Friday , May 3 2024

ዜና

ዝበዝሑ ሰባት መንግስቲ ጽቡቕ ስራሕ ይሰርሕ ኣሎ ዝብል ርእይቶ ኣለዎም

48% መረጽቲ መንግስቲ ጽቡቕ ወይ ዝሓሸ ስራሕ ይሰርሕ ኣሎ ዝብል ግምት ከም ዘለዎም ተገሊጹ፡፡ እዚ ድማ ምስ ዝሓለፈ ወርሒ ክነጻጸር እንከሎ ብ7% ወሰኽ ዘርኣየ ምዃኑ ትካል ኢንዲካተር ዘውጽኦ ኣሃዛት ኣመልኪቱ። “መረጽቲ ብዛዕባ ቁጠባን ኣባልነት ሽወደን ኣብ ኔቶን ዝያዳ ትስፉዋት እዮም” ክብል ሓላፊ ርእይቶ ኢንዲካተር ፐር ኦለስኮግ ትሪግቫሶን ይገልጽ።

Read More »

ጃፓን፥ ነፈርቲ ኲናት ክትሸይጥ እያ

ካቢነ ሚኒስተራት ጃፓን እታ ሃገር ምስ ዓባይ ብሪጣንያን ኢጣልያን ብሓባር እተማዕብለን ዘላ ሓደስቲ ነፈርቲ ውግእ ንሰደድ ክውዕላ ኣጽዲቑ፡ እዚ ድማ ጃፓን ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም እተኸተለቶ ናይ “ሰላማውነት” ፖሊሲ ትወጻእ ምህላዋ ዘመልክት እዩ። እዚ ውሳነ ባይቶ ጃፓን እታ ሃገር እተን ጀት ነፈርቲ ናብተን ውዕል ምክልኻል ዝፈረመትለን፡ ከምኡ’ውን ግጭት ናብ ዘይብለን ሃገራት ክሽየጣ ንምፍቃድ ንሕግታት ሰደድ ኣጽዋር ዝቐለለ ክኸውን ጌሩ’ሎ። ጃፓን …

Read More »

ካብ ልዕሊ ክብደት ዝኾኑ ወለዲ ዝወጹ ቆልዑ ልዕሊ ክብደት ናይ ምዃን ዕድሎም ዝለዓለ እዩ ተባሂሉ

ወለዶም ልዕለ ክብደት ዝኾኑ ቆልዑ ኣብ ማእከላይ ዕድመ ከራሻት ናይ ምዃን ተኽእሎኦም ብሽዱሽተ ዕጽፊ ዝዛይድ ምዃኑ ሓደ ሓድሽ መጽናዕቲ ሓቢሩ። ሓዲኦም ወላዲ ልዕሊ ክብደት ምስ ዝኸውን ነቲ ተኽእሎ ብሰለስተ ዕጽፊ ከም ዝዛይድ ኣብ ኢጣልያ ቬኒስ ኣብ ዝካየድ ኤውሮጳዊ ጉባኤ ክቐርብ ምዃኑ ተፈሊጡ’ሎ። ዝርዝር ሓበሬታ ቁመትን ክብደትን ኣብ ማእከላይ ዕድመ (40-59 ዓመት) ዝርከቡ ወለዲን ኣብ ተመሳሳሊ ዕድመ ዝርከቡ ደቆምን ጽኑዕ ምትእስሳር …

Read More »

ኣረጋውያን ሓድሽ መበራትዒ ብልቃጥ ኮቪድ ክወስዱ መተኣሳሰቢ ቀሪቡ

ኣብ ዝመጽእ ሚያዝያ ኣብ መላእ ሽወደን ክታበት ኮቪድ ዳግማይ ክጅመር ምዃኑ ተፈሊጡ። ኩሎም ልዕሊ 80 ዓመት ዝዕድሚኦም ከምኡ’ውን ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ዘቤታዊ እምበር ካልእ ክንክን ዘድልዮም ሽማግለታት መበራትዒ ክታበት ኮቪድ ክወስዱ ምኽሪ ቀሪቡ’ሎ። “እቲ ስግኣት ዝወሰኸ ንርኢ’ለና ” ክብል ተጸዋዒ መንግስቲን ክኢላ ለበዳን ማግኑስ ጊስለን ንመደብ ፒ4 ኤክስትራ ሬድዮ ሽወደን ገሊጹ’ሎ። እዚ እናኾነ ኣብ ምምሕዳራት ከተማን ዞባታትን ሽወደን ዝተቖጽሩ …

Read More »

ኣገልግሎት ስለያ ሽወደን “ኣብ ደረጃ ስግኣት ግብረሽበራ ሽወደን ለውጢ የለን”

