Thursday , May 16 2024

ዜና

ፓሪስ ፈረንሳውያን ጂሃዳውያን ካብ ሶርያ ክምለሱ ክትፈቅድ እያ።

ምውጻእ ወተሃደራት ኣመሪካ ካብ ሶርያ ተኸቲሉ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ ኣብ ሶርያ ንእተሓየሩ ጂሃዳውያን ናብ ፈረንሳ ክምለሱ ክፈቅድ ከም ዝኽእል ኣተንቢሁ”ሎ። “ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሶርያ ዘሎ ወተሃደራዊ ኲነታት ምስ ምልዋጡን ውሳኔ ምስሓብ ሰራዊት ኣመሪካን ስዒቡ እዞም ጂሃዳውያን ባእታታት ኣምሊጦም ናብ ብዙሕ ቦታታት ፋሕ ከይብሉ ብምባል ኢና ነዚ ንገብር ዘሎና” ክብል ንድርኺት እቲ ውሳነ ኣብሪህዎ’ሎ። “ሓይልታት ፈረንሳ ናብ ፈረንሳይ እንተሰጒጎሞም ጒዳዮም …

Read More »

ሽወደን ኣብ ሓድሽ ፖለቲካዊ መድረኽ ኣትያ ተባሂሉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን Stefan Löfven ቦኽሪ ባይቶኣዊ ክትዕ ሎሚ ዓመት ኣብ ምጅማሩ ሽወደን ኣብ ሓድሽ ፖለቲካዊ ኲነታት ተሰጋጊራ’ላ ኢሉ። ንሱ ነቲ ኣብ ኣውሮጳ እናማዕበለ ዝመጸ ሃገራውነት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መደረ መጀመሪ ነጥቢ ሓድሽ ማእከላይ መንግስቲ መሰረታት ሊበራላዊ መንግስቲ ምድጋፍ ምዃኑ ኣስሚርሉ’ሎ። ቊጠባ ሽወደን ኣብ ጽቡቕ ኲነታት ምህላውን ማሕበራዊ ሽግራት ንምፍታሕ ዝኽእሉ ዕድላት ርሒብ ምዃኖምን ገሊጹ’ሎ። ሽቅለት ምውሓስ ቀንዲ ቀዳምነት ሰልፊ …

Read More »

ሞያዊ ብቕዓት ዘለዎም ሰባት ኣብ ሽወደን ምንባር ክቕጽሉ ዘፍቅድ ሕጊ ኣብ 2021 ክጸድቕ እዩ ተባሂሉ።

ኣብ ጒዳይ ምቕያር ስራሕ” ክኢላታት ሰብ ሞያ” ከምኡ”ውን” “ክኢላዊ ሽቕለት” ዘተኰረ ሕጊ ኣብ 2021 ተግባራዊ ክኸውን እዩ ተባሂሉ። እዚ ሕጊ ንሕቶ ፍቓድ መንበሪ ካብዚ ዘለዎ ኣጸቢቚ ከቃልሎ ምዃኑ ተገሚቱ’ሎ። ክሳብ ሕጂ እዚ ሕጊ ኣብ መስርሕ እዩ ዘሎ። እዚ ንሓድሽ መንግስቲ ክዉን ዝገበረ ርቡዓዊ ስምምዕ ሽወደናዊ ፍቓድ መንበሪ ብዝቐለለ ኣገባብ ከም ዝርከብ ብምግባር ምስ ኩንትራት ብዝዛመድ ድማ ጒዳይ ዜግነት ክረአ ከም …

Read More »

በዓል መዚ ኢመግረሽን ፍልስጤማውያን ስድራ ናብ ዩክረይን ክመልስ ይህቅን።

ቦርድ ስደተኛታት ሽወደን እንዳ ሻት ኣብ ጒዳይ ምብራሮም ምስቲ በዓልመዚ ክተሓጋገዙ እዮም ኢሉ ስለዘይሓስብ ንዓመት ናብ ሸንገን ከይምለሱ እገዳ ተነቢርሎም ኣሎ። እቲ ጒዳይ ሕርብት ዝበሎ ዓድል ሻት ምስ SVT Vasternorrland ኣብ ዝገበሮ ዕላል ይግባይ ክንብል ኢና ኢሉ’ሎ። ኣብ Resele ዝቕመጥ ቤተሰብ ሻት ንዑቕባ ዝኸውን እኹል ምኽንያት የብሎምን ኢዮም ተባሂሎም። ስለዚ ድማ ክባረሩ እዩ ተወሲንሎም። እንተኾነ ግና ኣፈጻጸማ እቲ ምስጓግ ዓቢ …

Read More »

Södersjukhuset ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሙ ንዝበለቶ ዶክተር ካብ ስራሕ ኣባሪራ።

ትካል ክንክን ጥዕና Sodersjukhuset ኣብ ክረምቲ 2018 ኣብ ክፍሊ ህጹጽ ሓደጋ ጾታዊ ዓመጽ ፈጺሙ ንዝበለቶ ዶክተር ካብ ስራሕ ኣባሪራ’ላ። እዚ ዶክተር ኣብ 2016 እውን ብተመሳሳሊ ተግባር ተጠርጢሩ ኣብ መርመራ ምጽንሑ ይፍለጥ። ፕረሲደንት ሆስፒታል Mikael Runsio “ቅድሚ ሕጂ ጥርዓንኩም ኣብጺሕኩም ክንሰምዓኩም እናተገባኣና ብምግንጓይና ብዙሕ ይቕሬታ ንሓትት” ኢሉ’ሎ። ኣብቲ ጸብጻብ ቅድሚ ሕጂ ብከቢድ ገበን እተወንጀለ ሰራሕተኛ’ውን ካብ ስራሕ ክሰናበት ተጌሩ ኣሎ ተባሂሉ። …

