Friday , May 17 2024

ዜና

G20፡ ድኻታት ሃገራት ንምሕጋዝ ዝርርብ ጀሚረን

ሎሚ ረቡዕ፡ ሚኒስተራት ፋይናንስ ኣማሓዳሪ ማእከላይ ባንክን ብመንገዲ ናይ ቪድዮ ኣብ ዘካይድዎ ኣኼባ፡ ድኻታት ሃገራት ዓለማና ንምሕጋዝ፡ እቲ ቀንዲ ኣጀንዳ ናይ G20 ምዃኑ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ዓለምለኻዊ ማዕከን ገንዘብ (IMF)፡ ትማሊ ሰሉስ፡ ንድሕሪ ለበዳ ኮሮና ዘሎ እዋን፡ ቁጠባዊ ምዕባለታት ኣመልኪቱ፡ ገምጋማቱ ከምዘቕረበ ይፍለጥ። ቁጠባዊ ዕብየት፡ ብደረጃ ዓለም ክሳብ 6% ክበጽሕ ከምዝኽእል እኳ እንተገምገመ፡ ኣብ ኩለን ሃገራት ክኸውን …

Read More »

ኢራን፡ 55 ኪሎ ግራም ዝማዕበለ ዩራንዩም ኣፍርያ

ካብ ወርሒ ጥሪ 2021 ክሳብ እዚ እዋን’ዚ፡ ኢራን፡ 55 ኪሎ ግራም ዩራንዩም ከምዘፍረየትን፡ እዚ ዝፈረየ ዩራንዩም ክሳብ 20% ዝማዕበለ ምዃኑ ሰብ መዚ ኢራን ሓቢሮም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እዚ ብሰብ መዚ ኢራን ዝወጸ መግለጺ፡ ድሕሪ’ቲ ምስ ኤውሮፓዊ ሕብረት ዝተኻየደ ዘተ ውዕል ኑክላር 2015፡ ምዃኑ ጸብጻባት ይሕብሩ። ከም ዝፍለጥ፡ ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ኢራንን ዝግበር ዘሎ ዘተ፡ ብመንጎኝነት ኤውሮፓዊ ሕብረት ይካየድ …

Read More »

ድሕሪ መመረቕታ፡ ስራሕ ንምርካብ፡ ከቢድ ኮይኑ

መጠን ናይቶም ኣብ ዓመተ 2020 ካብ ትምህርቲ ተመሪቖም ስራሕ ክረኽቡ ዝኸኣሉ ሰባት፡ ምስቲ ኣብ ዓመተ 2019 ዝነበረ ቁጽሪ ክነጻጸር እንከሎ፡ ብጣዕሚ ከምዝጎደለ ጸብጻባት ቤት ጽሕፈት ስታትስቲክስ ሽወደን ሓቢሮም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብ ዓመተ 2020፡ ካብቶም ላዕለዋይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቶም ዝወድኡ ተማሃሮ፡ 59% ጥራይ፡ ስራሕ ክረኽቡ ክኢሎም። ኣብ ዓመተ 2019፡ እቲ መጠን፡ 69% ምንባሩ ይዝከር። እቲ ኣብ መንጎ እቶም …

Read More »

ኣሜሪካውያን መንእሰያት፡ ኣብ ዝቕጽል ክልተ ሳምንታት፡ ክታበት ኮቪድ-19 ክኽተቡ እዩም

ኣብ ዕለት 1 ግንቦት 2021፡ ኩሎም ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣሜሪካውያን መንእሰያት፡ ክታበት ኮቪድ-19 ንኽኽተቡ፡ ብመንግስቲ ኣሜሪካ መደብ ተታሒዙ ከምዝነበረ ይዝከር። ይኹን እምበር፡ እቲ ዝተታሕዘ መደብ፡ ክልተ ሳምንታት ብምቕዳም፡ ኣብ ዕለት 19 ሚያዝያ 2021፡ ክዛዘም ከምዝኽእል፡ ፕረዚደንት ኣሜሪካ፡ ጆ ባይደን፡ ካብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ሓቢሩ። እቶም ቀዳምነታት ተዋሂብዎም ዝነበረ ከም ሽማግለታት፡ ሕሙማትን ሰራሕተኛታት ጥዕናን ዝኣመሰሉ ክፋላት ሕብረተሰብና፡ ክታበት …

Read More »

