Saturday , April 27 2024

ሓደጋ

ሓደ ሰብኣይ ብመንከስቲ ቱዃን ምልማሱ ተገሊጹ

ዝሓለፈ ክረምቲ፡ ኣብ ኽወቦ ዝተባህለ ቦት ድሕሪ ዝተገብረ ዑደት፡ ዮሃን ጆንሶን፡ ኣብ ከባቢ ክሳዱ ስምብራት መንከስቲ ቱዃን ምርካቡን ድሕሪ ሒደት መዓልታት ሰዓል መሳሊ ሕማም ከም እተታሕዘን ይገልጽ። እንተኾነ ግና ሓካይም ድሕሪ ዝገበሪሉ መርመራ፡ ረኽሲ ሓንጎል (TBE) ከም ዘለዎ ሓቢሮሞ። ሕማሙ እናበኣሰ ከይዱ ኣብ ጽድያ ናብ ምልማስ ከም ዘብጽሖም ተገሊጹ።   ጆሃን ምስ በዓልቲ ቤቱ ኣብ ዙረት እንሃለወ እዩ መላእ ኣካላት …

Read More »

ዜና ሽወደን ብትግርኛ – Swedish News in Tigrigna 24 ሓምለ 2020

ገለ ካብ ናይ ሎሚ ትሕዝቶ ዜና፡ 1. ሽወደን ናብ ሃገራት ኤዉሮጳ ብባቡር ዝግበር ጉዞ ንምጅማር ዘኽእል ስራሕ ክበጋገስ ሓድሽ ዉሳነ ብመንግስቲ ወግዓዊ ኮይኑ። 2. ብምመልኢ ባተሪ ሞባይላት ዝጠንቁ ሓደጋታትን ጉድኣትን እንዳዓበ ምምጽኡ ተሓቢሩ። ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ መደብና መድባት ኣልኮምፒስ ብዝተሳለጠ መገዲ ንምክትታል ኩሉኹም ተጠቀምቲ ኣንድሮይድ ኣፕሊከሽን ተዳልይልኩም ስለዘሎ ኣልኮምፒስ ትግርኛ ኢልኩም ብምዉራድ ክትጥቀሙ ትኽእሉ ኢኹም። ብተወሳኺ ኩሉኹም ተጠቀምቲ IOS ማለት ኣይፎን፣ …

Read More »

ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ኣዋርሕ፡ መምርሒ ፍቓድ መኪና ናይ ልዕሊ 20 ሽሕ ሰባት ተሰሪዙ

ብሬድዮ ኤኮት ዝተቃልሑ ሓደስቲ ኣሃዛዊ ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ፡ በዓል-መዚ መጓዓዝያ ሽወደን፡ ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ናይ ዓመተ 2020 ጥራይ ናይ 20030 ሰባት መምርሒ ፍቃድ ምስራዙ እዚ ድማ ምስ ናይ ዓመተ 2019 እንክወዳደር ከሎ ናይ 10% ወሰኽ ዘርኣየ ምዃኑን ተፈሊጡ። ምኽንያት ምስራዝ ናይቶም መምርሒ ፍቓዳት፡ ቅጥዒ ዘይብሉ ናህሪን ካልእ ምግሃስ ሕጊ ትራፊክን እዩ ተባሂሉ። ኣብ በዓል-መዚ ትራንስፖርት ዳይረክተር ኣሃዱ መምርሒ ፍቓድ መኪና፡ …

Read More »

ኣብ ከተማ ማልሞ ዝርከብ ህንጻ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳያት (ሶሻል)፡ መጥቃዕቲ ተቓጸልቲ ጠራሙዝ ወሪድዎ

