Friday , May 3 2024

ካብዝን ካብትን

ሚኒስተር ምክልኻል: SÄPO ንዘውጽኦ መገለጺ: ይነቅፍ

ሚኒስተር ምክልኻል: ፔተር ሁልትክቪስት: ነቲ ትካል ጸጥታ ሽወደን ምስታ ናይ ጽሬት ሰራሕተኛ ተተሓሒዙ ንዝተፈጥረ ዘሕፍር ፍጻመ (cleaning scandal) ብዝምልከት ንዘወጸኦ መግለጺ ከምዝነቐፎ ተሓቢሩ። ቅድም ክብል Säpo: ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ሓለዋ ናይ ዝግበረሎም ውልቀ ሰባት ዝምደቡ ሰራሕተኛታት: ኣመልኪቱ ንዓኣቶም ናይ ምቁጽጻር ሓላፍነት ከምዘይብሉ ገሊጹ ከምዝነበረ ዝፍለጥ’ዩ። “ኣነ ነቲ ጉዳይ ኣመልኪተ ከምዚ ዓይነት መግለጺ ኣይምሃብኩን ነይረ” ክብል ፔተር ሁልትክቪስት: ኣብ ሃገራዊ ዋዕላ …

Read More »

ባይቶ ሽወደን: ንጸዓት ዝኽፈል ግብሪ ከጉድል: ሰልፊ ሞደራትና ጸዊዑ

ዓቃቢያውያን ሰልፍታት (the conservatives): ብዛዕባ ግዜያዊ ምንካይ ግብሪታት ናይ ጸዓት ብዝምልከት ግዜያዊ እማመ ነቲ ባይቶ ከቕሩቡ ምዃኖም ተሓቢሩ።  እዚ ውሳኔ ዝተበጽሐሉ ምኽንያት: ቅድሚ ሕጂ: መንግስቲ ካብቲ ውድብ ቀሪቡሉ ንዝነበረ እማመ ስለዘይተቐበሎ ምዃኑ መራሒ ሰልፊ ኡልፍ ክሪስተርሶን ይገልጽ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። “ከምዚ ስለዝኾነ ድማ ኣብዚ እዋን’ዚ ንሕና ነዚ እማመ ዕላዊ መልክዕ ክህልዎ ብምግባር ናብቲ ናይ ቁጠባ ሽማግለ (Finance Committee) …

Read More »

Harmony Media News 10/01/2022

Read More »

ኣውስትራልያ . . . ጃኮቪች ንክፍታሕ፡ ቤት ፍርዲ ኣዚዙ

ንጒዳይ ሰርቢያዊ ተጻዋታይ ቴኒስ ክከታተል ዝጸንሐ ቤት ፍርዲ ኣውስትራልያ፡ ነቲ ቪዛኡ ክሕደግ ዝተመሓላለፈ ውሳነ ውዱቕ ጌርዎ’ሎ። በዚ ድማ ዳኛ ኣንቶኒ ኬሊ ጃኮቪች ክፍታሕን ወጻኢታቱ ብመንግስቲ ክዕደን ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ’ሎ። 34 ዝዕድሜኡ ሰርቢያዊ ተጻዋታይ ቴኒስ፡ ጃኮቪች፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እዩ ነቲ Australia Open ኣብ ዝባህለ ስሩዕ ውድድር፡ ማዕርጉ ክሕሉ ብምባል ካብ ዱባይ ናብ መልበርን ኣውስትራልያ ኣትዩ። መንግስቲ ኣውስትራልያ ብወገኑ፡ ጃኮቪች፡ ቪዛኡ ክስረዝ …

Read More »

ሳን ሱኪ፡ ንተወሳኺ ኣርባዕተ ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዳ

ብወተሃደራዊ ዕልዋ ካብ ስልጣና እተኣልየት መራሒት ሃገረ ምያንማር ዝነበረት ሳን ሱ ኪ፡ ን ተወሰኽቲ ኣርባዕተ ዓመታት ክትእሰር ቤት ፍርዲ ምያንማር ወሲኑ’ሎ። እዚ ዝተወሰነሉ ምኽንያት፡ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዎኪቶኪ ምዕዳጋን ሕጊታት ኮቪድ-19 ብምጥሓሳን እዩ ተባሂሉ’ሎ። ኣብ ወርሒ ለካቲት ናይ ዝሓለፈ ዓመት ድሕሪ ዝተኻየደላ ዕልዋ፡ መንግስቲ ሱ ኪ፡ ደርዘን ዝኾኑ ክሲታት ቀሪቦምላ ኣብ ቤት ማሕቡስ ምጽንሓ ዝዝከር እዩ። ንሳ ንዂሎም ክሲታት መሰረት ዘይብሎም …

Read More »

