Friday , May 17 2024

ዜና

ሓደጋ ባርዕ ኣብ ሓውሲ ከተማ ሙርየርቭ

ኣብ ጥቓ ምምሕዳር ከተማ ካሊክስ (kalix) እተርከብ ሓውሲ ከተማ ሙርየርቭ (Morjärv)፡ ኣብ ሓደ ጋራጅ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ፡ 200 ብመካይን ዝሰሓቡ ተንቀሳቓሲ ኣባይት ከምዝተቓጸለ ጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ፖሊስ ናይቲ ከባቢ፡ ኣብ ከባቢ ሰዓት 5፡00 ወጋሕታ፡ ሓበሬታ ከምዝበጸሖን ኣብቲ ቦታ ፍጻሜ ምስ በጽሐ ድማ፡ ነበርቲ እቲ ከባቢ ካብ ኣባይቶም ንኸይወጹን ማዕጾታትን መሳኹትን ክዓጽዉ ክብል ድሕሪ ሓደ ሰዓት፡ …

Read More »

ኩባንያ ፋይዘር፡ ንመጠን ፍርያቱ ወሲኹ

ኩባንያ ፋይዘርን ቢዮንቴክን፡ ንናይ ዓመተ 2021 መጠን ፍርያቱ፡ ናብ 2.5 ቢልዮን ብልቃጥ ክታበት ክብ ከምዘበሎ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣቐድም ኣቢሉ፡ ኩባንያ ፋይዘር፡ ኣብዚ ዓመት’ዚ ካብ 2.3 ክሳብ 2.4 ቢልዮን ብልቃጥ ክታበት ከፍሪ መደብ ከምዝነበሮ ምሕባሩ ይዝከር። ኩባንያ ፋይዘር፡ ምስ ፍርያት ክታበት ብዝተሓሓዝ፡ ንመጀምርያ ግዜ፡ ፋይናንሳዊ ኣታዊታቱ ከምዝሓበረን፡ ክሳብ ሕጂ፡ ኣስታት 10 ቢልዮን ዩሮ ኣታዊ ረኺቡ ከምዘሎ ገሊጹ። …

Read More »

ፕረዚደንት ናይጀርያ፡ ኩነታት ጥዕናኡ ኽምርመር ናብ ብሪጣንያ ከይዱ

ፕረዚደንት ናይጀርያ፡ መሓመድ ቡሃሪ፡ ሎሚ ሰሉስ፡ ኩነታት ልሙድ ጥዕናዊ መርመራኡ ንምፍጻም ናብ ለንደን ከም ዘምርሐ፡ ቤት ጽሕፈቱ ኣፍሊጡ። ንሱ ኣብ ካልአይቲ ሰሙን ናይ ወርሒ ሚያዝያ ከም ዝምለስ፡ ኣፈኛ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት፡ ፈሚ ኣደሲና፡ ገሊጹ’ሎ። ንኩነታት ጥዕናኡ ከመይ ምህላዉ እቲ መግለጺ ኣይሓበረን። እቲ ፕረዚደንት፡ ኣንጊሁ ምስ ሓለፍቲ ጸጥታ ድሕሪ ምዝታይ ናብ ጒዕዞኡ ክሳፈር እዩ ክብል ኣደሲና ኣመልኪቱ’ሎ። ቡሃሪ፡ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመታት፡ …

Read More »

ምምሕዳር ዳላርና፡ ሓገዝ ናይ ምሕታት መድረኽ በጺሓ

ኣብ ምምሕዳር ዳላርና፡ መጠን ምስፍሕፋሕ ለበዳ ብምውሳኹ፡ ኣብቲ ቦታ ዝርከባ መደበራት ጥዕና፡ ጸቕጢ ይበዝሐን ብምህላዉ እቲ ኩነታት ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝበኣሰ ይሰጋገር ስለዘሎ፡ ናይ እዋን ሓደጋ ስምምዕ ብምጅማር፡ ሓገዝ ናይ ምሕታት መድረኽ ምብጽሑ ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ቁጽሪ ናይቶም ናብ ኣገልግሎት ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል፡ ዝመጹ ሕሙማት፡ እናወሰኸ ብምምጽኡ፡ ተወሰኽቲ ዓራውትን ኣለይትን ክቖጽር ምዃኑ ዳይሬክተር ኣገልግሎት ጥዕና’ቲ ምምሕዳር፡ ካሪን …

Read More »