ኣገልግሎት ስለያ ሽወደን ሳፖ ድሕሪ’ቲ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሞስኮ ዝተፈጸመ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ፡ ​​ኣብ ልዕሊ ሽወደን ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ከይፍጸም ዘሎ ስግኣታት ይከታተል ከምዘሎን፡ ኣብ ሽወደን ዘሎ ደረጃ ስግኣት ግብረሽበራ ”ልዑል” ከምዘሎን ገሊጹ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ሽወደን ከቢድ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ዝዓለመ ሓያሎ መደባት ምንባሩ ተቓሊዑ’ሎ። ኣፈኛ ፕረስ ሳፖ ኣዳም ኢሳክሶን ሳማራ ንሬድዮ ኒውስ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ …

Read More »

መሸጣ ፍቓድ መዘወሪ መኪና ሕብረት ኤውሮጳ ብኢንተርነት ይሽየጥ

ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ወጻኢ ፍቓድ መዘወሪ መኪና ዝውንኑ ሰባት፡ ፍቓድ መዘወሪ መኪናኦም ብናይ ሮማንያ ክቕየረሎም ይኸፍሉ፡ ብእኡ ኣቢሎም ድማ ብቐሊሉ ናብ ናይ ሽወደን ፍቓድ ይቕየርዎ ምህላዎም ተገሊጹ። እዚ ዘይሕጋዊ “ቱሪዝም ፍቓድ ምዝዋር መኪና” ኣብ ከም ቲክቶክ ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንዕዳጋ ይቐርብ ኣሎ። ጋዜጠኛ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዘካየዶ ዳህሳስ፥ ብ1000 ዩሮ ፍቓድ ሮማንያ ክገዝእ ከምዝኽእል ከም እተነግሮ፡ እዚ ዋጋ ድማ ነቲ …

Read More »

ዕለታዊ ዜና ካብ ሃርሞኒ መዲያ 26 መጋቢት 2024

Read More »

ፊንላንድ ንሻብዓይ ተኸታታሊ ዓመት ኣዝያ ሕጉስቲ ሃገር ተባሂላ

ፊንላንድ ሎም ዓመት እውን ብደረጃ ዓለም ኣዝያ ሕጒስቲ ሃገር ተባሂላ። ብመሰረት ጸብጻብ ደረጃ “ሓጎስ ዓለም 2024” ነዚ ሽልማት ክትረክብ ፊንላንድ ሕጂ ንሻብዓይ ግዜኣ እያ። እዚ ቀጻሊ ኣፍልጦ ኸኣ ኣብ ኣነባብራ ፊንላንድ ዓለምለኻዊ ተገዳስነት ክፍጠር ኣለዓዒሉ’ሎ፡፡ ኣብ ፊንላንድ ሓጎስ ዝፈጠር ዘሎ ከመይ ዘበለ ኣገባብ ህይወት እዩ ዝብል ሕቶ ማእከል እዚ ተገዳስነት እዩ። እዚ ኣዝዩ እወታዊ ምስሊ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኽ ነታ ሃገር …

Read More »

ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣርላንዳ ነዊሕ ሪጋ ተፍቲሽ ኣጋጢሙ

ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣርላንዳ ናይ ጸጥታ መርመራ ክሓልፉ ዝጽበዩ ዝነበሩ ተጓዓዝቲ፡ ሎሚ ሓሙስ ንግሆ ነዊሕ ሪጋ ከም ዘጋጠሞም ተሓቢሩ። እዚ እናኾነ ኣብ ተርሚናል 5 ይካየድ ዝነበረ ዝዓበየ ተፍቲሽ ብሰንኪ ቴክኒካዊ ጸገም ክዕጾ ከምዝተገደደ ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ። እቲ ጸገም ሕጂ ተኣሪሙ’ሎ። ኣብ ተርሚናል 5 ዝካየድ ዘሎ ሓድሽ ናይ ጸጥታ መርመራ፡ ዝሓለፈ ሓጋይ ካብ ዝኽፈት ንደሓር ጸገም ከጋጥሞ ንፈለማ እዋን ከምዘይኮነ ብተወሳኺ …

Read More »

ሓድሽ ኣሰልጣኒ ሽወደን እንግሊዝኛ ብምዝራቡ ክትዕ የለዓዕል

ዋና ኣሰልጣኒ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ተባዕትዮ ሽወደን ጆን ዳህል ቶማሶን ብእንግሊዝኛ ክረዳዳእ ምዃኑ ምግላጹ ኣዘራራቢ ኮይኑ። እቲ ነዚ መግለጺኡ ዝተዋህበ ግብረ-መልሲ ፕረስ ገሊኡ ላግጺ ዝተረፈ ኸኣ ናእዳ ኮይኑ ፡ ሓደ ኣባል ባይቶ ነዚ ብዜግነቱ ደንማርካዊ ኣስለጣኒ “ኣኽብሮት ዝጎደሎ” ክብል ዘሊፍዎ’ሎ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ስቶክሆልም ክፍሊ ቋንቋን ብዙሕነትን ኣኒካ ቶርሳገር ሆግ፡ ስክፍታኦም ዝገልጹ ዘለዉ ሰባት ንውሳነኡ ኣብ ክንዲ ምዂናን ፡ ቶማሶን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com