Friday , May 17 2024

ዜና

ሊቨርፑልን ቶተንሃምን ይዕወታ!

ቀዳማይ እግሪ ጸወታ ቻምፒዮን ኤውረጳ ትማሊ ምሸት ቀጺሉ ኣብ ዘምሰየሉ ሊቨርፑል ኣብ ልዕሊ ፓርትጋላዊት ፖርቶ 2ብ0 ከምእውን ቶተንሃም ንጛል ሃገራ ማንቸስተር ሲቲ 1ብ 0 ብምስዓር መንገደን የጣጥሓ። ሊቨርፑል ንጸወታ ዓብሊላ ገፊሕ ዓወት ክተመዝበሉ እትክእል ዝነበረት ግጥም ሊቨርፑል ብዙሕ ዕድላት ከተብክን እያ ተራእያ።ሊቨርፑል ነዚ ናይ ሎሚ ዓወት ቅድሚ ዕረፍቲ ናይሮ ኬታን፣ፈርሚኖን ብዘመዝገብወን ሹቶታት እያ 2ብ0 ተዓዊታ። ቅድሚ ዕረፍቲ ንዝረከበታ ፍጽም ቅላዕ …

Read More »

ፖሊስ ሽወደን ወዲ 20 ዓመት መንእሰይ ብጥይት የቚስሉ።

ፖሊስ ሽወደን ክሃድም ንዝፈተነ ወዲ 20 ዓመት መንእሰይ ብጥይት ኣቚሲሎም ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ምውዓሎም ተገሊጹ። እዚ ኣጋጣሚ ኣብ ዞባ Kista ሰሜናዊ ምዕራብ ስቶክሆልም ዘጋጠመ ኮይኑ ፖሊስ ንመኪና ቈሳላይ ጠጠው ክትብል ተደጋጋሚ ምልክተን መጠንቀቕታን እኳ እንተሃቡ እቲ ኣውቲስታ ክእዘዝ ፍቓደኝነት ብዘይምርኣዩን ክሃድም ብምፍታኑን ፖሊስ ክትኲሱ ከም እተቐሰቡ ተገሊጹ። ብመሰረት ፖሊስ እቲ ወዲ ኣብ ከባቢ ሰለፉ ከም እተወቕዐን ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ ሕክምና …

Read More »

ደቂተባዕትዮ ኣብ ሃገራዊ ፕሮግራም ክታበት HPV ክካተቱ ይኽእሉ እዮም ተባሂሉ።

ህዩማን ፓፒሎቫ ቫይረስ HPV ምስቲ ሕማም ዘለዎ ሰብ ብዝግበር ኣካላዊ ምትንኻፍ ዝሓለፍ ሕማም ኮይኑ እንድሕሪ ዘይተሓኪሙ ናብ ዝተፈላለየ ዓይነታት ካንሰር ክምዕብል ይኽእል እዩ። ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ንመንግስቲ ኣብ ዘቕረቦ ገምጋም ወጻኢታት እዚ መድሃኒት ዋግኡ ተመጣጣኒ ምዃኑን ብመንገዲ ሃገራዊ ፕሮግራም ክታበት ክዕደል ከም ዝኽእልን ገሊጹ’ሎ።

Read More »

ኣመርካ ንሰውራዊ ሓለዋ ኢራን ግብረሽበራዊ ክትብል ትኸስስ።

ፕረዚደስንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንሰውራዊ ሓለዋ ኢራን ኣህጒራዊ ግብረሽበራዊ ውድብ እዩ ክብል ከሲሱ። ኣመርካ ንናይ ካልእ ሃገር ወተሃደራዊ መዋቕር ግብረሽበራዊ እዩ ዝብል ምልከታ ክትገብር እዚ ናይ ፈለማ እዩ። ኢራን ብወገና ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝነቘጠ ወተሃደራዊ ህላወ ኣመሪካ ግበረ ሽበራዊ ክትብል ግብረመልሳ ሂባ ኣላ። ኣብ መንጐ ጤህራንን ዋሽንግተንን ዝጸንሐ ወጥሪ ምስ ምምጻእ ትራምፕን ምስሓብ ኣመሪካ ካብ ኣህጒራዊ ኪዳን ኑክሌር ኢራን …

Read More »

ኣብ ጥንታዊ መቓብር ግብጺ ብመድሃኒት ዝተዓቀበ ሬሳታት ኣናጹ ተረኺቡ።

ኣብዚ ስሉም መቓብር ብዘይካ”ዘን ኣናጹ ካልእ ብዙሕ ታሪኻዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ናውቲን ዝነቐጹ እንስሳታትን ተረኺቡ ምህላዉ ቢቢሲ ሓቢሩ’ሎ። እዚ መቓብር ልዕሊ 2ሽሕ ዓመታት ዝገበረ ምዃኑ ክኢላታት ኣረጋጊጾም ኣለዉ። ናይ ቱቱ ዝተባህለ ላዕለዋይ በዓልመዚን በዓልቲ ቤቱን መቓብር እዩ ድማ ተባሂሉ’ሎ። እዚ ካብ ከተማ ካይሮ ንደቡብ 390 ኪ.ሜ ኣብ ዝርሕቕ ቦታ ተረኺቡ ዝበሃል ዘሎ ጥንታዊ ኣርኪኦሎጂካዊ ቅርሲ መስሕብ በጻሕቲ ክኸውን እዩ ኢሉ ከም …

