Friday , May 3 2024

ካብዝን ካብትን

ንኩባንያ ኩፕ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ቀርሰንቲ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም

ሓደ ኣብ ሞስኮ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ን8 ኣባላት ናይ ሓደ ጸይቀ-ዕሉላት ዝርከቡዎ ሬቪል ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጉጅለ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዘውዓሎም ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቶም ሰባት ክሳብ መፋርቕ ወርሒ የካቲት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሑ ኮይኖም፡ ድሕሪኡ ገበነኛታት ኮይኖም እንድሕር ተረኺቢም ክሳብ ን7 ዓመታት ዝበጽሕ ማእሰርቲ ከም ዝጽበዮም ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ። FSB ተባሂሉ ዝፍለጥ ሓደ ናይ ሩስያ ናይ ጸጥታ ትካል፡ …

Read More »

ድሕሪ ፍጻሜ ናይ ትኪ ቦምባ፡ ተማሃሮ ካብ ቤት-ትምህርቲ ወጺኦም

ኣብ ኣፍደገ ሓደ ኣብ ግሩምዝ ዝተባህለ ኣከባቢ ዝርከብ ቤት-ትምህርቲ፡ ትኪ ስለ ዝተፈጥረ፡ ብምልኦም ተማሃሮ ካብቲ ቤት-ትምህርቲ ከምዝወጹ ኮይኖም። መበገሲ ናይ`ቲ ትኪ፡ ባርዕ ከምዘይኮነ `ኳ እንተተፈልጠ፥ ናብቲ ቤት-ትምህርቲ ብዝተደርበየ ናይ ትኪ ቦምባ ምንባሩ ግን ድሒሩ ክረጋገጽ ተኻኢሉ፡፡ ናይ ሓደጋ ባርዕ ጥሩምባ ምስ ተነፍሐ፡ ኩሎም `ቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ሰባት ካብቲ ቦታ ከም ዝወጹ ውን ጋዜጣ ኤን. ዳብልዩ.ቲ. ጸብጺቡ ክብል ማዕከን ዜና …

Read More »

ለባም ሓፍቲ! … ሓቐኛ ዛንታ … ካልኣይን መወዳእታን ክፋል … ብጸጋብርሃን ጎይትኦም

“እንታይ ብሰንኪ ጽጋበይ ኢልካ ዘረባ። ንምንታይ ተጨንቑኒ፡ ክብረት ሓፍተይ እንታይ እያ ኮይና ዘይትነግሩኒ፡” ኩሉ ዘረባኦም ጋን ስለ ዝኾና ከጨንቓ ጀመረ። “ጸጋ ጓለይ እንቋዕ ደኣ ብሰላም ተመለስክና’ምበር፡ ዘይወለድኪ ኢልና ኣይንጉህን ኢና። ቀደም ዝጓሃናዮ ይኣኽለና። ሎሚ ኣሕዋትኪ ኣብ ዝብጻሕ ስለ ዘብጻሕኪ፡ ንጎይታ ክልተ ግዜ ኣይንልምኖን ኢና። ግዜ ምስ ሓለፈ ጉሂናኸ ጓሂ ክንውስኸልኪ እንተዘይኮይንና እንታይ ክንምልእ ኢልና። ንስኺ ከኣ እንቋዕ ደኣ ብጥዕናኺ ዓድኺ …

Read More »

እቲ ገበነኛ ሰላይ፡ ይግባይ ይብል

ንመንግስቲ ሩስያ ወኪሉ ኣንጻር ሽወደን ብምስላል ገበነኛ ኮይኑ ዝተረኽበ ወዲ 47 ዓመት ዝኾነ ሰላይ፡ ናብ ላዕለዋይ ፍርዲ ቤት ይግባይ ከምዝሓተተ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቲ ሰብኣይ፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ እዩ ካብ ኩባንያ ስካኒያን ቮልቮን፡ ናይ ንግዲ ሚስጢራት ኣታሓላሊፍካ ብዝብል ክሲ፡ ብናይ ምዕራብ ሽወደን ቤት ፍርዲ ይግባይ (Court of Appeal) ን3 ዓመታት ማእሰርቲ ዝተፈርደ። እቲ ገበነኛ ብወገኑ፡ እቲ ናይ …

Read More »

Harmony Media News 14/01/2022

Read More »

ልዕሊ 600 ሽሕ ዝኾኑ ቁጽሪታት (coordination numbers)፡ ከም ዝስረዙ ኮይኖም

ቤት ጽሕፈት ግብሪ ሽወደን ንልዕሊ 1.2 ሚልዮን ዝኾኑ coordination numbers ተባሂሎም ዝፍለጡ ፍሉይ ኣገልግሎት ዝህቡ ኣብ መንግስቲ ሽወደን ዝተመዝገቡ ቁጽሪታት እንደገና ከምዝመርመረ ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቲ ውጽኢት ከምዘርእዮ ድማ፡ 612,566 ቁጽሪታት ኣገልግሎት ዘይብሎም ክኾኑ ከለው 357,487 ዝኾኑ ጥራሕ እቲ ግቡእ ኣገልግሎት ዝህቡ ከምዝተረኸቡ እዩ ክፍለጥ ተኻኢሉ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ሰነ እዩ እቲ ቤት ጽሕፈት ናይ ግብሪ ልዕሊ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም …. ብኣማኑኤል ሳህለ …. ባህላዊ ግጥሚ ትግርኛ፡ መልቀስ (Tigrinya Folk Poetry, Dirge) … 2ይ ክፋልን መወዳእታን

