Monday , May 13 2024

ሓደጋ

ወረቐት መንነቱ ዝጠፈኦ ሰብኣይ. . . . . . . ብገበን ጾታዊ ዓመጽ ተኸሲሱ

ኣብ ከተማ ካልማር፡ ኣብ ልዕሊ ህጻናት፡ ጾታዊ ዓመጽ ፈጺምካ ተባሂሉ ብጌጋ ተኸሲሱ ዝነበረ ወደ 30 ዓመት ዝኾነ ሰብኣይ፡ ድሕሪ ናይ ሓደ ወርሒ ማእሰርቲ፡ ብቤት ፍርዲ’ታ ከተማ፡ ነጻ ምዃኑ ተሓቢሩ። እቲ ሓቀኛ ፈጻሚ ናይቲ ገበን፡ ኣቐድም ኣቢሉ ብፖሊስ ተታሒዙ ከምዝነበረ’ኳ እንተተፈልጠ፡ ፖሊስ፡ ነቲ ጉዳይ ክምዝግብ እንከሎ፡ በቲ ኣብ ኢድ’ቲ ገበነኛ ዝነበረት፡ ኣቐድም ኣቢላ ካብቲ ወዲ 30 ዓመት ሰብኣይ ዝጠፍአት ወረቐት መንነት፡ …

Read More »

ኣብ ኢንዶነዝያ፡ ብውሑዱ 35 ሰባት ሞይቶም

ናብ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ፡ ኣብ ኢንዶኔዝያዊት ደሴት ሱላዌሲ፡ 6.2 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ መሬት ብምግጣሙ ብውሑዱ 35 ሰባት ከምዝሞቱ ተሓቢሩ። ብሰንኪ እቲ ባህርያዊ ሓደጋ፡  ብርክት ዝበሉ ህንጻታትን ሓንቲ ሆስፒታልን ከም ዝዓነዋ ተፈሊጡ። ገለ ሰባት ድማ ኣብ ትሕቲ እቲ ዝፈረሰ ህንጻታት ተጸቒጦም ብሂወት ከምዘለዉ ጸብጻባት ይሕብሩ። በቲ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ክጉድኡ እንከለዉ፡ 15 ሽሕ ድማ ካብ ኣባይቶም …

Read More »

ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ዝተተኮሱ ሪቺት ሽግር ይፈጥሩ።

ዓመት ንምቕባል  ኣብ ዝተገብረ ናይ ሪቺት ምትኳስ ኣብ ዝተፈለለዩ ክፋል ሽወደን ሽግር ከምዝተፈጥረ ወሃቢት ቃል ፖሊስ ኣብ ደቡብ ስዊድን ዝኾነት ኢቫሊና ኦልሶን ገሊጻ። ክሳብ ሰዓት ሓደ ወጋሕታ ኣብ ዘሎ ግዜ ጥራሕ ፖሊስ ደቡብ ሽወደን ጥራሕ ምስ ሪቺት ብዝተእሳሰር ምኽንያት ጥራሕ ናይ ቲለፎን ጻውዒት ከምዝተቀበሉ ሓቢራ። እዚ ቁጽሪ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ብሚእቲ ከምዝወሰኸ ሓቢራ። ኣብ ማልሞ ንዝተገብረ ጻውዒት ዕሽሽ ብምባል ከምቲ …

Read More »

ኣብ ተንስታ ስቶክሆልም ብቶክሲ ሓደ ሰብ ክመውት ከሎ ክልተ ቆሲሎም

ኣብ ከባቢ ሰሜናዊ ምዕራብ ስቶክሆም ትርከብ ተንስታ ሎሚ ኣብ ከባቢ ፍርቂ ለይቲ ብመንነቶም ዘይተፈልጡ ሰባት ዝተከፍተ ቶክሲ ሓደ ሰብ ክመውት ከሎ ካልእ ክለተ ሰባት ቆሲሎም ኣብ ሆስፒታል ተዓቒቦም ከምዘለዉ  ፖሊስ ከተማ ስቶክሆልም ኣፍሊጡ። ብመስረት ሓበሬታ ፖሊስ ናይ ሓደጋ ደዊል ልክዕ ሰዓት 21፡46 ኣብ ዝበጽሖም  ኣብ ከባቢ ተንስታ ሰንትሩም ክልተ ሰባት ብጥይት ዝቆሰሉ ክረኽቡ ከለው እቲ ሳልሳይ ግን ድሕሪ ሓደ ሰዓት ኣብ …

Read More »

ኣገዳሲ ሓበሬታ ንነበርቲ ኦስተርሱንድ

30 ታሕሳስ 2020 ሓላፊ ክፍሊ ምክልኻል ባርዕ ናይቲ ከተማ ንኾሎም ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ብሰንኪ እቲ ኣብ ማእከል ከተማ ዝርከብ መኣከቢ (ሎካል) ዘጋጠመ ብርቱዕ ባርዕ ዘበገሶ ትኪ ኩሉኹም ኣብ ውሽጢ ገዛ ክትኮኑን ማዓጹን መሳኹቲን ከምኡውን ናይ ኣየር መውዓይ(ventilation) ክትዓጽዎ ጸዊዑ። ንዝያዳ ሓበሬታ ሬድዮ ሽወደን ያምትላንድ ተኸታተሉ።ምድላው ኣልኮምፒስ ትግርኛ

Read More »

