Saturday , April 27 2024

ሓደጋ

ኣብ ሓንቲ ክፍሊ ሓደ ሰብ ሞይቱ ጸኒሑ . . . . ቅትለት ክኸውን ከምዝኽእል ጥርጣሬታት ኣሎ ተባሂሉ

ኣብ ደቡብ ስቶክሆሎም፡ ኡስትባርየ፡ ዝርከብ ክፍሊ፡ ሓደ ሰብ ሞይቱ ስለዝተረኽበ፡ ፖሊስ መባእታዊ መርመራታት ከምዝጀመረ ሓቢሩ።   እታ ክፍሊ ድሕሪ ምኽላላ፡ ቴክኒሻናት ኣትዮም ስርሖም ጀሚሮም። ፖሊስ፡ እንታይ ከምዘጋጠመ ዝፈልጦ ነገር እኳ እንተዘይሃለዎ ፍጻመ ቅትለት ክኸውን ከምዝኽእል ግን ጥርጣሬታት ኣለዎም። መልሲ ናይቲ ፍጻሜ፡ እቶም ቴክኒሻናት ክነግሩና እዮም ትብል ጋዜጣዊ ዋሃቢት ቃል ፖሊስ፡ ኢቫ ኒልሶን። ፖሊስ፡ ተቐዳዲሙ ናብ መደምደምታ ክበጽሕ ከምዘይደሊ ድማ ብምውሳኽ …

Read More »

ካብን ናብን ማልሞ ዝነበረ ናይ ባቡር ጉዕዞታት ተመዛቢሉ

ትማሊ ለይቲ ኣብ ከባቢ ፖርሎቭ ዘጋጠመ ሓደጋ ንጉዕዞታት ባቡር ስኮና ከምዝዓንቀፎ ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ። በቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ ዝኾነት ባቡር ክትሓልፍ ከምዘይትኽእልን ንቡር ምንቅስቓስ ናይ ባቡር ድማ ዓርቢ ንግሆ ክጅምር ትጽቢት ተገይሩ ከምዘሎ ተፈሊጡ። እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ንኹሉ ካብን ናብን ማልሞ ዝነበር ጉዕዞታት ባቡር ከምዝጸለወ ተገሊጹ። ንጉዳይ ምጅማር ጉዕዞታት ባቡር ብዝልከት ኩሎም ተሳፈርቲ ንኩባንያታት ባቡር ክውከሱ ከምዘለዎም ሰብ መዚ መጋዓዝያ …

Read More »

ኣብ ማእከል ኦሬብሮ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ህንጻ ሓደጋ ባርዕ ተኸሲቱ

ኣብ ማእከል ከተማ ኦሬብሮ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ህንጻ፡ ሓደጋ ባርዕ ድሕሪ ምኽሳቱ፡ ኣባላት ፖሊስ መጺኦም ነቶም ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ካብቲ ቦታ ከምዝርሕቑ ገይሮም። ብሰንኪ ሓደጋ ባርዕ ዘስዓቦ ትኪ፡ ሓደ ሰብ ናይ ምስትንፋስ ሽግር ስለዘስዓበሉ ናብ ሆስፒታል ከምተወስደ ተፈሊጡ ኣሎ። ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓዊ፡ ሓበሬታ ናይ ሓደጋ ባርዕ ሰዓት 2፡14 ድ.ቐ. ከምዝበጽሖን ነቲ ባርዕ ናብ ካልኦት ህንጻታት ከይላባዕ ክጽዕር ከም ዘምሰየ SVT …

Read More »

ስቶክሆሎም፡ ናይ ቀጠልያ መስመር ባቡር ካብ መንገዱ ስሒቱ ወጺኡ ተባሂሉ

ናብ ፋሽታ ዘምርሕ ዝነበረ ባቡር (ሜትሮ) ኣብ ከባቢ ሰዓት 16፡40 ካብ መስመሩ ከምዝወጸ ዳግኒዝ ነሂተር ሓቢሩ። ንብዝሒ ግዳያት እቲ ሓደጋ ዝምልከት ግን ዝኾነ ሓበሬታ ከምዘየለ ገሊጹ። እቲ ባቡር፡ ኣብ መንጎ ኣብ መስመር 18 ዝርከብ መዓርፎ Blåsut ን Skärmarbrink ካብ መስመሩ ስሒቱ ወጺኡ። መንኮርኮር ናይ ባቡር ተበላሽዩ እኳ እንተኾነ እታ ባጎኒ ግን ኣይተገምጠለትን ክብል ኣባል ኩባንያ SL ዝኾነ፡ ዮሃን ኖርድግሪን፡ ኣብ …

Read More »

ባርዕ ጫካ ኣብ ኦረብሮ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኮይኑ ተባሂሉ

ኣብ ምምሕዳር ኦረብሮ፡ ሊንዲስበሪ፡ ክሳብ 200 ሜትሮ ስፍሓት ዘለዎ ባርዕ ጫካ ከምተኸስተ ኣፍቶንብላደት ሓቢሩ። ኣርባዕተ መደበራት መጥፋእቲ ሓዊ’ኳ እንተ ኣሳተፍና፡ ነቲ ባርዕ ክንቆጻጸሮ ስለዘይከኣልና፡ ሓገዝ ካብ ኣሃዱ ህጹጽ ረድኤት ብምሕታት፡ ሄሊኮፕተራት መጺአናና ኣለና ክትብል ሓላፊት ጉጅለ ኣሃዱ መጥፋእቲ ሓዊ ዝኾነት ሊንዳ ፎርስቤሪ ሓቢራ። እቲ ባርዕ ኣብ ሓጺር እዋን ከስፋሕፍሕ እኳ እንተኸኣለ፡ ናብ መንበሪ ኣባይቲ ግን ክበጽሕ ኣይክእልን እዩ ክትብል ብተወሳኺ …

