከባቢ ከምዘፋናቐለ ፖሊስ ገሊጹ። ብመስረት ጸብጻብ ፖሊስ እቲ ቀዳማይ ምፍንጃር ሰዓት 02:33 ከጋጥም ከሎ እቲ ካልኣይ ድማ ድሕሪ ሓደ ደቒቓ ከምዘጋጠመ ሓቢሩ። ብመስረት ወሃቢ ቃል ከፍሊ ምክልካል ሓደጋ ባርዕ ፍረደሪክ ደክላንድ ን ኣገልግሎት ዜና …

Read More »

ሃገራዊ ኲባንያ ፖስታ ሽወደን ፖስትኖርድ ሓደጋ ክሳራ የንጸላልዎ’ሎ ተባሂሉ።

ስቶክሆልም፡—- መንግስቲ ሽወደን ናይ መድሕን ጥርኑፍ ውጥን እንተ ዘይመዲብሉ ኲባንያ ፖስታ” ፖስትኖርድ” ብምኽንያት ንድየት ወይ ጥፈሻ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ ከም ዝኽእል ተገሊጹ። ኣደ መንበር እቲ ኲባንያ ኣኒማሪ ጋርድሾል እዚ ሓበሬታ ሓቂ ምዃኑ እኳ መረጋገጺ እንተሃበት ተወሳኺ ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቘጢባ’ላ። ገርድሹል እዚ ኲባንያ ምስ ብድሆታት ዲጂታላዊ ቴክኖሎጂ ብዝምክት ኣገባብ ንኣሰራርሓኡ ክቕይር ከም ዝግባኦ ድማ ኣመልኪት። ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሓምለ እዚ …

Read More »

ምስ ዝሓለፋ ዓሰርተ ዓመታት ብምንጽጻር ቊጽሪ ግዳያት ሓደጋ ትራፊክ 2019 ዝተሓተ ኔሩ ተባሂሉ።

ምስ ዝሓለፋ ዓሰርተ ዓመታት ብምንጽጻር ቊጽሪ ግዳያት ሓደጋ ትራፊክ 2019 ዝተሓተ ኔሩ ተባሂሉ። ብመሰረት ኣገልግሎት መጓዓዝያ ሽወደን ቊጽሪ ግዳያት ሓደጋ ትራፊክ ኣብ 2019 ኣስታት 223 ጥራይ ምንባሩን እዚ ድማ ካብ 1950 ታት ጀሚሩ ካብ ዝነበረ ኣሃዛት እቲ ዝወሓደ ምኳኑ እቲ ትካል ሓቢሩ። “በዚ እንኸዶ ዘሎና ኣብ 2020 ናብ 220 ጥራይ ከነውርዶ ኢና፥ እዚ ሸቶ ክንወቅዕ ግና ናይ ዝምልከቶም ኣካላት ምትሕብባር …

Read More »

ካብ መንጐ እቶም ብሓደጋ ነፋሪት ዩክሬን ግዳያት ዝኾኑ ሰባት 10 ዜግታት ሽወደን ምዃኖም ተገሊጹ።

ኣገልግሎት ዜና ሽወደን ሎሚ ትማሊ ንግሆ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ 10 ሽወደናውያን ተጓዓዝቲ ኣብ ኢራን ኣብ ዝተሓምሸሸት ነፍሪት ምንባሩ ጠቒሱ። ካልእ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ግና ዛጊት ኣይሃበን ኣሎ። ኤምባሲ ዩክሬን ኣብ ኢራን ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እቲ ምኽንያት ምብራዕ ናይ ሞተር ሽግር እዩ ኔሩ ክብል ኣፈናዊ ሓበሬታ ሂቡ’ሎ። እዚ ምሕምሻሻ ብሚሳይል ይዂን ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝወረደ ዘይምዃኑ ግና ኣርጊጹ ገሊጹ’ሎ። ብዘይካዚ 168 ሰባት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com