Sunday , May 5 2024

ስፖርት

ክርስትያኖ ሮናልዶ: ብኮሮና ቫይረስ ተለኺፉ

ውሩይ ተጻዋታይ ኩዑሶ እግሪ ዓለምና ክርስትያኖ ሮናልዶ ምስ ሃገራዊት ጋንትኡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን መርመራ ኮሮና ኣካይዱ ኣወንታዊ ውጽኢት ከም ተረኽቦ: ፈደረሽን ኩዑሶ እግሪ ፖርቱጋል ሎሚ ሓቢሩ። ካብ ሎሚ ጀሚሩ: ካብ ኣባላት ሃገራዊት ጋንትኡ ተፈልዩ ንዓሰርተ መዓልታት ክውሸብ ምዃኑ‘ቲ ፈደረሽን ሓቢሩ ኣሎ። ብድሕሪ‘ዚ ነቶም ዝተረፉ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ፖርቱጋል: መርመራ ተገይርሎም: አሉታዊ ውጽኢት ከም ተረኽቦመን ካብ ኮሮና ነጻ ምዃኖም ተረጋጊጹ።ክርስቲያኖ: ጽባሕ …

Read More »

ሽወደን ብ ሸቶ ኣለክሳንደር ኢሳቕ ተሓጊዛ ትዕወት

ሃገራዊት ጋንታ ሽወደን ትማሊ ምሸት ካብ ሃገራ ወጻኢ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ሩስያ ዝነብራ ናይ ምሕዝነት ጸወታ ብ ዓወት 2ብ 1 ተዓዊታ። ኣብቲ ካብ መፈለምትኡ ኣብ መስመር ምጥቃዕ ን ኣለክሳንደር ኢሳቅ ኣሰልፋ ዝጀመረቶ ግጥም፣ገና ኣብ መበል 21 ደቂቅ ካብ ኣለክሳንደር ዝረኸበታ ሸቶ ተሓጊዛ እያ ንዕረፍቲ መሪሓ ወጺኣ። ኣብዚ ግጥም ብዙሓት ንኣሽቱ ተስፋ ዘለዎምን ተጻወቲ ዝተሰለፉሉ ጸወታ፣ ሸወደን እንተድኣ ዕድል ሂባቶም መጻኢ …

Read More »

ናይ’ዚ ዓመት፡ መስኮት ምስግጋር ተጻወቲ፡ ሎሚ ተዓጽዩ

ክሮና ቫይረስ ዘስዓቦ ቁጠባዊ ቅልውላው፡ ንኹለን ክለባት ከምዝጸለወን ግሁድ ተርእትዮ ናይ’ዚ  ዓመት እዩ ነይሩ። ክለባት፡ ዓበይቲ ወጻኢታት ክገብራ ዘይትጽበዮ እዩ። ይኹን እምበር፡ እዚ ዓቢ ትጽቢት ዝተገብረሉ መስኮት ምስግጋር ተጻወቲ፡ ምስ እዋናዊ ኩነታት ብምንጽጻር ተዛማዲ ዝኮነ ምስግጋር ተጌሩ ኣሎ ክበሃል ይከኣል። ካብቲ ዝተኻየደ ምስግጋር ንምጥቃስ፡ ካብ ትጽቢት ብዙሓት ወጻኢ፡ ክለብ ኣርሰናል ኣብ ናይ መወዳእታ ሰዓት ዘርኣየቶ ምንቅስቃስ’ዩ። ክረምቲ ምሉእ ክዝረበሉ ዝጸንሐ …

Read More »

