Saturday , May 4 2024

ኣህጉራዊ ዜና

ፊንላንድ፥ ጡረተኛታት ኣብ 2024 ናይ ምዕዳግ ዓቕሞም ክብ ክብል እዩ

ኣብ 2024 ጡረተኛታት ፊንላንድ ናይ ምዕዳግ ዓቕሞም ዓቢ ወሰኽ ክረኢ እዩ ክብል “ማሕበር ከፈልቲ ግብሪ ፊንላንድ” ሓቢሩ። ብምኽንያት ኣብ ዝሓለፈት ዓመት 2023 ዝተኸስተ ዝቕባበ፥ ኣብ ሃገራዊ ጡረታ፣ ዋሕስ ጡረታን ኣብ ኣታዊ ዝምርኮስ ጡረታን ዝለዓለ ወሰኽ ኣርእዩ’ሎ። ሃገራውን ናይ ውሕስነት ጡረታን ብ 5.9%፥ ኣብ ኣታዊ ዝምርኮስ ጡረታ ኸኣ ብ 5.7% ክውስኽ እዩ። ግብሪ ጡረታ እውን ምቕያሩ፣ ኣብ ትሑትን ልዑልን ጡረታ ዝኽፈል …

Read More »

ቭላድሚር ፑቲን ን ሰራዊት ሩስያ ዝለዓለ ናእዳ ኣቕሪቡ

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ነቲ ኣብ ዩክሬን ዘካይዶ ዘሎ ኲናት ብግልጺ ከይጠቐሰ፡ ኣብ ናይ ሓድሽ ዓመት መደረኡ ሰራዊቶም ሓባራዊ ደገፍ ክግበረሉ ጸዊዑ። ንሱ፡ ንወተሃደራቱ ንሓቂ ኣብ ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ኣብ ቅድመ ግንባር ዘለኹም ጀጋኑ ኢኹም” ክብል ንኢዱ። ብተወሳኺ ንብዙሓት ሩስያውያን ቀንዲ ኣርእስቲ ዝኾነ ቁጠባዊ ጉዳያት ብምጥቃስ ን 2024 ዓመት ስድራቤት ክትከውን ኣዊጁ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፑቲን ብወተሃደራት ተዓጂቡ መደረ ዘስምዐ …

Read More »

መሃንድስ ዘመናዊ ሕብረት ኤውሮጳ ጃክ ደሎርስ ኣብ መበል 98 ዓመቱ ዓሪፉ

ሃንዳሲ ዘመናዊ ሕብረት ኤውሮጳ ተባሂሉ ዝፍለጥ ፕረዚደንት ኮሚሽን ኤውሮጳ ነበር ጃክ ደሎርስ – – ኣብ መበል 98 ዓመቱ ከምዝዓረፈ ጓሉ ገሊጻ። ንሱ ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ ኣህጒር ኣውሮጳ ዝርከቡ ሰባት፣ ኣቑሑትን ኣገልግሎታትን ናጻ ምንቅስቓስ ዘፍቅድ ዕዳጋን ንምፍጣር ዓብዪ ኣበርክቶ ፈጺሙ እዩ። ካብ 1985 ክሳብ 1995 ዘገልገለ ደሎርስ ንሓደ ባጤራ ኤውሮጳ ዝኾነ ዩሮ እውን መሰረት ምንባሩ እዩ ዝግለጽ። ደሎሩስ ነቶም ብፍላይ ኣብ …

Read More »

ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ ንሕቶ ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ኣጽዲቑዋ፡፡ ድሕርዚኸ?

ኣብ ባይቶ ቱርክ እትርከብ ኮሚተ ድሕሪ ዝገበረቶ ውሳነ፥ ሽወደን ኣብ መስርሕ ምጽንባር ኔቶ ዝጸንሓ ሓደ ዕንቅፋት ምእላያ ተገሊጹ። ሽወደን ናብ ኔቶ ንምጽንባር ዘካየደቶ ጻዕሪ ሃንጋሪን ቱርክን ካብ ምጽዳቕ ብምቚጣበን ንኣዋርሕ ተንሳፊፉ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብዚ ቀረባ እዋን ድማ ፕረዚደንት ቱርክ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን ነቲ ሕቶ ምስቲ ኣንካራ ካብ መሓዛኣ ኣሜሪካ ኤፍ-16 ነፈርቲ ውግእ ክትረክብ ዘቕረበቶ ሕቶ ድሕሪ ምትእስሳሩ ዝያዳ ምትሕልላኹ …

Read More »

ኖርወይ፥ እስራኤል ኣብ ቓዛ እተካይዶ ዘላ ደብዳብ ‘ተቐባልነት ዘይብሉ’ እዩ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኖርወይ ዮናስ ጋህር ስቶር፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ቓዛ እተካይዶ ዘላ ደብዳብ ዝሃቦ ነቐፌታ ኣጽንኦት ብምሃብ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ፍጹም ተቐባልነት የብሉን ክብል ወቒሱ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ቓዛ ዝነበራ ሆስፒታላት ዓንየን እስራኤል ከኣ ዝበኣሰ ኣዕናዊ መጥቃዕቲታት ናብ ምግባር ትኸይድ ኣላ ክብል፡ ኣብ ድሮ በዓል ልደት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። ንሱ “እስራኤል ኣብ ቓዛ ትገብሮ ዘላ መጥቃዕቲ ንጽላት ክንክን …

Read More »

