Friday , May 17 2024

ኣህጉራዊ ዜና

ዴንማርክ ን ዩክሬይን ክትሰዶ ዝሓሰበት ወተሃደራዊ ሓገዝ ብ ስዊትዘርላንድ ተዓጊቱ።

ዴንማርክ ን ዩክሬይን ክትልግሶ መዲባቶ ዝነበረት ወተሃደራዊ ሓገዛት፡ ብ ስዊትዘርላንድ ከም እተዓገተ ተገሊጹ። ስዊትዘርላንድ እዚ ዝገበረት፡ ኣብ ቅልውላው ዩክሬይን ብዝወሰደቶ ዘይሻራዊ መርገጺ እዩ፡ ክትብል ማዕከን ዜና ሮይተርስ ን ስዊትዘርላንዳዊ መደብር ዜና SRF ብምጥቃስ ጸብጺባ። ብመስረት እዚ ስዊትዘርላንድ ኣብ ቅልውላው ዩክሬይን ዝወሰደቶ ፖሊሲ ዘይሻራነት፡ ኣብ ሃገራ ዝፈሪ ወተሃደራዊ ኣቕሑ ናብ ሳልስይ ሃገር ክግዕዝ ኣይትፈቅድን እያ። ሚኒስትሪ ምክልኻል ዴንማርክ፡ ምስ ምልጋስ ኣጽዋር …

Read More »

ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣርላንዳ፡ ካልእ ነዊሕ መስርዕ ክህሉ እዩ ተባሂሉ።

ኦፐሬተር መዓርፎ ነፈርቲ ሽወደን (ስዊዳቭያ)፡ ኣብዚ ቀዳመ-ሰንበት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣርላንዳ ስቶክሆልም፡ ነዊሕ ሪጋ ገያሾ ክህሉ ከም ዝኽእል ንዓማዊል ሓቢራ። እታ ኦፐሬተር፡ ኣብዚ ብደረጃ ሃገር ዝዓበየ ናይ በረራ ኣገልግሎት ዝወሃበሉ መደበር፡ ኣብ ነቚጣታት መፈተሺ ሕጽረት ሰራሕተኛታት ከም ዘሎ ድሕሪ ምሕባር፡ ገያሾ ናብ መጸበዪ ቦታኦም ክሳብ ዝበጽሑ፡ ዘሎ መስርሕ ስክሪኒንግ ክናዋሕ ይኽእል እዩ ክትብል ኣመልኪታ። ብዘይካዚ፡ ዝበዝሑ ገያሾ ኣብ ሰለስቲአን መዓልታት …

Read More »

ዩክሬይን ን ኖርወይ ኣመስጊና።

ዋና ኣዛዚ ምክልኻል ዩክሬይን፡ ነቲ ኖርወይ ዝገበረቶ ናይ ሃዊትዘር ከበድቲ ኣጽዋራት ሓገዝ ምኽንያት ብምግባር፡ ነታ ሃገር ኣመስጊኑ። እዞም ኣጽዋራት፡ ድሮ ኣብቲ ወራር ሩስያ ንምምካት ዝግበር ዘሎ ኲናት ኣብ ኣግልግሎት ውዒሎም ኣለዉ። ኣብ ናይ ፌይስቡክ ገጹ፡ ኣዛዚ ምክልኻል ዩክሬይን ጀነራል ቫለሪ ዛሉዥኒ፡ እዚ ከቢድ ብረት ሃዊትዘር ኖርወይ ካብቲ ናይ ሶቭዬት ብዝሓሸ ዝገፍሐ ኣፍን ዝበርትዐ ቅምቡላን ዝትኲስ ብምዃኑ፡ ኣብ ኲናት ስሉጥ መሳርሒ እዩ ክብል ን …

Read More »

