Friday , May 3 2024

ካብዝን ካብትን

ሓይልታት ሩስያ፡ ካብ ሃገረ ካዛኪስታን፡ ወጺኡ

ብሩስያ ዝምራሕ ODKB ዝባሃል ወታሃደራዊ ክንፊ፡ ሎሚ መዓልቲ፡ እቲ ኣብ ሃገረ ካዛኪስታን ዝነበረ ናዕቢ ብወታሃደራዊ ስርሒት ድሕሪ ምእላይ ዕማሙ ወዲኡ ናብ ሩስያ ክምለስ ይሻባሸብ ከምዘሎ ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። “ዕማምና ኣሳሊጥና ወዲእና’ለና” ክብል ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ሓቢሩ። እቲ ናይዚ ዞባ ናይ ጸጥታ ምሕዝነት፡ ዕማሙ ወዲኡ፡ ኣጽዋራቱ ናብ ሩስያ ክትመልስ ተዳልያ ናብ ዘላ ነፋሪት ኣብ ምጽዓን ይርከብ” ክብል ሚኒስተር ምክልኻል …

Read More »

130 ሰራሕተኛታት፡ ኣቐዲሙ ብዝተመልአ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ፡ ካብ ስርሖም ተፋንዮም

ኣብ ሄሰልሆልም ዝርከብ Bergendahls Food ተባሂሉ ዝጽዋዕ ኩባንያ ዝርከቡ 130 ዝኾኑ ሰባት ዘሰንብድ መልእኽቲ ብዘይተጸበዩዎ መንገዲ ኣቢሉ ብሓሙስ ከምዝበጽሖም ተሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣፍሊጡ። ከም ጸብጻብ ማዕከን ዜና ኖራ ስኮነ (Norra Skane) እንድሕር ኮይኑ፡ ኣቐዲሙ ዝተመልአ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ብኢ.ሜይል ኣድራሻታታ ናይቶም ሰራሕተኛታት ኣቢሉ ኩሎም ካብ ስርሖም ከምዝተሰጎጉ መተሓሳሰቢ ክብጽሖም ከምዝተገብረ ተፈሊጡ’ሎ። “ዝኾነ ይኹን ሕቶ ክንሓትት’ኳ ዕድል ኣይረኽብናን፥ እቲ …

Read More »

መራሒት ሰልፊ ማእከል፡ ንዝተኻየደ ሓጺር ዋዕላ ትነቅፍ

መራሒት ሰልፊ ማእከል (Centre Party leader) ኣኒ ሉፍ ብዛዕባ ጉዳያት ጸጥታ ብዝምልከት እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ዝጸዋዓቶ ኣኼባ ንዘተ ዘይኮነስ ንሓበሬታ ጥራይ ምንባሩን እዚ ድማ ግቡእ ከምዘይኮነን ዘይንቅበሎን እዩ ክትብል ነቲ ብመንግስቲ ምስ መራሕቲ ሰልፍታት ዘካየዶ ሓጺር ርክብ ብትሪ ነቒፋ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። “እቲ ጉዳይ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዛዕባ ናይ ፖሊሲ ጸጥታ ኮይኑ እንዳሃለወ፡ እሞ ድማ እቶም መራሕቲ ሰልፍታት ተዓዲምና …

Read More »

ናይጀርያ፡ እገዳ ትዊተር ኣልዒላ

ናይጀርያ፡ ኣብ ልዕሊ ማሕበራዊ ሜድያ፡ ትዊተር፡ ጽዒናቶ ዝጸንሐት እገዳ ድሕሪ ሸውዓተ ኣዋርሕ ሎሚ ኣልዒላቶ። ኣብ ወርሓ ሰነ ናይ ዝሓለፈ ዓመት፡ ፕረዚደንት ናይጀርያ፡ መሓመድ ቡሃሪ፡ ንተገንጸልቲ ዝበሎም ሓይልታት እታ ሃገር ኣመልኪቱ ዝለጠፎ ጽሑፍ፡ ብትዊተር ድሕሪ ምድምሳሱ፡ መንግስቲ ናይጀርያ፡ ከም ግብረ መልሲ ነቲ መርበብ ማሕበራዊ ሜድያ፡ ኣጊድዎ ምጽንሑ ዝዝከር እዩ። መንግስቲ ናይጀርያ፡ ንትዊተር ምስ ተገንጸልቲ ሓይልታት ይውግን እዩ ክብል ከሲስዎ ምንባሩ ቢቢሲ …

Read More »

ሓለቓ ኔቶ፡ ውሳኔ ናይ ሽወደን ነኽብሮ ኢና ይብል

ሃገራት ሽወደንን ፊንላንድ ጥራሕ እየን ኣባላት ኔቶ ንምዃን ክውስና ዝኽእላ ክብል ዋና ሓለቓ ናይ ወታሃደራዊ ምትሕግጋዝ ኔቶ ዝኾነ፡ የንስ ስቶልቴንበሪ፡ ኣዘኻኺሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣባልነት ንምርካብ ዝካየድ መስርሕ ክቀላጠፍ ዝኽእል ጉዳይ እዩ ክብል’ውን ቃል ኣትዩ። የንስ ስቶልቴንበሪ፡ ኣብ ሰሜናዊ ብራሰልስ ዝርከብ ሓድሽ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ናይ ወታሃደራዊ ምትሕግጋዝ ዝርከብ ሬድዮ ስቱድዮ ኮይኑ እዩ፡ ኣዝዩ ንጹር ዝኾነ መልእኽቲ  ዘመሓላለፈ። …