ትማሊ ድሕሪ ፍርቂ መዓልቲ፡ ኣብ ከተማ ማልሞ፡ ከባቢ ሆልሾጋታትን (Hålsjögatan)፡ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳያት (ሶሻል)፡ መጥቃዕቲ ተቓጸልቲ ቦምባታት ከምዝወረዶን ዝኾነ ሰብ ድማ ከምዘይተጎድአን ጋዜጣ ሲድቨኒስካን (Sydsvenskan) ሓቢራ። ትማሊ ሰሉስ ኣብ ከባቢ ሰዓት 3:33 ድሕሪ ቀትሪ፡ ተቓጸልቲ ጠራሙዝ ናብቲ ህንጻ ድሕሪ ምድርባዮም ኣብ ግዳማዊ ክፋል ናይቲ ህንጻ ማህሰይቲ ከምዝገበሩ እታ ጋዜጣ ብተወሳኺ ሓቢራ። ፖሊስን ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓውን ናብቲ ቦታ ተቐላጢፎም …

Read More »

ምምሕዳር ሉንድ፡ ኣብ ቤት ትምህርታት ዘጋጥም ሓደጋታት ባርዕ ንምውጋድ ጽኑዕ ሓለዋ ካሜራታት ንኽትጥቀም መዲባ

ኣብ ደቡብ ሽወደን እትርከብ ምምሕዳር ሉንድ፡ ኣብተን ብዝሐን 114 ዝኾና ቅድመ ትምህርትን መባእታ ቤት ትምህርታትን ብሓገዝ ካሜራታት ተጠቂማ ጽኑዕ ሓለዋ ንኸተካይድ ክፍቀደላ ጠለብ ከምዘቕረበት ተፈሊጡ። እዚ ጠለብ ዝቐረበሉ ምኽንያት ድማ፡ ኣብታ ከተማ፡ ካብ ወርሒ መጋቢት ክሳብ ሕጂ ኣብ ዘሎ ግዜ ድሕሪ ዘጋጠመ ሓደጋታት ባርዕ ናይ 25 ወግዓውያን ህንጻታት እዩ። ኣብ ውሽጢ እዚ ዝተጠቕሰ እዋን፡ 12 ኣብታ ምምሕዳር ዝርከባ ቤት ትምህርታት …

Read More »

ብጉዳይ ኣብ ካቴድራል ዝተሳወረ ባርዕ ንመርመራ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝጸንሐ ሰብኣይ ተለቒቑ

ብጉዳይ ትማሊ ቐዳም ኣብ ናንትስ ካቴድራል ዝተሳወረ ባርዕ ንመርመራ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወ ሰብኣይ ብሰንበት ከምተለቀ ተፈሊጡ። ናንትስ ካቴድራል በቲ ዝተኸስተ ባርዕ ብኸቢድ ከምተሃስየ፡ እቲ ሰብኣይ ድማ ነቲ ባርዕ ዘሳወሮ ክኸውን ይኽእል እዩ ብዝብል ጥርጣረ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተወ እዩ ነይሩ።   እዚ ወዲ 39 ዓመት ዝኾነ ሰብኣይ ኣብታ ካቴድራል ወለንተኛ ሰራሕተኛ ኮይኑ ዝሓለፈ ዓርቢ ምሸት ማዕጾታትን ፍኒስትራታትን ናይ ምዕጻው …

Read More »

ካብ ወርሒ መጋቢት ክሳብ’ዚ እዋን፡ 12 ሓደጋታት ባርዕ ኣጋጢሙ

ሓደ ክፋል ናይ’ታ ኣብ ሉንድ እትርከብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ፓለትስኮላን (Palettskolan)፡ ትማሊ ወጋሕታ ብባርዕ ከምተቓጸለን እዚ ድማ ካብ ወርሒ መጋቢት ክሳብ ሎሚ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ሉንድ ዝርከባ ቤት ትምህርታት፡ ናይ መበል 12 ናይ ሓደጋ ባርዕ ኣጋጣሚ ምኻኑ ተሓቢሩ። ሓላፊ ጸጥታ’ቲ ምምሕዳር፡ ሆልካን ኒልሰን፡ እዞም ፍጻሜታት ብጣዕሚ “ዘሕዝኑ” እዮም ክብል ከምዝገለጾም TT ሓቢሩ። ኣብ ከባቢ ሰዓት 4 ወጋሕታ፡ ፖሊስ’ቲ …

