Friday , May 10 2024

ሓደጋ

ኣብ ታሪኽ ሽወደን ዝልዓለ ሞት ዝተመዝገበትላ ወርሒ ሚያዝያ ትኸውን።

ሽወደናዊ ስታቲካዊ ጸብጻብ ከምዝሕብሮ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ጥራይ ኣስታት 10458 ሰባት ከምዝሞቱን እዚ ቁጽሪ ድማ ሓድሽ መሊንዮም ካብ ዝኣቱ እቲ ዝለዓለ ምዃኑ SVT ኣመሓላሊፉ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ መጠን ዝርገሐ ለበዳ ኮሮና ኣብ መላእ ሃገር ከምዝበጽሐ ተዓዘብቲ ይሕብሩ። ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ኣስታት 11057 ሰባት ዝሞትሉ ግዜ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናይ 1993 ምንባሩን ብድምር ኣብቲ ዓመት ክሳብ 97008 ሰባት ሞይቶም …

Read More »

ዝዓበየ ዕደናዊ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ታሪኽ ሽወደን የጋጥም።

ብሰንበት  ኣብ ሰሜን ሽወደን ኣብ ዚርከብ ናይ ኪሩና ዕደና ሓጺን ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢሙዎ። እዚ ከኣ ኣብ ታሪኽ ሽወደን እቲ ኣዚዩ ዝሓየለ ሙኻኑ ተገሊጹ። እዚ 4.1 ዝሓይሉ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ብዓለም ደረጃ እውን ዘይልሙድ ሙኻኑ ብዮርን ሉንድ ኪኢላ ስነ-ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኡፕሳላ ገሊጹ። እዚ ምንቅጥቃጥ ብ ሰንበት  ሰዓት 3 ዘጋጠመ ኮይኑ። መብዛሕትኡ ተቐማጣይ ድማ ሻቕሎቶት ከምዝፈጠረን ኩሉ ሰብ ካብቲ ቦታ …

Read More »

ብምክንያት ለበዳ ኮሮና-19 ንጥፈታት ባቡር ከተማ ዮተበሪ ሎሚ ሮቡዕ ከምዘይህሉ ተገሊጹ።

ምስ ተወከልቲ ውሕስነትን ጥዕናን እቲ ኲባንያን ድሕሪ ዝተገብረ ዘተ ባቡር ከተማ ዮተበሪ ጽባሕ ረቡዕ 15 ስርሑ ክውዝፍ ሙዃኑ ኣገልግሎት ዜና TT ሓቢሩ። ብምኽንያት ፍርሂ ለበዳ ኮሮና ስራሕ ትማሊ ደው ክብል እዩ ዝብል ገምጋማት ምንባሩ እውን ኣንተኾነ ብምርድዳ ናብ ሮቡዕ ከምዝተሰጋገረ ይሕበር። ሓደ ሰብ ምልክታት እቲ ሕማም እንተርእዩ ስርሑ ኣቋሪጹ ናብ ሕክምና ንኽኸይድ ከም ዝፍቀደሉ ሕጊ ሽወደን ይብይን። ” እዚ ማለት …

Read More »

15% ካብ ሰራሕተኛታት ካሮሊኒስካ ብኮሮና ተለኺፎም።

ብመሰረት ዝተኻየደ ሓዲሽ መጽናዕቲ፡ ካብ 11 ሽሕ ኣባላት ሆስፒታል ዩኒቨርስቲ ካሮሊኒስካ እቶም 15% ብኮሮና ከምዝተለኽፉ ዝሕብር ውጽኢት ከምዝተረኽበ TT ሓቢሩ። ካብቶም ምስ ግዳያት ኮሮና ዝኾኑ ሕሙማት ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ መንገዲ ዝራኸቡ ኣባላት ሆስፒታል ካሮሊኒስካ ቅምሶ (Sample) ወሲድና። 7% ተሰከምቲ እቲ ቫይረስ፡ 10% ድማ ጸረ-ነፍሳት ዘጥረዩ (ዘማዕበሉ)ን 2.4% ድማ ቫይረስን ጸረ-ነፍሳትን ዝተሰከሙ ኮይኖም ምጽነሖም እቲ ውጽኢት ናይቲ መርመራ ሓቢሩ ክብል መምህር …

Read More »

ሽቅለት ኣልቦነት ከተማ ስቶክሆልም ናብ 13.5% ክብ ይብል።

ከንቲባ ስቶክሆልም፡ ኣና ሾኒግ የርልመር፡ እቲ ናይታ ከተማ ስራሕ-ኣልቦነት ናብ 13.5% ክብከም ዝበለን፡ ወጻኢታት ፊናንስያዊ ሓገዛት ድማ ናብ 26% ከም ዝደየበን፡ ማለት 200 ሚልዮንክሩነር ኣብ 2021 ከም ዚበጽሕን፡ ኣታዊታት ቀረጽ ድማ ብ 1.7 ቢልዮን ክሩነር ከም ዝወረደንሓቢራ። ንሳ ኣብቲ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ናይ ቀረጽ ምውሳኽ ጌና ይጽናዕ ኢዩ ዘሎ፡ ግን ከኣ ነቶም ውሑድ እቶት ዘለዎም ይጎድኦም ኢዩ ኢላ። ንሳ …

Read More »