ዜና ስፖርት

ትማሊ ሰንበት፡ ብዙሕ ትጽቢት ተጌርሉ ዝነበረ ጸወታ እንተነይሩ ቶተንሃም ምስ ማንተስተር ዩናይትድ እዩ ኔሩ። ጆሴ ሞሪኖ ምስ ናይ ቀደም ዘሰልጠና ዝነበረ ክለብ ክጻወት ምኳኑን ምስ ሶልሻየር ዘለዎ ምትፍናን ሓዊስካ ተሃራፊ ጸወታ ካብ ዝገበሮ ኔሩ። ይኹን እምበር 6 ብ 1 ክውዳእ ከኣ እሞ ዝተጸበዮ ኣይነበረን ። ኩዕሶ ከባብ ምዃና ግዲ ኮይኑ ግን፡ ቶተንሃም ታሪኻዊ ዓወት ከተመዝግብ ማንቸስተር ዩናይትድ ታሪኻዊ ውርደት ብሞሪኖ …

Read More »

ኣብ ጸወታ ኩዕሶ እግሪ ሽወደን፡ ዓሌትዊ ፍጻሜ ኣጋጢሙ

ሰንበት ምሸት፡ ኣብ መንጎ ሽወደናውያን ክለባት እስክሊስቱናን ኡምዮን ዝተካየደ ጸወታ፡ ሓላዊ ልዳት እስክሊስቱና ዝኮነ ጆሽዋ ዊክስ፡ ግዳይ ዓሌታዊ ተግባር ከም ዝኾነ ክለቡ ኣፍሊጣ። ክለቡ ከም ዝሓበረቶ ሓላዊ ልደት፡ ጆሽዋ፡ ካብ ሓደ መቐናቕንቲ ተጻዋታይ እዚ ሕማቕ ተግባር ከም ዝበጽሖ ገሊጻ። ማዕከናት ዜና ዘመሓላለፍኦ ስእላዊ ሓበሬታታት ከምዝገለጾ ፡ ጸወታ ምስተወድአ ጆሽዋን ሌክስን በቲ ዘጋጠመ ፍጻሜ ሕርቃኖምን ብስጭቶምን ኣብ ገጾም ግሁድ ከምዝነበረ ኣብሪሀን። …

Read More »

ዘይምሕር መስመር ምጥቃዕ ሊቨርፑል ክብሪ ቻምፕዮን ክዕቅብ ብቕዓት ከምዘለዎ የመስክር

ትማሊ ምሸት ትጽቢት መላእ ኣፍቀርቲ ክግብረሉ ዘምሰየ ግጥማ ሊቨርፑልን ኣርሰናልን ብዓብላለነት ሊቨርፑር ተዛዚሙ። ክለብ ኣርሰናል ቅርጺ ዘይብሉ ኣሰላልፋ ብምኽታል ተጻወታ ኣንፈቶም ብምጥፋእ ኩዑሶ  ንምቑጽጻር ዝተሽገርሉ ብቅልጣፈ ተጻወቲ ሊቨርፑል ብፍላይ ንስሞም ናይ ማእዝን ተኻላኸልቲ ግን ድማ ስርሖም ሪኢኻ ካብ ዓጥቃዕቲ ዘይ ሓምቑ ኣለክሳንደር ኣርኖድን ሮበርትሶን  ክድነቑ ዝግብኦም ናይዚ ጸወታ ኮይኖም እዮም። ቡዝሓት ደገፍቲ ኣርሰናል ለውጢ ጋንትኦም ክርእዩ ዝተመነይሉ ጸወታ ብምንባሩን እንተኾነ …

Read More »

ሎሚ ምሸት ግጥም ፕሪመር ሊግ ሊቨርፑል ምስ ኣርሰናል

ን መሳልል ፕሪመር ሊግ መን ብ ሙሉእ ነጥቢ ብመርሒነት ንምቕላስ፣ ሎሚ ምሸት ኣብ ሜዳ ኣንፊልድ ካብ ዝካየድኦ ክልተ ጸወታታት ሙሉእ ነጥቢ ሒዘን ዘለዋ ን ክብሪ ቻምፒዮንነታ ንምዕቃብ ትቃለስ ዘላ ሊቨርፑልን ኣርሰናል ዓቢ ግጥም ክእንገድ እዩ። ኣብዚ ናይ ሎሚ ምሸት ጸወታ ኣብ ኣንፊልድ ዝእንገድ ኮይኑ ብወገን ዳንነት ድማ ብ ማእከላይ ዳኛ ክረይ ፓውሰን ክምራሕ እዩ። ነዚ ናይ ሎሚ ጸወታ ብወገን ኣርሰናል …

