Sunday , May 5 2024

ስፖርት

ኣርሰናል እታ ንግስቲ ዋንጫ ኤፍ ኤ ካብ

ትማሊ ምሸት ንበል 139 ግዚኡ ኣብ ዝተካይደ እቲ ብዕብየቱ ድሕሪ ፕሪመር ሊግ ብብዝሒ ተሳታፍነት ጋንታታ ኣስታት 400 ሙዃኑ እዩ ኣብ ቀዳማይ ደርጃ ዝስራዕ ውድድር ኤፍ ኤ ካብ ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ፣ ክለብ ኣርሰናል ርእሰ ኩለን ጋንታ ጸብለል ብምባል ን14 ግዜ ነዛ ጽዋዕ ብምልዓል ንግስቲ እዚ ውድድር ኮይና ንረኽባ። ብታሪኽ እዚ ውድድር ኤፍ ኤ ካብ ብዕድመ ካብቶም ዝገደሙ ውድድር ኮይኑ ካብ 1871 …

Read More »

ዛላታን ኢቭራሂሞቪች ንጉስ ሳንሲሮ

ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ምስ ክለባት ኢንተር ሚላንን ኤሲ ሚላንን ብምጽዋት ልዑል ክእለቱ ዘመሰከረ ዛላታን ኢቭራሂሞቪች ናይ መጀመርያ ተጻዋታይ ምስ ክልቴን ጋንታታት 50 ሸቶታት ኣብ ሰሪ ኣ ሜዳ ሳንሲሮ ብምምዝጋቡ ንጉስ ሳንሲሮ ዝብል ስም ይወሃቦ። ንሱ ነዚ ክብሪ ክበጽሖ ዝኸኣለ ትማሊ ክለቡ ኤስሚላን ምስ ክለብ ሳምፒደርያ ኣብ ዝነበራ ጸወታ ክልለ ሸቶታት ብስሙ ከምእውን ሓንቲ ቀረብ ብምግባር ክለብ ኤስ ሚላን 4 ብ …

Read More »

ጁቬንቱስ ዘውዲ ሻምፒዮን ሰሪ ኣ ደፊኣ

ጁቬንቱስን፡ ብክልተ ሸቶታት ፈደሪኮን ሮናልዶን ተሓጊዛ ኣብ ልዕሊ ሳምፒዶርያ ብምዕዋት ን 9 ተከታታሊ ሻምፕዮን ሰሪ ኣ ብሙዃን ብድምር 36 ግዜ ብምልዓል ዘውዲ ክትደፍእ ከላ፥ ክርስትያኖ ብውልቁ መበል 30 ጽዋእ ኣልዒሉ ።ጀቬ ንግጥማት ሰሪ ኣ ክልተ ተረፍ ጸወታ እንከላ እያ ቻምፕዮንሙካና ኣረጋጊጻ ዘላ።ሮናልዶ ኣብዚ ሓንቲ ሽቶ ዘመዝገበሉ ግጥም ሓንቲ ፍጽም ቅላዕመቅጻዕቲ ክምክን እዩ ተራእዩ።ሮናልዶ በዛ ናይ ሎሚ ሸቶ ተሓጊዙ ብ 31 …

Read More »

ሊቨርፑል ን 30 ዓመታት ዘማዕደወታ ጽዋእ ፕርመርሊግ ኢዳ ተንብረላ።

ሊቨርፑል ነታ ን 30 ዓመታት ኣማዕድያ ክትርእያ ዝጸንሔት ጽዋእ ፕርመርሊግ ብ ገፊሕ ዓወት 5 ብ 3 ኣብ ልዕሊ ቸልሲ ተሰንያ ኢዳ ኣንቢራትላ። ኣብዚ ጸወታ ሓንቲ ንሸቶ ካልእ ቀረብ ዝገብረ ተኸላኻላይ ኣሌክሳንደር ኣርኖድ በዚ ናይ ሎሚ ምሸት ቀረብ ተሓጊዙ ሓድሽ ክብረ ወስን ማለት ኣብ ሓደ ዓመት 13 ቀረብ ዝገብረ ተኸላኻልይ ብሙዃን ሓድሽ ክብረ ወስን ብሽሙ ጺሒፉ።

Read More »

ሄኖግን ኣብርሃም ኣብ ዝደሞቅሉ ጸወታ ክለብ ኣይኮ ነጥቢ ትማቀል

ክለብ ኣይኮ ኣብ መስመር ምጥቃዕ ብ ክልተ ኤርትራውያን ዝመበቖሎም ሄኖግ ጎይቶምን ጳውሎስ ኣብርሃምን ተመሪሓ ምስ ክለብ ቫርበርይ ቦልስ ኣብ ዝገብረቶ ጸወታ፣ ክልትኦም ተጻወቲ ብዘመዝገብወን ሸቶታት እካ መሪሓ ተወዓለት ኣብ ምበል 90 ደቂቅ ክለብ ቫርበርይ ብዝርከበታ ፍጹም ቅላዕ ነጥቢ ክትማቀል ተገዲዳ። ኣብዚ ጸወታ ሄኖግ ኣብ መበል  ዝወዓለ 12 ደቂቅ መርሓ እካ ተነበረት ድሒራ ብዝተመዝገበታ ሸቶ ብምዕርራያ፣ መመሊሱ ብቅዓቱ እንዳ ኣመስከረ ዝደምቕ …

