Sunday , April 28 2024

ሓደጋ

ሰለስተ ሰባት፡ ብሓደጋ መኪና ሞይቶም

ትማሊ ሓሙስ ሰዓት 7፡20 ናይ ምሸት ፡ ካብ ስቬዳላ (Svedala) ወጻኢ፡ ኣብ ዝርከብ መንገዲ ቁጽሪ 832፡ ሂወት ሰለስተ ሰባት ዝቐዘፈ ሓደጋ መኪና ከምዘጋጠመ ጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ሓቢሩ። እታ ሰለስተ ሰባት ጽዒና ትጓዓዝ ዝነበረት መኪና፡ ካብ ቁጽጽር ወጺኣ፡ ምስቲ ኣብ ጎኒ ጽርግያ ዝነበረ ኣግራብ ከምተጋጨወት፡ ኣባላት ህጹጽ ረድኤት ሓቢሮም። ምኽንያት ናይቲ ሓደጋ፡ ንጹር ከምዘይኮነ፡ ሓላፊ ኣሃዱ ህጹጺ ረዲኤት፡ ሃምቦስ ኣሮንሶን፡ ሓቢሩ። ኣብታ …

Read More »

ኣብ ኦሽታ፡ ሓደ ሰብ ሞይቱ ተረኺቡ

ሎሚ ሰዓት 1 ወጋሕታ፡ ኣብ ኦሽታ (Årsta) ስቶክሆሎም፡ ኣብ ዝርከብ ቢንቶ፡ ሓደ ብደም ጠልቅዩ ዝወደቐ ሰብ ዝርኣየ ሓላፊ መንገዲ፡ ናብ ፖሊስ ከምዝደወለን ፖሊስ ድማ ተቐላጢፎም ናብቲ ቦት ከምዝበጽሑ መርበብ SVT ሓቢሩ። ፖሊስ፡ ናብቲ ቦታ ኣብ ዝበጻሕሉ እዋን፡ እቲ ብደም ዝጠልቀየ ሰብ ሞይቱ ከምዝረኸቦ ሓቢሩ። ኣብ ኣካላት ናይቲ መዋቲ ብዙሕ መጉዳእቲ ብምርካቡ፡ ፖሊስ፡ ቅትለት ክኸውን ከምዝኽእል ጥርጣረታቱ ገሊጹ። ኣብ ከባቢ ሰዓት …

Read More »

16 ተማሃሮን መምህራንን ሒዛ ትጓዓዝ ዝነበረት ኣውቶቡስ፡ ተገምጢላ

ሎሚ ንግሆ፡ ሰዓት 7:44፡ ካብ ኦረብሮ ውጽእ ኢልካ ዝርከብ፡ ላና ኣብ ዝበሃል ኣከባቢ፡ ሓደጋ ናይ ትምህርቲ ኣውቶቡስ ከምዘጋጠመ ጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ሓቢሩ። እታ 16 ናይ ማእከላይ ደረጃ ተመሃሮን መምህራንን ሒዛ ትጓዓዝ ዝነበረት ናይ ትምህርቲ ኣውቶቡስ ካብ መንገዲ ድሕሪ ምውጻእ ከምተገምጠለትን ሽዑንሽዑ ድማ ኣባላት ህጹጽ ረዲኤት ሓበሬታ ከምዝበጸሖምን ተፈሊጡ። እታ ኣውቶቡስ፡ ብሸነኽ ማዕጾ ስለዝተገምጠለት፡ ኣባላት ህጹጽ ረድኤት፡ ነቶም ተሳፈርቲ ብመስኮት ናይታ መኪና …

Read More »

