Monday , May 13 2024

ኮረና ቫይረስ

April, 2021

  • 6 April

    ዴኒማርካውያን፡ ናብ እንዳ መስተኻኸሊ ጸጉሪ ክኸዱ ተፈቒዱ

    መንግስቲ ዴኒማርክ፡ ኣንቢርዎ ዝጸንሐ ጽኑዕ መምርሒታት ኮሮና ከምዘፍኮሰ ሓቢሩ። ካብ ሎሚ ሰሉስ ጀሚረን፡ ትካላት መስተኻኸሊ ጸጉሪ ርእሲ፡ እንዳ መሻጢት፡ እንዳ መነቀሺ ( tattoo parlors)፡ ትምህርቲ ምዝዋር መኪናን እንዳ ሶላሪዮምን ( ኣብ ሕክምና ጸሓይ ንመጽለዊ ዝጠቅም ብመስትያት ዝተሸፈነ ገዛ)  ነቶም ናይ ኮሮና ፓስፖርት፡ ናይ ጸረ ኣካል ሰርቲፍኬትን ናይ 72 ሰዓታት ዕድመ ዘለዎ ኣሉታዊ ውጽኢት መርመራ ኮሮና ንዘቐርቡ ሰባት፡ ክፉታት ምኻኖም ገሊጹ። ናይ ርሑቕ …

  • 6 April

    ሽወደን፡ ንኻልኦት ሃገራት ዝወሃብ ክታበት ከምዘይብላ ገሊጻ

    ሃገረ ሽወደን፡ ነተን ካብ ኤውሮፓዊ ሕብረት ወጻኢ ዘለዋ ሃገራት ዝወሃብ ተወሳኺ ክታበት ከምዘይብላ ብመንገዲ ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ሌና ሃለንግሪን፡ ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሚኒስተር ምዕባለን ሓገዝን፡ ፔር ኦልሶን ፍሪድህ፡ ምስ ዳገንስ ኢንዱስትሪ ኣብ ዘካየዶ ርክብ፡ ሽወደን፡ ዝያዳ ብልቃጥ ክታበት፡ ንካልኦት ሃገራት ክትህብ ተኽእሎታት ኣለዋ ክብል ምዝራቡ ይዝከር። ሃገረ ሽወደን፡ ንዜጋታታ ብምልኦም ከይከተበት ንኻልእ ሃገር ዝወሃብ ክታበት …

  • 5 April

    Harmony Media News 05/04/2021

  • 2 April

    Harmony Media News 02/04/2021

  • 2 April

    ዓዲ እንግሊዝ፡ ኩነታት ክታበት ኮቪድ-19

    ኣብ ዓዲ እንግሊዝ፡ ካብቶም 18.1 ሚልዮን ብልቃጥ ክታበት ኣስትራ ዘነካ ዝተኸትቡ ዜጋታት፡ ኣስታት 30 ዝኾኑ ሰባት፡ ደም ናይ ምርጋእ ተርእዮታት ከም ዘጋጠሞም ብሪጣንያዊ በዓል መዚ መድሃኒት (MHRA) ሓቢሩ ክብል፡ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እቶም ካብ ፍርያት ኩባንያ ፋይዘር ዝተኸትቡ ዜጋታት ግን ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ዓይነት ኣሉታዊ ጎድኒ ከምዘየርኣዩ MHRA ገሊጹ።  

  • 2 April

    የመን፡ ክታበት ኮቪድ-19 ረኺባ

    ሃገረ የመን፡ ንፈለማ ግዜ፡ ክታበት ኮቪድ-19 ብመንገዲ ግሎባል ኮቫክስ ምርካባ ተገሊጹ። ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣቢሉ፡ መንግስቲ የመን፡ ብሰንኪ ካልኣይ ማዕበል ኮቪድ-19 ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ኣዊጁ ምንባሩ ይዝከር። ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ፡ ኣብ ህንዲ ዝፈረየ 300 ሽሕ ብልቃጥ ፍርያት ኩባንያ ኣስትራ ዘነካ ዝኾነ ክታበት፡ ድሮ ናብ ከተማ ዓደን ምብጽሑ ጸብጻብ ቢቢሲ ሓቢሩ። ሃገረ የመን፡ ንብዙሓት ኣብ ሓደጋ ዘለዉ፥ ከምኡ ውን …

  • 2 April

    ምምሕዳራት ሽወደን፡ ቀዳምነታት ናይ ራብዓይ መድረኽ ክታበት ክውስና እየን

    ነቶም ኣብ ራብዓይ መድረኽ መስርሕ ክታበት ክወሃቦም ተዳልዮም ዘለዉ ካብ 18 ክሳብ 59 ዓመት ዕድመ ዘለዎም 4 ሚልዮን ዝኣኽሉ ዜጋታት ሽወደን፡ ንቐዳምነታት ብዝምልከት፡ ምምሕዳራት ሽወደን፡ ስልጣን ተዋሂብወን ከምዘሎ ሽወደናዊ ሬድዮ ኢኮት ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ምምሕዳራት ሽወደን፡ ንቀዳምነታት ክውስና ማለት፡ ኣብ ገለ ምምሕዳራት፡ ደቂ 20 ዓመት መንእሰያት ምስ ደቂ 59 ዓመት ሰብኡት ኣብ ሓደ እዋን ክታበት ክወሃቦም እንከሎ፡ …

  • 1 April

    ጀርመናዊ ሚኒስተር፡ ክታበት ኣስትራ ምውጋእ ኣብዩ

    ወዲ 71 ዓመት፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ጀርመን፡ ሆርስት ሲሆቨር፡ ፍርያት ኩባንያ ኣስትራ ዘነካ ዝኾነ ክታበትክ ክውጋእ ከምዘይደሊ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት፡ ድሕሪ ወዲ 40 ዓመት ዝኾነ ሚኒስተር ጥዕና ጀርመን፡ የንስ ስፓሃን፡ ንልዕሊ 60 ዓመት ዝዕድሚኦም መዛንኡ ሚኒስተራት፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ክታበት ኣስትራ ዘነካ፡ ዘሎ ጥርጣረታት ንምብርዓን፡ ክኽተቡ ጻውዒት ድሕሪ ምቕራቡ ዝተኸስተ ምዃኑ ጸብጻባት ይሕብሩ።ሲሆቨር፡ ኣብ ልዕሊ …

  • 1 April

    ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ መስርሕ ክታበት ብምድንጓዩ ይነቅፍ

    ኣብ መላእ ኤውሮፓ ዘለዉ ዜጋታት፡ ብቕልጡፍ ክኽተቡ ከምዘለዎም፡ ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ጸዊዑ።ኣብዚ እዋን ዝረአ ዘሎ መስርሕ ዝርጋሐ ክታበት፡ ብዘይ ቅቡል ኣገባብ ምድንጓያት የርኢ ምህላዉ ዝገለጸ እቲ ጸብጻብ፡ ፍርያምነት ብምውሳኽን ንስራሕ ዝዕንቅፉ ምምሕዳራዊ መሰናኽላት ብምውጋድን ኣብ ኢድና ዝበጸሐ ክታበት ኣብ ጥቕሚ ብምውዓል፡ መስርሕ ክታበት ክነቃላጥፍ ከምዝግባእ፡ ዳይረክተር ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ጨንፈር ኤውሮፓ፡ ሃንስ ክሉግ፡ ኣዘኻኺሩ።ኣብ ኤውሮፓ፡መጠን መልከፍቲ ኮሮና፡ ብዝለዓለ ናህሪ ምውሳኹ …

March, 2021

  • 31 March

    Harmony Media News 31/03/2021

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com