Read More »

ኣብ ኦላንድ 15 መካይን ተቓጺለን

ሰሉስ ንግሆ፡ ኣብ ፎርየስታደን፡ ኦላንድ፡ 15 መካይን ምሉእ ብምሉእ ከምተቓጸላ ፖሊስ’ቲ ከባቢ ሓቢሩ። እቲ ፍጻሜ ኮነ ኢልካ ዝተገብረ ከይከውን ድማ፡ ፖሊስ’ቲ ከባቢ የጻርዮ ኣሎ። ክሳብ ሕጂ፡ እቲ ፍጻሜ ዘስዓቦ ጉድኣት ብዝምልከት ዝተረኽበ ጸባጻብ የለን ክብል ኣፍቶንብላደት ሓቢሩ። ኣገልግሎት ህጹጽ ረዲኤት፡ ኣብ ከባቢ ሰዓት 3 ወጋሕታ፡ ኣብ ሓደ ጋራዥ ናይ መካይን ባርዕ ከምእተሳወረ ዝሕብር ጥርዓን ከም ተቐበለ ሓቢሩ። እቲ ሓደጋ ባርዕ …

Read More »

ሓደጋ፡ ሓንቲ መኪና ምስ ባቡር ተጋጭያ

ትማሊ ሰንበት፡ ሰዓት 4፡00 ድ.ቕ.፡ ካብ ቪየዳቮግ (Vedevåg)፡ምምሕዳር ሊንድስበይ (Lindesburgs)፡ ውጽእ ኢልካ ኣብ ዘሎ ኣከባቢ ሓንቲ መኪና ምስ ናይ መጓዓዝያ ባቡር ተጋጭያ። እታ መኪና በቲ ኣብ ጫካ ዝርከብ ብጃያ ዝተሰርሐ ጽርግያ ትጓዓዝ ከምዝነበረትን፡ ድሕሪ ምስ ባቡር ምግጫዋ ድማ ኣብ ጉድጓድ (ካናለ) ከምዝኣተወት ተረኛ ፖሊስ ከባቢ ባሪስሎጋን ዝኾነ ፒተር ፐርሶን ገሊጹ። ኣብታ መኪና ክልተ ሰባት ከምዝነበሩን ናብ ሆስፒታል ኣብ ዝተወስድሉ እዋን ድማ ሃለዋቶም …

Read More »

ፖሊስ ንኣልኮምፒስ: ሓደጋ ባርዕ ላንድስክሮና (Landskrona) ብሰብ ዝተፈጥረ ክኸውን ከም ዝኽእል ጥርጣሬታት አለና ይብል

ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ላንድስክሮና (Landskrona) ዘጋጠመ ክልተ ሓደጋታት ባርዕ ኮነ ኢልካ ዝተገብረ ምዃኑ ምንጪታት ፖሊስ ሽወደን ንኣልኮምፒስ፡ ኣረጋጊጾም። ኣብ ዕለት 5 ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ወርሒ ኣብ ከባቢ ሲልቨርጎርደን (Silvergarden) ሓደ ህንጻ ምቅጻሉን ቅድሚ ክልተ ሳምታት አቢሉ ድማ ኣብ ጎደቦ ከባቢ ኮፓርጎርደን (Copargarden) ተመሳሳሊ ሓደጋ ባርዕ ኣጋጢሙ ምንባሩ ይዝከር። እዘን ክልተ ከባቢታት ብቑጠባውን ማሕበራዊን ዓቕመን ካብተን ኣዝየን ዝተሃስያ ከባቢታት እየን። መብዛሕትኦም …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com