ማሊ፡ እገዳታት ይወርዳ

ኣብ ወርሒ ለካቲት ክካየድ እዩ ተባሂሉ ተወጢኑ ዝነበረ ምርጫ እታ ሃገር ብወተሃደራዊ መንግስቲ እታ ሃገር ድሕሪ ምንዋሑ፡ መራሕቲ ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ልዕሊ ማሊ እገዳታት ምጽዓኖም ተፈሊጡ። ትማል ሰንበት ኣብ ኣክራ፡ ጋና፡ ዝተጋብአ ዞባዊ ቀጽሪ ምዕራብ ኣፍሪቃ (ኤኮዋስ) ምስ ማሊ ዘለዎ ዶባት ክዓጹን ዝተፈላለዩ ቊጠባዊ እገዳታት ክጽዕን ምውሳኑን ተመልኪቱ። ወተሃደራዊ መንግስቲ ማሊ ብወገኑ ከም ግበረ መልሲ ናይዚ ውሳነ ኣምባሳደራቱ ካብ ኣባል …

Read More »

ኣብ ትግራይ፡ ስደተኛታት ብድሮናት ተደብዲቦም

ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝነብሩሉ ዝነበሩ ሃዲሞም ኣብ ሓደ መዕቆብ ስደተኛታት ተዓቚቦም ዝነበሩ ተጋሩ ኣደዳ መጥቃዕቲ ናይ ድሮናት ከምዝኾኑ ተሓቢሩ። ካብ ብዙሓት ማዕከናት ዜና ዝወጹ ዘለው ጸብጻባት ከምዝሕብሩዎ፡ ዛጊት 50 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ተፈሊጡ’ሎ። ከም ጸብጻብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (TPLF) እንድሕር ኮይኑ፡ ካብ ዓርቢ ጀሚሩ እዩ ብዛዕባ እዚ ናይ ድሮን መጥቃዕትታት ዝተጋወሐ። በቲ መጥቃዕቲ ድማ 56 ንጹሃን ዜጋታት ተቐቲሎም ክብል …

Read More »

Säpo፡ ኣብ ናይ ጽሬት ድሕሪ ዘጋጠመ ፍጻሜ፡ ሕግታት ክፍትሽ ምዃኑ የተሓሳስብ

ኤክስፕሬሰን (Expressen’s)  ዝባሃል ማዕከን ዜና ድሕሪ ዘውጾ ሓበሬታ፡ ትካል ኣገልግሎት ጸጥታ ሽወደን (Swedish Security Service)፡  ኣብ ሓደ ሓደ ሕግታት ለውጢ ንምግባር ‘የድልይ ድዩ ኣየድልን’ ይዛራረበሉ ከምዘሎ ኣፍሊጡ። እዚ ዕላዊ ዝኾነ ሓበሬታ ብዛዕባ ሓንቲ ንኽትጥረዝ ትእዛዝ ዝወጸላ ስደተኛ ሰበይቲ ዝምልከት ኮይኑ፡ ንሳ ኣብትሕቲ ሓደ ናይ ጽሬት ስራሓት ዘካይድ ትካል ተቖጺራ፡ ነበር መንበሪ ገዛ ናይ ቀዳመይቲ ሚኒስቴር ማግዳሊን ኣንደርሾን ከተጽርይ ከላ ብፖሊስ …

Read More »

ሓሳኹ: መግቢ ናይ ጠፈርተኛታት ከኾኑ ይኽእሉ’ዮም ተባሂሉ

ኣብ መጻኢ፡ ኣብ ልዕሊ ዝነበሮም ዝርዝር ዓይነት መግቢታት፡ ጠፈርተኛታት: ዘይልሙድ ወሰኽ ናይ ምግቢ ክግበረሎም ከምዝኽእል ተሓቢሩ። ከም ናይ ሕርሻ ሳይንስ ዩኒቨርሲቲ ሽወደን (SLU) ካብ ዝኣመሰሉ ተመራመርቲ ዝርከቡዎም ኣብ ዝገብሩዎ ዘለዉ መጽናዕቲ፡ ሓሳኹ ኣብ ጠፈር ከመ ሃናጺ መግቢ ኮይኖም ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ ዝኽእሉ እንድሕር ኮይኖም ክፍትሹ ምዃኖም ራድዮ ሳይንስ (vetenskapsradion) ጸብጺቡ። “ኣብ ናይ ነዊሕ ናይ ጠፈር ጉዕዞታት ኮምኡ’ውን ናብ ካልኦት ፕላኔታትን ንምብጻሕ …

Read More »

ብኮቪድ ንዝተለኽፈ ወዳ: ኣብ ድሕሪ መኪና ትዓጽዎ

ሓንቲ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሃሪስ – ቴክሳስ (Harris County, Texas) ነባሪት ዝኾነት ኣሜሪካዊት ሰበይቲ፡ ብኮቪድ ንዝተለኽፈ ወዳ: ኣብ ናይ መኪናኣ መቐመጢ ኣቕሑት ዓጽያቶ ስለዝተረኽበት ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ከም ዝኣተወት ናይ ውሽጢ ዓዲ ዜና ማዕከን ጸብጺቡ። እታ ጓል 41 ዓመት ዝኾነት ብምምህርና ትማሓደር ሰበይቲ፡ ‘ህይወት እቲ ቆልዓ ንሓደጋ ብምቅላዕ’ ብዝብል ዕላዊ ክሲ ተኸሲሳ ከምዘላ ተፈሊጡ’ሎ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እታ ሰበይቲ: …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com