Sunday , May 5 2024

ዜና

ማእከላይ ባንክ ሽወደን ዋና ወለዱ ብግዜኡ ኣይክልውጥን እዩ

ማእከላይ ባንክ ሽወደን “ሪክስባንከን”፡ ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት ኣዋርሕ ወለድ ንምንካይ ይጽዕር ከምዘሎ እንተኾነ ግና ክሳብ ሽዑ ከምቲ ዘለዎ ክቕጽል ምዃኑ ገሊጹ። በዚ ድማ ነቲ ዋና ወለዱ ንግዚኡ ኣብ 4% ከይተቐየረ ይገድፎ ከምዘሎ ኣፍሊጡ። ኣመሓዳሪ ሪክስባንክ ኤሪክ ቴዲን ምስ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ እቲ ካብ ዝቕባበ ዝመጽእ ጸቕጢ ኣዝዩ ከምዝቐለለ ብምሕባር፡ ሕጂ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ጽድያ ወለድ ምንካይ ዝብል …

Read More »

ብዙሓት ተማሃሮ ካብ SFI ዘቋርጹ

ዳርጋ ፍርቂ ካብ ተማሃሮ SFI ትምህርቲ የቋርጹ — ብዙሓት ድማ ድሕሪ ዓመት ስራሕ ምጅማር ኮነ ትምርቲ ምቕጻል ከም ዘይክእሉ ተገሊጹ። ሃገራዊ ኤጀንሲ ትምህርቲ “ስኮልቨርኬት”፥ ዝበዝሑ ተመሃሮ ስለምንታይ ካብ SFI ይወጹ ከምዘለዉ ኣመልኪቱ መርመራ ኣካዪዱ ኔሩ። “እቲ ምኽንያት ጉዳይ ስድራቤትን ጥዕናን፡ ከምኡ’ውን ናይ ወለዲ ዕረፍቲ ክኸውን ይኽእል። ብዙሓት ግን ብዘይተፈልጠ ምኽንያት እዮም ትምህርቶም ዘቋርጹ ዘለዉ” ትብል መርማሪት ናይቲ ትካል ሃና ኦስተርሉንድ።

Read More »

ጃፓን፥ ነፈርቲ ኲናት ክትሸይጥ እያ

ካቢነ ሚኒስተራት ጃፓን እታ ሃገር ምስ ዓባይ ብሪጣንያን ኢጣልያን ብሓባር እተማዕብለን ዘላ ሓደስቲ ነፈርቲ ውግእ ንሰደድ ክውዕላ ኣጽዲቑ፡ እዚ ድማ ጃፓን ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም እተኸተለቶ ናይ “ሰላማውነት” ፖሊሲ ትወጻእ ምህላዋ ዘመልክት እዩ። እዚ ውሳነ ባይቶ ጃፓን እታ ሃገር እተን ጀት ነፈርቲ ናብተን ውዕል ምክልኻል ዝፈረመትለን፡ ከምኡ’ውን ግጭት ናብ ዘይብለን ሃገራት ክሽየጣ ንምፍቃድ ንሕግታት ሰደድ ኣጽዋር ዝቐለለ ክኸውን ጌሩ’ሎ። ጃፓን …

Read More »

ኣገልግሎት ስለያ ሽወደን “ኣብ ደረጃ ስግኣት ግብረሽበራ ሽወደን ለውጢ የለን”

ኣገልግሎት ስለያ ሽወደን ሳፖ ድሕሪ’ቲ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሞስኮ ዝተፈጸመ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ፡ ​​ኣብ ልዕሊ ሽወደን ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ከይፍጸም ዘሎ ስግኣታት ይከታተል ከምዘሎን፡ ኣብ ሽወደን ዘሎ ደረጃ ስግኣት ግብረሽበራ ”ልዑል” ከምዘሎን ገሊጹ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ሽወደን ከቢድ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ዝዓለመ ሓያሎ መደባት ምንባሩ ተቓሊዑ’ሎ። ኣፈኛ ፕረስ ሳፖ ኣዳም ኢሳክሶን ሳማራ ንሬድዮ ኒውስ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ …

Read More »

መሸጣ ፍቓድ መዘወሪ መኪና ሕብረት ኤውሮጳ ብኢንተርነት ይሽየጥ

ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ወጻኢ ፍቓድ መዘወሪ መኪና ዝውንኑ ሰባት፡ ፍቓድ መዘወሪ መኪናኦም ብናይ ሮማንያ ክቕየረሎም ይኸፍሉ፡ ብእኡ ኣቢሎም ድማ ብቐሊሉ ናብ ናይ ሽወደን ፍቓድ ይቕየርዎ ምህላዎም ተገሊጹ። እዚ ዘይሕጋዊ “ቱሪዝም ፍቓድ ምዝዋር መኪና” ኣብ ከም ቲክቶክ ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንዕዳጋ ይቐርብ ኣሎ። ጋዜጠኛ ሬድዮ ሽወደን ኣብ ዘካየዶ ዳህሳስ፥ ብ1000 ዩሮ ፍቓድ ሮማንያ ክገዝእ ከምዝኽእል ከም እተነግሮ፡ እዚ ዋጋ ድማ ነቲ …

Read More »