ዴኒማርካውያን፡ ናብ እንዳ መስተኻኸሊ ጸጉሪ ክኸዱ ተፈቒዱ

መንግስቲ ዴኒማርክ፡ ኣንቢርዎ ዝጸንሐ ጽኑዕ መምርሒታት ኮሮና ከምዘፍኮሰ ሓቢሩ። ካብ ሎሚ ሰሉስ ጀሚረን፡ ትካላት መስተኻኸሊ ጸጉሪ ርእሲ፡ እንዳ መሻጢት፡ እንዳ መነቀሺ ( tattoo parlors)፡ ትምህርቲ ምዝዋር መኪናን እንዳ ሶላሪዮምን ( ኣብ ሕክምና ጸሓይ ንመጽለዊ ዝጠቅም ብመስትያት ዝተሸፈነ ገዛ)  ነቶም ናይ ኮሮና ፓስፖርት፡ ናይ ጸረ ኣካል ሰርቲፍኬትን ናይ 72 ሰዓታት ዕድመ ዘለዎ ኣሉታዊ ውጽኢት መርመራ ኮሮና ንዘቐርቡ ሰባት፡ ክፉታት ምኻኖም ገሊጹ። ናይ ርሑቕ …

Read More »

ሓድሽ ወፍሪ ድጎማ፡ ንንግዳውያን ትካላት ከተማ ማልመ

ምምሕዳር ከተማ ማልመ፡ ኣብ ጽላት ቱሪዝም ንዝነጥፋ ንግዳውያን ትካላት ዝውዕል፡ ሓድሽ ወፍሪ ድጎማ ከም ዝመደበ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እዚ ሓድሽ ወፍሪ ድጎማ፡ ንሓሙሽተ ዓመታት ዝጸንሕ ኮይኑ ክሳብ 23 ሚልዮን ክሮነ ዝግምገም እዩ። ኣብ ልዕሊ’ዘን ኣብ ጽላት ቱርዚም ዝነጥፋ ንግዳውያን ትካላት ዝግበር ዘሎ ሓድሽ ወፍሪ ድጎማ፡ እዘን ትካላት፡ ኣብ ዝስዕብ ዓመታት ቀጻልነተን ንምውሓስ ተባሂሉ ዝተታሕዘ መደብ እዩ ክትብል …

Read More »

ናይጀርያ: ልዕሊ 1800 እሱራት ኣምሊጦም ተባሂሉ

ኣብ ናይጀርያ፡ ሓደ ጉጅለ ዕጡቓት፡ ንሓደ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምጥቅዖም 1800 ዝኾኑ እሱራት ምምላጦም ሰብመዚ እታ ሃገር ሓቢሮም። እዞም ዕጡቓት: ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ናይጀርያ እትርከብ: ኦወሪ እተባህለት ከተማ: እዮም ነዚ ስርሒት ዝፈጸሙ። ንሳቶም ተፈንጃሪ ሒዞም ናብ ቀጽሪ እቲ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምእታው፡ ነቲ ምምሕዳር ኣዕንዮም ነቶም እሱራት ከም ዝብተኑ ገይሮም። ካብቶም ኣብኡ ተኣሲሮም ዝነበሩሞ ዘምለጡ፡ ዛጊት 6 ክምለሱ እንከለዉ፡ 36 …

Read More »

ዘ ዊክንድ ንግዳያት ቅልውላው ትግራይ ንምርዳእ 1 ሚልዮን ዶላር ኣወፍዩ

ደራፋይ R&B ዘዊክንድ ንግዳያት ቅልውላው ትግራይ ንምሕጋዝ ሓደ ሚልዮን ዶላር ክልግስ መብጽዓ ምእታዉ ቢቢሲ ሓቢራ። ሓቀኛ ስሙ፡ ኣቤል ተስፋይ፡ ዝተባህለ ካናዳዊ ደራፋይ፡ መበቈሉ ኢትዮጵያዊ ኮይኑ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ህዝበይ፡ ካብ ቆልዑ ክሳብ ሽማግለ፡ ብዘይምኽንያት ይቕተሉ ምህላዎም ኣዝዩ እዩ ዘሕዝነኒ ክብል ከምተዛረበ ይፍለጥ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ኣብይ ኣሕመድ፡ ኣብ ልዕሊ ክልል ትግራይ፡ ኲናት ካብ ዝጅምር ንደሓር፡ ብርክት ዝበለ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን …

Read More »

ሽወደን፡ ንኻልኦት ሃገራት ዝወሃብ ክታበት ከምዘይብላ ገሊጻ

ሃገረ ሽወደን፡ ነተን ካብ ኤውሮፓዊ ሕብረት ወጻኢ ዘለዋ ሃገራት ዝወሃብ ተወሳኺ ክታበት ከምዘይብላ ብመንገዲ ሚኒስተር ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ሌና ሃለንግሪን፡ ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሚኒስተር ምዕባለን ሓገዝን፡ ፔር ኦልሶን ፍሪድህ፡ ምስ ዳገንስ ኢንዱስትሪ ኣብ ዘካየዶ ርክብ፡ ሽወደን፡ ዝያዳ ብልቃጥ ክታበት፡ ንካልኦት ሃገራት ክትህብ ተኽእሎታት ኣለዋ ክብል ምዝራቡ ይዝከር። ሃገረ ሽወደን፡ ንዜጋታታ ብምልኦም ከይከተበት ንኻልእ ሃገር ዝወሃብ ክታበት …

Read More »

Harmony Media News 05/04/2021

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com