Saturday , May 4 2024

ውህደት

ሕርቃን – ከም መመቀሪ ህይወት

ስምዒት ጸቕጢ፡ ጠንቂ ብዙሓት ሕማማት’ዩ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሕርቃን መበገሲ ስምዒታዊ ጸቕጢ’ዩ። ሕርቃንካ ብግብረ መልሲ፡ ማለት ነቲ ጠንቂ ሕርቃነይ’ዩ እትብሎ ሰብ ከተጉሂ ምፍታን፡ ንግዚኡ ስምዒትካ ዘርወኻ ኰይኑ ይስምዓካ። እንተዀነ፡ ሳዕቤኑ ከቢድ’ዩ። ኣብ ዘይተደልየ ናይ ሕነ ምፍዳይ ሓሸውየ ትጽመድ’ሞ ሰላም ካባኻ ትርሕቕ። ኣብ ግዜ ሕርቃን፡ እቲ ዘሕርቐካ ከም ኣሽሓት ኣፍራስ ኣብ ዙርያኻ ዝጋልቡ ዘለው ኰይኑ ክስምዓካ ይኽእል ይኸውን’ዩ። ረጊእካ፡ ገዛእ-ርእስኻ ወዲብካ ምስ …

Read More »

ትምህርቲ ቋንቋ ኣብ ሽወደን፡

ትምህርቲ ቋንቋ ሓደ ካብ ወለዲ፡ ወይ ክልቲኦም ወለዲ፡ ካብ ሽወደንኛ ወጻኢ ቋንቋ ኣደ ዝዛረቡ እንተኾይኖም፡ እሞ ድማ፡ እቲ ቋንቋ ኣብ ገዛ ዝጥቀሙሉ ቋንቋ እንተኾይኑ፡ እቲ ቖልዓ፡ ነዚ ቋንቋ’ዚ ክምሃሮ መሰል ኣሎዎ። ግን ከኣ፡ እቲ ቖልዓ፡ መባእታዊ ኣፍልጦ ናይቲ ቋንቋ ክህሉዎ ይግባእ። ኣብ ገዛ’ውን ኩሉ ግዜ ዝጥቀመሉ ክኸውን ይግባእ። ካልእ ቋንቋ ኣደ ዘሎዎም ተማሃሮ’ውን፡ ሽወደንኛ ከም ካልኣይ ቋንቋ (Svenska som andraspråk) …

Read More »

ኮሚደረ

እዚ ነዊሕ ዓመታት ዝገበረ ፍረ፡ ኣብ ሃገረ ጥልያን እቲ ብዙሕ ተገዳስነት ዘይወሃቦ ዝነበረ ፍረ እዩ። እቶም ቀዳሞት ነበርቲ ደቡብ ኣመሪካ ኣብ ማእከላይ ኣመሪካ ይዘርእዎ ከም ዝነበሩ ድማ ይፍለጥ። ኮሚደረ፡ ናብ ሃገረ ጥልያን ኣብ 1500 ዓመተ ምህረት ብስጳኛውያን ዳህሰስቲ’ዩ ተኣታትዩ። ብድሕሪ’ዚ ብዝመጹ ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ነበርቲ እናስፍሐ ከይዱ። ኮሚደረ፡ ብዘለዎ ማያዊ ትሕዝቶ ኣብቲ ፈለማ እዋን ኣብ ምሕቃቕ መግቢ ጸገም የምጽእ’ዩ ዝብል እምነት …

Read More »

ጸጸር ናይ ኩሊት ማለት እንታይ ማለት እዩ

ጸጸር ናይ ኩሊት ማለት እንታይ ማለት እዩ ? ምስ ሽንቲ ኩሉ ግዜ ርስሓት ይወጹ።እንተድኣ እዞም ርስሓት ብግቡእ ወይድማ ሙሉእ ብሙሉእ እንተዘይሓቂቆም ኣብ ክፋል ኩሊትና ክሪስታላዊ ወይ ጸጸር ይገብሩ። እዚ ድማ ጸጸር ናይ ኩሊት ኢልና ንሰምዮ። ንኣሽቱ ጸጸር ናይ ኩሊት እንሓንሳብ ምስ ሽንቲ ክወጹ ይኽእሉ እንሓንሳብውን ኣብ ሻምብቆታት ናይ ሽንቲ ተላሒጎም ይተርፉ ።እዚ ድማ ቃንዛ ጸጸር ኩሊት ከላዑሉልና ይኽእሉ።ጸጸር ናይ ኩሊት …

Read More »

ፍሽለት.. ዓወት!

“ፍሽለት ኣገዳሲ ኣይኰነን። ገዛእርእስኻ ምትላል ትብዓት ይሓትት።” ቻርሊ ቻፕሊን ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ዝወደቕና ከም ዘለና ዘጠራጥር ኣይኰነን። ምኽንያቱ ፍሽለት / ውድቀት/ ሓደ ክፋል ናይ ህይወትና ስለ ዝዀነ። ኣብ ጉዕዞ ሂወትና፡ ፍሽለት ከም ዘጋጥመና ከይዘንጋዕና፡ ብኸመይ ኣብ ረብሓና ከም እነውዕሎ ዝያዳ ክንመራመር ከም ዘለና ምሁራት ስነ-ልቦና ኣጥቢቖም እዮም ዝመኽሩ። ብዛዕባ ውድቀት/ፍሽለት ብዙሕ ዛንታ እዩ ዘሎ። ብዛዕባ ገለ ዕዉታት ሰባትን ዝሰገሩዎ ፍሽለትን …

