Saturday , April 27 2024

ጉምሩክ ሽወደን፥ ዘይሕጋዊ መደንዘዚ ሸጓጒጥ ኣብ ትሕቲ ቚጽጽር የእቱ

ልዕሊ 80 ዘይሕጋዊ መደንዘዚ ጠበናጁ ዝሓዘ ሓደ ጽዕነት ብጉምሩክ ሽወደን ተታሒዙ። እቲ ኣጽዋር ናብ ከተማታት መላእ ሽወደን ክበጽሕ ዝተላእከ ኮይኑ፡ ብማእከላይ ገምጋም ዕድሚኦም 69 ናብ ዝኾኑ ዓማዊል ዝጠለብዎ ምንባሩ ተፈሊጡ’ሎ። “ነዚ ገበን ዝፈጸሙ፥ ቅድሚ ሕጂ ገበን ምፍጻሞም ኣብ ፖሊስ መዝገብ ዘይብሎም ተራ ሰባት እዮም” ይብል ማርሴል ጋባራ ዝተባህለ መርማሪ ጉምሩክ ሽወደን፡፡ ብዙሓት ካብዞም ሰባት ነቲ ኣጽዋር ኣብ መወዓውዒ ማሕበራዊ መራኸቢታት …

Read More »

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ኮኒኑ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ቶብያስ ቢልስትሮም ኣብዚ ቀዳመ ሰንበት ኢራን ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ብትሪ ኮኒኑ። “ነዚ መጥቃዕቲ ኣዝዩ ብዕቱብ ክንርእዮ ኣለና” ክብል ንኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ተዛሪቡ። እቲ ሚኒስተር፡ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ሽወደናውያን፡ ካብ ምምሕዳራት እቲ ከባቢ ዝመጽእ ለበዋታት ክኽተሉ ከምዘለዎም ኣተሓሳሲቡ’ሎ። እዚ እናኾነ እስራኤል ብዝመረጸቶ ኣገባብን ኣብ ዝመረጸቶ ግዜን ንመጥቃዕቲ ኢራን ግብረ መልሲ ክትህብ ምዃና ገሊጻ’ላ። ድሕሪ …

Read More »

ማሕበር መሃንድሳት– “ብርሕቀት ዝዓዩ ሰራሕተኛታት ይብርክቱ ኣለዉ”

ኣብ ሽወደን ዝርከቡ መሃንድሳት ካብቲ ቅድሚ ለበዳ covid-19 ዝነበርዎ ንላዕሊ ካብ ዝሰርሕሉ ቦታ ርሒቖም ይነብሩ ከምዘለዉ ሓድሽ ጸብጻብ ማሕበር መሃንድሳት ሽወደን ኣመልኪቱ። እዚ ካብ ቦታ ስርሖም ምርሓቖም ውጽኢት ናይቲ ዝበዝሑ ሰባት ካብ ገዝኦም ኮይኖም ክሰርሑ ዝኽእሉሉ ኲነታት ምህላዉ፡ ከምኡ’ውን ካብ ርሑቕ ክሰርሑ ዝኽእሉ ሓደስቲ ሰራሕተኛታት ብብዝሒ ይቚጸሩ ብምህላዎም እዩ። “ዋጋ መነባብሮ ዝሓሰረ እዩ። ሰፊሕን ዋጋኡ ኸኣ ተመጣጣኒን ቤት ክህልወኒ ይኽእል …

Read More »

መጠን ዝቕባበ ሽወደን ናብ 2.2% ወሪዱ

ኣብ ሽወደን መጠን ዝቕባበ ኣብ ወርሒ መጋቢት ናብ 2.2% ከምዝወረደ ን ወለድ ሞጊጅ ዘይሓወሰ መዐቀኒ ዋጋታት ሃለኽቲ ኣጣሊሉ። እዚ ኣሃዝ ዝቕባበ ዋጋ ናብቲ ማእከላይ ባንክ ሽወደን ዘውጽኦ ናይ 2% ሸቶ ዝቐረበ እዩ። ሪክስባንክ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ብዛዕባ ዋና ወለዱ ውሳነ ክህብ እዩ ዝብል ትጽቢት ተጌሩ’ሎ።

Read More »

ኣብ ኻርሆልመን ብዝተፈጸመ ተዂሲ ወዲ 39 ዓመት መንእሰይ ተቐቲሉ

ኣብ ትሕተ ምድራዊ መንገዲ ስቶክሆልም፥ ንሓደ ጉጅለ መንእሰያት እናተኸላኸለ ኣብ ርእሱ ብጥይት ተሃሪሙ ዝሞተ ወዲ 39 ዓመት መንእሰይ፥ ብፖሊስ ይምርምር ምህላዉ ተፈሊጡ። ነበርቲ ከባቢ ስካርሆልመን፡ እቲ ዝተገበረ ተዂሲ ምርባሽን ፍርሕን ከም ዝፈጠረሎም ገሊጾም ኣለዉ። “እዚ ጒዳይ መፍትሒ ክግበረሉ ኣለዎ፥ ምኽንያቱ በብእዋኑ እናተጋደደ እዩ ዝኸይድ ኣሎ” ክብል ሓደ ሬድዮ ሽወደን ዘዘራረበቶ ተቐማጢ እቲ ከባቢ ኣመልኪቱ’ሎ። እዚ እናኾነ ፖለቲከኛታት ነቲ ዝሓለፈ ረቡዕ …

