Friday , May 3 2024

ዜና

ፊንላንድ፡ ንጸረ-ዓሌትነት ዝድግፍ ምንቅስቓስ ክካየድ እዩ

ፊንላንድ ንጸረ ዓሌትነት ዘለዋ ደገፍ ንምርኣይ ትዳሎ’ላ ። እዚ ምድላው ምስቲ 21 መጋቢት 2024 ዝካየድ ኣህጉራዊ መዓልቲ ጸረ ዓሌትነት ሕቡራት ሃገራት ብሓደ ገጢሙ’ሎ። ኣብዚ ሰልፊ ካብ ኩሉ ጽፍሕታት ህይወት ዝመጹ ፊንላንዳውያን ናብ ጎደናታት ሄልሲንኪ ወጺኦም ንብዙሕነትን ማዕርነትን ዘለዎም ደገፍ፥ ብሓፈሻ ን ጸረዓሌትነት ከብዕሉ እዮም። ማሕበር ጸረ ዓሌትነት ኣፍሪቃ ፊንላንድ (AFARS) ሓዊሱ ብሕብረት ውድባት ጸረ ዓሌትነት ፊንላንድ ዝተዳለወን ብኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ፊንላንድን …

Read More »

ሽቕለት ኣልቦነት እናወሰኸ ይኸይድ

ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ኣገልግሎት ህዝባዊ ስራሕ ሽወደን “ኣርቤትስ ፎርሜድ ሊንገን” ዝተመዝገቡ ሰባት ብ 17,500 ብምውሳኽ ብድምር 359 000 ስራሕ ኣልቦ ሰባት ምህላዎም ተፈሊጡ። እዚ ድማ ኣብ ሽወደን ዘሎ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት 6.8% ምብጽሑ ዘመልክት እዩ ክብል ብኣርቤትስፎርሜድሊንገን ዝተገብረ ቅመራ ይሕብር። ተንታኒ ኣገልግሎት ስራሕ ኤሚል ፐርሾን ንኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ዓቢ ወሰኽ …

Read More »

ሓደጋ ምጽናት ዘንጸላለዎም እንስሳ ዘገዳም ንምድሓን ዝዓለመ ፕሮጀክት ምወላ ይረክብ

ኣብ ሽወደን ሓርገጽ ኣርክቲክን ዕንቅርቢትን ኣብ ሓደጋ ምጽናት ዝርከቡ ዝርከቡ ዓሌታት ምዃኖም ተለልዮም። እዚ ፕሮአክት ምክንኻን ኣብ ምጽናት ዝርከቡ ዓሌታት እናነከየ ዝኸይድ ዘሎ ቁጽሮም ንምቕልባስ ግልባጥ ክሕግዝ እዩ ዝብል ተስፋ ተነቢርሉ’ሎ። ማዕከን እንስሳ ዘገዳም ሽወደንን ሃገራት ኖርዲክን ነቲ ንኣርባዕተ ዓመት ዝጸንሕ ፕሮጀክቶም ንምስሳን ምወላ ረኺቦም ኣለዉ። “ነዞም ፍጥረታት እዚ ሓገዝ ክንገብር ዘኽእለና ዓቕሚ ምርካብና ናይ ኲልሳዕ ሕልምና ዘግህድ እዩ” ክትብል …

Read More »

ጥርጡር ግብረሽበራ ብፌይስቡክ ጅሃዳዊ ፕሮፖጋንዳ ከጋውሕ ምጽንሑ ተፈሊጡ

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ግብረሽበራዊ ገበናት ንምፍጻም ውዲት ፈጺሞም ተባሂሎም ተጠርጢሮም ካብ ዝተኣስሩ ክልተ ኣሕዋት ሓደ ብኢንተርነት ጅሃዳዊ ፕሮፖጋንዳ ክዝርግሕ ምጽንሑ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ኣጣሊላ። ክልቲኦም ኣሕዋት ሃይማኖቶም ናብ ዝቐየሩ ኮይኖም፡ ሓደ ካብቲ ሓው ኣብ ፌስቡክ ዝዘርግሖ ናይ መወዳእታ ስእልታት ፕሮፋይል ምስ ግብረሽበራዊ ጉጅለ ዳዕሽ ዝተኣሳሰር ሕሳብ ፕሮፖጋንዳ ዘርኢ እዩ። ብመሰረት ኣገልግሎት ስለያ ሳፖ፡ እቶም ኣሕዋት ዝጥርጠሩሉ ገበን ምስ …

Read More »

ናብ “ሓለዋ ውሽጢ ሃገር” ክጽንበሩ ዝደልዩ ሽወደንውያን ቊጽሮም ይውስኽ

ቊጽሮም እናበዝሐ ዝመጹ ሽወደናውያን ናብቲ ንሲቪላውያን ክፉት ዝኾነ ኣጋር ሰራዊት ሽወደን ማለት ሓለዋ ውሽጢ ሃገር ክጽንበሩ የመልክቱ ምህላዎም ተፈሊጡ። ኣብ መንጎ ዝሓለፋ ወርሓት ጥሪን ለካቲትን ጥራይ ቁጽሪ ኣመልከትቲ ናብ 3000 ክብ ኢሉ’ሎ። እዚ ኣሃዝ ካብ ናይ ዓሚ ተመሳሳሊ እዋን ብዕጽፊ ዝዛይድ እዩ። ሓላፊ ስታፍ “ሓለዋ ውሽጢ ሃገር” ፒተር ኦበሪ፡ እቲ ዝዓበየ ወሰኽ መመልከቲታት ድሕሪ’ቲ ኣብ ሳለን ዝተኻየደን ሽወደናውያን ንኲናት ክዳለዉን …