Read More »

ኣሜሪካ . . . ኣብ ውሽጢ 40 ዓመታት፡ እቲ ዝለዓለ መጠን ዝቕባበ ኣመዝጊባ

ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2021 ዝነበረ ዋጋ ናይ ሃለኽቲ ኣቕሑት ምስቲ ናይ ወርሒ ሕዳር ክዋዳደር ከሎ ብ0.5 ሚእታዊ ከምዝወሰኸ ጨንፈር ዕዮ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚ ድማ፡ ዓመታዊ፡ ናይ 7.0 % ወሰኽ ናይ ዝቕባበ እዩ ዘመላክት። ኣቐድም ኣቢሉ፡ ዝለዓለ መጠን ዝቕባበ ተመዝጊብሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ዓመተ 1982 ምንባሩ ይዝከር። ይኹን እምበር እዚ መጠን ናይ ዝቕባበ፡ ካብ …

Read More »

ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ንትግራይ ኣመልኪቱ፡ መተሓሳሰቢ ኣመሓላሊፉ

ዓለማዊ ውድብ ጥዕና (WHO)፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ተደጋጋሚ ሕቶ እኳ እንተቕረበ ናብ ትግራይ ሓገዝ መድሃኒት ከእቱ ተኸሊኪሉ ብምህላዉ፡ ኣብ ክልል ትግራይ፡ ገዚፍ ሰብኣዊ ቅልውላው ተኸሲቱ ምህላዉ ጠቒሱ። ካብቶም ኣብ ትግራይ ዝሰርሑ ሰብ ሞያ ጥዕና፡ ንኸም ሕማም ሽኮር ዝኣመሰሉ ሕማማት ዝኸውን መድሃኒት ከም ዘይብሎም ዝገልጽ ደብዳቤ ከም ዝበጽሖ ሓደ ላዕለዋይ ሓላፊ እዚ ውድብ ገሊጹ’ሎ። ዳይሬክተር ዓለማዊ ውድብ ጥዕና፡ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብወገኑ፡ …

Read More »

ሊንደ: ብዛዕባ ናይ ኔቶ ዝርዝር ጠለባት ብዝምልከት: ተስፋታት ከምዘለዋ ትገልጽ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን: ኣን ሊንደ፡ ድሕሪ እቲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ሩስያን ብዛዕባ ዝርዝር ጠለባት ሩስያ-ኔቶ ብዝምልከት ዝገበሩዎ ናይ መጀመርታ ክልተኣዊ ርክባት ምስ ዝተወሰነ ስክፍታ ዋላ እንተኾነ ‘ተስፋ ዝህብ’ ኩነታት ከምዘሎ ገሊጻ። “ካልእ ይትረፍ፡ እቲ ዝነበረ ዝርርብ ዘይምቁራጹ ባዕሉ ኣወንታዊ ስጉምቲ እዩ።  ዝርርብ ንምቁራጽ: ከም ምኽንያት ምጥቃም ከም ኣማራጺ ኣይተወስደን” ክትብል ሊንደ ኣብቲ ሃገራዊ ዋዕላ ናይ ህዝቢን ምክልኻልን ገሊጻ። እቲ …

Read More »

ኣፍጋኒስታን፡ ገዚፍ ቊጠባዊ ቅልውላው ይኽሰት

ዝጅመር ዘሎ ወቕቲ ሓጋይ፡ ነቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው መሊሱ ከጋድዶ ከም ዝኽእል ይገለጽ ኣሎ። ጣሊባን፡ ንከተማ ካቡል ድሕሪ ምቊጽጻሮም ብዝሰዓበ ኣህጒዊ እገዳ፡ ቊጠባ እታ ሃገር ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ወዲቑ ምህላዉ ጸብጻባት የመልክቱ። ኣብ ኣፍጋንሲታን፡ ምስ ምውዳቕ መንግስቲን ምውጻእ ሰራዊት ምዕራብን ነታ ሃገር ዝወሃብ ዝነበረ ሓገዛት ደው ብምባሉ፡ ሽቅለት ኣልቦነት ብናህሪ ይኽሰት ምህላዉን ስድራቤታት ቤቶም ንምውዓይ ዝጥቀሙሉ ዕንጸይቲ ንምግዛእ …

Read More »

ሊባኖስ . . . ሓላፊ ማእከላይ ባንክ፡ እገዳ ጒዕዞ ተነቢርሉ

ትማሊ ሰሉስ፡ ኣብ ልዕሊ ኣመሓዳሪ ማእከላይ ባንክ ሊባኖስ፡ ሪያድ ሳላመሕ፡ እገዳ ጒዕዞ ከም እተጻዕነ ተፈሊጡ። ጽቡቕ ኣብ ዝዓዪ ዝነበረ ቊጠባ ሊባኖስ፡ ብዙሕ ዝነኣድ ዝነበረ እዚ በዓልመዚ፡ ኣብዚ እዋን ብዘይሕጋዊ ምትሕልላፍ ገንዘብ፡ ምጥፍፋእ ገንዘብ ህዝቢን ሓዊስካ ብሓፈሻ ብዘይ ስነምግባራዊ ኣታሕዛ ገንዘብ ይኽሰስ ኣሎ። መርትዖታትና ኣኪብና ስለዘሎና ጽባሕ ሓሙስ ንመርመራ ክቐርብ እዩ፥ በዚ መርመራ ኣቢልና ከነጻርዮ እንደልዮ ጒዳያት ኣለዉ ክብል ንጒዳይ ሳመሕ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com