Friday , May 17 2024

ዜና

ሸንገን ቪዛ ምምሕያሻት ይግበረሉ!!

ኣውሮጳዊ ሕብረት ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንምዕጋት ኣብ ዙርያ ሸንገን ቪዛን ሕጋውያን ተጉዓዝትን ገለ ምምሕያሻት ሕጊ ምግባሩ ገሊጹ። እዚ ሓድሽ ምምሕያሽ ሕጊ ንመስርሕ ቪዛ ኣውሮጳ ንጹርን ስሉጥን ክገብሮ እዩ ክብል ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት ኣውሮጳዊ ሕብረት ገሊጹ’ሎ። ገለ ካብቲ ምምሕያሻት ብኤለክትሮኒካዊ ኣገባብ ሕቶ ምቕራብን ክሳብ 6 ወርሒ ዝጸንሕ ቪዛ ምሃብን እዮም። እዚ ቪዛ ተደጋጋሚ ምእታው ዘፍቅድ ከም ዝኸውን እውን ተገሊጹ’ሎ። እዚ ኣብ መንጐ …

Read More »

ኦዚል ፕረዚደንት ቱርኪ ዓርኺ ርእሲ ብምግባር ስነ ስርዓት መርዓ ፈጺሙ!! ተጻዋታይ ኢንግሊዛዊት ክለብ ኣርሰናል ሞሲት ኦዚል ፕረዝደንት መበቆል ሃገሩ ዝኾነት ቱርኪ ዓርኪ ርእሲ ኮይኑ ኣብ ዝተረኸበሉ ስነ ስርዓት መርዕኡ ፈጺሙ። ኦዚል ዘግነት ሃገረ ጀርመን ዘለዎ ኮይኑ ን ሃገራዊት ጋንታ ጀርመን ወኺሉ ብዝሕ ዝበለ ጸወታታት ብምክያድ ተዓዋታ ዋንጫ ዓለም ክኸውን ዝኽኣለ ኣዩ። እንተኾነ ኦዚል ምስ ፕረዚደንት ጠይብ ኦደጋን ኮይኑ ብምስኣሉ ተሪር …

Read More »

ኣሌክሳንደር ኢሳቅ ምስ ወርቃዊት ብጫ ቦኽሪ ሽቶኡ ኣቁጺሩ!!

ትማሊ ምሸት ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ን መጻሪዪ ዋንጫ ኤውሮጳ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ማልታ ኣብ ዝገበረቶ ጸወታ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ኣሌክሳንደር ኢሳቅ ድሕሪ ዕረፍቲ ተቐይሩ ብምእታው ኣብ መበል 81 ደቒቕ ዘመዝገባ ሸቶ ን ሃገራዊት ጋንትኡ ሳልሰይቲ ን ባዕሉ ድማ ቦኽሪ ሸቶ ኮይና ተመዝጊባትሉ። ኣዚ ወዲ 19 ዓመት መንእሰይ ኣብዚ እዋን ኣብ ጽቡቕ ቖመና ስለዝርከብ ኮይኑ ሽወደን ዝመጽእ ሶኑይ ምስ ስጳኛ ዝህልዋ ጸወታ …

Read More »

ሽወደናዊ ኩባንያ ስፖቲፋይ (spotify) ምስ ባራክ ኦባማን በዓልቲ ቤቱን ናይ ድምጺ ሓበሬታ ከጋውሕ ስምምዕ ይኽትም!!

 ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ባራክ ኦባማ ብሓሙስ ምስ ኩባንያ ስፖቲፋይ ተኸታታሊ ናይ ድምጺ ሓበሬታ ከጋውሕ ናይ ሽርክነት ስምምዕ ምኽታሙ ተገሊጹ። በዚ ዋንነቱ ናይ ኦባማን በዓልቲቤቱን ዝኾነ ትካል ዝተመርጹ ናይ ድምጺ ሓበሬታታት ከዳልዉን ብድምጺ ከመሓላልፉን ናብ መላእ ዓለም ከባጽሑን ምዃኖም ገሊጾም ኣለዉ። እዚ መግለጺ ዝመጽእ ዘሎ ኣብ መንጐ ሃየር ግሩንድ  (Hyer Ground) ከምኡ’ውን ኔት ፍለክስ (Netflix) ኣብ 2018 ድሕሪ ዝተገብረ ስምምዕ እዩ። …

Read More »

ሃገራዊት ጋንታ ሆላንድ ን ኢንግሊዝ 3 ብ 1 ብምስዓር ናብ ፍጻሜ ኤውረጳ ናሽናል ሊግ ሓሊፋ!!

ብ ቫንዳይች ዝተመርሔ ስጡም ምክልካል ምስ ዝተወሃሃደ መስመር ምጥቃዕቲ ዝወነነት ሃገራዊት ጋንታ ሆላንድ ን ብመንእሰያት እትቕለስ ዘላ ሃገራዉት ጋንታ ኢንግሊዝ 3 ብ 1 ብምስዓር ምስ ሃገራዊት ጋንታ ፖርትጋል ን ፍጻሜ ሰንበት ክትራኸብ እያ። ብመንገዲ አጹም ቅላዕ ካብ ማርኮስ ራሽፎርድ  ቅድሚ ዕረፍቲ  ዝሓዘት ሃገራዊት ጋንታ እንግሊዝ፡ ምክልኻላ ተኻላኸልታ ብተደጋጋሚ ብዝፈጸሞ ጌጋታት ሃገራዊ ጋንታ ሆላንድ ካብ ድሕሪት ተበጊሳ ካብቲ ውልዶን የዕንቲ ዓበይቲ …

Read More »

ክፍሊ ሜትሮሎጂ ንዕድሜ ዝደፉኡ ሰባት መጠንቀቕታ የመሓላልፍ!!