Read More »

እስራኤል ኣብ ቓዛ ዘካየደቶ ስርሒታት ተውሳኺ ተቓውሞ ኣስዒቡ።

ፕረዚደንት እስራኤል ኢሳቕ ሄርዞግ ኣብ መኽፈቲ ቤተ መዘክር ናዚ ኣብ ኣምስተርዳም ኣብ ዝኸደሉ፡ ነቲ እስራኤል ኣብ ጋዛ ዘካየደቶ ወተሃደራዊ ስርሒታት ዝዂንን ብርቱዕ ተቓውሞ ኣጋጢምዎ። ኣብ ጥቓ ሃገራዊ ቤተ መዘክር ናዚ ኣብ ዝርከብ ኣደባባይ ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ ተኹሲ ደው ክብል ዝጽውዑ ደለይቲ ፍትሒ፡ እንተላይ ኣይሁዳውያን ተረኺቦም ኔሮም። ክልቲአን ባንዴራታት ፍልስጤምን እስራኤልን ብሰልፈኛታት ተታሒዘን ተራእየን እየን። ገለ ሰልፈኛታት ኣብ መካይን ፖሊስ ምድያቦም፡ …

Read More »

ፍቱዋት ማርከስን ማርቲነስን ንሽወደን ወኪሎም ኣብ ውድድር “ዩሮቪዥን” ክሳተፉ እዮም

ኖርወጃውያን ማናቱ ማርከስን ማርቲነስን ዝሓለፈ ቀዳም ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ደርፊ ሽወደን ሜሎዲፌስቲቫለን ተዓዊቶም። ዘዐወተቶም ንጽል ደርፍ “ዘይርሳዕ” ዘርእስታ እያ። እዞም ኣብ መጀመርታ ዕድመ ኮተቴነት ኣትሒዞም ኮኾባት ዝኾኑ ማናቱ፡ ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣብ ማልሞ ክወዳደሩ ብሃንቀውታ ይጽበዩ ከምዘለዉ ገሊጾም ኣለዉ። ”ሽወደን ወኪልና ኣብ ዩሮቪዥን ክንሳተፍ ምዃና ዓብዪ ክብሪ እዩ” ክብሉ ድማ ገሊጾም ኣለዉ።

Read More »

“ውሳነ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢራን ሽወደን እሱራት ንንኽትለዋወጥ ጸቕጢ ክገብር እዩ” ሓደ ክኢላ

ጉዳይ ምልውዋጥ እሱራት፡ ነቲ ኣብ ሽወደን ብገበናት ምጥሓስ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝተፈርደ ኢራናዊ ሓሚድ ኑሪን፥ ከምኡ’ውን ኣብ ኢራን ዝተኣስሩ ክልተ ሽወደናውያንን ተወሳኺ ትኹረት ክወሃቦም ጌሩ’ሎ። ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሽወደን ጉዳይ ናይቲ ኣብ ኣህጉራዊ ሕጊ ክኢላ ዝኾነ ሓላዊ ቤት ማእሰርቲ ነበር ከም ዘየመሓላልፎ ድሕሪ ምግላጹ፡ ስዒድ ማሕሙዲ ሕጂ ኢራን ኣብ ልዕሊ ሽወደን ጸቕጢ ክትገብር እያ ኢሉ ከም ዝኣምን ገሊጹ’ሎ። ኣብዚ እዋን’ዚ ክልተ …

Read More »

ስነ-ስርዓት ምስቃል ባንዴራ ሽወደን ኣብ መደበር ኔቶ ተፈጺሙ

ምስ ጽንብል ምብዓል ባንዴራ ነቶ ማዕረ ማዕረ ሎሚ ኣብ ብራስለስ ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት ኔቶ ባንዴራ ሽወደን ኣብቲ መደበር ውድብ ተሰቒላ። ኣብ ሶሌፍተዮ ዝርከቡ ኣባላት መበል I21 ረጅመንት ኣጋር ሰራዊት፥ ሲቪላውያን ከምኡ’ውን ወተሃደራዊያን ወከልቲ ኣብቲ ስነ-ስርዓት ተሳቲፎም እዮም። ኣብ ብራስለስ ድማ ልኡኽ ሽወደን ናብ ኔቶ ኣብ ሰደቓ ውሳነ ሓድሽ መንበር ረኺቡ ከምዘሎ ኣምባሳደር ሽወደን ኣብ ኔቶ ኣክሰል ቨርኖፍ ገሊጹ’ሎ። …

Read More »

ምስክር ወረቐት ሕክምና ንምርዳእ AI ኣብ ኣገልግሎት ይውዕል ኣሎ

ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ንሰራሕተኛታት “ጉዳይ ኤጀንሲ ማሕበራዊ መድሕን ሽወደን” ጸገማት ‘ኒውሮሳይካትሪክ”  ዘለዎም መንእሰያት ዝምልከት ለበዋታት ንኽህቡ ኣገዳሲ ሓገዛት ይገብር ምህላዉ ተገሊጹ። እቲ ናይ AI መሳርሒ ንሰራሕተኛታት ሓደ ጠበቓ እንታይ ክገብር ከምዘይክእል ንኸለልዩ ይሕግዞም ኣሎ። ከም ኣብነት ኣብ ሕክምናዊ ምስክር ወረቐት ‘ደኺሙ’ ዝብል ቃል ብኸመይ ከም ዝርትጎም ሓገዝ ዝህብ ዘሎ ኣርቲፊሻል ኢንተሊጀንስ እዩ። “እዚ ኣብ መንጎ ኣርቲፊሻል ኢንተሌንስን ሰራሕተኛ ኤጀንሲናን ዝካየድ ናይ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com