Read More »

ኦሬብሮ፡ ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ውሽጢ ናይ ጓሓፍ መኪና ተረኺባ

መራሒ (ኣውቲስታ) ናይ ጓሓፍ መኪና፡ ሓንቲ ኣብ ሰላሳታት ዝዕድሚኣ ጓል ኣንስተይቲ ኣብቲ ናይ መኪንኡ እንዳ ጓሓፍ ከም ዝጸነሓቶ ሬድዮ ሽወደን ኣቃሊሑ። እቲ መራሕ መኪና፡ ኣብቲ ኣብ ኦሬብሮ ዝርከብ Backahallen ዝበሃል ቦታ ሒዝዎ ዝመጸ ጓሓፍ ንኸራግፍ ናብቲ ኣብ መኪንኡ ዝርከብ ናይ ዳሕሪት ካሜራ ምስ ረኣየ ነታ ሰብ ከምዘስተብሃለላ ሓቢሩ። እዛ ጓል ኣንስተይቲ፡ መዓስን ብኸመይ ኣገባብን ናብታ መኪና ከምተሰቕለት ዝፍለጥ የለን። ኣባላት …

Read More »

ብሰንኪ ሓንቲ ዓይነት ጸወታ፡ 30 ሰባት ብኮሮና ተለኺፎም

ኣብ እዋን ጽምብል መመረቕታ ተማሃሮ ማእከላይ ደረጃ ሄልሲንግላንድ፡ ኣስታት 30 ሰባት ብኮሮና ቫይረስ ከምተለኽፉን እቲ ጠንቂ ድማ ብሰንኪ ሓንቲ ፍልይቲ ጸወታ፡ መግቢ ካብ ኣፍካ ምስግጋር፡ ክኸውን ከምዝኽእል TT ሓቢሩ። ኣብ መንጎ ተመሃሮን ኣብቲ ጽምብል ዝተሳተፉ ቀረብቶምን ለበዳ ቫይረስ ከምዘጋጠመ ርኢና ኣለና። እዚ ግን ብሰንኪ እታ ጸወታ እዩ ኢለ ክድምድም ኣይክእልን እየ። እቲ ለበዳ ምግጣሙ ግን ኣይገርመንን እዩ ክብል ኣብ ያቭሊቦሪ …

Read More »

ኣብ ወርሒ ግንቦት ብሓደጋ ትራፊክ 19 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ጥራይ ብሓደጋ ትራፊክ 19 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 1000 ሰባት ከምተጎድኡን ኣሃዛዊ ጸብጻባት መጓዓዝያ ሓቢሮም ክብል TT ሓቢሩ። ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ወርሒ ግንቦት/2020 ዝሞቱ ሰባት ምስቲ ዓሚ ዝነበረ ቁጽሪ ዝመሳሰል እዩ። ካብ ማእከላይ ገምጋም ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ዝሞቱ ሰባት ግን ብቁሩብ ከምዝውሕድ ይፍለጥ። ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ብዙሓት ሞተር ሳይክል ዝዝውሩ ሰባት ግዳያት ናይ …

Read More »

ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ሽወደን ብዝኾነ ምኽንያት ዝግበር ምትእኽኻብ ክንክዮ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ሽወደን ብሰንኪ ኮቪድ 19 ንምእካብ ሰባት ዝተነብረ እገዳን፣ ከምኡ እዉን ንምልባዕ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ዘሎ መኸተ፣ ምኽንያት ብምግባር ንዝተፈላለዩ ማሕበራዉን ፖለቲካዉን ምትእኽኻባትን ሰለማዊ ሰልፍታትን፣ ተባሂሉ ዝዋሃብ ፍቓድ፣ ክንክዮ ምዃኑ ኣፍሊጡ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ንጸረ ዓሌትነት ምንቅስቓስ ተባሂሎም ዝተዋህቡ ፍቓዳት ሰለማዊ ሰልፍታት ካብ 50 ሰባት ዘይበዝሑ ክእከቡ ተባሂሉ እኳ እንተነበረ፣ ተሳተፍቲ እቲ ሰልፍታት ግን፣ ካብ ዝተፈቐደ …

Read More »

ሓደጋታት ባርዕ ጫካ ክኽሰት ስለዝክእል ሰባት ዝያዳ ጥንቓቅር ክገብሩ ይሕበር፣ ምምሕዳር ስቶክሆልም ግርል ምግባር ይእግድ።

በዚ ኣብ መላእ ሽወደን ተኸሲቱ ዘሎ ስጋብ 25 ድ.ሴ ዝዓቀኑ ሙቐት፣ ኣብ ደቡባውን ማእከላይ ክፋል እዛ ሃገር ተክእሎ ባርዕ ጫካ ኣዝዩ ልዑል ስለዝኾነ ዝኮነ ሰብ ዝያዳ ጥንቓቐ ክገብር በዓል መዚ ሜትሮሎጂ እዛ ሃገር የተሓሳስብ። እዚ በዓልመዚ ብምውሳኽ ኣብ ከባቢታት ያምትላንድ ( Jämtland), ዳላርና (Dalarna), ቫርምላንድ (Värmland),  ቬስትራ ጎትላንድ (Västra Götaland), ካልማር (Kalmar),  ኦስተርጎትላንድ (Östergötland) och Gotland ከምእውን ኣብ ስቶኮልም (Stockholm) …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com