Friday , May 3 2024

ኣማኑኤል ሳህለ

ሓንቲ ዓለም፡ተፈጥሮን ሰብኣዊ ጣልቃነትን

ኣማኑኤል ሳህለ ፍጥረት ምስ ንጥፈታቱን ምዕባለኡን ኣብ ጕዕዞኡ ዚኽተሎ ፍሉይ ዝኾነ ናቱ መገዲ ኣለዎ። ወድሰብ ድሒሩ እተፈጥረ ኣካል ብምዃኑ፡ ቅድሚ ሰብ ምፍጣሩ መንግስቲ ማዕድንን መንግስቲ ቡቕልን መንግስቲ እንስሳን ነዛ ዓለምና ብሒቶምዋ ነይሮም እዮም። እቲ ማዕድን በቲ ናቱ መገዲ ይምዕብል ነይሩ፡ ማለት ገለ ማዕድን ብብዝሒ መሬታዊ ጸቕጥን ረስንን ናብ ካልእ ማዕድን ይቕየር ነይሩ። ገለ ኣልከሚስት ከም ዚብሉዎ ድማ ነሓሲ ብተመሳሳሊ መገዲ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም፣ ሃገራውን ሃይማኖታውን መንነት

ብ ኣማኑኤል ሳህለ ሓደ ህጻን ውልድ ምስ በለ፡ መን እየ ኣነ ብምባል ንነብሱ ኣይሓታን ወይ ንኺሓትት ብምባል ኣይሓስብን እዩ። ዘረባ ዘይክእል ወይ ኪሓስብ ዘይክእል ኮይኑ ዘይኮነስ፡ ውኖኡ (consciousness) ገና ስለ ዘይማዕበለ እዩ። ግን ብባየሎጂካዊ መገዲ ኪውሰድ ከሎ፡ ሓደ ህጻን ፍሉይ ፍጡር እዩ፡ ንኣኡ ዚመስል ከኣ የሎን። ብኹሉንትናኡ እንኮ ፍጡር እዩ። ስለዝስ ፈትዩ ጸሊኡ ኣቐዲሙ መንነቱ ኣረጋጊጹ ማለት እዩ። ኣብ ዩኒቨርስ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም፣ውግእን ሰላምን

ኣማኑኤል ሳህለ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ጽሑፋተይ ደጋጊመ ዝጠቐስኩዎ፡ እዛ ዓለምና ናብቲ ዝሓይለን እተጣበበን እያ እተዳሉ። እዚ ደመነፍሳዊ (instinct) ሕጊ ድማ ኣብቲ ባህርያት ፍጡራት ኣትዩስ ንነዊሕ ዘበናት ኣብቲ ዘገምታዊ ምዕባሌኦም ሓጊዙዎም እዩ።  ኣታኽልትን እንስሳታትን ሰብን ከም ፍጡራት መጠን፡ ካብዚ ሕግዚ ከምልጡ ኣይክእሉን። ኣታኽልቲ ብኣእሻኾም፡ እንስሳታት ብኣቕርንቶምን ብኣጽፋሮምን ብኣስናኖምን፡ ብሕንዞምን፤ ሰብ ድማ በቲ ዝሰርሖ ናይ ኲናት መሳርያታት፤ ኩላቶም ነብሶም ኪዕቅቡን ኪከላኸሉን፡ ካብኡ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም፡ ድኻታትን ሃብታማትን

ኣማኑኤል ሳህለ ኣብ እንስሳታት ሃብታምን ድኻን የሎን ኪብሃል ይከኣል። ኩላቶም ሃዲኖም ይኹን ማእሪሮም ነተን ዝረኸቡወን በሊዖም እዮም ዚድቅሱ። ንጽባሕ ስለ ዘይሓስቡ፡ (ብዘይካ ገለ ውሑዳት ምግቢ ዝኽዝኑ ፍጡራት፡ ንኣብነት ከም ጻጸ፡ ንህቢ ወዘተ) ከምኡውን ንጽባሕ ኢሎም ስለ ዘየቐምጡ፡ ኣብ መንጎ እንስሳታት ናይ ሃብትን ድኽነትን ኩነታት ኪፍጠር ኣይከኣለን። ዝመናጠሉን ዝዝርፉን ኪህልዉ ይኽእሉ እዮም፡ ግን ነቲ ዘለዎም ኪውስኹሉ ኢሎም ዘይኮነስ፡ ስስዐ ባህርያቶም ስለ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም፣ጽቡቕ ምግባር/ሕማቕ ምግባር።

ኣማኑኤል ሳህለ ኣብ ጥልቕ ዝበለ ፍልስፍና እንተ ኣቲና፡ ኣብ ፍጥረት ሕማቕ ወይ ጽቡቕ ዚብሃል ነገር ከም ዘየልቦ ክንዕዘብ ንኽእል። ንሕማቕ ሕማቕ፡ ንጽቡቕ ጽቡቕ ዚገብሮም ንኽልቲኣቶም መምዘኒ ባይታ ምስ እንፈጥረሎም ደኣ እምበር፡ ንበይኖምስ ብዘይ እኹል ትርጉም ጠልጠል ኢሎም ኢዮም ዚተርፉ። ኣብ መዓልታዊ ዘረባና፡ ላዕሊ ወይ ታሕቲ ዚብሉ ቃላት ከነዘውትር ከሎና፡ ነቲ ናይ መሬት ግራቪቲ ከም መምዘኒ ወይ ከም መወከሲ ብምውሳድ እዩ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም፥ ካብ ሳንዱቕካ ምውጻእ።