ወዲ 25 ዓመት ኤርትራዊ መንእሰይ ሓበን ብርሃነ ብፖሊስ ሸወደን ተቀቲሉ።

ነባሪ ኤክኸ (Eksjö) ዝኾነ ወዲ 25 ዓመት መንእሰይ ሓበን ብርሃነ ብረቡዕ 23 ታሕሳስ 2020 ሰዓት 3 ወጋሕታ  ብኣባላት ፖሊስ ሽወደን ብዝተተኾሰሉ ጥይት ሂወቱ ከምዝሓለፈ ማዕከናት ዜና ሽወደን ሓቢረን።  መንእሰይ ሓበን ብርሃነ ብምኽንያት ሕማም ናይ ኣእምሮ ጭንቀት ሕክምናዊ ክትትል ይገብር ከምዝነበረን ግቡእ መዓልታዊ ሓገዝ ዝረኽበሉ ቦታ ይመላለስ ከምዝነበረን ኣብቲ ቦታ ዝነብሩ ብጾቱ ንኣልኮምፒስ ሚድያ ክፍሊ ትግርኛ ሓቢሮም። ማዕከናት ዜና ሽወደን ሞት …

Read More »

ኣብ ጀርመን፡ ብመኪና ምርጋጽ ዝተኻየደ ፍጻሜ፡ ክልተ ሰባት ሞይቶም

ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ጀርመን እትርከብ ከተማ ትሪር፡ ኣብ ኣጋር ዝንቀሳቐስሉ ቦታ፡ ብመኪና ምርጋጽ ዝተኻየደ ፍጻሜ፡ ክልተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ብዙሓት ድማ ከምዝቖሰሉ ካብቲ ቦታ ዝመጸ ጸብጻብ ሓቢሩ። ፖሊስ፡ ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሰባት፡ ካብቲ ቦታ ንኽእለዩ ከምዝሓበረ፡ ወሃቢ ቃል ፖሊስ፡ ገሊጹ። እቲ ፍጻሜ፡ ድሕሪ ሰዓታት ፍርቂ መዓልቲ ከምዝተፈጸመ ድማ ሓቢሩ። ብዛዕባ እቲ ፍጻሜ፡ ፖሊስ፡ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣይሃበን።

Read More »

ኣብ ሓንቲ ቤት ትምህርቲ፡ ሓደጋ ባርዕ ኣጋጢሙ

ትማሊ ሰንበት ድሕሪ ሰዓት 8 ናይ ምሸት፡ ኣብ ቦርሊንኘ (Borlänge) እትርከብ ቤት ትምህርቲ ይለ (Gylle) ዘጋጠመ ናይ ባርዕ ሓደጋ ተኽቲሉ፡ ፖሊስ፡ ነቲ ፈጻሚ ናይቲ ሓደጋ ዝበሎ ጥርጡር ኣብ ከባቢ ሰዓት 10 ናይ ምሸት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ የእትዮ፡ መባእታዊ መርመራታት ከምዘካየደ ሓቢሩ። ሓሙሽተ ዝተፈላለያ ኣሃዱታት መጥፋእቲ ሓዊ ነቲ ባርዕ ኣብ ምቕሃም ከምተሳተፋን ንሎሚ ሰኑይ ንጥፈታት ትምህርቲ ኣቛሪጹ ከምዘሎን ተፈሊጡ። እቲ ሓደጋ …

Read More »

ካብን ናብን ዮቶቦሪ ዝነበረ ናይ ባቡር ጉዕዞታት ኣቛሪጹ

ሎሚ ዕለት 20/11/2020 ካብ ሰዓት 10፡25 ናይ ንግሆ ጀሚሩ፡ ካብን ናብን ዮቶቦሪ ዝነበረ ምንቅስቓስ ባቡራት፡ ብሰንኪ ተክኒካዊ ጸገም፡ ከምዘቛረጸ SVT ሓቢሩ። ንምጽጋኑ ክንደይ ግዜ ከምዝወስድን፡ ናይ ባቡር ጉዕዞታት መዓስ ከምዝጅምርን ክሳብ ሕጂ ዝፍለጥ የለን ክብል ሓላፊ ርክባት ቤት ጽሕፈት መጓዓዝያ፡ ኢማኑኤል ኣልቫሬዝ፡ ሓቢሩ። ብሰንኪ እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ጸገም፡ ብዙሓት ጉዕዞታት ባቡር ተሰናኺሉ ከምዘሎን ንኻልእ ግዜ ከም ዝተሰጋገረን ጽገና ድማ ይቕጽል …

Read More »

ኣብ ሽወደን፡ ሕማም ኮቪድ-19፡ ሳልሳይ ጠንቂ ሞት ኮይኑ ተሰሪዑ

ክሳብ መፋርቕ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት፡ ሕማም ኮቪድ-19፡ ሳልሳይ ብብዝሒ ሰባት ዝቐተለ ሕማም ኮይኑ ምጽንሑ ክፍሊ ማሕበራዊ ድሕነት ሽወደን፡ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። ብቐዳማይ ደረጃ ዝስራዕ፡ ሕማም ልቢ ኮይኑ ካልኣይ ድማ ሕማም መንሽሮ እዩ። እቲ ክፍሊ ኣብ ዘውጽኦ ፍርቂ ዓመታዊ ጸብጻብ፡ ካብ ባሕቲ ጥሪ ክሳብ መወዳእታ ሰነ ኣብ ዘሎ ግዜ ጥራይ፡ ክሳብ 51534 ዝኾኑ ሰባት ምሟቶም ገሊጹ ክብል ኣገልግሎት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com