Sunday , May 19 2024

ዜና

ሚኒስተር ፋይናንስ ሽወደን፡ ኣብ ባጀት ሓድሽ ናይ 40 ቢልዮን ክሮና ወጻኢ ክግበር እዩ።

መንግስቲ ዝቕጽል ወርሒ ኣብ ዝምደብ በጀት 40 ቢልዮን ክሮና ንዝግመት ሓድሽ ወጻኢታት ቦታ ክኸፍት ምዃኑ ገሊጹ። ኣባል ሰልፊ ማእከላይ ከምኡ’ውን ሚኒስተር ፋይናንስ ኤልሳቤጥ ስቫንሰን ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ 40 ቢልዮን ክሮና ህሉው ናህሪ ዋጋታት ንምውሳኽ ንብዙሓት ትካላት ንግዲን ስድራቤታትን ንምጥቃም ዝዓለመ ምዃኑ ሓቢራ’ላ። መንግስቲ ምስ ምንቊልቋል ቁጠባን ኣብዚ ዓመትን ዝቕጽልን ሽቕለት ኣልቦነት ክውስኽ ምዃኑ እኳ እንተኣመነ፡ ኣብ …

Read More »

ኣብ ሱንድቫል ኮኬይን ዝገዝኡ ኣማኢት ሰባት ተቓሊዖም።

ኣብ ሱንድስቫል፡ ቬስተርኖርላንድ፡ ኮኬይን ገዚኦም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ኣማኢት ሰባት ዝሓዘ ዝርዝር ኣስማት፡ ኣብታ ከተማ ዓብዪ ስንባደ ፈጢሩ። እቲ ሓበሬታ ምስቲ ኣብ ሱንድስቫል ንንግዲ ዕጸፋርስ ኣመልኪቱ ዝካየድ ዘሎ መስርሕ ፍርዲ ተተሓሒዙ እዩ ንህዝቢ ቃልዕ ኮይኑ ዘሎ። 'እቲ ጒዳይ ሕጂ ኣርእስተ ዕላል ከተማ ኮይኑ’ሎ… ኩሉ ሰብ ኣብቲ ዝርዝር ካብ ዘለዉ ሰባት ንሓዲኦም ይፈልጥ እዩ” ክትብል ሬድዮ ሽወደን ቻነል P4 “ቫስተርኖርላንድ” ሓቢራ’ላ።   …

Read More »

ፊነየር ኣብ 2022 475 ሚልዮን ዩሮ ከሲቡ።

መንገዲ ኣየር ፊንላንድ–ፊነየር–ኣብ 2022 ንመገሻ ኣየር ካብ ዝተገብረ ሕድገት ግብሪ ኣስታት 475 ሚልዮን ዩሮ መኽሰብ ምርካቡ፥ ኣብ ብራስለስ ዝመደበሩ ትካል ትራንስፖርት ኤንድ ኢንቫይሮመንት ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣቃሊዑ። ትራንስፖርት ኤንድ ኢንቫይሮመንት ኣብ ኤውሮጳ ዘላቒ መጓዓዝያ ዘተባብዕን ንመኽሰብ ዘይዓዪን ትካል እዩ። ቲ ኤንድ ኢ ዝሓላፈ ሓምለ፡ መንገዲ ኣየራት ዝኸፍልዎ ግብሪ፥ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዘሎ ሕድገት ግብሪ እንተዘይህሉ ክኸፍልዎ ዝግበኦም መጠን ዘነጻጽር መጽናዕቲ ኣሕቲሙ’ሎ። …

Read More »

ሓረስቶት ሽወደን ውጥናት ጸረ-ባልዕ ሕብረት ኤውሮጳ የሻቕሎም።

ኣብ ሕብረት ኤውሮጳ ክሳብ 2030 ምጥቃም ጸረ-ባልዕ ብፍርቂ ክንኪ ክብል ብ ኮሚሽን ኤውሮጳ ዝቐረበ እማመ፥ ኣብ ሓረስቶት ሽወደን ስክፍታ ፈጢሩ። ዮሃን ሊንድግረን ሓደ ካብቶም በቲ ውጥን ዝተጨነቑ ሓረስቶት እዩ። "በዚ ሎሚ ብዘይ ጸረባልዕ ኣብዚ ቀውዒ ኣዝመራ ክንሓፍስ ክንሽገር ኢና። እዚ ምጒዳል ጸረባልዕ ዝበሃል ዘሎ ጒዳይ ከቢድ'ዩ፡ ኣዝመራና ካብ 20 ክሳብ 30% ክጐድል ዝገብርዩ ክብል ኣብ ቫለንቱና ካብ ዝርከብ ሕርሻኡ ን …

Read More »

ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝርከቡ ገለ ከፈልቲ ግብሪ መርበብ ሓበሬታ ኤጀንሲ ግብሪ ንምርካብ ይጽገሙ ኣለዉ።