ክፍሊ ሜትሮሎጂ ንዕድሜ ንዝደፉ መጠንቀቕታ የማሓላልፍ!! ኤጀንሲ ሜትሮሎጂ ንብዙሕ መዓልታት ዝጸንሕ ማዕበል ሃሩር ምህላዉ ንዝሸምገሉ የጠንቅቕ። ካብ ሓሙስ ዝጀመረ ንሰልለስተ ተኸታተልቲ መዓልታት ዝጸንሕን ማዕበል ሃሩር ከም ዝህሉ ብምግላጽ ጽንዕ ዝበለ ሕማም ንዘለዎምን ብዕድሜ ዝደፉኡ ዘድሊ ጥንቃቐ ክገብሩ ኣተሓሳሲቡ። ኣብ ኤረብሮ ኣፕሳላን ስቶክሆልምን ሙቐት ካብ 26 ክሳብ 30 ክበጽሕ ከም ዝኽእል እውን ተነብዩ’ሎ።

Read More »

መባእታ ኣብያተ ትምህርቲ ሽወደን ኤልክትሮኒካዊ ናውቲ መምሃሪ ክጥቀማ ምኻነን ተሓቢሩ!!

መባእታ ኣብያተ ትምህርቲ ሽወደን ካብ ዝመጽእ ወርሒ ጀሚሮም ኤለክትሮኒካዊ ዲጂታል ናውቲ ክጥቀሙ እዮም ተባሂሉ። እዚ እቶም ቆልዑ ምስ ኣብያተ ትምህርቶም ዘለዎም ርክብ ንኽጸንዕ ዝግበር ኮይኑ ኣካል ናይቲ ብሃገር ደረጃ ዝሳለጥ ዘሎ መስርሕ ምድጅታል እዩ። ብዙሓት ቆልዑ ሽወደን ምስ ዝተፈላለየ ዓይነት ኤለክትሮኒካዊ ናውቲ ሌላ ኣለዎም ዝበለ እቲ ሚኒስትሪ ኢንተርነት መዓልታዊ ዝጥቀሙ ከም ዘለዉ’ውን ይሕብር። ብፍላይ 5 ዓመት ናይ ዝበዝሑ ቆልዑ ተጠቃምነት …

Read More »

ኣጥቅዓይ ፍራንክፈርት ሉካ ጆቪች ናብ ማድሪድ ኣምሪሑ!!

ሎሚ ዓመት ኣብ ሕማቕ ቆመና ኮይና ውድድራ ዝወደአት ስጳኛዊት ርያል ማድሪድ፡ ንሉካ ጆቪች ካብ ጀርመናዊት ኢንትራኸት ፍራንክፈረት ከም ዘፈረመቶ ተገሊጹ። ዋላ’ኳ ብወግዒ ኣይገለጽ ርያል ማድሪድ ነዚ ተጻዋታይ ብ62 ሚልዮን ፓውንድ ከም ዘፈረመቶ’ዩ ጋዜጣታታት ስጳኛ ዝሕብራ ዘለዋ። መጠን ገንዘብ መስርሕ ምስግጋር ናይዚ ኣጥቃዓይ ብኽልቲአን ጋንታታት ብምስጢር ክተሓዝ’የን ተሰማሚዐን ዘለዋ። ጆቪች ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ግጥም ዩሮፕያን ሊግ ኣብ ግጥም ፍርቂ ፍጻመ …

Read More »

ሃገራዊ በዓል ሽወደን ብ ኸቢድ ሙቀት ይበዓል ኣሎ!!

ሎሚ መዓልቲ 6 ሰነ ሃገርዊ በዓል ሽወደን ኣብ መላእ ዝሃገር ኣብ ከቢድ ሙቐት ኩነታት ኣየር ይበዓል ኣሎ። ናይ ሎሚ ዓመት ፈሉይ ዝገብሩ ኣበ ገለ ኸባቢታት ሽወደን ልዕሊ 30 ዓቀት ዝተመዝገበሉ ኮይኑ ተራእዩ። ኣብ ከባቢ ኦስተር ጎትላንድ ልዕሊ 30 ዓቐን ሙቀት ክምዝገብ ከሎ ብፍላይ 30.1 ድማ ኣብ ከተማ ሆርን ተመዝጊቡ ኣሎ። በንጻሩ ድማ ኣብ ከባቢ ሰሜናዊ ክፋል ሽወደን ከባኢ ዕስራታት ተመዝጊቡ …

Read More »

መንግስቲ ንሓተቲ ዕቚባ ዝወሃብ ሓገዝ ክጸንዕ ከም ዝደሊ ሚኒስተር ኢሚግሬሽን ኣፍሊጡ!!

ሚኒስተር ፍትሒን ኢሚግሬሽንን ሞርጋን ዮሃንስ መንግስቲ ንሓተቲ ዕቚባ ዝወሃብ ሕጊ ረድኤት ጹኑቕ ክኸውን ከም ዝደሊ ኣፍሊጡ’ሎ። እቲ ሚኒስተር ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ መንግስቲ ነቶም ኣብ “ከቢድ ምውሳንን ቊጠባዊን ማሕበራዊን ብድሆታት ዘለዎም ከባቢታት” ኣባይቲ ክወሃቦም ዝሓተቱ ሓተቲ ዕቚባ ዝህቦ ሓገዛት ከቋርጾ መደብ ከም ዘለዎ ገሊጹ’ሎ። እዚ መንግስታዊ ውሳነ ኣብ 73 ነጥብታት ዝሓዘ ስምምዕ  ዝተመርኮሰ ኮይኑ ኣብ መንጐ ሰልፊታትን መንግስቲ ስቲፈን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com