ፊንላንድ ንሻብዓይ ተኸታታሊ ዓመት ኣዝያ ሕጉስቲ ሃገር ተባሂላ

ፊንላንድ ሎም ዓመት እውን ብደረጃ ዓለም ኣዝያ ሕጒስቲ ሃገር ተባሂላ። ብመሰረት ጸብጻብ ደረጃ “ሓጎስ ዓለም 2024” ነዚ ሽልማት ክትረክብ ፊንላንድ ሕጂ ንሻብዓይ ግዜኣ እያ። እዚ ቀጻሊ ኣፍልጦ ኸኣ ኣብ ኣነባብራ ፊንላንድ ዓለምለኻዊ ተገዳስነት ክፍጠር ኣለዓዒሉ’ሎ፡፡ ኣብ ፊንላንድ ሓጎስ ዝፈጠር ዘሎ ከመይ ዘበለ ኣገባብ ህይወት እዩ ዝብል ሕቶ ማእከል እዚ ተገዳስነት እዩ። እዚ ኣዝዩ እወታዊ ምስሊ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኽ ነታ ሃገር …

Read More »

ሃከር ፖሊስ መጭበርበሪ ንምሓግዝ ሓጊዙ

ሓደ ኣብ ምፍጋር ሜሞሪ ኮምፕዩተር ዝዋፈር–ሃከር– ፖሊስ ልዕሊ ሽሕ ዝኾኑ መብዛሕትኦም ኣረጋውያን ሰባት ብመጭበርበርቲ ባንክታት ኣቢሉ ብምትላል ዝተጠርጠረ መርበብ ንኸቃልዕ ከምዝሓገዘ መርማሪ ፕሮግራም SVT Uppdrag Gränskning ጸብጺባ። እቲ ሃከር ኣብ ኮምፒዩተራት ናይቲ መርበብ ስሒቡ ብምክትታል ነቲ ሓበሬታ ውሑስ ከምዝገበረ፥ እዚ ድማ ንፖሊስ ከም ዘረከቦ ተገሊጹ’ሎ። ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ጀሚሮም ብኸቢድ ምትላል ዝተጠርጠሩ ሰለስተ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝርከቡ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ …

Read More »

እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን ግብረሽበራዊ ተባሂሉ ክምደብ ዳግማይ ጻውዒት ይግበር

ኢራን ኣብ ልዕሊ ሽወደናውያን ኣይሁድ ክትፍጽሞ ወጢና ተባሂላ እተጠርጠረትሉ ጒዳይ ምኽንያት ብምግባር “እስላማዊ ሓለዋ ሰውራ” እታ ሃገር ኣብ ሽወደን ግብረሽበራዊ ትካል ተባሂሉ ክጽዋዕ ዳግማይ ጠለባት ይቐርብ ኣሎ። እቲ ሓላዊ ሰውራ ብድሕሪ እቲ ውዲት ቅትለት ከም ዘሎ እዩ ዝጥርጠር። “ኣዝዩ ዘስካሕክሕ እዩ። እቲ ውጥን እቲ ጉጅለ ግብረሽበራዊ ውድብ ዝብል ስያመ ንኽወሃቦ ዝያዳ ኣገዳሲ ምዃኑ ዘጉልሕ እዩ” ክብል ወሃቢ ቃል ፖሊሲ ወጻኢ …

Read More »

ሓደጋ ምጽናት ዘንጸላለዎም እንስሳ ዘገዳም ንምድሓን ዝዓለመ ፕሮጀክት ምወላ ይረክብ

ኣብ ሽወደን ሓርገጽ ኣርክቲክን ዕንቅርቢትን ኣብ ሓደጋ ምጽናት ዝርከቡ ዝርከቡ ዓሌታት ምዃኖም ተለልዮም። እዚ ፕሮአክት ምክንኻን ኣብ ምጽናት ዝርከቡ ዓሌታት እናነከየ ዝኸይድ ዘሎ ቁጽሮም ንምቕልባስ ግልባጥ ክሕግዝ እዩ ዝብል ተስፋ ተነቢርሉ’ሎ። ማዕከን እንስሳ ዘገዳም ሽወደንን ሃገራት ኖርዲክን ነቲ ንኣርባዕተ ዓመት ዝጸንሕ ፕሮጀክቶም ንምስሳን ምወላ ረኺቦም ኣለዉ። “ነዞም ፍጥረታት እዚ ሓገዝ ክንገብር ዘኽእለና ዓቕሚ ምርካብና ናይ ኲልሳዕ ሕልምና ዘግህድ እዩ” ክትብል …

Read More »

ጥርጡር ግብረሽበራ ብፌይስቡክ ጅሃዳዊ ፕሮፖጋንዳ ከጋውሕ ምጽንሑ ተፈሊጡ

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ግብረሽበራዊ ገበናት ንምፍጻም ውዲት ፈጺሞም ተባሂሎም ተጠርጢሮም ካብ ዝተኣስሩ ክልተ ኣሕዋት ሓደ ብኢንተርነት ጅሃዳዊ ፕሮፖጋንዳ ክዝርግሕ ምጽንሑ ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ኣጣሊላ። ክልቲኦም ኣሕዋት ሃይማኖቶም ናብ ዝቐየሩ ኮይኖም፡ ሓደ ካብቲ ሓው ኣብ ፌስቡክ ዝዘርግሖ ናይ መወዳእታ ስእልታት ፕሮፋይል ምስ ግብረሽበራዊ ጉጅለ ዳዕሽ ዝተኣሳሰር ሕሳብ ፕሮፖጋንዳ ዘርኢ እዩ። ብመሰረት ኣገልግሎት ስለያ ሳፖ፡ እቶም ኣሕዋት ዝጥርጠሩሉ ገበን ምስ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com