Saturday , May 4 2024

ኣህጉራዊ ዜና

ፊንላንድ፥ ኣብ ዶብ ፊንላንድን ሩስያን፣ ዘይካ ክልተ ካልኦት ነቚጣታት ምዕጻው ከናውሕ እዩ

መንግስቲ ፊንላንድ ኣብ ዶብ ፊንላንድን ሩስያን፣ ኒራላን ቫሊማን ብዘይካ ክልተ መሳገሪ ዶባት ኩለን መሳገሪ ነጥብታት ምዕጻው ከምዘናውሕ ትማሊ ሰሉስ ኣፍሊጡ። ቫሊማን ፍርቂ ለይቲ ንመገሻ ክኽፈት ከሎ፡ ኒራላን ድማ ሓሙስ 14 ታሕሳስ ሰዓት 8 ንግሆ ክኽፈት እዩ። መንግስቲ ውሳነ እንተዘይሂቡ፡ ክሳብ 14 ጥሪ 2024 ኣብ ምብራቓዊ ዶብ ንመገሻ ክፉታት ዝኾና እንኮ መሳገሪ ዶባት ኮይነን ክቕጽላ እየን። እተን ክልተ ነጥብታት በቲ ሓደ …

Read More »

ኖርወይን ዓባይ ብሪጣንያን ሓይሊ ባሕሪ ዩክሬን ዳግማይ ንምህናጽ ይሰማምዓ

ከም ኣካል ናይቲ ኖርወይ ምስ ዓባይ ብሪጣንያ እትሃንጾ ዘሎ ሓድሽ ጥምረት፡ ሓይልታት ሓይሊ ባሕሪ ኖርወይ ኣብ ኖርወይ ንዝርከቡ ባሕረኛታት ዩክሬን ከሰልጥኑ ምጽንሖም ተፈሊጡ፡፡ እዚ ንምክልኻል ገማግምን መስመራት ባሕርን ዩክሬን ኣብ ጸሊም ባሕሪ ዳግማይ ንምህናጽ ዝዓለመ ጥምረት እዩ። ብዘይካዚ ካልኦት ሃገራት እውን ኣብዚ ጥምረት ክጽንበራ ተዳልየን ኣለዋ። ሚኒስተር ምክልኻል ኖርወይ ቢዮን ኣሪልድ ግራም ትማሊ ሰኑይ ንመንግስታዊ ፈነወ ኤን.ኣር.ኬ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ …

Read More »

“ደቂተባዕትዮ ዝያዳ ፒሳ የህልኹ”–መጽናዕቲ “ፊኒሽ ባሮሚተር”

ፉዶራ ዝተባህለ ኣገልግሎት ምብጻሕ መግቢ፡ ኣብ መንጎ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ዘሎ ፍልልይ ትእዛዝ መግቢ ንምግላጽ መጽናዕቲ ኣካይዱ። እቲ ዳህሳስ ከም ዘመልክቶ፡ ደቂ ተባዕትዮ ዝያዳ ተጠቀምቲ ናይቲ ብዓይነት ዝተዳለወ ፒዛ ክኾኑ እንከለዉ፡ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ዝተፈላለዩ መግብታት ናይ ምስትምቓር ዝንባለ ከም ዘለወን ኣለልዩ’ሎ። ኣብ ጽድያ 2023 ብ ግሬት ፊኒሽ ፉድ ባሮሜተር” ንምርጫ መግቢ ክልቲኡ ጾታታት ኣመልኪቱ ዝተኻየደ ሰፊሕ መጽናዕቲ፡ ደቂ …

Read More »

ኤችኤስ፡ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ፊንላንድ ዝርከባ ኣውቶቡሳት ሓሙስ ደው ክብላ ይኽእላ እየን።

ማሕበር ሰራሕተኛታት መጓዓዝያ ፊንላንድ (AKT) ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝዓበያ ከተማታት ፊንላንድ ኣገልግሎት ኣውቶቡስ ደው ዘብል ኣድማ ክገብር መደብ ከምዘለዎ ሄልሲንጊን ሳኖማት ዝረኸቦ ሓበሬታ ኣመልኪቱ። ማሕበር ሰራሕተኛታት ፊንላንድ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሓደ መዓልቲ ኣገልግሎት ባቡር ከተማ፣ ሜትሮን ባቡርን ደው ዘብል ኣድማ ከምዘካይድ ኣፍሊጡ ኔሩ። ኣብ ትራንስፖርት ዞባ ሄልሲንኪ (HSL) ሓላፊ ርክብ ዮሃንስ ላይቲላ፡ እቲ ኣድማታት ብሓንሳብ እንተተፈጺሙ፡ ኣብ ዞባ ርእሰ ከተማ …

Read More »

ሕብረት ኤውሮጳ ንመሰል ዜጋታት ንምሕላው ኣብ ዓለም ፈላማይ ሕጊ ብዛዕባ AI ክወጽእ ይደሊ

ሕብረት ኤውሮጳ ብፍላይ ከም ቻትጂፒቲ ዝኣመሰለ ጀነሬቲቭ ኤኣይ ብኸመይ ከም ዝከታተል ንኣዋርሕ ዝቐጸለ ኣጸጋሚ ድርድር ስዒቡ፡ ንኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ዝቆጻጸር ስፍሕ ዝበለ ሕግታት ዝምልከት ስምምዕ ክሃርም ይጽዕር ኣሎ። ብራስለስ ግን እንታይ እያ ትደሊ? ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዓለም ንፈለማ እዋን ኩለመዳያዊ ሕጊ AI ንምጽዳቕ ይቀዳደም ኣሎ፡ እቲ ጉዳይ ዝሓለፈ ዓመት ቻትጂፒቲ ቦት ናብ መድረኽ ምስ ፈንጀረ፡ ምዕባለታት ኤኣይ ኣጉሊሑ፡ ዝያዳ ህጹጽነት ድሕሪ …