ኮሮና፡ ጠንቂ ምንቅስቓስ ጥንሲ ክኸውን ከምዝኽእል መጽናዕታት ይሕብሩ

ጥንሲ ዝሓዛ ደቂ ኣንስትዮ ብኮሮና ምስ ዝልከፋ፡ ቅድሚ ግዜአን ናይ ምውላድ ሓደጋአን ከም ዝውስኽ ብርክት ዝበሉ ተመራመርቲ ዝኣከብዎም መጽናዕትታት ይሕብሩ። በዚ ድማ ኣብ ጥንሲ ዝርከባ ሕሙማት ኮሮና ደቀንስትዮ ጽዑቕ ምክትታል ከም ዘድልየን ተገሊጹ። ብዘይካ’ዚ፡ ጥንሲ፡ ብኮሮና ናይ ምልካፍ ተኽእሎ ከም ዘዛይድ SVT ሓቢሩ። ካብ ቻይና፡ ኣመሪካ፡ ብሪጣንያ፡ ስፔይን፡ ሆላንድን ካልኦት ሃገራትን ዝተረኽቡ ክኢላታት፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ 11500 ኣብ ፈለማ ናይ …

Read More »

ትካል ማክዶናልድስ ተቓጺሉ

ኣብ ደቡባዊ ክፋል ሽወደን፡ ኦሽትባሪ፡ ዝርከብ ዝነበረ ትካል ማክዶናልድስ ትማሊ ለይቲ ኣብ ከባቢ ሰዓት 2:00 ወጋሕታ ምሉእ ብምሉእ ከም ተቓጸለ TT ሓቢሩ። ናብቲ ከባቢ ኣብ ዝበጻሕናሉ እዋን፡ እቲ ትካል ክድሕን ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ በጺሑ ጸኒሑና ክብል እዛዚ ዝዓበየ ኣሃዱ መጥፋእቲ ሓዊ ስቶክሆሎም፡ ቶሚ ዎልበሪ፡ ሓቢሩ። ብሰንኪ እቲ ባርዕ ዝተኸስተ ትኪ፡ ዳርጋ ኣብ መላእ ስቶክሆልም ዝተዘርገሐ ይመስል፡ ምኽንያቱ፡ በቲ ሽታ ናይቲ …

Read More »

ከቢድ ክሳራታት ዘውረደ ሓደጋ ባርዕ

ትማሊ ረቡዕ ለይቲ፡ ኣብ ከባቢ ማዮና (Majorna)፡ ዮቶቦሪ፡ ከቢድ ክሳራታት ዘውረደ፡ ኮነ ኢልካ ዝተሳወረ ተባሂሉ ዝንገረሉ ሓደጋ ባርዕ ኣጋጢሙ ክብል TT ሓቢሩ። እቲ ሓደጋ ባርዕ፡ ኣብ ሓደ ህንጻ ምስ ጀምረ ስዒቡ ድማ ናብተን ኣብቲ ከባቢ ዓሺገን ዝነበራ መካይን ልሒሙ፡ ኣብ ልዕሊ 15 መካይን ከቢድ ክሳራታት ከም ዘውረደን ገሊአን ድማ ምሉእ ብምሉእ ከምዝዓነዋን ወሃብ ቃል ፖሊስ’ቲ ከባቢ ሓቢሩ። ነበርቲ ናይ ዓሰርተ …

Read More »

ሓደጋ ባርዕ ሊንሾፒን፡ ኮነ ኢልካ ዝተፈጸመ ክኸውን ይኽእል እዩ ተባሂሉ

ትማሊ ለይቲ፡ ኣብ ከባቢ ስካጅቶርፕ (skäggetorp)፡ ሊንሾፒን፡ ሓደ መንበሪ ህንጻ ብሓደጋ ባርዕ ብምቅጻሉ፡ ፖሊስ ድማ ኮነ ኢልካ ዝተፈጸመ ክኸውን ይኽእል እዩ ብምባል ምጽራይ ከምዝጀመረ TT ሓቢሩ። ብላዕለዋይ ክፋል ናይቲ ህንጻ ዝጀመረ ባርዕ ሓዊ፡ ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን፡ ናብ ብዙሕ ክፍልታት ክልሕም ክኢሉ። ብምሉኦም ነበርቲ ካብቲ ህንጻ ተቐላጢፎም ከም ዝወጹ ስለዝተገብረ፡ ዝወረደ ሰብኣዊ ክሳራ ከምዘይነበረ ተሓቢሩ። ብሰንኪ እዚ ዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ፡ …

