Sunday , April 28 2024

ሓደጋ

ብዝሒ መንካዕ፡ ብሰንኪ ኣብ ኣፍደገ ቤተ-ክርስትያናት ዝትከሉ መብራህቲ፡ ይጎድል ኣሎ ተባሂሉ

ኣብ ኣፍደገ ቤተ-ክርስትያናት ዝበርህ መብራህቲ ኣብ ልዕሊ መንካዕ ከቢድ ሓደጋ ከውርድ ከምዝኽእል ተሓቢሩ። ብሰንኪ እዞም መብራህቲ፡ እቶም ናይ ቡናውን ሓሙኽሽታይ ኣልጌን ዘርኢ ዘለዎም ዓይነት መንካዕ ብፍጹም ክጠፍኡ ከምዝኽእሉ ናይ ስነ-እንስሳ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰር፡ የንስ ሪድል፡ንሬድዮ ጎትላንድ P4 ሓቢሩ። እዞም ዘርኢ መንካዕ’ዚኣቶም ኣብ ጎትላድ ዝርከባ ቤተ-ክርስትያናት ጥራይ እዮም ዝነብሩ። ካብቲ ዝተወለድሉ ቦታ ከይተኣልዩ ከምዝነብሩ መጽናዕታዊ ጸብጻባት ይሕብሩ። ጸልማት፡ እቲ ቀንዲ ናይ መንካዕ …

Read More »

ኣብ ካልማር እትርከብ መዋእለ ህጻናት፡ መልከፍቲ ኮሮና ኣጋጢምዋ

ኣብ ዞባ ካልማር፡ ሓደ መዋእለ ህጻናት፡ ብሰንኪ 3 ሰራሕተኛታቱ ብለበዳ ኮሮና ከምዝተለኸፉ ምርግጋጹ ከምዝተዓጽወ ካብ ካልማር ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣነጺሩ። ዝርዝር ሓበሬታ እቶም ሰራሕተኛታት ብኸመይ ከምዝተታሕዙ እኳ እንተዘይተገልጸ፡ ምምሕዳር እቲ መዋእለ ህጻናት ኩነታት ናይቶም  ሰራሕተኛታት ምስተፈልጠ ነዚ ስጉምቲ ከምዝወሰደ ተፈሊጡ። ብዘይካ ሰለስተ ሰራሕተኛታት፡ ምልካፎም ካልኦት ኣርባዕተ ኸኣ ምልክታት ተራእይዎም ተባሂሎም ኣብ ገዝኦም ከምዘሎዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ። ብምዕጻዉ እቲ መዋእለ ህጻናት 90 ዝኾኑ …

Read More »

ሓደ ተማሃራይ ካብ ናሕሲ ቤት ትምህርቲ ጸዲፉ

ኣብ ፈለማ መዓልቲ ትምህርቲ፡ ሓደ ተማሃራይ ናይ ቤት ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ ኤስሉቭ፡ ካብ ልዕሊ ናሕሲ (ዚንጎ) ናይቲ ቤት ትምህርቲ ጸዲፉ ከም ዝሞተ ጋዜጣ ስኮንስካ ዶግብላደት ሓቢሩ። እቲ ናሕሲ፡ ብተሸካል ሓጺን ዝተሓጽረ ምዃኑ እኳ እንተተፈልጠ፡ እቲ ተማሃራይ ብኸመይ ካብኡ ክጸድፍ ከምዝኸኣለ ኣይተፈልጠን። እቲ ተማሃራይ፡ ብዝወረዶ መጉዳእቲ ከምዝሞተ፡ ምምሕዳር ቤት ትምህርቲ፡ ንምሸቱ ኣቃሊሑ። ብዙሓት ተማሃሮ ነቲ ፍጻሜ ክርእይዎ ከምዝኸኣሉ ጋዜጣ ሲድስቬኒስካን ጽሒፉ። …

Read More »