ኣን ሊንድ ” ከም ድላይካ ምጒዓዝ ኣይክህሉን እዩ” ኢላ።

ሚኒስተር ወጻኢ ጒዳያት ክሳብ ወርሓ ሰነ ሰባት ኣድላዪ ካብ ዘይኮነ ጒዕዞ ክቚጠቡ ኣተሓሳሲባ። ነዚ ዝምልከት ሓድሽ ውሳነ ኣብ ዝመጽእ ክልተ ሳምንቲ ክወሃብ ምዃኑ ድማ ኣመልኪታ። ከም ድላይካ ምጒዓዝ ኣይክህሉን እዩ ድማ ኢላ። ኣብ መጋቢትን ግንቦት ልዕሊ ሓምሳ ሽሕ ዝኾኑ ሰባት ናብ ዓዶም ክጐዓዙ ከም ዝደልዩ ምምልካቶም ድማ እታ ሚኒስተር ኣብሪሃ። ክሳብ ሕጂ 7ሽሕ ዝኾኑ ሽወደናውያን ናብ ዓዶም ምምላሶምን 17 ነፈርቲ …

Read More »

ጭንቀትን በይንኻ ምዃንን ነቶም ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ዝሰርሑ ተመሃሮ ይጸልዎም።

ብዙሓት ኣብ ካልኣይ ደረጃ ቤትትምህርቲ ዝሳተፉ ተመሃሮ ነዚ ናይ ርሕቀት ትምህርቲ ኣይፈተዉዎን፡ክብል ኣብቲ ግምገማ ናይ ሽወደን ናይ ህይወት ዝተሳተፈ ትካል ይሕብር። ሲሶ ካብቶም ርእይቶኦም ዝሃቡ 7500 ተመሃሮ፡ እቲ ዚሰርሑሉ ማሕበራውን ስነልቦናውን ሃዋህው ከም ዘይጠዓሞም ይገልጹ። ብፍላይ ድማ በይናውነትን ጭንቀትን ከም ዘጥቅዖም ይሕብሩ።ሕብረት ተመሃሮ ሽወደን፡ ነተን ኮምዩናት ስጉምቲ ኪወስዳ ብምጽዋዕ፣ነቶም ተመሃሮ ንምርዳእ ቅኑዕ ስጉምቲ ኪውሰድ ኣለዎ፡ ትብል ኤባ ኮክ፡ ሓላፊት ሕብረት …

Read More »

ሬሳ ዝጥፍኤ ጋዜጠኛ ኣብ ሩባ ኡፕሰላ ተረኺቡ።

ኣብ ሰሜን ሩባ ኡፕሰላ ዝተረኽበ ሬሳ፡ ናይቲ ደሃዩ ኣብ ወርሓ መጋቢት ዝጠፍአ ፓኪስታናዊ ጋዜጠኛ ምዃኑ ፖሊስ ምርግጋጾም ተሓቢሩ። እዚ ሳጂድ ሁሴን ዝተባህለ ወዲ 39 ዓመት ፓኪስታናዊ ጋዜጠኛ በቲ ዘቕርቦ ዝነበረ ጸብጻባት ኣብ ህይወቱ ምፍርራህ ይመጾ ከም ዝነበረን በዚ ድማ ዓሚ ኣብ ሽወደን ዕቚባ ከም እተዋህቦን ይፍለጥ። ንሱ ናብ ኡፕሰላ ክሰግር ኣብ መስርሕ እናሃለወ እዩ ተሰዊሩ። ኣፈኛ በዓልመዚ ኣኽባር ሕጊ እቲ …

Read More »

ዝርጋሐ ለበዳ ኮሮና ኣብ ስኮና ብዘገምታ ይቕጽል።

ዝርገሐ ለበዳ ኮሮና ምስተን ካልኦት ምምሕዳራት ብምንጽጻር ኣብ ምምሕዳርና ብቐስታ ይቕጽል ምህላዉ ዝሓሸ ኩነታት ኣለና ክብል ኣቦ ወንበር ሽማግለ ምምሕዳር ስኮና፡ ኦልፍ ዮንሰን ሓቢሩ። ይኹን እምበር፡ ሕብረተሰብና ስኮና ነቲ ብኣሃዱታት ህዝባዊ ጥዕና ዝወሃብ መምርሒታት ክዝንገዖ ከምዘይብሉ ብትሪ ኣዘኻኺሩ። ነዚ በጺሕናዮ ዘለና ምዕባለታት ንምዕቃብ መምርሒታትን ሓበሬታታትን ሸለል ክንብል ከምዘይብልና፡ ኣንጻር’ዚ ሕማም ዝግበር ቃልሲ ነዊሕን ከም ናይ “ማራቶን” ቅድድምን እዩ ክብል ኣመሳሲልዎ። …

Read More »

ዝኾና ሕዱር ሕማም ዘይነብሮ ወዲ 22 ዓመት መንእሰይ ብሰንኪ ኮሮና ዓሪፉ።

ኣብ ደቡብ ስቶክሆሎም ዝቕመጥ ዝነበረ ሕዱር ሕማም ዘይነበሮ ወዲ 22 ዓመት መንእሰይ ኣሚን ስላይፍ ብሰንኪ ኮሮና ካብዛ ዓለም ብሞት ከምተፈልየ “ኣፍቶንብላደት” ሓቢሩ። መንእሰይ ኣሚን፡ ኣብ መጀመርታ ከም ንቡር ሓማም ሰዓል መሲልዎ ሸለል እኳ እንተበላ፡ ቀጺሉ ግን በብቕሩብ ብርቱዕ ሕማም ርእሲ፡ ቃንዛ ጎሮሮን ረስንን ኣስዒብሉ፡ ቀጺሉ ውን ኣብ ምዝራብ ጸገማት ክገብረሉ ጀሚሩ ክትብል ኣዲኡ ሓቢራ። መንእሰይ ኣሚን፡ ንሰለስተ ሳምንታት ኣብ ትሕቲ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com