Read More »

ብዛዕባ ፓርቱናን

ፓርቱናን ኣብ ከተማ ኣቴንስ-ግሪኽ ዝርከብ ጥንታዊ ቤተ-መቕደስ እዩ። እዚ ቤተ-መቕደስ ኣብ ኣክሮፖሊስ ተባሂሉ ዝጽዋዕ እምባ ተደኲኑ ዝርከብ ኰይኑ ንክብሪ ኣቴና ተባሂላ እትፍለጥ ጣኦት ዝተገብረ እዩ። ከም ዝበለጸ መግለጺ ቅዲ ህንጻ ጥንታዊት ግሪኽ ከኣ ይጥመት። ፓርቱናን ብኢክቲነስን ካሊክራተስን ተባሂሎም ዝፍለጡ ግሪኻውያን እዩ ተነዲፉ። ካብ 447- 432 ቅ.ል.ክ ኣብ ዝነበረ እዋን ከኣ ተሃኒጹ። ግሪኻዊ ቀራጺ ፊዲያስ ከኣ ነቲ መመልክዒ ቅርጻ’ቲ ህንጻ ሰሪሕዎ። …

Read More »

ፍረታት

ሓደ እኹል ሰብ ብውሕዱ 2 ወይ ድማ 200 ግራም ፍራታት ንመዓልቲ ክምገብ ይግባእ። ክምዚ ምስ ዝምገብ ብስብሒ ዝስዕብ ሕማማት፡ መንሽሮ መዓናጡ፡ ሕማም ሽኮር ናይ ምሕማም ተኽእሎ ብጣዕሚ ይትሕት። ካልእ ዓይነት ፍረታት መሪጽና ምስ እንምገብ ውን ዘድልየና መኣዛታት ክንረክብ ንኽእል ኢና። ኣብ ታሕቲ ንሓደ መዓልቲ እኹል ዝኾነ ፍረታት ንርአ ምኽሪ ዝያዳ ፍሩታ ንኽንምገብ ፍሩታ ብቐሊሉ ክርከብና ክብላዕን ይከኣል ባናና ወይ ድማ …

Read More »

ስንኩል ኴንካ ምንባር

ስንክልና ኣሎዎ ዝብሃል ሰብ፡ ብምኽንያት ሕማም ወይ መጕዳእቲ ብዝወረዶ ጸገም ዝሰንከለ ኮይኑ፡ ደገፍ ዘድልዮ ሰብ ማለት እዩ። እቲ ስንኩል፡ ልክዕ ከም ካልኦት ጥዑያት ሰባት፡ ኣብቲ ሕብረተሰብ ክዋሳእ ዕድል ኣሎዎ። ስንክልና ዘሎዎም ህጻናት፡ ልክዕ ከም ካልኦት ጥዑያት ህጻናት፡ ክንክንን ትምህርትን ይውሃቦም እዩ። LSS (ንስንኩላን ዝውሃብ ደገፍን ኣገልግሎትን) ዝብል ሕጊ ኣሎ። ንሱ፡ ስንኩላን ደገፍ ንምርካብ መሰል ይህቦም። እቲ ሓገዝ፡ ንኣብነት ብሰብ መልክዕ …

Read More »

ምፍዋስ ዘድልዮም ሕማማት

ምሁር ስነ-ልቦና ኣብርሃም ማስለው ሓደ እዋን፡ “ደቂ ሰባት ምስ ተወለዱ ካብ ስድራኦምን ሕብረተሰቦምን ብዝወርስዎ ክብርታት’ዮም ተማእዚኖም ዝዓብዩ”። ኢሉ ነይሩ። ካብ’ዚ ብምብጋስ ከኣ፡ ኣብ ሂወቶም ብሉጽ ዝኾነ ነገር ንኽገብሩ ጽልዋ ክሓድሮም ግድነት ይኸውን። ኣብነታውያን ብምዃን ከኣ፡ ብትምህርቲ፡ ስራሕ ይኹን ካልእ ጸለውቲ ንክኾኑ ይሕግዞም። ብመሰረት ውጽኢት ኣተዓባብያኦም ድማ፡ ኣብ ነብሶም ጥራይ ዘይኮነስ፡ እንተላይ ኣብ ሕብረተሰቦምን፡ ሃገሮምን ሓያል ዝኾነ ተዘካሪ ነገራት ብምብርካት ይልለዩ። …

Read More »

ፈጸጋ

ፈጸጋ ኣብ ቆርበትና ንኣሽቱ ነድሪ ቆርበት ወይ ዕንፍሩር ምስዘጋጥም ዝፍጠር ኩነት እዩ ኮይኑ ድማ ኣብ ከባቢ ላዕለዋይ ቀጸላ ቆርበት ዝርከቡ ጽቅታት ቅብኢ ዝምዕብልዩ። እዞም ጽቅታት ኣብ ላዕለዋይ ቀጸላ ቆርበትና ዝርከቡ፡ንቆርበትና ቅብኢ ድምስርሑ ኮይኖም ቆርበትና ንኸይደርቕን ኣንጻር ዝተፈላለዩ ረኽሲ ባክተርያን ፉንገስ ናይ ቆርበትን ይከላኸለልና። ዳርጋ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ እዋን ጉብዝና ፈጸጋ የጋጥሞ።እንተኾነ ክብደቱ/ብርትዔ ፈጸጋ ይፈላለ።ቀይሕ ወይ ጻዕዳ ዕንፍሩር /ዝነደረ ቆርበት …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com