ኣማኑኤል ሳህለ ሓድሓድ ግዜ ኣብ ኣእምሮኻ ንነዊሕ እዋን ምሳኻ ዚቕመጥ ዝነበረ ሓሳባትን ኣተሓሳስባን መርገጽን እምነትን ከም ኣባል ቤተሰብ ጌርካ ኣብቲ ናይ ኣእምሮኻ ውሻጠ ምቕማጥ ጥዑም እዩ። ሒዝካዮ ክትመውት እውን ኣይትጸልእን። ወላውን ሓድሓደ ግዜ ምስቲ ጭቡጥ ናይቲ ከባቢኻ ኩነታት ዘይቃዶ እንተ ኾነ፡ ውጻእ ክትብሎ ኣይትደፍርን። ልክዕ ንውላድካ ካብ ገዛ ውጻእ እትብሎ ከም ዘሎኻ ኾይኑ እዩ ዚስመዓካ። ንሱ እዩ ሰላም ዚህበካ፡ ንሱ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም “ሕማምን ሳየንስን”!!

ብ ኣማኑኤል ሳህለ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ፡ ኣእምሮኣውን ኣካላውን ሕማም ንወድሰብ ከሰንፎን ኣብ ህይወቱ ጸገማት ኪፈጥረሉን ጸኒሑ እዩ። ካብ ፍርህን ስግኣትን ጭንቀትን እተላዕለ ኣእምሮኣዊ ሕማም፣ ካብ ዘይግቡእ ኣበላልዓን ኣሰታትያን ከምኡውን ካብ እተፈላለዩ ባልዓትን ጀርምታትን ባክተሪያታትን እተበገሰ ሕማም፡ ካብ ብርቱዕ ቁርን ብርቱዕ ረስንን ዝነቐለ ሕማም፡ ብገለ ሓደጋ ብዚጓነፍ ምትንኻፍ ኣካላት ዚኽሰት ሕማም፡ ካብ ዘርኢ ወይ ውርሻ ዚሽመት ኣካላዊ ሕማም ወዘተ. ወድሰብ ብጥንቲ …

Read More »

መሰል ወዲ ሰብ።

ኣማኑኤል ሳህለ ንምዃኑ ወድሰብ፡ መሰል ዚብሃል ኣምር ካበይ ዘምጽኦ እዩ? ኣለዎ ድዩኸ? መን ዝሃቦ?ወድ ሰብ ብጥንቲ ኣብ በረኻታትን ጫካታትን ኪነብር ከሎን ነንሓድሕዱ ድማ ከም ኣራዊት ኪባላዕ ከሎን፡ እቲ ብሓይሉ ንኹሉ ዘሰነፈ ሰብ ወይ ጉጅለ እዩ መሰል ዚብሃል ኣምር ኪፈጥርን ኪግልገለሉን ዝኸኣለ። ናይ መን መሰል? ናይ ባዕሉ መሰል። እቲ ንነብሱ መሰል ዝሃባ ሰብ ወይ ጉጅለ፡ መለኮታዊ ሓይሊ ስለ ዘሎኒ ማንም ከይትክፈኒ …

Read More »

ጠንቅን ሳዕቤንን (cause and effect)

ኣማኑኤል ሳህለ ኣብ ፍጥረት፡ ኩሉ ነገራት እተተሓሓዘ፡ እተኣሳሰረ ወይ እተዛመደ እዩ። ንበይኑ ጠልጠል ኢሉ ዚነብር የሎን። ከምዚ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ፍጥረት እቲ ሓደ ነቲ ዘድልዮ ነገራት ካብቲ ሓደ እናተጸበየ (interdependence) ወይውን እናተጸላለወ (interaction) እዩ ዚነብር። ምስ ዝኾነ ይኹን ከይተኣሳሰረ ወይ ከይተዛመደ ንበይኑ ህላዌ ዘለዎ ሓይሊ ወይ ኩነት ግን ፍጹም (absolut) ይብሃል። ኣእምሮና ነቲ ምስ ህላወና ቀጥታዊ ምትእስሳር ዘይብሉ ፍጹም ኪርድኦ …

Read More »

ኮሮናቫይረስ ናይ ተፈጥሮ ግብረመልሲ

ሳድጉሩ እተባህለ ኣብ ዩትዩብ ዚነጥፍ ውሩይ ህንዳዊ ጉሩ ወይ ፈላስፋ፡ ንኮሮናቫይረስ ኣመልኪቱ፡ ”ንሱ እንታይ ዘይገበረ፡ ንሱ ዘይኮነ በዳልስ፡ ሰብ እዩ ምንባር ከሊኡዎ” ዝዓይነቱ መልሲ ሂቡ። በቲ መልሱ ብዙሓት ደስ ኣይበሎምን፡ ሳድጉሩ ግን ቀስ ኢሉ ከረድኦም ፈቲኑ።  ንኣብነት ኣንበጣ ንውሰድ። ኣንበጣ ብተፈጥሮኡ በይኑ ምግቡ ዚምእርር ሓሸራ እዩ። ግን ብገለ ሰብ ዘምጸኦ ይኹን ወይ ተፈጥሮ ዘምጽኦ ደርቂ፡ ነንሕድሕዱ ኪባላዕ ክሳዕ ዝደሊ ይጠሚ። …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com