Read More »

ታሪኻዊት ጋንታ ሊድስ ዩናይትድ ናብ ፕሪመር ሊግ ትምለስ

ታሪኻዊት ጋንታ ሊድስ ዩናይትድ ድሕሪ ናይ 16 ዓመት ጻንሖት ኣብ ታሕተዋይ ድቪዝዮን ብ ሙኹር ኣርጀንቲናዊ ኣስልጣኒ ፍሉይ ቅዲ ዝክተልን ታክትሻን ተባሂሉ ዝጽዋዕ ማርሴሎ ቢዬልሳ ተሓጊዛ ናብ ንነዊሕ ግዜን ሽማ ዘጸውዓትሉ ትምለስ ዘላ። ሊድስ ነዚ ዘረጋገጸት ትማሊ ቀንዲ መተሃላለክታ ዝነብረት ዌትስ ብሮ ብ በሃድስፊልድ ታዎን 2 ብ 1 ድሕሪ ምስዓራ ብ ኣርባዕተ ነጥቢን ብ ሓደ ጸወታ ጎደሎ ብ 87 ነጥቢ ነዚ …

Read More »

ርያል ማድሪድ ንመበል 34 ጊዚኣ ሻምፕዮን ላሊጋ ሳንታንደር ብምዃን ዘውዲ ደፊኣ።

ስጳኛዊት ክለብ ሪያል ማድሪድ ዋንጫ ላሊጋ ናይዚ ዓመት ተዓዊታ። ሪያል፡ ንጋንታ ቪላሪያል 2 ብ 1 ድሕሪ ምስዓራ’ያ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ቻምፖዮን ናይቲ ሊግ ክትከውን በቒዓ ዘላ። እታ ዘይነዲን ዚዳን ‘ዚኣሰልጣኒኣ ሪያል ማድሪድ ፡ ሓደ ግጥም ተሪፍዋ እንከሎ፡ 86 ነጥቢ ብምውህላል’ያ ተዓዊታ ዘላ። እታ ኣብዚ ናይ ሎሚ ምሸት ጸወታኣ ብኦሳሱና 2 ብ 1 ዝተሳዕረት ባርሶሎና ድማ 79 ነጥቢ ብምሓዝ ካልኣይቲ ኮይና …

Read More »

ክለብ ኣይኮ ብሽቶ ሄኖግ ጎይቶም ተሓጊዛ ደረጅኣ ተመሓይሽ

ስጋብ ሕጂ ውድድር ኩዑሶ እግሪ ሽወደን ኣልስቫንስካ ካብ ዝተኻየዱ ውድድራት ክለብ ኣይኮ ካብ 8 ግጥማት 3 ስዕረት 2 ማዕረ ብምእንጋድ ኣብ ዝኼፍኤ ምጅማር እዚ ውድድር ድሕሪ ምጽናሕ ፣ትማሊ ምስ ኣብ ደሓን ኩነታት ዝጸንሔት ክለብ ስሩስ ኣብ ዝገብረቶ ውድድር ኣብ መብል 75 ደቂቅ ብእንኮ ሸቶ ሄንግ ጎይቶኦም ናብ ዓወት ተመሊሳ። ስጋብ ሕጂ ካብ ዝተኻየድ ውድድር ኩዑሶ እግሪ ኣልስቫኒስካ ክለብ ኖርሾቢንግ ካብ …

Read More »

ኣነ ከም ፕረሲደንት፣ ኣሰልጣንን ተጻዋታይ እየ ዝሰርሕ ዘለኹ ደሞዘይ ግን ናይ ተጻዋታይ ይኽፈል። ዛላታን

ኣነ ካብ ምጅማር እዚ ወቕቲ ኣብዛ ጋንታ ኤሲሚላን ተዝህሉ ነይረ ነዛ ጋንታ ቀዳመይቲ ምገበርክዋ ብምባል ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ግጥም ን ክለብ ጁቨንቱስ ሓንቲ ሸቶ ብምምዝጋብ 4 ብ 2 ኣብ ዝሰዕርሉ ዝበሎ ተረካቢ ዘረባ።

Read More »

ኣብ ግጥማት ኣልስቫንስካን ሽወደን ዝደምቅ ዘሎ ናሆም ግርማይ።

ኣብዚ ዓመት ፈላማይ ናይ ላዕለዎት ዲቪዝዮን ምስ ጋንታ ሲሩስ ዘካይድ ዘሎ ናሆም ግርማይ ትማሊ ኣብ ልዕሊ ክለብ ፋልከንበርይ ሸቶ ብምምዝጋብ ን ጋንትኡ ምስ ላዕለዎት ሰለስተ ክትስራዕ ኣኽኢልዋ። ኖሆም ግርማይ ኣብ ከተማ ከተማ ክሪስታንስታድ ብ 1994 ዝተወልደ ኮይኑ ፈላሚ ጸወትኡ ገና ብንእስነቱ ኣብ 2012-13 ምስ ትሕቲ 19 ዓመት ክለብ ክሪስታንስታድ ብምጅማር ኣብ 2018 ናብ ዓባይ ክለብ ቫርበርይ ብምስግጋር ኣብ ይዕይንቲ ዓበይቲ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com