Saturday , May 4 2024

ዜና

እገዳ ሂሮይን ሰባት ናብ ካልእ ሓሽሽ ክዝምብሉ ምኽንያት ይኸውን ኣሎ

ጣሊባን ኣብ 2022 ኣብ ኣፍጋኒስታን ኣዝመራ ዕጸፋርስ ካብ ዝእግድ ንደሓር፡ ሂሮይን ኣብ ሽወደን ዝያዳ ክቡርን ንምርካቡ ዝኸበደን ኮይኑ’ሎ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ወልፊ ዘለዎም ሰባት ኣብ ክንድኡ ናብ ዝበርትዑን ሲንተቲካውያንን ዕጸፋርስ ናይ ምምራጽ ተእኽሎታት ኣናኦኣበየ ከም ዝመጽእ ጌርዎ’ሎ። “ሓያሎ ሰባት ብዕጸፋርስ ይድንዝዙ ኣለዉ” ይብል ኣብ ሊንሾፒንግ ዝርከብ ወልፊ ዘለዎም ሰባት ዝእለዩሉ ማሕበር።

Read More »

“ሳፖ”፡ስርሒታት ስለያ ሩስያ ንሽወደን ዓቢ ጸጥታዊ ስግኣት ኮይኑዋ’ሎ

ሽወደን ኣብ ከቢድ ጸጥታዊ ስግኣት ከም እትርከብ ኣገልግሎት ስለያ ሽወደን ሳፖሓቢሩ። ስርሒታት ስለያ ሩስያ ንጸጥታ ሽወደን ዓቢ ስግኣት የስዕብ ምህላዉ ሳፖ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘቕረቦ ዓመታዊ ጸብጻቡ ገሊጹ’ሎ። ተግባራት ሓይልታት ወጻኢ፥ ጎነጻያንን ጥሩፋትን ተሓዋዊሱ ስግኣታት ጸጥታ ሽወደን እናተደራረቡ ይመጽ ኣለዉ ክብል እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።

Read More »

ፊንላንድ ናብ ሩስያን ማእከላይ ኤስያን እትገብሮ ሰደድ ብርኡይ መጠን የንቈልቊል

ፊንላንድ ናብ ሩስያን ማእከላይ ኤስያን ክትገብሮ ዝጸንሐት ሰደድ ርኡይ ምንቁልቋል ከምዘርኣየ ተገሊጹ። ኣብ ውሽጢ ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ጥራይ እዚ ሰደድ ብ 68.9% ከምዘንቈልቈለ “ስታቲስቲክስ ኣህጉራዊ ንግድ” ዩሮስታት ይሕብር። ኣብ 2021 ፊንላንድ ብደረጃ ሕብረት ኣውሮጳ ናብዘን ዞባታት ዝነበራ ብጽሒት 3.9% እኳ እንተነበረ፡ ክሳብ 2023 ግን እዚ ኣሃዝ ናብ 1.9% ወሪዱ እዩ። እዚ ምንቁልቋል፡ ኩባንያታት ፊንላንድ ናብ ምብራቕ ዝገብርኦ ሰደድ ካብቲ ማእከላይ …

Read More »

News Magazine ዜና መጽሄት 20240216

  መጠንቀቕታ ካብ ፖሊስ ንወለዲ መንእሰያት ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ንምውሳድ ፈተና ክጅመር

Read More »

ሓደ ዲፕሎማት ኢራን ብስለያ ይጥርጠር

ኣገልግሎት ጸጥታ ሽወደን “ሳፖ”፡ ኢራን ብጒልባብ ዲፕሎማስያዊ ስራሕ ናብ ሽወደን ብተደጋጋሚ መኮንናት ስለያ ከም ዝለኣኸት ከም ዝጥርጥር ገሊጹ። ሓደ ካብዞም ኣብ ስለኣዊ ንጥፈታት ከም እተዋፈሩ ዝጥርጠሩ ዲፕሎማሰኛታት ወግዓዊ ዕማማቱ ጉዳይ ባህሊ ምዃኑ ዝተገልጸ ሰብ ምህላዉ ሬድዮ ሽወደን ን ሳፖ ብምጥቃስ ጸብጺባ’ላ። እዚ እናኾነ ደረጃ ስግኣት ግብረሽበራ ሽወደን ኣብ ልዑል ደረኣ ክጸንሕዩ ተባሂሉ። ደረጃ ስግኣት ግብረሽበራ ሽወደን ኣብ 2024 ልዑል ኮይኑ …

Read More »