Read More »

ቸልሲን ማንቸስተር ዩናይትድ ዝተፈተናሉ 3ይ ሰሙን ግጥማት ፕሪመር ሊግ

ሳልሳይ ሰሙን ግጥም ፕሪመር ሊግ ኢንግሊዝ ብ ኣርባዕተ ግጥማት ኣብ ዝቐጸለሉ ድርማቲካዊ ዓወት ማንቸስተር ይናይትድ ከምእውን ማዕረ ቸልሲ ብ ሎሚ ዓመት ዝሓለፈት ዌስት ብሮም ዝተፈተነትሉ ኮይኑ ሓሊፉ። ኣቀዲማ ግጥማታ ዘካየደት ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ መክፈቲ ጸወታ ብ ክርስታል ፓላስ ነጥቢ ብምጥፍኣ፣ ሓይላ ክትቀርብ ትጽቢት ቡዙሓት እካ እንተነበረ ክለብ ብራይተን ቀላል ብዘይምንባራ ኣብ ቀዳሞት 20 ደቓይቅ ብ ክልተ ዓንዲ ልዳት ዝተመልሳ ወስኽካ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም፣ ገለ ሓሳባትን ርእይቶን ብዛዕባ ፖለቲካ (Reflexions On Politics: 3 end)

ኣማኑኤል ሳህለ 3ይ ክፋልን መወዳእታን ብዘይካ ኣብ ውሑድ ኣጋጣምታት፡ ኣብተን ዝሓለፋ ዘመናት እተፈጥሩ መራሕቲ መውጻእቲ ሓራ መብዛሕትኦም ካብ ንኡስ ቡርዥዋ ወይ ማእከላይ ቍጠባዊ መደብ እተዋጽኡ እዮም። ሓረስታይ ወይ ዓዃይ ለውጢ ኣይደልን እዩ፡ ካብ ለውጥ ’ውን ብዙሕ ኣይጽበን። ምስ መሬቱን ኣምላኹን እዩ ዚጽጋዕ። እንተ ኸፍኦ ድማ ይምህለል ወይ ይስደድ። እቲ ህይወቱን ዕድሉን ኣብ ፖለቲካውን ቍጠባውን ኩነታት ሃገር ዝተኣሳሰርን ነቲ ምንቅስቓስ ዚመርሕን …

Read More »

ሉዊስ ስዋሬዝ ናብ ኣትለቲኮ ማድሪድ ተሰጋጊሩ

ሓድሽ ኣሰልጣኒ ክለብ ባርሴሎና ሮናልድ ኮማን ን ሉዊስ ስዋረዝ ኣብ ኣካል መደቡ ከምዘየለን ክለብ ክደሊ ድሕሪ ምሕባሩ ትማሊ ነታ ን 6 ዓመት ዝተጻወተላ ክለብ ባርሳ ብንብዓት ከምዝተፋነዋ ተገሊጹ። ሉዊስ ስዋረዝ ንክለቡ ኣብ ዝፋነወሉ ዝነበረ ግዜ ኩሉ ዝግባኣኒ ፈጺመ ዝፋኖ ከምዘሎኩ ዩ ዝስምዓኒ ድሕሪ ምባል ገጹ ብብክያት ከምዝተሓጽበ ተገሊጹ። ሉዊስ ሰዋረዝ ኣብ ባርሳ ኣብ ዝጸንሓሉ ግዜ 4 ዋንጫ ላሊጋ፡ 4 ኮፓ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com