መንግስቲ ኖርወይ ሕጊታት ብከላ ኣጽኒዑ።

መንግስቲ ኖርወይ፡ ኲለን ኣብ ከባቢ ኦስሎፍዮርድ ዝርከባ ምምሕዳራት ጎሓፈን ከጽርያ፡ ከምኡ’ውን ጃላቡ-መዘናግዒ፡ ናይ ጎሓፍ ታኒካታተን ኣብ ፍዮርድ ከየራግፋ፡ ትእዛዝ ክህብ እዩ ተባሂሉ። ካብ ሕርሻን ጎሓፍን ዝወጽእ ትኪ፡ ኣብ ብዝሒ ህይወት ፍዮርድ ኣሉታዊ ተጽዕኖ የሕድር ምህላዉ ዝገለጸት ኖርወይ ቱደይ፡ መንግስቲ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኣብ ከባቢ ኦስሎፍዮርድ ዘለዋ ምምሕዳራት ኣብ ጒዳይ ኣተሓሕዛ ኣትክልቲ ዝጸንከረ መምርሒታት ንክክተላ ክእዝዝ እዩ፡ ክትብል ን NRK ዳግስረቭየን ብምጥቃስ ወሲኻ ገሊጻ’ላ። “ቀንዲ …

Read More »

ዘለንስኪ፡ “ሩስያ ዛጊት ሓደ ሕምሲት መሬት ዩክሬይን ወሪራ ሒዛ’ላ”።

ወራር ሞስኮ ካብ ዝጅምር 100 መዓልታት መሊኡሉ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ሰራዊት ሩስያ ዛጊት 20% መሬት ዩክሬይን ብሓይሊ ወሪሩ ምህላዉ፡ ፕረሲደንት ዩክሬይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ገሊጹ። ንሱ፡ ኣብ ላክሰምበግ ንዘለዉ ኣባላት ባይቶ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ናይ ኲናት ዕርዲታት ኣብዚ ሕጂ እዋ ንናብ 1000 ኪሎሜትር ተዘርጊሖም ምህላዎም ወሲኹ ኣመልኪቱ። “ኲሎም ኣብ ተጠንቀቕ ዝጸንሑ ሰራዊት ሩስያ ኣብዚ ወራር ተዋፊሮም ኣለዉ” ክብል ዘለንስኪ ነቶም ኣባላት ኣይቶ ብ ቪድዮ ኣብ …

Read More »

ኣንታርክቲካ፡ ንመድሃኒት ዝጻወር ዓሌት ባክተርያ ተረኺቡ።

ኣብ ኣንታርክቲካ፡ ን ጸረ ተሃዋስያንን ጸረ-ረኽሲን ዝጻወር ዓሌት ባክተርያ ከም ዝረኸቡ፡ ተመራመርቲ ገሊጾም ክትብል SVT ጽሒፋ። ምስ ምልዋጥ ክሊማ ዓለምና፡ እዚ በረዳት ኣንታርክቲካ ምስ ዝመክኽ፡ እዚ ባክተርያ ንጥዕና ዓለምና ኣስጋኢ ክከውን እዩ ክትብል፡ እታ መርበብ ሓበሬታ ወሲኻ ገሊጻ’ላ። “እዚ ኣሻቓሊ ጒዳይ እዩ፡ ምኽንያቱ እዚ ባክተርያ እተረኽበሉ ክፋል ኣህጒር ኣንታርክቲካ፡ ሓደ ካብቶም ብዘገርም ፍጥነት አረዶም ዝመከሎም ዘሎ ከባቢታት እዩ” ክብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቺለ ተመራማሪ ኣንድረስ …

Read More »