ተጓዓዝቲ ኦረሱንድ ተፍቲሽ መንነት ክግበረሎም እማመ ይቐርብ

መንግስቲ ሽወደን ኣብ መላእ ኡረሱንድ ንዝርከቡ ባቡራት፡ ኣውቶቡሳትን ጀላቡን ንተጓዓዝቲ ወረቀት መንነት ክሓቱ ከምኡ’ውን ሕጋዊ መለለዪ መንነት ዘይብሉ ሰብ ናብ ሽወደን ከይኣቱ ክኽልክሉ ስልጣን ክህልዎም ዝብል እማመ ኣቕሪቡ። ስደት ዘምጽኦ ስግኣታት ሃገራዊ ድሕነት ምኽንያታት ናይዚ ቀሪቡ ዘሎ እማመ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ኣብ 2016ን 2017ን ኣብ ኦሬሱንድ ኣብ ልዕሊ ተጓዓዝቲ ፍተሻ መንነት ምካያዱ፡ ሕጂ ድማ እቲ ጠለብ ዳግማይ ክልዓል ከም ዝኽእል ተገሊጹ’ሎ። …

Read More »

ስከለፍትዮ ኣብ ደረት ደሞዝ ፍቓድ ስራሕ ፍሉይ ረቛሒ ክተኣታቶ ተስፋ ከም ዘለዎ ይገልጽ።

ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን፡ ንወነንቲ ፍቓድ ስራሕ ዝተቐመጠ ደረት ደሞዝ ክስኽ ኣለዎዶ ኣብ ዝብል ሕቶ መንግስታዊ መርመራ ክግበር እዩ ተባሂሉ።- እዚ መርመራ ገለ ኢንዱስትሪታት ወይ ቦታታት ስራሕ ዝኾነ ሕድገታት ክግበረለን ኣለዎ እንተኾይኑ ክርኢ እዩ። ምምሕዳር ከተማ ስክለፍትዮ ብወገኑ ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ወጻኢ ዝመጹ ሰባት ጽላት ድሕነት ንምምልማል ዘኽእሎም ፍሉይ ሕጊ ክተኣታቶ እዩ ዝብል ተስፋ ከም ዘለዎ ገሊጹ’ሎ። “ሓደ ሓደ ግዜ …

Read More »

ሳፖ፡ “ሓያሎ ውዲት መጥቃዕትታት ኢራን ኣፍሺልና”

ኣገልግሎት ጸጥታ ሽወደን ሳፖ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ኢራን ኣብ ልዕሊ ሽወደን ክትፍጽሞ ዝሓሰበት ሓያሎ ዝተፈላለየ መጥቃዕትታት ደው ከምዘበለ ሬድዮ ኒውስ ሽወደን ሓቢራ። ዝሓለፈ ሰሉስ ኣገልግሎት ሬድዮ ሽወደን ኣብ 2021 ክልተ ኣባላት ስለያ ኢራን ንቕትለት ሽወደናውያን ኣይሁድ መደብ ኣውጺኦም ተባሂሎም ከምዝተጠርጠሩ ገሊጻ ኔራ። ብዘይካዚ ኣንጻር ሽወደን ዘቕንዑ ካልኦት ውዲታት ምፍሻሎም እታ ሬድዮ ን ሳፖ ብምጥቃስ ጸብጺባ’ላ። “እዞም ባእታታት ኣብ ሽወደን ኣብ …

Read More »

ጠፈርተኛ ማርከስ ዋንድት ናብ መሬት ምምላስ ይጅምር

ን ዓሰርተ ሾብዓተ መዓልታት ኣብ ኣህጉራዊ መደበር ጠፈር ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሽወደናዊ ጠፈርተኛ ማርከስ ዋንድት ሎሚ ድሒሩ ናብ መሬት ናይ ምምላስ ጉዕዞኡ ክጅምር እዩ። ብመሰረት ጸብጻብ ኤጀንሲ ህዋ ሽወደን፡ ዋንድት ካብ ISS ሰዓት 3፡05 ድሕሪ ቀትሪ ክብገስ ምዃኑን፡ ጽባሕ ዓርቢ ድማ ብኣቆጻጽራ ሽወደን ኣስታት ሰዓት 2.30 ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ወሰን ፍሎሪዳ ኣብ ባሕሪ ክዓልብ ትጽቢት ተጌሩ’ሎ። እቲ ጒዕዞ ብሰንኪ ሕማቕ ኩነታት …

Read More »

ብዙሓት ወጻእተኛታት ናብ ስከለፍተዮ የምርሑ

ዓሚ ሓድሽ ናብራ ንምምስራት ናብ ስከለፍተዮ ካብ ዝመጹ ሰባት እቶም ሲሶ ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝመጹ ምዃኖም ተገሊጹ። ኣሌስያ ጋሎን ሚሸል ኣመንዶ ላጂንን ካብ ሚላኖ ናብዚ ዝመጹ ኮይኖም፡ ብፍላይ ድማ በቲ ኣብ ልዕሊ ሰሜናዊት ከተማ ዘሎ ሰማይ ከም ዝምስጣ እያ ትገልጽ። “እቲ ኣዝዩ ንምእማኑ ዘጸግም ዘጋጠመኒ ነገር ካብ ልዕሊ ኣፓርታማይ ኣብ ዝርከብ ሰማይ ብሩህ ቀለማት ምርኣአይ እዩ” ክትብል ኣለስያ ጋሎ ንሬድዮ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com