Read More »

ነባሪ ሞታላ ዝኾነ ኤርትራዊ በዓልቲ ቤቱ ብምቕታሉ ይኽሰስ።

ኣብ ሞታላ (Motala) ካብ ወርሒ ሕዳር ጀሚሩ ብቕትለት በዓልቲ ቤቱ ዝተጠርጠረ ኤርትራዊ ኣቦ ክሲ ተኸፊትሉ’ሎ። ሕዳር 8 እዮም ፖሊስ ኣብ ሰፈር Ekon ከባቢ Motala ከቢድ ክርፍስ ከም ዘሎ ሓበሬታ በጺሕዎም ዝመጹ። ጐረቤት ገበነኛ “ነዛ ሰበይቲ ትሃስያ ኣሎኻ” ከም ዝበሎን ፖሊስ ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሑ ህይወታ ሓሊፋ ከም ዝጸንሓቶምን ገሊጾም። እዛ ሰላሳታት ዝዕድሚኣ ሰበይቲ ኣብ ልዕሊ ኣካላታ ከቢድ ማህረምቲ ከም ዝወረዳ …

Read More »

ስቲፋን ሎቨን ኣብ ፊንላንድ ዑደት ይፍጽም።

ፊንላንድ ዝመጽእ ክረምቲ ስልጣን ፕረሲደንትነት ኣውሮጳዊ ሕብረት ቅድሚ ምርካባ ሽወደንን ፊንላንድን ምስ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ዘለወን ምትሕግጋዝ ከደንፍዓ ከም ዝደልያ ተገሊጹ። ኣብዚ ዛዕባ ዝሓልፉ ኣገደስቲ ውሳኔታት ብዝጸፈፈ ኣገባብ ከዳለዉ እዮም ተባሂሉ’ሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ፊንላንድ Joha Sibela ምስ ሽወደናዊ መዘናኡ Stephan Löfven ኣብ ሄልሲንኪ ዝገበሮ ጋዜጣዊ ዋዕላ ዕሙቕ ንዝበለ ምትሕግጋዝ እዘን ሃገራት ዝኸውን ርሒብ ባይታ ኣሎ ኢሉ’ሎ። ናብ ሄልሲንኪ ቦኽሪ ምብጻሕ …

Read More »

ፖሊስ ሽወደን ዓሌታዊ ተግባራት ይፍጽምዩ ተባሂሉ።

ሓደ ናይ ተሌቪዥን ፕሮግራም ሚእቲ ሰባት ብፖሊስ ሽወደን ዓሌታዊ ተግባራት ኣብ ልዕሊኦም ምፍጻሙ ቃልዕ ጌራ። ፖሊስ ሽወደን ንሕና ኣብ ስራሕና ዓሌታዊ ምፍልላይ ኣይንገብርን ኢና እኳ እንተበሉ ጸለምቲ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣብ ዝኣትዉሉ እዋን ብዘይ ገለ ምኽንያት እተዘውተሩ ሚእቲ ዝኾኑ ዓሌታዊ ትሕዝቶ ዘለዎም ዘለፋታትን ሕጫጨን ምጥቃሞን እታ ፕሮግራም ኣቃሊዓ’ላ። Kalla Fakta ንብዙሓት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ዝነበሩ ሚእቲ ሰባት ኣብ …

Read More »

Arbetsförmedlingen 4400 ሰራሕተኛታቱ ጽባሕ ረቡዕ ከፋንው እዩ ተባሂሉ።

ቤትጽሕፈት መራኸብቲ ስራሓት (Arbetsförmedlingen)  ንኣሽሓት ሰራሕተኛታቱ ካብ ኣገልግሎት ከሰናብቶም እዩ ይበሃል ኣሎ። ረቡዕ ንግሆ ን 4400 ሰራሕተኛታት ቤትጽሕፈት መራኸብቲ ስራሓት (Arbetsförmedlingen)  ናይ ስንብት ምልክታታት ክንገሮም እዩ ተባሂሉ’ሎ። ብመሰረት ጋዜጣ DN እዚ ካብቲ ኣቐዲሙ ተገሚቱ ዝነበረ ቊጽሪ (ማለት 2400 ) ኣጸቢቑ ዝለዓለ እዩ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ሓድሽ እማመ ባጀት ብባይቶ ድሕሪ ምጽዳቑን ዓቃባዊ ክርስትያን ዲሞክራስያዊን ሰልፊታት ባጀት ቤትጽሕፈት ዕዮ ክጐድል ዝብል …

Read More »

ማሕበር ሰራሕተኛታት (facket) ብዛዕባ ሰራሕተኛታት (Arbetsförmedlingen) ይሻቐል።

ማሕበር ሸቀልቲ ህዝባዊ ጽላት ኣብ ልዕሊ ቤትጽሕፈት መራኸብቲ ስራሓት (Arbetsförmedlingen) ክተኣታቶ እዩ ንዝተባህለ ጽንኩር ለውጢታት ነቒፍዎ። ቤትጽሕፈት መራኸብቲ ስራሓት (Arbetsförmedlingen) ዕማማቱ ብምጒዳል ብሕታውያን ኲባንያታት ስራሕ ናይ ምንዳይ ዕማም ክርከባ እማመ ምውጹኡ ይፍለጥ። እዚ ማሕበር እዘን ናይ ብሕቲ ኲባንያታት ካብ ሰራሕተኛታት ቤትጽሕፈት ዕዮ ንላዕሊ ነዚ ስራሕ ክዓሞኦ ኣይክእላን እየን ዝብል ቅዋም ኣውጺኡ’ሎ። ብመሰረት ኣብ መንጐ ኣርባዕቲአን ሰልፊታት ( ማለት ሰልፊ ሶሽል …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com