Friday , May 3 2024

ካብዝን ካብትን

ብርክት ዝበሉ ናይ ማይ ጎብየታት: ኣብ ባሊ: ናጽነቶም ስለዝረኸቡ ብዙሓት ሓጎሶም ይገልጹ

ኣብ ኢንዶኔዥያ: ባሊ: ኣብ እትባሃል ደሴት: 33 ጎብየታት ማይ ናብቲ ባሕሪ ተፈንዮም። እቶም ሃለዋቶም ኣብ ሓደጋ ዝርከቡ ዘርኢ ናይ ሓምለዋይ ባሕሪ ጎብየታት (green sea turtles) ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣንጻር ዘይሕጋውያን ሃደንቲ ብዝተገብረ ስርሒት ካብ ኢድ እቶም ሃደንቲ ዝተናገፉ ከም ዝኾኑ ሮይተርስ ጸብጺቡ’ሎ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዞም ጎብየታት፡ ኩታ: ኣብ ዝባሃል ገምገም ባሕሪ ክፍነው ከለው: ብዙሓት ቱሪስትታት ፊልም እንዳሰኣሉ ሓጎሶም ከምዝገለጹ …

Read More »

ኣብ E4: ንሓደ በዓል መኪና ክሕግዝ ዝፈተነ ሰብኣይ: ንባዕሉ ተገጭዩ

ሓደ ኣብ ክሊ ዕድመ 20 ዓመት ዝርከብ ሰብኣይ: ኣብቲ ኣብ ሞንጎ ቬርናሞን ዮንሾፒንግን ዝርከብ መንገዲ መስመር E4 ተባሂሉ ዝፍለጥ ጎደና ብመኪና ድሕሪ ምውቅዑ ናብ ሕክምና ከምዝተወስደ ፖሊስ ኣፍሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቲ ሓደጋ: ብቐዳም: ኣጋ ሰዓት ክልተ ድሕሪ ቕተሪ ኣቢሉ እዩ ኣጋጢሙ። እቲ ሰብኣይ ንሓደ ካብ ካሊእ ቦታ ናይ ዝመጸ በዓል መኪና ንኽሕግዞ ኣብ ዝፍትነሉ እዋን እዩ እቲ ሓደጋ …

Read More »

መንግስታት ኣመሪካንን ጃፓንን ኣንጻር ሃይፐርሶኒካዊ ኣጽዋር ይሰማምዓ፥

ሚኒስትሪታት ወጻእን ምክልኻልን ክልቲአን ሃገራት ቪርቹዋል ኣኼባታት ድሕሪ ምክያዶም፡ ሕ.መ.ኣ.ን ጃፓንን ክልተ ናይ ምክልኻል ውዕላት ንምፍርራም ተዳልየን ከም ዘለዋ ተሓቢሩ፡ ፡ እዘን ክልተ ሃገራት ንኣብ ናይ ሃይፐርሶኒካዊ ኣጽዋር ዘስግኣ ሃገራት ግብረ- መልሲ ንምሃብን ንገለ ተክኒካዊ ክፋሉ ናይ ምክልኻል ንምምዕባል ምርምር ምክያድን ኣብ ዝብሉ ጉዳያት ወዕል ክፈራረማ `የን፡፡ ኣመሪካ፡ ቻይና፡ ሩስያ ከምኡ `ውን ሰሜን ኮርያ ካብ ባላስቲክ ሚሳይላት ኣዚዩ ዝቐልጠፈን ዝያዳ …

Read More »

ለባም ሓፍቲ! … ሓቐኛ ዛንታ … ቐዳማይ ክፋል … ብጸጋብርሃን ጎይትኦም

ድሕሪ ናይ 20 ዓመታት ምፍልላይ’የን ንፈለማ እዋን ገጽ ንገጽ ተራኺበን። ክልቲኤን ተሓቛቚፈን ብንብዓት ክሕጸባ እንከለዋ፡ ኪኖ ናፍቖት ዝኸደ ቃንዛ ከም ዘለወን ንማንም ግሁድ ነበረ። ኣቦአንን ኣዲአንን ግን፡ እንተስ ኣቐዲሞም ንብዓቶም ወዲኦም ወይ’ውን ብንብዓቶም ከይንበብ ዝኸወልዎ ምስጢር ነይሩ፡ ኣብ ሰሳሎኖም ተጨቢጦም’ዮም ዝርእይወን ኔሮም። እተን ብመልክዕን መፈላለዪ ዘይብለን ማናቱ ኣሓት፡ ባህርያተን ይኹን ዝሓለፈኦ ህይወት ግን ዘራኽብ የብሉን። ደሓር ግን ሓደ ዓይነት ዕጫ’ዩ …