ኣብ ባህልና፡ ደቀንስትዮ ዘይረኽብኦ መከራ የልቦን። ኩሉ ጠንቂ ጸገማት ናባታተን ኢዩ ዚድርበ። እቲ ጽቡቕ በቲ ሰብኣይ ኢዩ ዚመጽእ። ክፉእ እንተ ተጓነፈ ግን እታ ሰበይቲ ኢያ እትዋረድ። ከመዮ ሓንቲ ኣደ፡ ሰይቲ ወዳ ብናይ ጥንሲ ቅልውላው ተሰኒፋ ብኣምቡላንስ ናብ ሆስፒታል ክትከይድ ከላ ኣብ መገዲ ምስ ሓረሰት ዝበለቶ ኢዩ፥ 'እዋይ ዝወደይ ዘይረኽቦ ዘይብሉ!!! ሓንቲ መርዓት ኣብ ሳልስቲ መርዓኣ እቲ መርዓዊ ይመውት። እታ ንዕልታ …

Read More »

ቻይና፡ ኣብ ፖለቲካ ብሪጣንያ፡ ኢደይ ኣየእተኹን ትብል

መደበር ስለያ ብሪጣንያ MI5፡ ቻይናዊ ሰላይ፡ ኣብ ባይቶ እታ ሃገር ምእታዉ ድሕሪ ምቅላዑ፥ ቻይና ነዚ ጒዳይ ኣይወዓልክዎን ክትብል ነቲ ክሲ ውዱቕ ጌራቶ’ላ። ክሪስቲን ቾንግ ኲዎ ሊ፡ ንዴሳዊ ሰልፊ ቻይና ምስ ኣባላት ባይቶን ኣባላት ክኾኑ ዝትስፈዉን ሰባት ርክባት ፈጢሩ ምህላዉ እቲ ኣገልግሎት ስለያ ገሊጹ’ሎ። ድሕሪ’ዚ፡ ንፖለቲከኛታት እንተላይ ኣባል ባይቶ ሰልፊ ዕዮ፡ ባሪ ጋርዲነር፡ ክሳብ 420 ሽሕ ፓውንድ ዝኸውን ገንዘብ ምሃባ ወሲኹ …

Read More »

ኣብ ሱዳን፡ መንብዒ ጋዝ፡ ናብ ተቓወምቲ ይትኮስ

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ትማሊ ሓሙስ፡ ተቓውሞ ንኸስምዑ ናብ ጽርግያታት ወጹኦም ዝነበሩ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሱዳናውያን ንምብታን፡ መንብዒ ጋዝ ከምዝተኮሱ ተሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ሰብ-መዚ ሱዳን ከምዝበሉዎ እንድሕር ኮይኑ፡ ኣብቲ ናዕቢ ሓደ ፖሊስ፡ ህይወቱ ከምዝሰኣነ ተፈሊጡ’ሎ። ፖሊስ ናይ ሱዳን ከምዝሓበሮ ኣብቲ ኣብ ከባቢ ፕረዚደንታዊ ህንጻ ኣብ ዝነበረ ተቓውሞታት፡ ካብ ሓይልታት ፖሊስ፡ ዝሞቱ ከምዘለው እዮም ገሊጾም። ኣብ ብዙሕ …

Read More »

ሶርያዊ ኮሎኔል; ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ብዝፈጸሞ ገበን ኣብ ጀርመን ተፈሪዱ

ቤት ፍርዲ ጀርመን፡ ንሓደ ሶርያዊ ኮሎኔል፡ ኣብ ልዕሊ ሰብኣውነት ብዝፈጸሞ ገበን ከም ዝፈረደ ተፈሊጡ። እዚ ኣንዋር ራስላን፡ ዝተባህለ 58 ዝዕድሜኡ ሶርያዊ፡ ኣብ እዋን ውግእ ሕፍሕድ ሶርያ፡ ኣብቲ “ምድራዊ ሲኦል” ብዝብል ስም ዝፍለጥ ቤት ማእሰርቲ፡ ልዕሊ 4000 ሰባት ብምስቓይ እዩ ተኸሲሱ ጸኒሑ። ኣብዚ ቤት ማእሰርቲ፡ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ እሱራት፡ እንተላይ ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮ፡ ባርባራዊ መስርሕ መርመራ ይገብር ምንባሩ ኣብቲ ክሲ ተጠቒሱ’ሎ። …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com