Read More »

ኣድማ ዝገብሩ መካኒካት ቴስላ ስራሕ ከይስእኑ ይሰግኡ

ክልተ ኣድማ ዝገበሩ መካኒካት ቴስላ ምስ ሬድዮ ኒውስ ሽወደን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ኣድማ ንነዊሕ እዋን ክጸንሕ ይኽእል ይመስሎም ይብሉ። እቶም ኣድማ ዝገበሩ፡ ንኻልእ ነገራት ሓዊሱ፡ ውልቃዊ ኣቑሑት ካብ ስራሕ ቦታኦም ከውጽኡ ተሓቲቶም፡ እቶም መካኒካት ድማ ስርሖም ክስእኑ ከምዝኽእሉ ይጽበዩ ኣለዉ። ብሰሉስ እቲ ዝዓበየ ማሕበር ሰራሕተኛታት ዴንማርክ 3F ናይ ምትሕግጋዝ ኣድማ ስጉምቲ ምልክታ ሂቡ።

Read More »

ፊንላንድ፥ ቋንቋ እንግሊዝ እግሪ ይተክል ምህላዉ ንብዙሓት የሻቕሎም

ብዙሓት ፊንላንዳውያን፡ እንግሊዝኛ ብዋጋ ቋንቋ ፊንላንድን ሽወደንን ዝሰፍሐ ቦታ ክረክብ እዩ ዝብል ፋዕራ ከም ዘይብሎም ብኦማ ኪየሊ ዝተኻየደ መጽናዕቲ ይሕብር። ኣስታት 85% ሚእታዊት ካብቶም ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ ሰባት፡ ኩባንያታት ብቐንዱ ብቋንቋ ፊንላንድ ወይ ሽወደን ንተጠቀምቲ ከገልግላ ኣለወን ዝብል መግለጺ ምሉእ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ከምዝሰማምዑ ገሊጾም። ካብቶም መልሲ ዝሃቡ ሰባት ኣስታት 10% ጥራይ እዮም ምስቲ መግለጺ ዘይተሰማምዑ። እንግሊዝኛ እንኮ ቋንቋ ኣገልግሎታት …

Read More »

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ፊንላንድ ጌጋ ከም ዝፈጸመ ተኣሚኑ

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ማሪ ራንታነን (ፒኤስ) ኣብ ሩስያ 10 ሚልዮን ሕጋዊ ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ከምዘለዉ ዝሃበቶ ሓበሬታ ጌጋ ምዃኑ ተኣሚና። “ናይዚ ጌጋ ምሉእ ሓላፍነት ዝወስድ ኣነ እየ። ሩስያ ኣስታት ሸውዓተ ሚልዮን ወጻእተኛታት ኣለዋ፥ ካብዚኦም እቶም ክሳብ ክልተ ሚልዮን ዝግመቱ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣብታ ሃገር ዝቕመጡ እዮም” ክብል እየ ደልየ ነይረ ክትብል ዝሓለፈ ረቡዕ ምስ YLE ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት ኣነጺራ። ራንታነን …

Read More »

ሽወደን ክረምታዊ ኦሎምፒክ 2030 ኣይከተአንግድን እያ

ሽወደን ክረምታዊ ኦሎምፒክ 2030 ኣይከተአንግድን እያ ተባሂሉ። ኣህጉራዊ ሽማግለ ኦሎምፒክ ትማሊ ነዚ ውሳነኡ ኣሕሊፉ’ሎ። ኣብ ክንድኡ ፈረንሳ ነዚ ውድድር ከተአንግድ እያ። ፕረዚደንት ኮሚቴ ኦሎምፒክ ሽወደን ሃንስ ፎን ኡትማን በቲ ውሳነ ምጒሃዩ ገሊጹ’ሎ። ንሱ “ብዙሕ ምድላዋት ጌርና ከነብቅዕ ከይነአንግድ ምውሳኑ ዘሕዝን እዩ” ክብል ን ሰደቓ ስፖርት ሬድዮ ሽወደን ሓቢሩ’ሎ።

Read More »

ፊንላንድ፥ ምስ ሩስያ ዘራኽብ ዶባት ዝዓጸና ኣብ ወግዓዊ ገምጋም ተመርኲስና ኢና

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ማሪ ራንታነን ትማሊ ሰሉስ ኣብ YLE A-studio ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ መንግስቲ ንመላእ ምብራቓዊ ዶብ ንኽልተ ሰሙን ክዓጽዎ ዝወሰዶ ውሳነ፡ ሩስያ ኣንጻር ፊንላንድ እትገብሮ ወፍሪ ከተስፍሕ ትኽእል ምዃና ዝገልጽ ወግዓዊ ገምጋም መሰረት ዝገበረ ምዃኑ ገሊጻ። ንሳ “ክመጽእ ዝኽእል ሓደጋ ኣዝዩ ዓቢ ምዃኑ ብሰብመዚ ተሓቢሩና’ሎ” ክትብል ርእይቶኣ ሂባ’ላ። ፊንላንድ፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ከም መባጽሖ ዕዳጋ ዝለዋ ዝና እናወሰኸት ይኸይድ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com