ትካል ከፈልቲ ግብሪ፥ ኣብ ቀረባ እዋን ድሕሪ ዘጋጠሞ ዓብዪ መጥቃዕቲ ጒሒላታት ሳይበር (ሃከራት)፥ ንልዕሊ ሰለስተ ኣዋርሕ ክቃለስ ከም ዘሕለፈን፥ እቲ ጒሕለት ዘምጽኦ ሳዕቤናት ንምውጋድ ገና ይሰርሕ ምህላዉን ተፈሊጡ። ካብ ሽወደን ወጻኢ ዝርከባ ሓያሎ ኣድራሻታት IP፡ ብሰንኪ ኣጠራጣሪ ንጥፈት ሕጂ’ውን ዕጹዋት ምህላወን ፣ በዚ ማለት ከፈልቲ ግብሪ ናብቲ መርበብ ሓበሬታ ክኣትዉ ይኽእሉ ከም ዘየለዉ ተሓቢሩ። በዚ ኲነታት ተጸሊኹም እንተሃሊኹም ፥ ብዝተፈለየ …

Read More »

News Magazine ዜና መጽሄት -25-08-2023

Read More »

ብሰንኪ ምድንጓይ በረራታት ዝፍጠር ናይ ካሕሳ ክርክር ይዛይድ።

ምስ ምድንጓይ በረራታት ዝተኣሳሰር ኣብ መንጎ መንገዲ ኣየራትን ተጠቀምትን ዝኽሰት ክርክራት ካሕሳ ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ሽወደን እናወሰኸ ይመጽእ ከም ዘሎ፥ ኣብዚ ሕጂ እዋን ከኣ ናብ ደረጃ ቅድሚ ለበዳ ይቐርብ ከምዘሎን፥ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ። ኣብዚ ዓመት፡ ንጒዳይ መዕርፎ ነፈርቲ ስቶክሆልም ኣርላንዳ ዝከታተል ቤት ፍርዲ ኣውራጃ ኣቱንዳ፡ ን ካሕሳ ዝተደናጐየ በረራታት ዝምልከት ኣስታት 1400 ጉዳያት በጺሕዎ’ሎ። እዚ ኣሃዝ ካብ ተመሳሳሊ …

Read More »

መጠንቀቕታ ብርቱዕ ዝናብ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ሽወደን

ኣገልግሎት ኩነታት ኣየር ሽወደን–SMHI–ኣብ ሰፊሕ ክፋላት ማእከላይ ምብራቕ ሽወደን ብርቱዕ ዝናብ ክዘንብ ምዃኑ ብምሕባር ብጫ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ’ሎ። ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ንከተማታት ሁዲክስቫል፡ ፋሉንን ኖርታልየን ሓዊስካ ነጎዳ ዘሰንዮ ብርቱዕ ዝናብ፥ ኣብ ሰፊሕ ከባቢታት ሽወደን ክጅምር ትጽቢት ተጌሩ’ሎ። እቲ መጠንቀቕታ ሎሚ ድሕሪ ቀትሪ ኣሒዙ ክሳብ ምሸት ኣብ ቦትኡ ክህሉ እዩ።  

Read More »

መርዛም ዓሌት ቃንጥሻ ዝበልዑ ሽዱሽተ ሰባት ኣብ ሆስፒታል ይእለዩ ኣለዉ።

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ስቶክሆልም ሓደ ሰብኣይን ሓሙሽተ ቆልዑን መርዛም ዓሌት ቃንጥሻ ብምብልዖም፥ ኣብ ሆስፒታል ተዓቚቦም ምህላዎም ተገሊጹ። እዞም ግዳያት፥ እቲ መርዛም ዓይነት ቃንጥሻ ከምቶም ካልኦት ዝብልዑ ዓይነት ስለ ዘመሰሎም ናብዚ ሓደጋ ወዲቖም ክኾኑ ከምዝኽእሉ፥ ማእከል “ሓበሬታ መርዚታት ሽወደን” ሓቢሩ። ኣብቲ ማእከል ክኢላ ፋንጋስ ፒተር ሁልተን፡ ኣብዚ ወቕቲ ቃንጥሻ ብምኽንያት ሰባት ዝገብርዎ ተመሳሰልቲ ጌጋታት ብርክት ዝበለ ህጹጽ ጻውዒታት ይበጽሖም ምህላዉ ገሊጹ። …

Read More »

ምድኻም ባጤራ ክሮና ንኢንዱስትሪ ኣግራብ ሽወደን የደንፍዖ።

ምድኻም ባጤራ ክሮና ዋጋ መግቢ ንኽውስኽ ኣበርክቶ ክገብር እንከሎ፡ ነቲ 80 ሚእታዊት ዕንጸይቲ ናብ ወጻኢ ዝልእኽ ዓቢ ኢንዱስትሪ ኣግራብ ሽወደን ግና ብኣንጻሩ ከም ዝድንፍዕ ጌርዎ’ሎ። ሃንስ ኣንደርሰን ዝተባህለ ኣብ ኤክስዮ ኣብ ዮንሾፒን ዝርከብ ወናኒ ኣግራብ፡ ኣብ ዮንሾፒንግ ንዝርከብ ቻነል ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ዕንጸይቲ ጽቡቕ ዋጋ የውጽእ ከምዘሎ ይገልጽ። ሓላፊ ዕድጊ ሰንሰለታዊ ድኳናት ህንጻ ፒተር ስዮስትሮም፡ “ምድኻም ባጤራ ክሮና …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com