ኖርወይ፡ ሕማም ማንኪ-ፖክስ ኣብ ኖርወይ ምእታዉ ክሕጂ ምንም ዝተረጋገጸ ሓበሬታ ኣይተረኽበን ተባሂሉ።

ለንቀነ፡ ካብ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት እተላበደ ሕማም ማንኪ ፖክስ፡ ኣብ ከምኒ ኦስትርያ፡ በልጄም፡ ፈረንሳ፡ ጀርመን፡ ጣልያን፡ ፖርቱጋ፡ስጳኛ፡ ሽወደንን ሆላንድን ከም እተራእየ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሓደ ዜጋ ኣባል ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ካብ ግንቦት 6 ክሳብ ናብ ኦስሎ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ናብ ዓዱ ምስ ተመልሰ በዚ ሕማም ምልባዱ ብመርመራ ከም እተረጋገጸ፡ ኖርወይ ቱደይ ጸብጺባ። እንተኾነ ግና፡ እዚ ጉዳይ ኣብ ግንቦት 21 ካብ ዝቃላዕ ንደሓር፡ ከተማ ኦስሎ ጽዑቕ ናይ …

Read More »

ሃገራት ምዕራብ ን ዩክሬይን ዝህባኦ ደገፍ ከዕዝዛ ፊንላንድ ጸዊዓ።

ሃገራት ምዕራብ፡ ን ዩክሬይን ዝገብራኦ ሓገዝ ከዕዝዛ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዘንበራኦ እገዳ ከስፍሓ፡ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ፊንላንድ ሳና ማርን ጸዊዓ። “እዚ ኲናት ምስ ምቕጻሉ፡ ውህሉል ሃብቲ እታ ሃገር ይጽንቀቕ እዩ ዘሎ። ስለዚ ድማ እቲ ኲናት ክሳብ ዝቐጸለ፡ ንሕና’ውን ዘድሊ ሓገዝ ናብ ዩክሬይን ምሃብ ክንቅጽል ከድልየና እዩ። ድሕሪዚ ኲናት እውን፡ ኣብ ዳግመ ህንጸት እታ ሃገር ክንሳተፍን ክንሕግዝን ሓላፍነት ኣሎና” ክትብል ማርን ምስ ኣብ ኪቭ ዝመደብሩ …

Read More »

ኖርወይ፥ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ኣዝዩ ነክዩ ተባሂሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት፡ መጠን ሽቕለት ኣልቦነት ኖርወይ፡ ካብቲ ኣብ ታሕሳስ ዝነበረ ብ 0.4 % ብምጒዳል፡ 2.9% ምብጽሑ፥ እዚ ድማ ኣብ ዝሓለፈ 14 ካብ እተራእዩ ኣሃዛት፡ ዝተሓተ ምዃኑ ስታቲስቲክስ ኖርወይ ትማል ረቡዕ ኣመልኪቱ። ካብ ታሕሳስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት፡ ክሳብ ወርሓ መጋቢት ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት፡ 10,000 ስራሕ ዘይብሎም ሰባት ከም እተመዝገቡ ዝገለጸ እቲ ሓበሬታ፡ እዚ ድሕሪ 2008 ዝተረኽበ ዝተሓተ ኣሃዝ ምዃኑ ኣመልኪቱ። “ካብ ሳመር …

Read More »

ኖርወይ፡ ብ ብዝሒ ሕሙማት ናይ ቆርበት መንሽሮ ካልአቲ እያ ተባሂሉ።

ኣብ 2020 ጥራይ 295 ኖርዌጃውያን ብሕማም መንሽሮ ቆርበት (ሜላኖማ) ምሟቶም ተገሊጹ። ቀዳመይቲ ዝበዝሑ ሕሙማት ዘለዉዋ ድማ ኒውዚላንድ እያ። “መንሽሮ ቆርብት፡ ኣብ ሃገራት ስካንዲናቭያ ልዑል እኳ እንተኾነ፡ መጠነ ሞት ናይቲ ኣብ ኖርወይ ዘሎ ግና፡ ፍልይ ዝበለን ኣዝዩ ልዑልን እዩ” ክብል ማሕበር መንሽሮ ኖርወይ፡ ን ሰሙን-መንሽሮ-ቆርበት ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣመልኪቱ። ብዝሒ ግዳያት ሞት ሰብኡት ዝለዓለ እዩ፡ ካብ ካልኦት ሃገራት ስካንዲናቭያ እውን ብ 40% ዝለዓለ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com