Read More »

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘካይዶ ዘሎ ደብዳብ ስደተኛታት ኤርትራ ግዳያት ይኾኑ።

ኣብ ውሽጢ ትግራይ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ዝቕመጡ ኤርትራውያን ብሰንኪ’ቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘካይዶ ዘሎ ደብዳብ ግዳያት ይኾኑ ምህላዎም ተገሊጹ። ብረቡዕ ከባቢ ማይዓይኒ ኣብ ዝተኻየደ ደብዳብ ኣየር ግዳያት ሞት ምዃኖም እውን UN ኣመልኪቱ’ሎ። ክልተ ካብዞም መወትቲ ቆልዑ ምዃኖም እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ኣረዲኡ። ካልኦት ብርክት ዝበሉ እውን ኣካላዊ መጒዳእቲ ከም ዝበጽሖም ተገሊጹ። ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፊሊፖ ግራንደ ስደተኛታት ዕላማ …

Read More »

ኣብ ሱዳን: ህዝባውያን ተቓውሞታት ይቕጽሉ

ኣብ ሱዳን፡ ተቓውሞታት ኣንጻር እቲ ወታሃደራዊ ጁንታ ይቕጽሉ ከም ዘለው ተሓቢሩ። ከም ጸብጻባት መሰኻኽር ዓይኒ እንተድኣኾይኑ፡ ብሓሙስ ኣብ ብርክት ዝበላ ከተማታት እታ ሃገር ዝርከቡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ተቓወምቲ ናብ ጽርግያታት ምውጽኦም ተሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እቲ ወታሃደራዊ ክንፊ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ነቶም ናብቲ ፕረዚደንታዊ ህንጻን ወታሃደራዊ መዓስከርን ዝወስዱ መንገድታት ከም ዝዓጸዎም ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣንጻር እቶም ተቓወምቲ መንብዒ ጋዝ ከምዝተጠቀመ’ውን …

Read More »

Intervju 08/01/2022

Read More »

ሩዋንዳ . . . ብስንኪ ዝተጸምቈ ስዋ ባናና: 11 ሰባት ሞይቶም

ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ሩዋንዳ: ኣውራጃ ቡጌሰራ: ንበዓል ክሪስማስ ተባሂሉ እተዳለወ ስዋ ባናና ብምስታዮም 11 ከም ዝሞቱ ትካል መርመራ እታ ሃገር ኣረጋጊጹ። ኣርባዕተ ካልኦት ድማ ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ይከታተሉ ምህላዎም እቲ ዜና ወሲኹ ኣረዲኡ። ኣብ ጨጎራ እዞም ግዳያት ልዑል መጠን ኤታኖል እተባህለ ከሚካል ከም እተረኽበን ምኽንያት ሞቶም እዚ እዩ ተባሂሉ ከም እተደምደመን በዓልመዚ መግቢን መድሃኒትን ሩዋንዳ ገሊጹ’ሎ። ንኣዳላዊ እቲ መስተ ሓዊስካ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም …. ብኣማኑኤል ሳህለ …. ባህላዊ ግጥሚ ትግርኛ፡ መልቀስ (Tigrinya Folk Poetry, Dirge) … Part 1

ሓንቲ ሰበይቲ ነበራ፡ ኣቕላስያ ኢዩ ስመን፡ ካብ ጭዋታትን ዓበይትን ሰባት ከም እተወልዳ ንሰብ ከእምና ምሉእ ህይወተን ዘሕለፋኦ። እቶም ዚፈልጡወን ግን ኣይተገደሱለንን። ንሰን ሓደ እዋን ጥዕናአን እናኣንቆልቆለ ይኸይድ ከም ዝነበረ ስለ ዘስተብሃላ፡ ናብ ሓደ ኣልቃሳይ ከይደን ኣብ ግዜ ቀብረን ብዛዕባ ጭውነተን ጠቒሱ ከልቅሰለን ይውከሳኦ። ንሱ ድማ ተሰማምዐ። ይኹንምበር ኣብታ ንሰን ዝሞታላ መዓልቲ፡ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ድማ ይመውት። ብድሕሪኡውን ናይቲ ኣልቃሲ ዘመድ …

Read More »

Harmony Media News 07/01/2022

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com