ብሰንኪ ኣብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዘጋጠመ ብልሽት፡ ሰሜናዊ መራኸቢታት ተዓጽዮም

ሎሚ ኣብ ሰዓታት 11፡30 ቅ.ቐ.፡ ብሰንኪ ኣብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዘጋጠመ ብልሽት፡ ኣብ ስቶክሆሎም ዝርከብ ሰሜናዊ መራኸቢ ምሉእ ብምሉእ ከምተዓጽወ፡ ምምሕዳር መጓዓዝያ ሽወደን፡ ገሊጹ። ብምልኦም መእተውን መውጽእን ከምተዓጽዉን ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ጸገማት ንምፍላጥ ይሰርሑ ከምዘለዉ ተሓቢሩ። እቲ ተፈጢሩ ዘሎ ብልሽት፡ መዓስ ክጽገን ከምዝኽእል ገምጋማት ከምዘይብሉ፡ እቲ ምምሕዳር ሓቢሩ።

Read More »

ኣብ ወርሒ ሓምለ፡ ቁጽሪ ሓደጋታት ትራፊክ ጎዲሉ ተባሂሉ

ኣብ ወርሒ ሓምለ፡ 18 ሰባት ብሓደጋታት ትራፊክ ከምዝሞቱ መባእታዊ ሓበሬታ ትካል መጓዓዝያ ሽወደን ሓቢሩ። ሓደጋታት ትራፊክ፡ ንኽልተ ተኸታተልቲ ዓመታት ምጉዳል ከርኢ ከምዝኸኣለ ይፍለጥ። ኣብ ወርሒ ሓምለ 2018፡ ቁጽሪ ግዳያት ሓደጋታት ትራፊክ 44 ምንባሩ፡ ስዒቡ ድማ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2019፡ ናብ 19 ወሪዱ ምንባሩ ይዝከር።   ኣብዚ ምዕቡል ዝበሃል ግዜ፡ ኣብ ቀዳሞት ሸውዓተ ኣዋርሕ ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ዘጋጠሙ ሓደጋታት ትራፊክ …

Read More »

ካብ ሱንድስቫል ናብ ኦምዮ ዝነበረ ናይ ባቡር ጉዕዞታት ተሰናኺሉ

ካብ ሱንድስቫል ናብ ኦምዮ ተመዲቦም ዝነበሩ ናይ ባቡር ጉዕዞታት ብሰንኪ ብልሽት ላዕለዋይ መስመር ባቡር፡ ከምተሰናኸለ TT ሓቢሩ። እቲ ብልሽት፡ ኣብ መንጎ ክራምፎሽን ቲምሮን ዘሎ ቦታታት ከምዘጋጠመ ቤት ጽሕፈት ዋኒን መጓዓዝያ ሓቢሩ። ተሳፈርቲ፡ ንጉዳይ ጽልዋ ጉዕዞታቶም ብዝምልከት ናብተን ናይ መጓዓዝያ ኩባንያታት፡ ክድውሉ ከምዝግባእ ኣዘኻኺሩ። እቲ ብልሽት፡ ቀልጢፉ እንተተባሂሉ፡ ሎሚ ለይቲ ክጽገን ትጽቢት ይግበረሉ።

Read More »

ኣብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ፡ ምስፍሕፋሕ ለበዳ ኮሮና ተራእዩ

ኣብ ካርልስኮሮና ዝርከብ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ዝሰርሑ 6 ኣባላትን 7 ተናበይትን ብቫይረስ ኮሮና ከምተለኽፉ ምምሕዳር ካርልስኮሮና ሓቢሩ ክብል SVT ገሊጹ። መንነት ናይታ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ክጠቅስ ዘይደለየ፡ ምምሕዳር ካርልስኮሮና፡ ንኹሎም ኣባላትን መቕርቦምን ክሕብር ምዃኑ ገሊጹ። ስም ናይታ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ብምስጢር ክተሓዝ ስለዝግባእ ኣይክንሕብርን ኢና፡ ንእሽቶ እንዳ መናበይ ዓበይቲ ምዃና ግን ክንሕብር ንኽእል ኢና ክትብል ኣብ ምምሕዳር ካርልስኮሮና፡ ምክትል ሓላፊ …