Read More »

ዕለታዊ ዜና ካብ ሃርሞኒ መዲያ 15 ሚያዝያ 2024

Read More »

ፊንላንድ፡ ቱሪዝም ርኡይ ዕቤት የመዝግብ

ዓሚ ካብ መጋቢት 2023 ክሳብ ለካቲት 2024፡ ፊንላንድ ርኡይ ዋሕዚ ወጻእተኛታት በጻሕቲ ከም እተቐበለት ተገሊጹ። ኣብዘን ኣዋርሕ 4.7 ሚልዮን መገሻታት ናብታ ሃገር ተኻይዱ እዩ። ብመሰረት ናይ ቀረባ እዋን ሓበሬታ “ቪዚት ፊንላንድን” እዞም በጻሕቲ ኣብ ሓደ መገሻ ብማእከላይ ገምጋም 807 ዩሮ ወጻኢታት ከምዝገበሩን፡ እዚ ድማ ብድምር ኣስታት 3.8 ቢልዮን ዩሮ ከም ዝበጽሕን ተመልኪቱ። መብዛሕትኦም እዞም ዑደታት 73% ንምዝንጋዕ ዝዓለሙ ክኾኑ እንከለዉ፡ …

Read More »

መብዛሕትኦም ፊንላንዳውያን ብመንግስቲ ዕጒባት ኣይኮኑን ተባሂሉ

61% ፊንላንዳውያን መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ፔተሪ ኦርፖ ኣብ ስርሑ ድኹም ኣፈጻጽማ ከምዘርኣየ ይኣምኑ ክብል ኣብዚ ቀረባ እዋን ብትካል መጽናዕቲ ቨርያኒ ዝወጸ ዳህሳስ ኣመልኪቱ ። 38% ካብዚኦም ኣሰራርሓ መንግስቲ ኣዝዩ ድኹም ክብሉ እንከለዉ፡ 23 ሚእታዊት ድማ ብመጠኑ ድኹም ኢሎም ከም ዝቐጽርዎ ገሊጾም ኣለዉ። ብኣንጻሩ ሓደ ሲሶ 34% ንተግባራት መንግስቲ እንተወሓደ ብመጠኑ ዘዕግብ ኮይኑ እዩ ዝረኣየና ክብሉ ዝተፈልየ ርእይቶ ኣቕሪቦም ኣለዉ። ብሓፈሻ …

Read More »

ቤት ትምህርቲ ጊልዳ ተመሃሮ ዝዋረዱላ እያ ኔራ ዝብል ክሲ ይቐርበላ

ኣብ ሓንቲ ካብተን ዝዓበያ ኣብያተ ትምህርቲ ጽባቐ ሽወደን ዝኾነት ቤት ትምህርቲ ጊልዳ ዝተማህረት ሓንቲ መንእሰይ፡ ተማሃሮ ሓባራዊ መቕጻዕቲ ከም ዝወርዶም ዝግበረላ ሰባት ብደርጃ ዝምደቡላን እያ ክትብል ወቒሳ ። “ጒልበተይ ብናጻ እናገበርኲ ዝኸፍልኩም ዘለኹ ኮይኑ’ዩ ዝስምዓኒ” ክብል ሓደ ተማሃራይ ንፒ3 ኒውስ ሬድዮ ሽወደን ገሊጹ። መስራቲት ናይቲ ቤት ትምህርቲ ጊልዳ ሊልጀብላድ ኮርንስትራ፡ ነቲ ኣስታት 20 ተማሃሮ ዝሃብዎ ምስክርነት ኣመልኪታ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ፥ …

Read More »

ቁጠባ ሽወደን ኣብ ወርሒ ለካቲት ዕብየት እኳ እንተገበረ፡ ክኢላታት ግን ጥንቃቐ ክግበር የተሕእሳስቡ

ቁጠባ ሽወደን ኣብ ወርሒ ለካቲት ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ወርሒ ብ 0.1% ከምዝዓበየ ብስታቲስቲክስ ሽወደን ትማሊ ረቡዕ ዘውጽኦ ናይ መጀመርታ ግምት ውሽጣዊ ፍርያት ሃገር ኣመልክት። እቲ ወርሓዊ ኣሃዛት ንቁጠባ ሽወደን ካብቲ ተንተንቲ ዝጽበይዎ ንላዕሊ ኣወንታዊ ስእሊ ዝህብ እኳ እንተኾነ፡ ገሊኦም ግን እቲ ቁጽሪ ብጥርጣረ ክረአ ከምዘድሊ ኣተሓሳሲቦም ኣለዉ። ኣብ ወርሒ ለካቲት ወጻኢታት ስድራቤታት ብ 0.5% ከምዝነከየ ብተወሳኺ ቀሪቡ’ሎ።

Read More »
Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com