Read More »

መጠንቀቕታ ካብ Nordea ባንክ

ብዛዕባ ናይ ሓሶት ጻውዒታትን ናይ ጽሑፍ መልእኽቲታት እተዋህበ መጠንቀቕታ! እዚ ብዛዕባ መታለልቲ ንዓማዊልና እንህቦ መጠንቀቕታ ኮይኑ መታለልቲ ካብ ባንክ ወይ መንግስታዊ በዓል መዚ ምዃኖም ብምግላጽ ገንዘብ የታልሉ ምህላዎም እዩ። ምሳኻ ርክብ ክገብር ንዝደሊ ሰብ ዝርዝር ውልቃዊ ኮድካ ወይ ሕሳብ ባንክኻ ፈጺምካ ኣይትንገር ። ኣብዚ ግዜዚ ናይ ሓሶት ናይ ጽሑፍ መልእኽቲታት ይዞሩ ኣለዉ። ኣድራሻኻን ሓድሽ ekod ክትመልእን ክትሕተት ኢኻ። እዚ ካብ …

Read More »

8 ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ካብ ስቶክሆልም ናብ ካልኦት ከተማታት ክግዕዙ ይኽእሉ እዮም ተባሂሉ።

ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ካብ ስቶክሆልም ናብ ካል ኦት ከተማታት ክግዕዙ ይኽእሉ እዮም ተባሂሉ። መንግስቲ ሽወደን ዝተፈላለዩ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስቲ ካብ ስቶክሆልም ክ ወ ጹ መጽናዕቲ ኣብ ምግባር ከምዘሎ ተሓቢሩ። እተን ክግዕዛ ኣብ መጽናዕቲ ዘለዋ ኣብያተ ጽሕፈት እዘን ዝስዕባ እየን። Arbetsförmedlingen  CSN   Försäkringskassan   Kriminalvården  Lantmäteriet  Pensionsmyndigheten  Polismyndigheten   Skatteverket

Read More »

መበል 25 ዓመት “ህልቂት ሩዋንዳውያን” ተዘኪሩ።

እቲ ነዚ ዘስካሕክሕ ማሕረዲ ክውዳእ ንዝገበረ ዕጥቃዊ ቃልሲ ዝመርሐ ፖል ካጋመ ንዝኽሪ እቲ መዓልቲ ችቦ ወሊዑ። ሩዋንዳውያን ኣብ 1994 800 ሽሕ ዜጋታት ንዝተቐዝፉሉ ማሕረዲ ንምዝካር ን ሚእቲ መዓልታት ኣብ ዝኽሪ ክጸንሑ እዮም። ሩዋንዳውያን 100 መዓልታት ዝኽሪ ዝጸንሑሉ ምኽንያት እቲ ኣብ ልዕሊ ዓሌት ቱትሲን ለዘብተኛታት ሁቱን ዝተኻየደ ህልቂት ኣብ ሚእቲ መዓልታት ብምክያዱ እዩ።

Read More »

ቅልውላው ሊብያ : ኣብ ጥቓ ትርቡሊ ኣብ ዝተገብረ ኲናት 21 ሰባት ሞይቶም።

ኣብ ከባቢ ከተማ ትርቡሊ ኣብ ዝተገብረ ኲናት 21 ሰባግ ሞይቶም 27 ድማ ከም ዝቘሰሉ ብሕቡራት ሃገራት ዝድገድ መንግስቲ ሊብያ ኣፍሊጡ። ኣቐዲሙ ሕቡራት ሃገራት ቊሱላት መታን ናብ ሕክምና ክውሰዱ ናይ ክልተ ሰዓታት ምቊራጽ ተዂሲ ክግበር ጸዊዑ ኔሩ። እንተኾነ ግና ዝኾነይዂን ምንካይ ተዂሲ ኣይተራእየን። ብጀነራል ኸሊፋ ሓፍጣር ዝምራሕ ዕጡቕ ከተማ ትርቡሊ ንምቊጽጻር ካብ ምብራቕ እናገስገሱ ክመጹ ጸኒሖም ኣለዉ። ቀዳማይ ሚኒስተር ፋየዝ ስራጅ …

Read More »

ኣሌክሳንደር ኢሳቅ ኣብ የዕይንቲ ባርሳን ቸልሲን ይኣቱ!

እዚ ኤርትራዊ መቦቆል ዘለዎ ሽወደናይዊ ናብ ክለብ ዊልያም 2 ብመልክዕ ልቓሕ ተሰጋጊሩ ኣብዝጻወተሉ ዘሎ እዋን ብዘመዝግቦ ዘሎ ብዝሒ ሸቶታታ ድሮ ዓበይቲ ጋንታታት ከም ባርሰሎናን ቸልሲን ብወከልተን ገይረን ኣብ ምክትታሊ ተጸሚደን ኣለዋ። ግን እዚ ተጻውታይ ዋንነት ክለብ ዶርትሞንድ ብሙኻኑ ምስዚ ኣብ ክራማት ብዙሓት ተጻውቲ እዛ ጋንታ ብዓበይቲ ጋንታ ኣብዝህደንሉ ዘለው ግዜ ኣለክሳንደር እውን ብቀሊል ዋጋ ከምዘይተፋንዎ ትገልጽ ኣላ። ክለብ ባርሳ ከም …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com