Read More »

ኣብ ላንድስክሮና፡ ሓያል ነውጺ ዝፈጠረ ነትጒ ኣጋጢሙ

ሎሚ ንግሆ፡ ኣብ ማእከል ከተማ ላንድስክሮና ንሓደ ዱኳን ዕላማ ዝገበረ ሓያል ነውጺ ዝፈጠረ ነትጒ ከምዘጋጠመን ኣብቲ ፍጻሜ ሰብኣዊ ክሳራ ከምዘየጋጠመን ፖሊስ ሓቢሩ።እቲ ነትጒ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ዱኳን ከቢድ ክሳራ ከምዘውረደ ጋዜጣ ሄልሲንቦሪስ ዳግብላድ (Helsingborgs Dagblad) ሓቢሩ።ፖሊስ፡ ነቲ ከባቢ ድሕሪ ምሕጻር፡ ንኽኢላታት ተፈንጀርቲ ናብቲ ቦታ ፍጻመ ከምዝመጹ ገይሩ።ኣብ ልዕሊ ንብረት፡ ከቢድ ጉድኣት ወሪዱ ኣሎ። ኣብ ሰባት ግን ዝወረደ ጉድኣት የለን ክትብል …

Read More »

ኤጀንሲ ምእካብ ልቓሕ፡ ንገበነኛታት ጥይት ዘይበስዖ ክዳን ምሻጡ ተፈሊጡ

በዓልመዚ ክሮኖፎግደን ናብ ገበነኛታት ዝሸጦም፡ ጥይት ዘይበስዖም ልባስ፡ ቀደሙ ካብ ገበነኛታት እተረኽቡ ምንባሮም ኤኮት ዘውጽኦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ፖሊስ፡ ነቲ በዓልመዚ ዝፈጸሞ ተግባር፡ ምኹናኑ ገሊጹ።እዚ ካብ ገበነኛታት ዝተወስደ ጃኼት ንጽባሒቱ ድማ ኣብ ዕዳጋ ይረኽብዎ ኣለዉ” ክብል ኣወሃሃዲ ስርሒታት ፖሊስ ከተማ ዮተቦሪ፡ ማርኳ ኢክቫል፡ ብዛዕባዚ ጉዳይ ዘለዎ መረረ ገሊጹ።ኤጀንሲ ልቓሓት እዚ ዝገብረሉ ምኽንያት፡ እቶም ገበነኛታት ብዕዳ ምስ ተታሕዙ፡ ንኣልባሳቶም ናብ ዕዳጋ ስለዘውርዶ …

Read More »

ኩባንያ Axfood፡ ግጉይ ምልክት ዝሓዘለ ብሽኮቲ ናብ ፋብሪካ ንኽምለስ ሓቢሩ

ንኸም በዓል Hemköp፡ Willys ን Tempo ን ዝኣመሰሉ ትካላት ዘከፋፍል ኩባንያ Axfood፡ ሓደ ካብ ዓይነታት ዘፍርዮም ብሽኾቲ፡ ቁጠዐ (ነድሪ) ከስዕብ ዝኽእል ኣብ ዝርዝር ትሕዝትኡ ዘይተጠቕሰ ባእታ ክህልዎ ከምዝኽእል ተሓቢሩ። እቲ ፍርያት፡ Eldorado’s chocolate flakes፡ ዝበሃል ኮይኑ ክሳብ ዕለት 17/01/2021 ዕድመ ዘለዎ እዩ።እቲ ፍርያት፡ ከም በዓል ጸባ፡ ሉዝ (Almonds) ወይ ድማ ፍረ ሃይዘል (Hazelnut) ዝኣመሰሉ ባእታታት እንዳ ሃለዎ እንከሎ ኣብ ዝርዝር …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com