ጳጳስ ካቶሊክ ፍራንሲስ ብ ቓዛ ዝካየድ ህልቂት ኲናት ደው ክብል ጸዊዖም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካቶሊካኢት ቤተክርስትያን ኣብ Qዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ደው ክብል፥ ብሓማስ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ እስራኤላውያን ከኣ ነጻ ክልቀቑን ጸዊዖም። ጳጳስ ፍራንሲስ ኣብ ወግዓዊ መልእኽቶም ኣብ መዓልቲ ልደት፡ ኣዝዩ ኣጨናቒ ሰብኣዊ ኩነታት  ቓዛ ዝያዳ ሓገዝ ክግበር ውን ጸዊዖም። ኲናት እስራኤልን ሓማስን ብ7 ጥቅምቲ ዝጀመረ ኮይኑ፡ ዕጡቓት ሓማስ ንእስራኤል ኣጥቂዖም ኣስታት 1200 ሰባት ድሕሪ ምቕታል 240 ድማ ጅሆ ሒዞም እዮም። …

Read More »

ፊንላንድ፥ ብዝሒ ህዝቢ ከተማ ሄልሲንኪ ብቕልጡፍ ይዓቢ’ሎ

ከተማ ሄልሲንኪ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝዘርገሐቶ ደሞግራፍያዊ ትንበያ፥ ብዝሒ ህዝቢ እታ ከተማ ኣብ መወዳእታ 2022 ካብ ዝነበሮ 664,028 ኣብ 2027 ናብ ልዕሊ 700,000 ኣብ 2040 ከኣ ናብ 720 ሽሕ ክዓቢ ትጽቢት ከም ዝግበር ገሊጻ። እቲ ትንበያ ኣብ 2060 ዝውዳእ ኮይኑ ርእሰ ከተማ ፊንላንድ ኣብቲ ዓመት ቊጽሪ ህዝቢ ሄልሲንኪ 906 ሽሕ ክበጽሕ ትጽቢት ተጌሩ’ሎ። ከተማ ኬልሲንኪ ኣብ 2024 ኣስታት 8,200 ሓደስቲ …

Read More »

ሄልሲንኪ ኣብ ሓፈሻዊ ደረጃ ትምህርቲ ህዝባ ርኡይ ወሰኽ ብምርኣያ፡ ምሁር ዓቕሚ ሰብ ትስሕብ

ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት፡ ሄልሲንኪ ኣብ ሓፈሻዊ ደረጃ ትምህርቲ ህዝባ ርኡይ ወሰኽ ብምርኣያ፡ ልዑል መጠን ምሁር ዓቕሚ ሰብ ምስሓባ ተፈሊጡ። ይኹን እምበር እዚ ኣንፈት ትምህርቲ ኣብ ዝተፈላለያ ወረዳታት እታ ከተማ ተመሳሳሊ መጠን ዝርግሐ የብሉን ይበሃል ኣሎ። ካብ ቤት ጽሕፈት ከተማ ዝወጸ ሓድሽ ሕታም ከምዘመልክቶ፡ ዋላ’ኳ ነዚ ፍልልያት ንምጽብባብ ይስራሕ እንተሎ፡ ኣብ መንጎ ዝለዓለን ዝወሓደን ደረጃ ትምህርቲ ዘለዎም ከባቢታት ዘሎ ፍልልይ …

Read More »

ሽወደናዊት ኮሚሽነር ሕብረት ኤውሮጳ ንስምምዕ ጒዳይ ስደተኛታት ዘለዋ ደገፍ ትገልጽ

ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ሓድሽ ስምምዕ ጒዳይ ስደተኛታት ከም ዝሰማምዕ ገሊጹ። ኮሚሽን ኤውሮጳ፡ እቲ ስምምዕ፡ ንሕብረት ኤውሮጳ ዝያዳ ፍትሓዊ፡ ስሉጥን ዘላቕን መስርሕ ስደትን ዑቕባን ከም ዝፈጥር ብምግላጽ እዩ ምስቲ መትከላት ከም ዝሰማማዕ ገሊጹ ዘሎ። ኮሚሽነር ውሽጣዊ ጉዳያት ሕብረት ኤውሮጳ ዝኾነት ሽወደናዊት ይልቫ ጆሃንሰን “እዚ ዓወትና እዩ” ክትብል ሓጎሳ ገሊጻ’ላ።

Read More »

ፈረንሳ፥ ሕጊ ኢሚግሬሽን ዘትርር ጽገናታት ትገብር

ፓርላማ ፈረንሳ ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ፖለቲካዊ ክርክር ንፖሊሲ ኢሚግሬሽን ፈረንሳ ዘትርር ሕጊ ኣጽዲቑ። እቲ ዝተመሓየሸ እማመ ብኽልቲኡ ማእከላይ ሰልፊ ሕዳሰ ፕረዚደንት ኣማኑኤል ማክሮንን ብናይ ማሪን ለ ፐን ሕሉፍ የማናዊ ሃገራዊ ሰልፍን ደገፍ ረኺቡ’ሎ። እቲ ድምጺ ንሰልፊ ማክሮን ክኸፋፍፍሎ እንከሎ ፡ ሚኒስተር ጥዕና ኣውረሊን ሩሶ ድማ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ምዃኑ ኣፍሊጡ’ሎ። ጸጋማውያን ውድባት፡ ማክሮን ንርሑቕ የማናውያን ሕድገታት ከምዝገበረ ብምልዓል ከሲሶም ኣለዉ። …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com