ኣህጒራዊ ቤትፍርዲ ገበነኛታት (ICC)፡ ኣብ ጒዳይ “ተርሚኔተር” ውሳነ ክህብ እዩ።

መራሒ ዕጡቕ ተቓዋሚ ጉጅለ ዲ/ሪ/ኮንጎ ነበር፡ ቦስኮ ንታጋንዳ፡ ብገበን ኲናት ተፈሪዱ ድሕሪ ዘቕረቦ ናይ ይግባይ ጥርዓን፡ ሎሚ ሰሉስ፡ ውሳነ ክወሃቦ ምዃኑ ተፈሊጡ። እዚ ብ “ተርሚኔተር” ዝብል ሳጓ ዝፍለጥ ኣዛዚ፡ ብቅትለት 18 ሰባት፥ ጾታዊ ምድፋርን ቆልዑ ወተሃደራት ብምኽታብን ተኸሲሱ ኣብ 2019 ናይ 30 ዓመት ፍርዲ ከም እተበየነሉ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ጾታዊ ባርነት ብምጥቃም እተኸሰ ናይ መጀምርያ ሰብ ምዃኑ እውን ተገሊጹ’ሎ። ንሱ ኣብታ …

Read More »

ሃገረ ጀርመን፡ ኣብ ዶባት ዝካይድ ምቁጽጻር ተትርር

ናብ ሃገረ ጀርመን ዝኣትዉ በጻሕቲ፡ ኣሉታዊ ውጽኢት ኮቪድ-19፡ ዝሓዙ ምዃኖም ንምርግጋጽ ተባሂሉ፡ እታ ሃገር፡ ንኣብ ዶባታ ዝካየዱ ምክትታላት ከም ዘትረረት፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉድያት፡ ሆርስት ሲሆቨር (Horst Seehofer) ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣብ ዓምድታቱ ኣስፊሩ። ካብ ፖላንድ፡ ፈረንሳይ፡ ዴኒማርክ ይኹን ካብ ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራት ዝመጹ በጻሕቲ ብዘይ ኣፋላላይ፡ ኣብ ዶባት ዝካይድ ምቁጽጻር ዝምልከቶም ምዃኑ ፡ ሲሆቨር፡ ብምውሳኽ ገሊጹ። እቲ ኣብ …

Read More »

ናብ ሃገረ ጣልያን ዝኣትዉ ገያሾ፡ ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ውሸባ ክገብሩ ተሓቢሩ

ናብ ሃገረ ጣልያን ዝኣትዉ ገያሾ፡ ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ውሸባ ክገብሩ መምርሒ ኣመሓላሊፉ ከምዘሎ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር፡ ሓቢሩ። እዚ መምርሒ፡ ንዜጋታት ዓዲ ጣልያን ውን ዝምልከት ምዃኑ እቲ ሚኒስትሪ ምሕባሩ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እዚ ሓድሽ መምርሒ፡ ካብ ሎሚ ሰሉስ ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸውን ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። ክሳብ ክንደይ ግዜ ክጸንሕ ምዃኑ ግን ኣይተፈልጠን ክብል ሚኒስተር ጥዕና ጣልያን፡ ሮቤርቶ ስፔራንዛ፡ ገሊጹ። ካብ …

Read More »

Harmony Media News 29/03/2021

Read More »

ኩባንያ ኣስትራ ዘነካ፡ ንፍርያቱ ዝኾነ ክታበት፡ ሓድሽ መለለይ ስም ገይርሉ

ፍርያት ኩባንያ ኣስትራ ዘነካ ዝኾነ ክታበት፡ ብቫክዘቭርያ ዝብል መለለይ ስም ከምተዋህቦ፡ እቲ ኩባንያ ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ፍርያት ኩባንያ ኣስትራ ዘነካ ዝኾነ ክታበት፡ ሓድሽ መለለይ ስም ምርካቡ፡ ካብቲ ብስም ክታበት ኣስትራ ዘነካ ዝፍለጥ ዝነበረ ዝኾነ ዓይነት ለውጢ ከምዘይብሉ በዓል መዚ ውጽኢት መድሃኒት ሽወደን ሓቢሩ።

Read More »

ማናቱ ጉጅለ ጀድዎርድ፡ ጸጉሪ ርእሶም ንወፈያ ካንሰር ይላጽዩ

ኣየርላንዳውያን ማናቱ ደረፍቲ ጀድዎርድ፡ ንዝኽሪ መዋቲት ወላዲቶም ኣብ ዝተኻየደ ምርኢት፡ ጸጒሮም ንሓገዝ ምክልኻል ሕማም ካንሰር ክውዕል ላጽዮም ኣረኪቦም ኣለዉ። ማናቱ ጆንን ኤድዋርድን ዘካየድዎ ምርኢት ብቐጥታ ብ ተሌቪዥን ኣየርላንድ ከም እተመሓላለፈ እውን ተፈሊጡ። ጸጒርና በዚ ቊንጮ ቅዲ ካብ እንሰርሖ ዓሰርተ ዓመት ጌርና ኣሎና። ዳርጋ ሕላገትና እዩ ኮይኑ” ክብል ኤድዋርድ ምስ ሌት ሌት ሾው ኣብ ዝገበሮ ርክብ ገሊጹ’ሎ። ሓዉ ቅድሚኡ ክላጸ ዝረኣየ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com