Read More »

ኣብ መስመር ዮቶቦሪ፡ ሓደገኛ ጽዕነት ዝሓዘት ባቡር ተገምጢላ

ኣብ ሰቨናስ፡ ዮቶቦሪ፡ ክልተ ናይ ጽዕነት ባቡር ብምግጫወን ሓደገኛ ጽዕነት ዝሓዘት ባቡር ከምተገጠለትን ሰብ መዚ መጓዓዝያ ድማ ነቲ መስመር ድሕሪ ምዕጻው ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከባ ቤት ትምህርቲ ቶርፓስኮላን (Torpaskolan) ሓንቲ መዋእለ ህጻናትን ዝነበሩ ተማሃሮን ሰራሕተኛታትን ነቲ ቦታ ሓዲጎም ከምዝወጹ ገይሮም ክብል SVT ሓቢሩ። ፖሊስ’ቲ ከባቢን ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓውን ኣብ ከባቢ ሰዓት 5:35 ወጋሕታ ሓበሬታ ከምዝበጸሖምን ዓሰርት ዝኾና ኣሃዱታት ፖሊስ ናብቲ …

Read More »

ኣብ ከተማ ማልመ፡ ሓንቲ ቤተ ክርስትያን ናይ ዕንወት ተግባራት ኣጋጢምዋ

ኣብ ከተማ ማልመ እትርከብ ቤተ ክርስትያን፡ ቬስትራ ስክራቭሊንየ (Västra Skrävlinge)፡ ብሰንክኒ ዘጋጠማ ናይ ዕንወት ተግባር፡ 30 ዝኣኽሉ ቬትሮ ናይ መሳኹቲ ከምተሓምሽሹን ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያን ዝነበሩ ሃይማኖታዊ ሓወልታት ከምተሰብሩን መርበብ ሓበሬታ TT ሓቢሩ። ቤተ ክርስትያን፡ ብኣርባዕተ መንደቕ ዝተሰርሐ ህንጻ ጥራይ ዘይኮነ፡ መንፈሳዊ ርግኣትን ሰላምን ዝረኽበሉ ቦታ እዩ። እዚ ከምዚ ዓይነት ፍጻሜ ድማ ንሸውዓተ መዓልታት ዝቐጸለ እዩ። ኣብ ልዕሊ ሰባት ፍርሂ፡ …

Read More »

ኣብ ሰሜን ሽወደን ዝርከብ ዝነበረ ፋብሪካ ብሓደጋ ባርዕ ዓንዩ

ኣብ ሰሜን ሽወደን እትርከብ ኤልቪስቢን (Älvsbyn) ዝተባህለት ከተማ ተደኲኑ ዝነበረ ፋብሪካ ፑላርብረድ (Polarbröd) ብሓደጋ ባርዕ ከምዝዓነወ ምንጭታት ሓቢሮም። እቲ ሓደጋ ባርዕ፡ ትማሊ ቅድሚ ፍርቂ ለይቲ ከም ዝጀመረን ካብ ቁጽጽር ኣገልግሎት መጥፋእቲ ሓዊ ብምውጻእ ክሳብ ሎሚ ናይ ንግሆ ቀጺሉ። ከም ሳዕቤኑ ድማ እቲ ፋብሪካ ምሉእ ብምሉእ ምዕናዊ ተፈሊጡ። ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ነበርቲ፡ ካብቲ ፋብሪካ ክምንጩ ካብ ዝኽእል መርዛማዊ ትኪ ንምክልኻል፡ ማዕጾታትን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com